ናይ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዚስዕብ ሕቶታት ኣብታ 24 ሚያዝያ 2006 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዚውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 6 መጋቢት ክሳዕ 24 ሚያዝያ 2006 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዚወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ባህሪ ዘረባ
1. መደረ ኸነቕርብ ከለና ሰማዕቲ ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜቕልቡ ኽንገብር እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ [ht ገጽ 26 ቍ. 3]
2. ጥቕሲ ምስ ኣንበብካ: ኣወዓዕላኡ ንምግላጽ ነቲ ጥቕሲ ጥራይ ክትመያየጠሉ ኣኻሊ ድዩ፧ [ht ገጽ 33 ቍ. 20]
3. ምድግጋም ኣድላዪ ናይ ኣመሃህራ ሜላ እኳ እንተዀነ: ዘየድሊ ምድግጋም ኪውገድ ዘለዎ ግን ስለምንታይ እዩ፧ [ht ገጽ 35 ቍ. 11]
4. ሓደ ብዓል ቤት ጥቕሲ ምስ ኣንበበ: ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ብኸመይ ከተጕልሖ ትኽእል፧ [ht ገጽ 32 ቍ. 13]
5. ምስ መደረኻ ዚሰማማዕ ክንደይ ዚኸውን ናይ ድምጺ ዓቐን ከም እትጥቀም ብኸመይ ክትውስን ትኽእል፧ [ht ገጽ 23 ቍ. 12]
ክፍሊ ቝ. 1
6. ኵነታት እዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ምስ ናይ ማርዶካይን ኣስቴርን ዚመሳሰል ብኸመይ እዩ፧ ንሕናኸ ኣብነቶም ክንቀድሕ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ [bsi06 ገጽ 11 ቍ. 17]
7. ሰሎሞን “እዚ ዅሉ ኸንቱነትን ደድሕሪ ንፋስ ምጕያይን እዩ” ኺብል ከሎ: እንታይ እዩ ዚገልጽ ነይሩ፧ (መክ. 2:11) [w04 15/10 ገጽ 4 ሕጡብ ጽሑፍ 2-3]
8. ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ኸነማዕብላ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ማር. 12:30) [w04 1/3 ገጽ 19-21]
9. ኣብ መንጎ መንፈሳዊ ነገራትን ፍቕረ-ንዋይን እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧ [w04 15/10 ገጽ 5-7]
10. ገላጺ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንኽትገብር እንታይ ኪሕግዘካ ይኽእል፧ [ht ገጽ 36 ቍ. 18]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. ገጽ ሃማን እተሸፈነ ስለምንታይ እዩ፧ (ኣስ. 7:8)
12. እንታይ ዓይነት መንፈስ እዩ ነተሓሳስባ ኤሊፋዝ ጸልይዎ፧ (እዮ. 4:15, 16) [w05 15/9 ገጽ 26 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
13. ኣብ እዮብ 7:9, 10 ከምኡውን እዮብ 10:21 ተመዝጊበን ዘለዋ ቓላት: እዮብ ኣብ ትንሳኤ ይኣምን ከም ዘይነበረ ዚሕብራ ድየን፧
14. እዮብ “ግርጻነይ [“ቈርበት ስኒ:” NW] ጥራይ ተሪፉኒ” ኺብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ (እዮ. 19:20)
15. እዮብ “ካብታ ብዘይ ጕድለት ምዃነይ ኣየግልስን” ኪብል ከሎ እንታይ ማለቱ እዩ ነይሩ፧ ካብዚኸ ንሕና እንታይ ንመሃር፧ (እዮ. 27:5)