መደብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት 2007
መምርሒ
ኣብ 2007 ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ኪካየድ ከሎ እዚ ዚስዕብ ምድላዋት ኪህሉ እዩ።
እቲ ኽፍልታት ዚምስረተሉ ጽሑፍ:- መጽሓፍ ቅዱስ: ግምቢ ዘብዐኛ [w]: ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለትካ እተመሓይሸሉ መገድታት [ht]: “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ሓቀኛን ጠቓምን እዩ [bsi06: bsi07]: ከምኡውን ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ [td] ኪኸውን እዩ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ብመዝሙርን ብጸሎትን ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መግለጽን ኣብ ግዜኡ ጀሚሩ: በዚ ዚስዕብ ኪቕጽል ኣለዎ። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ: እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ነቲ ዚቕጽል ክፍሊ ኼፋልጥ እዩ።
ባህርይ ዘረባ:- 5 ደቒቕ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ: እቲ ሓጋዚ መኻሪ: ወይ ካልእ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ኣብታ ክእለትካ እተመሓይሸሉ እትበሃል መምሃሪት ጽሕፍቲ ተመርኲሱ ብዛዕባ ሓደ ባህርይ ዘረባ ይገልጽ። (ኣብተን ሒደት ሽማግለታት ዘለዉወን ጉባኤታት ብቕዓት ዘለዎ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኬቕርቦ ይኽእል እዩ።)
ክፍሊ ቍ. 1:- 10 ደቒቕ። እዚ ብሓደ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኺወሃብ ይግብኦ: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ: ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለትካ እተመሓይሸሉ መገድታት: ወይ ከኣ ኣብታ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ሓቀኛን ጠቓምን እዩ ዘርእስታ ጽሕፍቲ እተመስረተ ይኸውን። ናይ ዓሰርተ ደቒቕ ኣስተምህሮ ዀይኑ ብዘይ ናይ ቃል ድግማ ኪቐርብ ይግብኦ። ዕላማኡ ነቲ ጽሑፍ ንምሽፋን ዘይኰነስ ነታ ጉባኤ ብዝበለጸ ዚጠቕማ እንታይ ምዃኑ እናኣጕላሕካ ኣብ ግብራዊ ጥቕሚ እቲ ዚዝረበሉ ዘሎ ሓበሬታ ንምትኳር ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ሓው ነቲ እተዋህቦ ፍረ ነገር ኪጥቀም ኣለዎ። እቶም ነዚ መደረ እዚ ኺህቡ እተመዘዙ ኣሕዋት ነቲ እተመደበሎም ግዜ ንኺሕልዉ ጥንቃቐ ኺገብሩ ይግብኦም። ኣድላዪ ምስ ዚኸውን ብብሕቲ ምኽሪ ኺወሃብ ይከኣል እዩ።
ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ሓሳባት:- 10 ደቒቕ። ኣብተን ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ደቒቕ: ሓደ ብቑዕ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ነቲ ኽፍሊ ምስታ ጉባኤ ብዚሰማማዕ መገዲ ገይሩ የቕርቦ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፋል እቲ ኣብታ ሰሙን እተመደበ ንባብ ሓሳብ ኪህብ ይኽእል እዩ። እዚ ናይቲ ንባብ ድግማ ጥራይ ኪኸውን የብሉን። እቲ ቐንዲ ዕላማኡ: ሰማዕቲ ነቲ ሓበሬታ ስለምንታይን ብኸመይን ከም ዚጠቕሞም ምእንቲ ኺግንዘብዎ ንምሕጋዞም እዩ። እቲ ተዛራባይ ካብቲ ንመእተዊ እተመደበሉ ሓሙሽተ ደቒቕ ከየዛይድ ኪጥንቀቕ ኣለዎ። ሰማዕቲ ሓሳቦም ዚህቡሉ ሓሙሽተ ደቒቕ ኬትርፍ ኣለዎ። እቶም ሰማዕቲ ኻብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተረድእዎ ነገራትን ዝረኸብዎ ጥቕምታትን ሕጽር ዝበለ ሓሳባት (ን30 ካልኢት ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ንኺህቡ ኺዕደሙ ኣለዎም። ድሕሪኡ ሓላው እቲ ቤት ትምህርቲ ነቶም ኣብ ካልእ ኣዳራሽ ክፍሊ ኬቕርቡ እተመደቡ ተመሃሮ ኪኸዱ ኸም ዚኽእሉ ይሕብሮም።
ክፍሊ ቍ. 2:- 4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ። እዚ ብሓደ ሓው ዚቐርብ ንባብ እዩ። እቲ ተመሃራይ መእተዊ ወይ መዕጸዊ ኸይገበረ ነቲ እተመደበሉ ኽፋል ኬንብብ ኣለዎ። እቲ ሓላዊ ነቲ ተመሃራይ ብዚርዳእ መገዲ: ሰጋእ ከይበለ: ቀንዲ ቓላትን ሓረጋትን እናኣጕልሐ: ድምጺ እናለዋወጠ: ብግቡእ እናዕረፈ: ከምኡውን ባህርያዊ ገይሩ ዜንብብ እንተ ዀይኑ ይርእዮ።
ክፍሊ ቍ. 3:- 5 ደቒቕ። እዚ ኽፍሊ እዚ ንሓንቲ ሓብቲ ዚወሃብ እዩ። እታ ነዚ ኽፍሊ እዚ እተቕርብ ተመሃሪት ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት: ተመላሊስካ ምብጻሕ: ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትገብር ዘላ ዀይና ኸተቕርቦ ትኽእል እያ። ከከም ዚጥዕማ ደው ወይ ኮፍ ኢላውን ከተቕርቦ ትኽእል እያ። ነቲ እተዋህባ ኣርእስቲ ኽትጥቀመሉ ይግባእ: ኣብቲ ኽሊ ኼጋጥምን ግብራዊ ኪኸውንን ብዚኽእል መገዲ ገይራ ድማ ተቕርቦ። ምንጪ ዚኸውን ጽሑፍ ኣብ ዘይጥቀሰሉ ግዜ: ኣብቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዘዳለዎ ጽሑፋት ምርምር ብምግባር ክትዳሎ ኣለዋ። ሓደስቲ ተመሃሮ እቲ ዚውከሳሉ ጽሑፍ እተሓበሮ ኽፍልታት ኪወሃበን ኣለዎ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ: እታ ተመሃሪት ብኸመይ ክፍላ ኸም ዘቕረበትን ነታ ብዓልቲ ቤት ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይራ ኣገዳሲ ነጥብታት ብኸመይ ከም ዘረድኣታን ብፍላይ የተኵረሉ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ ሓንቲ ሓጋዚት ይምድበላ።
ክፍሊ ቍ. 4:- 5 ደቒቕ። እቲ ተመሃራይ (ተመሃሪት) ኣብቲ እተዋህቦ ኣርእስቲ ተመርኲሱ ኽፍሊ የዳሉ። ምንጪ ዚኸውን ጽሑፍ ኣብ ዘይጥቀሰሉ ግዜ: ኣብቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዘዳለዎ ጽሑፋት ምርምር ብምግባር ኪዳሎ ኣለዎ። እዚ ኽፍሊ ንሓደ ሓው ኪወሃቦ ኸሎ: እቲ ሓው ነቶም ተኣከብቲ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ከም መደረ ገይሩ ኬቕርቦ ይኽእል እዩ። ንሓንቲ ሓብቲ ምስ ዚወሃብ ድማ: እቲ ኽፍሊ በቲ ኣብ ክፍሊ ቍ. 3 ዘሎ መልክዕ ገይራ ኸተቕርቦ ኣለዋ። ሓላው እቲ ቤት ትምህርቲ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ነቲ ኽፍሊ ቍ. 4 ንሓደ ሓው ኪህቦ ይኽእል እዩ። እቲ ኰዀብ ዚመስል ምልክት ዘለዎ ኽፍልታት ንኣሕዋት ጥራይ ኪወሃብ ከም ዘለዎን ብመደረ መልክዕ ኪቐርብ ከም ዚግባእን ኣይትረስዕ።
ምኽሪ:- 1 ደቒቕ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ እቲ ተማሃራይ ዚዓየሉ ባህርይ ዘረባ ኣቐዲሙ ብምልክታ ኣይኪነግርን እዩ። እቲ ሓላው ቤት ትምህርቲ: ክፍሊ ቍ. 2: ቍ. 3: ቍ. 4 ምስ ቀረበ: ኣብቲ ዚነኣዱሉ መዳይ ኣወንታዊ ጐድንታቱ ኺጠቅስ እዩ። ዕላማኡ ‘ንፉዕ’ ኢልካ ንምንኣድ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ኣቀራርባ እቲ ውጽኢታዊ ዝዀነሉ ምኽንያታት ብንጹር ንምጥቃስ እዩ። ከከም ኣድላይነቱ: ድሕሪ ኣኼባ ወይ ካልእ ግዜ ነቲ ተመሃራይ ዜድሊ ሃናጺ ምኽሪ ኺወሃቦ ይከኣል እዩ።
ግዜ:- እቲ ዚቐርብ ክፍሊ ዀነ እቲ ዚወሃብ ምኽሪ ኻብቲ እተመደበ ግዜ ኺሓልፍ የብሉን። ካብ ክፍሊ ቍ. 2 ኽሳዕ 4 ዜቕርቡ ተመሃሮ ግዜኦም ምስ ኣኸለ ንኼቋርጹ ብሜላ ምልክት ኪግበረሎም ኣለዎ። እቶም ነቲ ባህርይ ዘረባ: ክፍሊ ቍ. 1: ወይ ነቲ ኻብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ሓሳባት ዜቕርቡ ኣሕዋት ግዜ እንተ ኣሕሊፎም: ብብሕቲ ምኽሪ ኺወሃቦም ኣለዎ። ኵላቶም ግዜኦም ኪሕልዉ ይግባእ። መዝሙርን ጸሎትን ከይሓወስካ እዚ ኽፍልታት እዚ ብጠቕላላ 45 ደቒቕ ይወስድ።
ሓጋዚ መኻሪ:- ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ኣካል ሽማግለታት ነቲ ሓላው እቲ ቤት ትምህርቲ ዚሕግዞ ኽኢላ መኻሪ ይመርጹ። ኣብታ ጉባኤ ብዙሓት ሽማግለታት እንተ ኣልዮም: ኣብ ዓዓመት ነዚ ዕዮ እዚ ዚዓዪ ሽማግለ ኪቕየር ይከኣል እዩ። ናይዚ ሓው ሓላፍነት ነቶም ክፍሊ ቍ. 1 ኸምኡውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ሓሳባት ዜቕርቡ ኣሕዋት ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ምኽሪ ምሃብ እዩ። ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ነዚ መደረታት ምስ ኣቕረቡ ዅሉ ሳዕ ምኽሪ ምሃብ ኣየድልን እዩ።
ናይ ቃል ድግማ:- 30 ደቒቕ። ኣብ ከክልተ ወርሒ ሓላው እቲ ቤት ትምህርቲ ናይ ቃል ድግማ ይመርሕ። ቀቅድሚኡ ግን ብዛዕባ ባህርይ ዘረባ ዚገልጽ ክፍልን ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታትን በዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ መልክዕ ይቐርብ። እቲ ናይ ቃል ድግማ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ወርሒ: እንተላይ ኣብቲ በታ ሰሙን እቲኣ ዚውሰድ ትምህርቲ እተመርኰሰ ይኸውን። ጉባኤኹም ኣብታ ናይ ቃል ድግማ እትግበረላ ሰሙን ኣኼባ ወረዳ ወይውን ምብጻሕ ሓላው ወረዳ እንተ ኣልይዋ: እቲ ድግማ (ከምኡውን ናይታ ሰሙን እቲኣ መደብ) ናብታ እትቕጽል ሰሙን ኪሰጋገር ኣለዎ። እቲ ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ኪቐርብ ዝነበሮ መደብ ድማ ኣብቲ ኣኼባ ወረዳ ዚግበረሉ ሰሙን ኪቐርብ ኣለዎ። እቲ ሓላው ወረዳ ኣብቲ ናይ ቃል ድግማ እትገብርሉ ሰሙን እንተ ደኣ ዀይኑ ዚበጽሓኩም: መዝሙር: ባህርይ ዘረባ: ከምኡውን ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ሓሳባት ከምቲ ኣብቲ መደብ ዘሎ ጌርካ ኪቐርብ ኣለዎ። ኣብታ ሰሙን እቲኣ (ደድሕሪ ባህርይ ዘረባ) እቲ ኣብ ዚመጽእ ሰሙን ዚቐርብ ኣስተምህሮ ኺወሃብ ኣለዎ። ብድሕርዚ: ኣብቲ ዚቕጽል ሰሙን ዚወሃብ ቤት ትምህርቲ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ባህርይ ዘረባ: ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ሓሳባት ከምኡውን ናይ ቃል ድግማ ጥራይ ዘጠቓለለ ይኸውን።
መደብ
1 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኢሳይያስ 24-28 መዝ. 7 (51)
ባህርይ ዘረባ:- ተግባራዊ ጥቕሚ ዘለዎ ዝርርብ (ht ገጽ 14 ¶7-8)
ቍ. 1:- ምኽሪ ይሃንጽ (ht ገጽ 4 ¶1-ገጽ 6 ¶10)
ቍ. 2:- ኢሳይያስ 26:1-18
ቍ. 3:- td 17ለ መንግስቲ ኣምላኽ ነባሪ ኣካላዊ ምሕዋይ ከተምጽእ እያ
ቍ. 4:- ‘ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ክንለብሶ’ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ሮሜ 13:14)
8 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኢሳይያስ 29-33 መዝ. 8 (53)
ባህርይ ዘረባ:- ካብ ምኽሪ ረብሓ ምርካብ (ht ገጽ 11 ¶17-ገጽ 12 ¶19)
ቍ. 1:- እቲ ምኽሪ ዚህብ ዘለዎ ግደ (ht ገጽ 6 ¶11-ገጽ 11 ¶16)
ቍ. 2:- ኢሳይያስ 30:1-14
ቍ. 3:- td 17ሐ ዘመናዊ ናይ እምነት ምፍዋስ ስምረት ኣምላኽ ከም ዘሎካ ዜረጋግጽ ኣይኰነን
ቍ. 4:- የሆዋ ኣምላኽ ቈልዑ ኸም ዚፈቱ ብኸመይ ክንፈልጥ ንኽእል፧
15 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኢሳይያስ 34-37 መዝ. 29 (222)
ባህርይ ዘረባ:- ተወሳኺ መብርሂ ሓሳባት (ht ገጽ 15 ¶12-13)
ቍ. 1:- ነቲ የሱስ ብዛዕባ ቕኑዕን ጌጋን ዘለዎ ኣረኣእያ ብኸመይ ተማዕብሎ፧ (w05 1/1 ገጽ 9 ¶11-ገጽ 10 ¶15)
ቍ. 2:- ኢሳይያስ 34:1-15
ቍ. 3:- ናይ ሓቂ ፍቕሪ ብኸመይ ከተማዕብል ትኽእል፧
ቍ. 4:- td 17መ ብቛንቋታት ምዝራብ ግዝያዊ ምድላው ነበረ
22 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኢሳይያስ 38-42 መዝ. 16 (143)
ባህርይ ዘረባ:- ብቐሊሉ እተገልጸ መደረ (ht ገጽ 15 ¶14-16)
ቍ. 1:- ብሰንኪ ምጽራር ካብ ዕላማኻ ኣይትተዓናቐፍ (w05 1/1 ገጽ 15 ¶16-18)
ቍ. 2:- ኢሳይያስ 38:9-22
ቍ. 3:- td 18ሀ ጠንቂ ሞት
ቍ. 4:- ናይ ሰባት ሕማቕ ድራኸ ኽንግምግም ከይንፍትን ክንጥንቀቕ ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧
29 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኢሳይያስ 43-46 መዝ. 12 (113)
ባህርይ ዘረባ:- ብዙሕ ሓሳባት ዘለዎ ኪኸውን የብሉን (ht ገጽ 16 ¶19-20)
ቍ. 1:- ፍርድታት የሆዋ ኽንቅበሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (w05 1/2 ገጽ 23 ¶4-ገጽ 24 ¶9)
ቍ. 2:- ኢሳይያስ 45:1-14
ቍ. 3:- td 18ለ ኵነታት ምዉታት
ቍ. 4:- * ክርስትያናት ህልኽ ዚመልኦ ውድድር ዜርሕቑ ስለምንታይ እዮም፧
5 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኢሳይያስ 47-51 መዝ. 17 (187)
ባህርይ ዘረባ:- ጥቕስታት ምንባብን ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኦም ምግላጽን (ht ገጽ 30 ¶1-ገጽ 31 ¶5)
ቍ. 1:- ቃል ኣምላኽ የንጽሃናን እሙናት ንኽንከውን የኽእለናን (w05 15/4 ገጽ 11 ¶5-ገጽ 12 ¶11)
ቍ. 2:- ኢሳይያስ 50:1-11
ቍ. 3:- td 18ሐ ምስ ምዉታት ምዝርራብ ኣይከኣልን እዩ
ቍ. 4:- መጽሓፍ ቅዱስ ህያባት ምሃብ ይነቅፍ ድዩ፧
12 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኢሳይያስ 52-57 መዝ. 18 (162)
ባህርይ ዘረባ:- ኣስላጢ ዝዀነ ናይ ምጕላሕ መገዲ ተጠቒሙ (ht ገጽ 31 ¶6-12)
ቍ. 1:- ቃል የሆዋ ትብዓት ይህብ (w05 15/4 ገጽ 12 ¶12-ገጽ 13 ¶14)
ቍ. 2:- ኢሳይያስ 55:1-13
ቍ. 3:- ጥቕሚ ርእስኻ እናሰዋእካ ምንባር ዚኽሕስ እዩ
ቍ. 4:- td 19ሀ 144,000 ጥራይ እዮም ናብ ሰማይ ዚኸዱ
19 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኢሳይያስ 58-62 መዝ. 19 (164)
ባህርይ ዘረባ:- እተዋጽአ ጽሑፍ ምጥቃም—1ይ ክፋል (ht ገጽ 44 ¶10-ገጽ 45 ¶13)
ቍ. 1:- ኢሳይያስ—ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (bsi06 ገጽ 31 ¶34-ገጽ 32 ¶39)
ቍ. 2:- ኢሳይያስ 60:1-14
ቍ. 3:- ባርያ ኣምላኽ ምዃን ቅቡል ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 20ሀ ክርስትያናት ብመዓልቲ ሰንበት ኣይቅየዱን እዮም
26 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኢሳይያስ 63-66 መዝ. 12 (113)
ባህርይ ዘረባ:- እተዋጽአ ጽሑፍ ምጥቃም—2ይ ክፋል (ht ገጽ 45 ¶14-17)
ናይ ቃል ድግማ
5 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 1-4 መዝ. 7 (51)
ባህርይ ዘረባ:- እተዋጽአ ጽሑፍ ምጥቃም—3ይ ክፋል (ht ገጽ 45 ¶18-19)
ቍ. 1:- መእተዊ ኤርምያስ (bhi07 ገጽ 3 ¶1-5)
ቍ. 2:- ኤርምያስ 3:1-13
ቍ. 3:- ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣብ ምንታይ እዩ ዚምርኰስ፧
ቍ. 4:- td 20ለ ሰንበት ምሕላው ካብ ጥንታዎት እስራኤላውያን ጥራይ እዩ ዚድለ ነይሩ
12 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 5-7 መዝ. 17 (187)
ባህርይ ዘረባ:- ውህደት ዘለዎ ኣመዓባብላ ዝርርብ (ht ገጽ 53 ¶1-ገጽ 54 ¶8)
ቍ. 1:- እተተሓሓዘ: ውህደት ዘለዎ ኣመዓባብላ ዝርርብ (ht ገጽ 54 ¶9-ገጽ 55 ¶13)
ቍ. 2:- ኤርምያስ 5:1-14
ቍ. 3:- td 20ሐ ኣምላኽ ዜዕርፈላ ሰንበት (7ይቲ መዓልቲ እታ ናይ ፍጥረት “ሰሙን”)
ቍ. 4:- ኣብ ግዜና: ነቲ ኣብ ዘጸኣት 14:11 ዘሎ ትምህርቲ ኣብ ግብሪ ምውዓል
19 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 8-11 መዝ. 13 (124)
ባህርይ ዘረባ:- ምኽንያታዊ መስርዕ ዘለዎ ዝርርብ (ht ገጽ 55 ¶14-ገጽ 56 ¶15)
ቍ. 1:- ዚሰማማዕ ነጥብታት ጥራይ ምጥቃም (ht ገጽ 56 ¶16-ገጽ 57 ¶20)
ቍ. 2:- ኤርምያስ 10:1-16
ቍ. 3:- ኣብርሃምን እዮብን ዳንኤልን ኣብ ትንሳኤ እምነት ከም ዝነበሮም ብኸመይ ንፈልጥ፧
ቍ. 4:- td 21ሀ ሰባት ብሓዊ ዚሳቐይሉ ቦታ ኣይኰነን
26 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 12-16 መዝ. 28 (224)
ባህርይ ዘረባ:- ዝዀነ ይኹን ቀንዲ ሓሳባት ኣይወጸን (ht ገጽ 57 ¶21)
ቍ. 1:- እቲ በጃ ንጽድቂ ኣምላኽ የጕልሕ (w05 1/11 ገጽ 13-14)
ቍ. 2:- ኤርምያስ 12:1-13
ቍ. 3:- td 21ለ ሓዊ ንጥፍኣት እዩ ዜመልክት
ቍ. 4:- ክርስትያናት ብምንታይ እዮም ኪሕበኑ ዘለዎም፧
2 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 17-21 መዝ. 4 (43)
ባህርይ ዘረባ:- ምስቲ ዝርርብ ዚሰማማዕ ናይ ድምጺ ዓቐን (ht ገጽ 22 ¶11-ገጽ 23 ¶12)
ቍ. 1:- ናይ ድምጺ ዓቐንን እናዕረፍካ ምዝራብን (ht ገጽ 20 ¶1-ገጽ 22 ¶10)
ቍ. 2:- ኤርምያስ 20:1-13
ቍ. 3:- td 21ሐ ብዛዕባ እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ዚገልጽ ዛንታ ናይ ዘለኣለም ስቓይ ኣየመልክትን
ቍ. 4:- * ንዚወሃበና ምኽሪ ብኸመይ ኢና ኽንርእዮ ዘሎና፧
9 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 22-24 መዝ. 28 (224)
ባህርይ ዘረባ:- ኣብ ግቡእ ቦታኡ ዚግበር ምዕራፍ (ht ገጽ 23 ¶13-16)
ቍ. 1:- ኣብ ስርዓተ-ነጥቢ ምዕራፍ (ht ገጽ 23 ¶17-ገጽ 24 ¶21)
ቍ. 2:- ኤርምያስ 23:1-14
ቍ. 3:- ኣብ ኣገልግሎት ምክፋል ሓጐስ ዜምጽኣልና ስለምንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 22ሀ እቲ ኣቦ እተባህለ ኣምላኽ ሓደ ኣካል እዩ: ኣብ ዩኒቨርስ ድማ እቲ ዝለዓለ እዩ
16 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 25-28 መዝ. 4 (43)
ባህርይ ዘረባ:- ሓሳባት ንምልዋጥ ምዕራፍ (ht ገጽ 24 ¶22-ገጽ 25 ¶24)
ቍ. 1:- ንኸተጕልሕ ኢልካን እቲ ዅነታት ኣድላዪ ኪኸውን ከሎን ዚግበር ምዕራፍ (ht ገጽ 25 ¶25-28)
ቍ. 2:- ኤርምያስ 26:1-15
ቍ. 3:- td 22ለ ወዲ ናብ ምድሪ ቕድሚ ምምጻኡ ይኹን ድሕሪኡ ትሕቲ ኣቦ እዩ
ቍ. 4:- ምድሪ በየናይ መገዲ እያ እተረግመት፧ (ዘፍ. 3:17)
23 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 29-31 መዝ. 20 (93)
ባህርይ ዘረባ:- ባህርያዊ ኣገላልጻ ተዘውቲሩ (ht ገጽ 48 ¶11-ገጽ 49 ¶15)
ቍ. 1:- ባህርያዊ ዝዀነ ኣገባብ ኣቀራርባ (ht ገጽ 49 ¶16-ገጽ 50 ¶23)
ቍ. 2:- ኤርምያስ 31:1-14
ቍ. 3:- ዕቤት የሆዋ ደረት ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 22ሐ ሓድነት ኣምላኽን ክርስቶስን
30 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 32-34 መዝ. 26 (212)
ባህርይ ዘረባ:- ኣደማምጻ—1ይ ክፋል (ht ገጽ 50 ¶24-ገጽ 52 ¶29)
ናይ ቃል ድግማ
7 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 35-38 መዝ. 6 (45)
ባህርይ ዘረባ:- ኣደማምጻ—2ይ ክፋል (ht ገጽ 52 ¶30-34)
ቍ. 1:- ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜቕልቡ ምግባር (ht ገጽ 26 ¶1-4)
ቍ. 2:- ኤርምያስ 36:1-13
ቍ. 3:- td 22መ መንፈስ ቅዱስ ንጡፍ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ
ቍ. 4:- ክርስትያናት ንዚሓድሮም ስግኣት ኬሰንፍዎ ዚኽእሉ ብኸመይ እዮም፧
14 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 39-43 መዝ. 4 (43)
ባህርይ ዘረባ:- ብዛዕባ እቲ ጥቐስታት ከም ዚህንጠዩ ምግባር (ht ገጽ 29 ¶19-20)
ቍ. 1:- ነቲ ጥቕሲ ኪረኽብዎ ግዜ ብምሃብ (ht ገጽ 27 ¶5-ገጽ 29 ¶18)
ቍ. 2:- ኤርምያስ 39:1-14
ቍ. 3:- td 23ሀ ቀዳሞት ክርስትያናት መዓልቲ ልደቶም ይኹን በዓል ልደት ኣየብዕሉን ነበሩ
ቍ. 4:- * ናይ ሓቂ ክርስትያናት ንጹህ ወረዘ ኺህልዎም ዚጽዕሩ ስለምንታይ እዩ፧
21 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 44-48 መዝ. 13 (124)
ባህርይ ዘረባ:- እቲ ጥቕሲ ስለምንታይ ከም ዚጠቅም ንምግላጽ ኣቓልቦ ተገይሩ (ht ገጽ 29 ¶21)
ቍ. 1:- ገላጺ ኣካላዊ ምንቅስቓስ (ht ገጽ 36 ¶15-18)
ቍ. 2:- ኤርምያስ 46:1-17
ቍ. 3:- ርእስኻ ምጥባር እንታይ እዩ፧ ብኸመይከ ኻብዚ ኽንጥንቀቕ ንኽእል፧
ቍ. 4:- td 24ሀ ዝኽሪ ድራር ጐይታ
28 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 49-50 መዝ. 13 (124)
ባህርይ ዘረባ:- መራጐዲ ዚኸውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ (ht ገጽ 37 ¶19-20)
ቍ. 1:- ምስ ሰማዕቲ ርክብ ምግባር (ht ገጽ 42 ¶1-ገጽ 43 ¶5)
ቍ. 2:- ኤርምያስ 49:14-27
ቍ. 3:- td 24ለ ቍርባን ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣይኰነን
ቍ. 4:- ወለዲ ንውሉዳቶም ኬንብቡሎም ዚግባእ ስለምንታይ እዩ፧
4 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኤርምያስ 51-52 መዝ. 4 (43)
ባህርይ ዘረባ:- ብቐጥታ ጠቒስካ ብምዝራብ ምስ ሰማዕቲ ርክብ ምግባር (ht ገጽ 43 ¶6-ገጽ 44 ¶9)
ቍ. 1:- ኤርምያስ—ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (bsi07 ገጽ 3-4 ¶36-9)
ቍ. 2:- ኤርምያስ 52:1-16
ቍ. 3:- ካብ ኣምላኽ ተፈሊኻ ኽትነብር ምድላይ ዕሽነት እዩ
ቍ. 4:- td 25ሀ ሰብኣዊ ህይወት የሱስ ‘ኣብ ክንዲ ዅሉ በጃ’ ዀይኑ ተኸፍለ
11 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ድጕዓ ኤርምያስ 1-2 መዝ. 25 (204)
ባህርይ ዘረባ:- ውዕዉዕ ስምዒት ምንጽብራቕ (ht ገጽ 67 ¶1-ገጽ 69 ¶9)
ቍ. 1:- መእተዊ ድጕዓ ኤርምያስ (bsi07 ገጽ 4-5 ¶1-7)
ቍ. 2:- ድጕዓ ኤርምያስ 2:1-10
ቍ. 3:- td 25ለ ተመዓራራዪ ዋጋ ነበረ
ቍ. 4:- ናይ ሓቂ ሕያውነት ድኻም ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
18 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ድጕዓ ኤርምያስ 3-5 መዝ. 6 (45)
ባህርይ ዘረባ:- ምዉቕ ስምዒት ምንጽብራቕ (ht ገጽ 69 ¶10-ገጽ 70 ¶14)
ቍ. 1:- ድጕዓ ኤርምያስ—ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (bsi07 ገጽ 5-6 ¶13-15)
ቍ. 2:- ድጕዓ ኤርምያስ 4:1-13
ቍ. 3:- td 26ሀ ኣብ ክርስቶስ እተሃንጸት መንፈሳዊት ቤተ-ክርስትያን
ቍ. 4:- * ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ፖለቲካ ዘይኣትዉ ስለምንታይ እዮም፧
25 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 1-5 መዝ. 26 (212)
ባህርይ ዘረባ:- ኣብ ናይ ድምጺ ቓና ዚንጸባረቕ ምዉቕን ስምዒት ዘለዎን ኣቀራርባ (ht ገጽ 70 ¶15-ገጽ 71 ¶19)
ናይ ቃል ድግማ
2 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 6-10 መዝ. 9 (37)
ባህርይ ዘረባ:- ነቲ ዝርርብ ዚሰማማዕ ምዉቕን ስምዒት ዘለዎን ኣቀራርባ (ht ገጽ 71 ¶20-21)
ቍ. 1:- መእተዊ ህዝቅኤል (bsi07 ገጽ 6-7 ¶1-6)
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 7:1-13
ቍ. 3:- ናብ የሆዋ ንኽንቀርብ እንታይ ብቕዓታት ከነማልእ ይግባእ፧ (ያእ. 4:8)
ቍ. 4:- td 26ለ እታ ቤተ-ክርስትያን ኣብ ጴጥሮስ ኣይተሃንጸትን
9 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 11-14 መዝ. 16 (143)
ባህርይ ዘረባ:- ንሰማዕትኻ የእምኖም (ht ገጽ 57 ¶1-ገጽ 58 ¶6)
ቍ. 1:- ንሰናይ ግብሪ ኣይትሰልኪ (w05 1/6 ገጽ 29-30)
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 11:1-13
ቍ. 3:- td 27ሀ ተስፋ ምዉታት
ቍ. 4:- ንራእይ 17:9-11 ብኸመይ ክንርድኣ ይግብኣና፧
16 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 15-17 መዝ. 4 (43)
ባህርይ ዘረባ:- ቅቡል መረጋገጺ ቐሪቡ (ht ገጽ 59 ¶7-ገጽ 60 ¶13)
ቍ. 1:- ንግጉይ ኣተሓሳስባ ተጻረሮ! (w05 15/9 ገጽ 26-28)
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 16:1-13
ቍ. 3:- ለባም ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ (ምሳ. 13:16)
ቍ. 4:- 27ለ ኣብ ሰማይ ወይ ኣብ ምድሪ ህይወት ንምርካብ ምትንሳእ
23 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 18-20 መዝ. 3 (32)
ባህርይ ዘረባ:- ኣስላጢ ጽማቝ ሓሳባት (ht ገጽ 60 ¶14)
ቍ. 1:- ሰማዕቲ ምኽንያት ንኺርድኡ ተሓጊዞም (ht ገጽ 60 ¶15-ገጽ 61 ¶18)
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 18:19-29
ቍ. 3:- td 28ሀ ነፍሲ እንታይ እያ፧
ቍ. 4:- መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ መንግስቲ ምዃና ዜርኢ መርትዖ
30 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 21-23 መዝ. 23 (200)
ባህርይ ዘረባ:- ሰማዕቲ ኣብ ተግባር ኣወዓዕላኡ ተነጊሮም (ht ገጽ 62 ¶24)
ቍ. 1:- እኹል ዝዀነ ኣመዓባብላ ነጥብታት (ht ገጽ 61 ¶19-ገጽ 62 ¶23)
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 23:1-17
ቍ. 3:- td 28ለ ኣብ መንጎ ነፍስን መንፈስን ዘሎ ፍልልይ
ቍ. 4:- ዓብዪ ብዛዕባ ምዃን እቲ ግቡእ ኣረኣእያ እንታይ እዩ፧
6 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 24-27 መዝ. 9 (37)
ባህርይ ዘረባ:- ኣብ ዝርርብ ዘሎ ቀንዲ ሓሳባት ጐሊሑ (ht ገጽ 64 ¶8-9)
ቍ. 1:- ነቲ ቀንዲ ሓሳባት ምጕላሕ (ht ገጽ 62 ¶1-ገጽ 63 ¶7)
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 24:1-14
ቍ. 3:- ሙሴ ንክርስትያናት ብሉጽ ኣብነት ዚዀኖም ብኸመይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 29ሀ ናይ ሓሶት ነብያት ከም ዚመጹ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ነይሩ፣ ብግዜ ሃዋርያት ድማ ነይሮም እዮም
13 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 28-31 መዝ. 4 (43)
ባህርይ ዘረባ:- ድምጺ ምልውዋጥ (ht ገጽ 64 ¶10-12)
ቍ. 1:- እተፈላለየ ሓይሊ ምጥቃም (ht ገጽ 65 ¶13-14)
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 28:1-16
ቍ. 3:- td 30ሀ ኣጀማምራ ናይ የሆዋ መሰኻኽር
ቍ. 4:- ኣብ ቅዱሳት ጽሑፋት እታ “ምጽላእ” እትብል ቃል እንታይ ትርጕም እዩ ዘለዋ፧
20 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 32-34 መዝ. 22 (130)
ባህርይ ዘረባ:- እተፈላለየ ፍጥነት ምጥቃም (ht ገጽ 65 ¶15-17)
ቍ. 1:- እተፈላለየ ደሃይ ምጥቃም (ht ገጽ 66 ¶18-20)
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 34:1-14
ቍ. 3:- መንፈስ ኣምላኽ ዚሕግዘና ብኸመይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 31ሀ ኣምልኾ ኣቦሓጎታት ከንቱ እዩ
27 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 35-38 መዝ. 26 (212)
ባህርይ ዘረባ:- ነቲ ሓሳባት ወይ ነቲ ስምዒት ዚሰማማዕ ናይ ድምጺ ምልውዋጥ (ht ገጽ 66 ¶21-ገጽ 67 ¶24)
ናይ ቃል ድግማ
3 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 39-41 መዝ. 1 (13)
ባህርይ ዘረባ:- ግቡእ ኣቃውማ (ht ገጽ 89 ¶22-ገጽ 90 ¶28)
ቍ. 1:- ንቓል ኣምላኽ ክትፈትዎ ዘሎካ ስለምንታይ እዩ፧ (w05 15/4 ገጽ 15 ¶3-ገጽ 16 ¶6)
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 40:1-15
ቍ. 3:- ሰባት ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ይኽእሉዶ፧
ቍ. 4:- td 31ለ ሰባት ክብሪ ኺወሃቦም ይኽእል እዩ: ኪምለኽ ዘለዎ ግን ኣምላኽ ጥራይ እዩ
10 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 42-45 መዝ. 11 (85)
ባህርይ ዘረባ:- ምድግጋም ምጥቃም (ht ገጽ 34 ¶1-ገጽ 35 ¶10)
ቍ. 1:- እርጋን “ናይ ክብረት ዘውዲ” ኪኸውን ከሎ (w05 15/1 ገጽ 8-9)
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 43:1-12
ቍ. 3:- td 32ሀ እከይ ንምጥፋእ ዚግበር ውግእ ኣምላኽ
ቍ. 4:- * ን“ድምጺ ኻልእ” ብኸመይ ከነለልዮ ንኽእል፧ (ዮሃ. 10:5)
17 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ህዝቅኤል 46-48 መዝ. 19 (164)
ባህርይ ዘረባ:- ነቲ ንጹር ዘይኰነ ነጥብታት ምድግጋም (ht ገጽ 35 ¶11-ገጽ 36 ¶14)
ቍ. 1:- ህዝቅኤል—ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (bsi07 ገጽ 7-8 ¶29-33)
ቍ. 2:- ህዝቅኤል 47:1-14
ቍ. 3:- td 33ሀ ኵሎም ክርስትያናት ኣገልገልቲ ኪዀኑ ኣለዎም
ቍ. 4:- * ወለዲ ንውሉዳቶም ኪህብዎም ካብ ዚኽእሉ ህያብ: ክቡር መንፈሳዊ ውርሻ እቲ ዝበለጸ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
24 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዳንኤል 1-3 መዝ. 17 (187)
ባህርይ ዘረባ:- ነቲ ቐንዲ ኣርእስቲ ምጕላሕ (ht ገጽ 37 ¶1-ገጽ 39 ¶8)
ቍ. 1:- መእተዊ ዳንኤል (bsi07 ገጽ 8-9 ¶1-6)
ቍ. 2:- ዳንኤል 2:1-16
ቍ. 3:- እቲ 144,000 ዚብል ቍጽሪ ቓል ብቓሉ ኺውሰድ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ (ራእ. 7:4)
ቍ. 4:- td 33ለ ኣገልጋሊ ንምዃን ዜድሊ ብቕዓታት
1 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዳንኤል 4-6 መዝ. 23 (200)
ባህርይ ዘረባ:- ቀንዲ ነጥብታት በሪሁ (ht ገጽ 39 ¶9-ገጽ 40 ¶13)
ቍ. 1:- ንዅራ መሰረት ዚኸውን እንታይ እዩ፧ (w05 1/8 ገጽ 13-15)
ቍ. 2:- ዳንኤል 4:1-17
ቍ. 3:- ሰናይ ባህርያት መፊቦሸት ክንቀድሖ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ቍ. 4:- td 34ሀ በቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ ተሓታቲ መን እዩ፧
8 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዳንኤል 7-9 መዝ. 12 (113)
ባህርይ ዘረባ:- ኣዝዩ ብዙሕ ዘይኰነ ቀንዲ ነጥብታት (ht ገጽ 40 ¶14-ገጽ 41 ¶17)
ቍ. 1:- “ቃል” የሆዋ የዕቍብካ (w05 1/9 ገጽ 28-31)
ቍ. 2:- ዳንኤል 7:1-12
ቍ. 3:- td 34ለ እከይ ኪቕጽል እተፈቕደ ስለምንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት ወትሩ ምክፋል እንታይ ፍሉይ ሓጐስ የምጽእ፧
15 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዳንኤል 10-12 መዝ. 28 (224)
ባህርይ ዘረባ:- ቀንዲ ሓሳባትን ተወሰኽቲ ነጥብታትን ተፈልዩ ዓብዩ (ht ገጽ 41 ¶18-ገጽ 42 ¶21)
ቍ. 1:- ዳንኤል—ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (bsi07 ገጽ 9-10 ¶19-23)
ቍ. 2:- ዳንኤል 11:1-14
ቍ. 3:- ትሕትና ንዚፍጠር ዘይምርድዳእ ንምፍታሕ እትሕግዝ ብኸመይ እያ፧
ቍ. 4:- td 34ሐ መወዳእታ ግዜ ምንዋሑ ናይ ምሕረት ምድላው እዩ
22 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሆሴእ 1-7 መዝ. 26 (212)
ባህርይ ዘረባ:- ኣስላጢ መእተዊታት (ht ገጽ 17 ¶1-ገጽ 18 ¶7)
ቍ. 1:- መእተዊ ሆሴእን ስለምንታይ ጠቓሚት ከም ዝዀነትን (bsi07 ገጽ 11-12 ¶1-8, 14-17)
ቍ. 2:- ሆሴእ 5:1-15
ቍ. 3:- td 34መ ነቲ ኣብ ዓለም ዘሎ መከራ መፍትሒኡ ኻብ ሰብ ኣይኰነን
ቍ. 4:- ናይ ሓቂ ክርስትያናት ትዕግስቲ ዜርእይሉ መገድታት
29 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሆሴእ 8-14 መዝ. 5 (46)
ባህርይ ዘረባ:- ምስቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ዚሰማማዕ (ht ገጽ 18 ¶8-ገጽ 19 ¶10)
ናይ ቃል ድግማ
5 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዮኤል 1-3 መዝ. 4 (43)
ባህርይ ዘረባ:- ግቡእ ንውሓት ዘለዎ (ht ገጽ 19 ¶11-ገጽ 20 ¶16)
ቍ. 1:- መእተዊ ዮኤልን ስለምንታይ ጠቓሚት ከም ዝዀነትን (bsi07 ገጽ 13-14 ¶1-5, 12-14)
ቍ. 2:- ዮኤል 2:1-14
ቍ. 3:- “ፍጽምቲ ፍቕሪ” ምህላው እንታይ ማለት እዩ፧ (1 ዮሃ. 4:18)
ቍ. 4:- td 35ሀ ስም ኣምላኽ
12 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኣሞጽ 1-9 መዝ. 8 (53)
ባህርይ ዘረባ:- ዚሰማማዕ መዕጸዊ (ht ገጽ 79 ¶1-3)
ቍ. 1:- መእተዊ ኣሞጽን ስለምንታይ ጠቓሚት ከም ዝዀነትን (bsi07 ገጽ 14-15 ¶1-6, 13-17)
ቍ. 2:- ኣሞጽ 2:1-16
ቍ. 3:- ተመክሮ እቲ ዝበለጸ መምህር ዘይኰነ ስለምንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 35ለ ህልውና ኣምላኽ
19 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኦብድያ 1-ዮናስ 4 መዝ. 2 (15)
ባህርይ ዘረባ:- መዕጸዊ ሰማዕቲ እንታይ ኪገብሩ ኸም ዘለዎም የርኢ (ht ገጽ 80 ¶4-9)
ቍ. 1:- መእተዊ ኦብድያን ዮናስን: ከምኡውን ስለምንታይ ጠቐምቲ ኸም ዚዀና (bsi07 ገጽ 16-17 ¶1-5, 10-14፣ ገጽ 17-18 ¶1-4, 9-12)
ቍ. 2:- ዮናስ 1:1-17
ቍ. 3:- መንፈሳዊ ገነት ቀቅድሚ ምድራዊ ገነት ኪመጽእ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 35ሐ ባህርያት ኣምላኽ
26 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሚክያስ 1-7 መዝ. 15 (127)
ባህርይ ዘረባ:- ግቡእ ንውሓት ዘለዎ መዕጸዊ (ht ገጽ 81 ¶10-14)
ቍ. 1:- መእተዊ ሚክያስን ስለምንታይ ጠቓሚት ከም ዝዀነትን (bsi07 ገጽ 19-21 ¶1-8, 16-19)
ቍ. 2:- ሚክያስ 2:1-13
ቍ. 3:- ለዋህ ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ቍ. 4:- td 35መ ኵሎም ሰባት ንሓደ ኣምላኽ ኣይኰኑን ዜምልኹ
3 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ናሆም 1-ኣንባቆም 3 መዝ. 29 (222)
ባህርይ ዘረባ:- ናይ ሓሳባት ልክዕነት (ht ገጽ 14 ¶9-ገጽ 15 ¶11)
ቍ. 1:- መእተዊ ናሆምን ኣንባቆምን: ከምኡውን ስለምንታይ ጠቐምቲ ኸም ዚዀና (bsi07 ገጽ 21-22 ¶1-7, 11-12፣ ገጽ 23-24 ¶1-5, 12-14)
ቍ. 2:- ኣንባቆም 1:1-17
ቍ. 3:- td 36ሀ የሱስ ወዲ ኣምላኽ እዩ: ንጉስ ኪኸውን ተሸይሙ እዩ
ቍ. 4:- ዘለኣለማዊ ህይወት ዘየሰልኪ ዚኸውን ስለምንታይ እዩ፧
10 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ጸፎንያስ 1-ሃጌ 2 መዝ. 12 (113)
ባህርይ ዘረባ:- እናወሰኽካ ትኸይድ ከም ዘሎኻ ይገለጽ (ht ገጽ 92 ¶1-4)
ቍ. 1:- መእተዊ ጸፎንያስን ሃጌን: ከምኡውን ስለምንታይ ጠቐምቲ ኸም ዚዀና (bsi07 ገጽ 25-26 ¶1-6, 10-12፣ ገጽ 27-28 ¶1-7, 13-16)
ቍ. 2:- ጸፎንያስ 3:1-17
ቍ. 3:- td 36ለ ብየሱስ ክርስቶስ ምእማን ንድሕነት ኣድላዪ እዩ
ቍ. 4:- * መንፈሳውነት ንሓዳር ዚጸልዎ ብኸመይ እዩ፧
17 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘካርያስ 1-8 መዝ. 4 (43)
ባህርይ ዘረባ:- ከም ዝወሰኽካ ኪግለጸሉ ዚኽእል መገድታት (ht ገጽ 93 ¶5-7)
ቍ. 1:- መእተዊ ዘካርያስ (bsi07 ገጽ 28-9 ¶1-7)
ቍ. 2:- ዘካርያስ 7:1-14
ቍ. 3:- እቲ ናይ ተኣምራዊ ምልዋጥ ራእይ ብኸመይ ፍጻሜኡ ረኸበ፧
ቍ. 4:- td 36ሐ ኣብ የሱስ ካብ ምእማን ንላዕሊ የድሊ
24 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘካርያስ 9-14 መዝ. 1 (13)
ባህርይ ዘረባ:- ፍረ ዘለዎ ዝርርብ (ht ገጽ 12 ¶1-ገጽ 14 ¶8)
ቍ. 1:- ዘካርያስ ጠቓሚት ዝዀነትሉ ምኽንያት: ከምኡውን መእተዊ ሚልክያስን ስለምንታይ ጠቓሚት ከም ዝዀነትን (bsi07 ገጽ 29-30 ¶23-7፣ ገጽ 31-32 ¶1-6, 13-17)
ቍ. 2:- ዘካርያስ 10:1-12
ቍ. 3:- td 37ሀ ምምሕልላፍ ደም ንቕድስና ደም የርክስ
ቍ. 4:- ንመስጐጕቲ ድሉዋት ክንከውን እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
31 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሚልክያስ 1-4 መዝ. 7 (51)
ባህርይ ዘረባ:- ልሙዳት ዘይኰኑ ስያመታት ተገሊጾም (ht ገጽ 16 ¶17-18)
ናይ ቃል ድግማ