ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/06 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 10 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
  • 17 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
  • 24 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
  • 1 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2006
km 4/06 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

10 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 11 (85)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 1 ለካቲት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ መጋቢት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: ሓደ ኣስፋሒ ንሓደ ኣብ መልእኽቲ መጽሓፍ ቅዱስ ፍሉይ ተገዳስነት ዘርኣየ ብዓል ቤት ነታ መጽሓፍ ቅዱስ ዚምህር እትበሃል መጽሓፍ ኬበርክተሉ ኸሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

15 ደቒቕ:- “ቅንኣትና ኽንዕቅበሉ እንኽእል መገዲ።” ኣብ ናይ 15 ሰነ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14 ቍ. 13 ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።

20 ደቒቕ:- “መደብካ ኸተተዓራሪ ትኽእልዶ፧” ምስቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ዅነታት ኣሰማምዓዮ። እታ ጉባኤ ንናይ ምሸት ምስክርነት ዝገበረቶ ዝዀነ ይኹን ምድላዋት እንተሎ ሓብር።

መዝሙር 1 (13)ን መዕጸዊ ጸሎትን

17 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 6 (45)

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ንፍሉይ ህዝባዊ መደረ ብዚምልከት እተገብረ ምድላዋት ኣጕልሕ። ኵላቶም ኣስፋሕቲ ነቲ ዳሕረዋይ ገበር እታ ናይ 1 ሚያዝያ ግምቢ ዘበዐኛ ተጠቒሞም ኣብ በዓል ዝኽሪ ንዚካፈሉ ሰባት: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንዚመርሑሎም: ከምኡውን ንተገደስቲ ሰባት ኪዕድሙ ኣተባብዓዮም። ነዛ ሕታም ግምቢ ዘብዐኛ እዚኣ ብምጥቃም: ሰባት ናብቲ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ ኺመጹ ብኸመይ ከም ዚዕደሙ ዜርኢ ኽልተ ወይ ሰለስተ ሕጽር ዝበለ ተመክሮታት ኣዘንቱ።

12 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።

18 ደቒቕ:- “ዕቤት ዜርኢ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣፍ ቤትን ብተሌፎንን ምራሕ።” ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ኣፍ ቤት ዚግበር መጽናዕቲ ናብ ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምስግጋር: እንታይ ኪብል ከም ዚኽእል ንምርኣይ ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኣቕርብ።

መዝሙር 18 (162)ን መዕጸዊ ጸሎትን

24 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 26 (212)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብን ነቲ እተገብረ ወፈያ ኣመልኪቱ ኻብ ማሕበር ዝመጸ ደብዳበን ኣንብብ። ኣብ ወርሒ ግንቦት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ምዕዳል ክንቅጽል ኢና። ነቲ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሓሳባት ወይ ካልእ ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ: ነተን ናይ 15 ለካቲት ከምኡውን ናይ 1 መጋቢት ግምቢ ዘብዐኛ ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ብድሕርዚ: ናብቲ ኣብ ከባቢኹም ንሰባት ኪስሕብ ዚኽእል ካልእ ዓንቀጻት እዘን ሕታማት እዚኣተን ከም ዜቕልቡ ግበር።

12 ደቒቕ:- ኣምላኽ ገናዶ ንነገራት ይቈጻጸሮ ኣሎ እዩ፧ ኣብ ዳሕረዋይ ገበር ናይ 1 ሚያዝያ 2006 ግምቢ ዘብዐኛ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን መርኣያን። ዝረኸብካዮ ኣጋጣሚ ንሰባት ናብዚ ፍሉይ ህዝባዊ መደረ እዚ ንምዕዳም ተጠቐመሉ። ንነፍሲ ወከፍ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ እትመርሓሉ ሰብን ምስኡ መጽናዕቲ ዘይገብሩ ኣባላት ስድራቤቱን ዓድሞም። ንዅሎም እንፈልጦም ተገደስቲ ሰባትን ኣብ ወፍሪ ኣገልግሎት እንረኽቦም ሰባትን ናብዚ ፍሉይ መደረ እዚ ኽንዕድሞም ኣሎና። ንሓደ ዝዛሕተለ ወይ ኣኼባታት ምክፋል ዘቋረጸ ሰብ ክትዕድሞ ኸለኻ: ነታ ናይ 1 ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ብኸመይ ከም እትጥቀመላ ብመርኣያ ኣርኢ።

23 ደቒቕ:- እቲ ብስራት ዚስበኸሉ ሜላታት። ኣብታ ኦርጋናይዝድ ቱ ዱ ጂሆቫስ ዊል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 92-95 ተመርኲስካ ዚግበር ምይይጥ።

መዝሙር 21 (191)ን መዕጸዊ ጸሎትን

1 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 18 (162)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሚያዝያ ጸብጻብ ኣገልግሎት ወፍሪ ኺህቡ ኣዘኻኽሮም። ነታ ኣብ ገጽ 4 ዘላ: “ንተመሃሮኻ ኺሕብሩኻ ትሓቶምዶ፧” እትብል ሳጹን ተመያየጡላ።

15 ደቒቕ:- “ንሰማዕትኻ ብምጥማት ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ።” ሓደ ኣስፋሒ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት: ንሰማዒኡ ብምጥማት ከመይ ገይሩ ዕላል ከም ዚጅምርን ምስክርነት ከም ዚህብን ዜርኢ ሕጽር ዝበለ መርኣያ ኣቕርብ።

20 ደቒቕ:- ንግብርታት የሆዋ ኣስተንትነሉ። (መዝ. 77:12) ኣብ ናይ 2006 ዓመት መጽሓፍ ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ካብቲ ኻብ ኣመሓዳሪ ኣካል እተላእከ ደብዳበ ዜተባብዕ ነጥብታት ጥቐስ። (ገጽ 3-5) ነታ “ትርጕም መጽሓፍ ቅዱስ” እትብል ንኡስ ኣርእስቲ ተመያየጡላ። (ገጽ 10-11) ገለ ኻብቲ ዓሚ እተፈጸመ ጕሉሕ ፍጻመታትን ተመክሮታትን ኣዘንቱ። (ገጽ 6-64) ሰማዕቲ ነታ ናይ 2006 ዓመት መጽሓፍ ብምንባቦም ዜሐጐሶም ነጥብታት ኪገልጹ ዓድሞም። ኵላቶም: ነቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚመርሑሎም ሰባት ንማሕበር የሆዋ ዘለዎም ሞሳ ንኼዕብዩ ኣብ ምሕጋዝ ኪጥቀሙላ ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 3 (32)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ