ከመይ ገይሮም ኪሰምዑ፧
1. ዕዮ ስብከት በዳሂ ኪኸውን ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ ስለምንታይ ግን ኢና ኣብቲ ዕዮ እንጸንዕ፧
1 መዓልቲ የሆዋ ብቕልጡፍ እናቐረበት ትኸይድ ስለ ዘላ፡ ንብዙሓት ካልኦት ሰባት ብዛዕባ ኣምላኽን ብዛዕባ እቲ ንደቂ ሰብ ዘለዎ ዕላማን ቅኑዕ ፍልጠት ንኺረኽቡ ብህጹጽ ክንሕግዞም ኣሎና። (ዮሃ. 17:3፣ 2 ጴጥ. 3:9, 10) ብዕዮ ስብከትና ዘይግደሱ ወይ ዜላግጹልና ብዙሓት ስለ ዘለዉ፡ ሓድሓደ ግዜ እዚ በዳሂ ኪኸውን ይኽእል እዩ። (2 ጴጥ. 3:3, 4) ይኹን እምበር፡ ኣብ ክልና ነቲ ብስራት ናይ ምስማዕ ዕድል እንተ ረኺቦም ኪቕበልዎ ዚኽእሉ ሰባት ከም ዘለዉ ንኽንኣምን እኹል ምኽንያት ኣሎና። ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ግን፡ ብዘይ ሰባኺ ኸመይ ገይሮም ኪሰምዑ እዮም፧—ሮሜ 10:14, 15።
2. ሃዋርያ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት ብኸመይ እዩ ዜተባብዓና፧
2 ንምጽራር ምቅላሱ፦ ምእንቲ እቶም ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኪሰምዑ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ኢልና፡ ድምብርጽ ኪብለና የብሉን። ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝገበሮ ስብከት ብስራት፡ ንፈለማ ግዜ ኣብ ከተማ ፊልጲ እዩ ሰቢኹ። ንዕኡን ንሲላስን ብሓሶት ምስ ከሰስዎም፡ ክልቲኦም ብሽመል ተዘብጡ፡ ናብ ቤት ማእሰርቲ ድማ ተደርበዩ። (ግብ. 16:16-24) ይኹን እምበር፡ እዚ ሕማቕ ተመክሮ እዚ፡ ንጳውሎስ ብፍርሂ ኸም ዜድሓርሕር ኣይገበሮን። ኣብቲ ሚስዮናዊ ጕዕዞኡ ቐጺሉ ናብ ተሰሎንቄ ምስ ከደ፡ ‘ብኣምላኽ ተብዐ።’ (1 ተሰ. 2:2) እቲ ጳውሎስ ዝሓደጎ ኣብነት፡ ‘ንኸይንስልኪ’ ምኽንያት ዚህበናዶ ኣይኰነን፧—ገላ. 6:9።
3. ገሊኣቶም ሰባት ኣቐዲሞም ተገዳስነት እኳ እንተ ዘይነበሮም፡ ኣረኣእያኦም ንኪቕይሩ ኺድርኾም ዚኽእል ግን እንታይ እዩ፧
3 ንነዊሕ ዓመታት ምስማዕ ዚኣብዩ ዝነበሩ ብዙሓት ሰባት፡ ኣረኣእያኦም ተቐዪሩ እዩ። ቍጠባዊ ጸገማት፡ ሕማም፡ ሞት ኣባል ስድራ ቤት፡ ወይ ብዛዕባ ዚርብሽ ፍጻመታት ዚሕብር ወረ፡ ከምዚ ዓይነት ለውጢ ንኺገብሩ ኺድርኾም ይኽእል እዩ። (1 ቈረ. 7:31) ተጻረርቲ ወለዲ ዝነበርዎም ገሊኣቶም ሰባት፡ ርእሶም ስለ ዝኸኣሉ፡ ንኺሰምዑ ፍቓደኛታት ኰይኖም እዮም። ብቐጻሊ ምስባኽና፡ ንኸምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት፡ ግዜ ቕድሚ ምብቃዑ፡ ‘ስም የሆዋ ኺጽውዑ’ ኣጋጣሚ ይኸፍተሎም እዩ።—ሮሜ 10:13።
4. ኣብ ኣገልግሎትና ‘ኸየብኰርና’ ንኽንዓዪ እትድርኸና እንታይ እያ፧
4 “ኣየብኵሩን”፦ ንኣምላኽን ንሰብን ዘላትና ፍቕሪ፡ ልክዕ ከምቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሃዋርያት፡ ኣብ ዕዮ ስብከትን ደቀ መዛሙርቲ ኣብ ምግባርን ‘ከየብኰርና’ ንኽንዓዪ ትድርኸና። (ግብ. 5:42) ሎሚ፡ ብዙሓት ሰባት ብዛዕባ እቲ ዚግበር ዘሎ ‘ጽያፍ ይጕህዩን ይትክዙን’ እዮም። (ህዝ. 9:4) ከምዚኣቶም ዝበሉ ሰባት ነቲ ብስራት ኪሰምዑ ኸለዉ፡ ከመይ ዝበለ ተስፋን እፎይታን ኰን እዮም ዚረኽቡ! መብዛሕትኦም ሰባት ምስማዕ እኳ እንተ ኣበዩ፡ የሆዋ ብጻዕርታትና ኸም ዚሕጐስ ዜረጋግጽ ቅዱስ ጽሑፋዊ መረጋገጺ ኣሎና።—እብ. 13:15, 16።