መደብ ኣኼባ ኣገልግሎት
9 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 24 (185)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ምስታ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 37 ኣሰኒኻ ነተን ናይ 1 መስከረም ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ መስከረም ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ።
15 ደቒቕ:- “ካልኦት ኣዕሩኽ ኣምላኽ ኪዀኑ ሓግዞም።”* ሰማዕቲ ኣብነትን ልባዊ ጸሎትን ካልኦት ሰባት ዕቤት ብምግባር ንኺጥመቑ ብኸመይ ከም ዝሓገዞም ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም።
20 ደቒቕ:- ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 37 ንምዝርጋሕ ተዳሎ። መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ነቲ ኣብ ናይ መስከረም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝወጸ ነዚ ፍሉይ ወፈራ እዚ ዚምልከት ምድላዋት ድገሞ። ኵሎም ኣብዚ ወፈራ እዚ ብቕንኣት ኪካፈሉ ኣተባብዓዮም። ነቶም ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ኣሕዋት: ተመሃሮኦም ኣብዚ ወፈራ እዚ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ዀይኖም ኬገልግሉ ዚኽእሉ እንተ ደኣ ዀይኖም ኪሓስቡሉ ኣተባብዓዮም። ወለዲ እውን ውሉዳቶም ኣብዚ ወፈራ ኺካፈሉ ዚበቕዑ እንተ ዀይኖም ኪሓስቡሉ ኣለዎም። ነቲ ኣብታ ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 79-81 ዘሎ ብቕዓታት ኣሕጽር ኣቢልካ ኣቕርቦ።
መዝሙር 27 (221)ን መዕጸዊ ጸሎትን
16 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 2 (15)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
20 ደቒቕ:- ካብ ጉባኤ መጽናዕቲ መጽሓፍ ምጥቃም። ካብታ ኣብ ገጽ 69 ዘላ ንኡስ ኣርእስቲ ኽሳዕ ኣብ ገጽ 72 ዘላ ቐዳመይቲ ንኡስ ኣርእስቲ እታ ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን።
15 ደቒቕ:- “ቀዳምነት እትህቦ ነገር እንታይ እዩ፧”* ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ቀዳምነት ንምሃብ ኣብ መደቦም ብኸመይ ምትዕርራይ ከም ዝገበሩን ከምኡ ብምግባሮም ዝረኸብዎ በረኸታትን ዚገልጹ ኣሕዋት ኣቐዲምካ ኣዳሉ።
መዝሙር 12 (113)ን መዕጸዊ ጸሎትን
23 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 29 (222)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጸብጻብ ሕሳብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ኻብ ማሕበር ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ነቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 15 መስከረም ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ ጥቅምቲ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: ነቲ “ኣቱም ሰባት: ስለምንታይ ኢኹም ደጋጊምኩም እትመጹና፧” ዚብል ኰላፊ ዘረባ ብኸመይ ከም እትምልሰሉ ኣርኢ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 12።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
20 ደቒቕ:- “ካብ ኣኼባ ኣገልግሎት ወፍሪ ምሉእ ብምሉእ ተጠቐም።”* ንቝጽሪ 3 ኽትመያየጡላ ኸለኹም: ነታ ወፍሪ ኣገልግሎት ኪመርሕ ዚኽእል ብቑዕ ሓው ምስ ዘይህሉ እንታይ ኪግበር ከም ዘለዎ እትገልጽ ኣብ ናይ መስከረም 2001 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 4 እትርከብ ሕቶ ሳጹን ወሲኽካ ኣቕርብ።
መዝሙር 18 (162)ን መዕጸዊ ጸሎትን
30 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 12 (113)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ወፍሪ ኣገልግሎት ከምኡውን ቍጽሪ ዝዓደልዎ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 37 ኣብ ዳሕረዋይ ገጽ እቲ ጸብጻብ ዚህቡሉ ወረቐት ኪጽሕፉዎ ኣዘኻኽሮም።
15 ደቒቕ:- ንመማህርተይ ብኸመይ ኪምስክረሎም እኽእል፧ ኣብ ናይ 22 መጋቢት 2002 ሕታም ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 10-12 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ሰማዕቲ ንመማህርቶም ብምምስካር ዝረኸብዎ ሃናጺ ተመክሮ ኼዘንትዉ ዓድሞም።
20 ደቒቕ:- ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 37 ኣብ ምዝርጋሕ እተረኽበ ተመክሮታት። ሰማዕቲ: ዜና መንግስቲ ኣምላኽ ቍ. 37 ኣብ ምዕዳል ዝረኸብዎ ዜተባብዕ ውጽኢት ኪገልጹ ሕተቶም። ክንደይ ዚኣክል ስፍሓት ክልኹም ከም እተዓመመን ነቲ ተሪፉ ዘሎ ኽፋል እቲ ኽሊ ኽሳዕ 12 ሕዳር ምሉእ ብምሉእ ንምሽፋን እንታይ ከም ዜድልን ሓብር። በታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ጌርካ ብኸመይ ተመላሊስካ ምብጻሕ ከም ዚግበር ብመርኣያ ኣቕርብ። ንሰማዕቲ ኣብ እዋን እቲ ወፈራ ዓዲሎም ኪውድእዎ ዘይክእሉ ቕዳሕ ዜና መንግስቲ ኣምላኽ: ካልኦት ንኺዕድልዎ ምእንቲ ኺውሃቦም ብኣጋኡ ኺመልስዎ ኣዘኻኽሮም።
መዝሙር 22 (130)ን መዕጸዊ ጸሎትን።
6 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 21 (191)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 3-4 ናይ ጥሪ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ክልኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ ወይ ትራክትታት ኣብ ካልኣይ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ብኸመይ ከም እትዕድላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ግዜ ኸም ዜፍቅዶ: ሰማዕቲ ነታ መጽሓፍ ኣብ ኣገልግሎት ወይ ኣብ ስድራቤቶም ብምጥቃሞም ዝረኸቡዎ ጽቡቕ ውጽኢት ኪገልጹ ዓድሞም።
15 ደቒቕ:- ነቲ ኣውራ ኸሓዲ ተጻረሮ። ሓደ ሽማግለ ኣብ ናይ 15 ጥሪ 2006 ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 23-24: ሕ.ጽ. 12-16 ተመርኲሱ ዜቕርቦ መደረ።
20 ደቒቕ:- ነቲ ቓል ምስባኽ ዕረፍቲ የምጽእ። ኣብ ናይ 15 ጥሪ 2005 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 8-9 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ሰማዕቲ ኣገልግሎት ብኸመይ ዕረፍቲ ኸም ዜምጽኣሎም ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም። ሓደ ወይ ክልተ ሓሳባት ዚህቡ ኣስፋሕቲ ኣቐዲምካ ኸተዳሉ ትኽእል ኢኻ።
መዝሙር 23 (200)ን መዕጸዊ ጸሎትን።