ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣፍ ቤትን ብተሌፎንን ምራሕ
1. መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና ዕላማና እንታይ እዩ፧
1 መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተጀምር ምኽኣልሲ ኽሳዕ ክንደይ ዜሐጕስ ኰን እዩ! እንተዀነ ግን: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተገዳስነት ኣሕዲሩ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚገብር ሰብ ምርካብ ናይ መጀመርታ ስጕምቲ ጥራይ እዩ። ዕላማ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ: እቲ ሰብ ናይ ሓቂ ወደ መዝሙር ክርስቶስ ኪኸውን ንምሕጋዝ እዩ። (ማቴ. 28:19, 20) ናብዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ ኪሕግዘና ዚኽእል እንታይ እዩ፧
2. ኣብ ኣፍ ቤትን ብተሌፎንን ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ እዩ፧ ኣስላጢ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧
2 ብስራሕ ትሑዛት ዝዀኑ ሰባት:- ሎሚ ሰባት ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ብስራሕ ትሑዛት እዮም። ኣብ ገሊኡ ቦታታት: ሓደ ሰዓት ምሉእ መዲቦም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምግባር ኬሕልፍዎ ፍቓደኛታት ዚዀኑ ሰባት ሒደት እዮም። ነዞም ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ንምሕጋዝ: ኣብ ኣፍ ቤት ወይ ብተሌፎን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንጅምረሎምን ክንመርሓሎምን ተተባቢዕና ኢና። ብኸምዚ ኣገባብ ዚምራሕ መጽናዕቲ ኣብ ፈለማ ብተዛማዲ ሕጽር ዝበለ ዀይኑ በቲ ኣብታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል ጽሕፍቲ ዚርከብ ሓደ ወይ ክልተ ቝጽርታት ተሓጊዝና ንሒደት ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕስታት ጥራይ ምምይያጥ ዜጠቓለለ ኪኸውን ይኽእል እዩ። ሎሚ ብዙሓት ኣስፋሕቲ ኣብ ኣፍ ቤት ወይ ብተሌፎን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ይመርሑ ምህላዎም ኣዝዩ ዚነኣድ እዩ።
3. ኣብ ኣፍ ቤት ኣብ ዚግበር መጽናዕቲ እነሕልፎ ግዜ ኸነንውሖ ኽንጽዕር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
3 እንተዀነ ግን: ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብ ኣፍ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ ጥራይ ክንዓግብ ይግብኣናዶ፧ ኣይፋልን። ንፈለማ ግዜ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ እንጅምረሉ እዋን ሰላምታ ዘይምንዋሕ ጥበባዊ እኳ እንተዀነ: ናይ ግንቦት 1990 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ገጽ 7adj. እዚ ዚስዕብ ሓሳባት ትህብ:- “እቶም ሰብ ቤት እቲ ትምህርቲ ምስ መቀሮም: እቲ መጽናዕቲ ድማ ስለ እተጀመረ: ኣብዚ እዋን እዚ እቲ ግዜ ኣንውሕ እንተ ኣበልናዮ ጽቡቕ እዩ።” እዚ ኣገዳሲ እዩ። ነዚ ንምብራህ: ሓደ ብጥሜት ዚሳቐ ዘሎ ቘልዓ ሸውሃቱ ኽሳዕ ዚኽፈት በብንእሽቶ እዩ ዚበልዕ። እንተዀነ ግን: ንንውሕ ዝበለ ግዜ ንእሽቶ ምግቢ ጥራይ ምምጋብ እንተደኣ ቐጺሉ: ሓይሉ ምሉእ ብምሉእ ኪሕደስን ብጽቡቕ ኪዓብን ትጽቢት ኣይንገብርን ኢና። ብተመሳሳሊ: ሓደ ተመሃራይ መጽሓፍ ቅዱስ ብሱል ኣገልጋሊ ኣምላኽ ንኪኸውን ግቡእን ስርዓታውን ዝዀነ መጽናዕቲ ኺምርሓሉ ኣለዎ።—እብ. 5:13, 14
4. ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ እንታይ ጥቕምታት ኣለዎ፧
4 ኣብ ውሽጢ ቤት ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ:- መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ገዛ ወይ ኣብ ካልእ ብሕት ዝበለ ምሹእ ቦታታት እንተ ተገብረ ይምረጽ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ቦታ መጽናዕቲ ምግባር: ነቲ ትምህርቲ ዝቐለለ ኺገብሮን እቲ ተመሃራይ ንቓል ኣምላኽ ብዚግባእ ኬስተውዕሎን ይሕግዝ። (ማቴ. 13:23) ነቲ መምህር እውን እቲ ትምህርቲ ምስ ድሌት እቲ ተመሃራይ ንኼሰማምዖ የኽእሎ። ኣብ ርእሲ እዚውን: ንውሕ ዝበለ ናይ መጽናዕቲ ግዜ ምህላው: ንቓል ኣምላኽ ዝያዳ መሊእካ እምነት ብዜደልድል መገዲ ኸተጽንዖ የኽእለካ።—ሮሜ 10:17
5. ኣብ ኣፍ ቤት ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከነሰጋግሮ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
5 ኣብ ኣፍ ቤት ዚግበር መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ናብ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከተሰጋግሮ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ ሕጽር ዝበለ ሒደት መጽናዕትታት ድሕሪ ምግባርኩም: ብመደብ ንንውሕ ዝበለ ግዜ መጽናዕቲ ኽትገብሩ ትኽእሉ እንተደኣ ዄንኩም ንምንታይ ዘይትሓቶ፧ ወይ “ሎሚ ብዛዕባ እዚ ኾፍ ኢልና ኽንመያየጥ ግዜ ይህልወካዶ፧” ወይ ድማ “ሎሚ ብዛዕባ እዛ ኣርእስቲ እዚኣ ንምምይያጥ ክንደይ ዚኣክል ግዜ ኢኻ ኸተሕልፍ እትደሊ፧” ኢልና ብምሕታት ብተዘዋዋሪ መገዲ ኽንቀርቦ ንኽእል ኢና። በቲ ዝገበርካዮ ጻዕሪ ምስ ዘይትዕወት: ነቲ ኣብ ኣፍ ቤት እትገብሮ ዝነበርካ መጽናዕቲ ኣይተቋርጾ። ምሹእ ኣብ ዝዀነሉ ግዜ ድማ ነቲ መጽናዕቲ ኻብ ኣብ ኣፍ ቤት ናብ ወሽጢ ቤት ንምስግጋር ከይተሓለልካ ጽዓር።
6. ከመይ ዝበለ ዕላማ ሒዝና ኢና ኣገልግሎትና ኽንፍጽም ዘሎና፧ ነዚ ዕላማ እዚ ንምብጻሕከ: ኣብዛ ዓንቀጽ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት ኪሕግዘና ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧
6 ነቶም ብቑዓት ምንዳይ ኣብ እንቕጽለሉ እዋን: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እነጀምረሉን እንመርሓሉን ዕላማ ኽንርስዖ የብልናን። ዕላማና: ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ርእሶም ዝወፈዩን እተጠምቁን ኣገልገልቲ የሆዋ ኪዀኑ ምሕጋዝ እዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ሒዝና ኣገልግሎትና ንምፍጻም እንገብሮ ጻዕሪ የሆዋ ይባርኮ።—2 ጢሞ. 4:5