ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/05 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 10 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
  • 17 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
  • 24 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
  • 31 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
  • 7 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
km 10/05 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

10 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 11 (85)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታት። እቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 1 ነሓሰ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን 8 ነሓሰ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ ኣወንታዊ ጐድንታት እቲ መርኣያ ጥቐስ። ብተወሳኺ: ኣብቲ ኣብ ዞባኹም ተቐባልነት ዘለዎ ተወሳኺ ዓንቀጽ እተን መጽሔታት ከም ዜተኵሩ ግበር።

15 ደቒቕ:- ጽቡቕ ናይ ምንባብ ልማድ ኣሎካዶ፧ ኣብታ ሚኒስትሪ ስኩል (እንግሊዝኛ) ገጽ 21-6 ዘሎ እተመርጸ ሓሳባት ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ናይ ንባብና መደብ እንታይ ኬጠቓልል ይኽእል፧ (ገጽ 21 ዘላ ሳጹን) ነቲ ዚዳለወልና መጽሔታት ከነንብቦ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ገጽ 23 ሕጡብ ጽሑፍ 2) ጽቡቕ ናይ ንባብ መደብ ንኺህልወና እቲ ቐንዲ ረቛሒ እንታይ እዩ፧ (ገጽ 26 ሕጡብ ጽሑፍ 3-4) መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ንምንባብ ብኸመይ መደብ ተውጽእ፧ እዚ ብኸመይ ጠቒሙካ፧

20 ደቒቕ:- “ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ምዝራብ ቀጽሉ።” ሰማዕቲ ብዛዕባ ምስክርነት ንምሃብ ትብዓት ዘድልየሉ ኣጸጋሚ ዅነታት ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም። ብትብዓት ምዝራብ ኪቕጽሉ ዝሓገዞም እንታይ እዩ፧

መዝሙር 12 (113)ን መዕጸዊ ጸሎትን

17 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 13 (124)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቲ ኣብ ናይ መስከረም 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ዘሎ 3ይ ክፋል ተጠቒምካ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንመርሕ ከለና ንቕዱሳት ጽሑፋት ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ኽንጥቀመሉ ዚሕግዝ ሓደ ወይ ክልተ ነጥብታት ደጊምካ ኣቕርብ። ኣብ ገጽ 4 ንእትርከብ “ነታ ንቑሕ ኩን! ዘርእስታ ብሮሹር ምጽናዕ” እትብል ዓንቀጽ ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጻ። እዛ ዓንቀጽ እዚኣ ነታ ብሮሹር ንምጽናዕ ዚኸውን መደብ ከም ዝሓዘት ጥቐስ። ኵላቶም ካብ ግንቦት 23 ኣትሒዞም ነቲ መጽናዕቲ ብዚግባእ ኪዳለዉሉን ኣብኡ ኺሳተፉን ኣተባብዓዮም።

15 ደቒቕ:- ካብ መፈንጠራ መርበብ ሓበሬታ ርሓቕ። ኣብ ናይ 8 ታሕሳስ 2004 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 18-21 ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ።

20 ደቒቕ:- “ለዋህ ብምዃን ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ።” ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብኸመይ ለውሃት ከነርኢ ኸም እንኽእል: ሰማዕቲ ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም። ነቶም እንምስክረሎም ሰባት ብሕታዊ ተገዳስነት ከነርእየሉ እንኽእል መዳያት ዚገልጽ ሓሳባት ኣብ ዚመጽእ ሕታማት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኺወጽእ እዩ።

መዝሙር 18 (162)ን መዕጸዊ ጸሎትን

24 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 24 (185)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ ከምኡውን ካብ ማሕበር እተላእከ ናይ ምስጋና ደብዳበ ይነበብ። ሓንቲ ኻብቲ ኣብ ናይ ጥሪ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ዚርከብ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ወይ ካልእ ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ ኣቀራርባ ተጠቒምካ: ነቲ ኣብ ወርሒ ሕዳር ዚዕደል ጽሑፋት ብኸመይ ከም ዚዕደል ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።—ናይ ጥሪ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8: ቍ. 5 ርአ።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።

20 ደቒቕ:- ብኣከዳድናናን ኵለንተናዊ ኣቃውማናን ስርዓታት ኣምላኽ ምንጽብራቕ። ኣብ ናይ 1 ነሓሰ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 17-19 ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ጽፉፍ ኣቃውማን ኣከዳድናን ምስክርነት ንኽንህብ ብኸመይ መገዲ ኸም ዚኸፍተልና: ሰማዕቲ ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም።

መዝሙር 9 (37)ን መዕጸዊ ጸሎትን

31 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 4 (43)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ጥቅምቲ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። እቲ ኣብ ገጽ 8 ዘሎ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 15 ነሓሰ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 22 ነሓሰ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያ ንምቕራብ ተጠቐመሉ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት እዚ: ነቲ ብዓል ቤት ነታ “ኣብታ እትቕጽል ሕታምና” እትብል ሳጹን ብምርኣይ: ኣብ ዚመጽእ ግዜ ንእትገብሮ ተመላሊስካ ምብጻሕ ዚሕግዝ ባይታ ኣንብር።—ናይ ጥቅምቲ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ቝጽሪ 7-8 ርአ።

15 ደቒቕ:- ስርዓታዊ ዄንካ መጽሔት ብምብጽጻሕ ተገዳስነት ኰስኵስ። ኣብ ናይ ግንቦት 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ተመርኲስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ኣዘውቲርና መጽሔታት ምብጽጻሕ ብኸመይ ክንጅምር ንኽእል፧ (ቍጽሪ 1) ብሓንቲ ጥቕሲ ዚግበር ተኸታታሊ ምይይጥ ብኸመይ ከነዳሉ ንኽእል፧ (ቍጽሪ 3) ነታ ዝመረጽናያ ጥቕሲ ኻብ ምንባብ ንላዕሊ ኽንገብር ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ቍጽሪ 4) መጽሔታት ብምብጽጻሕ ዚግበር ተመላሊስካ ምብጻሕ ናብ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪዓቢ ዚኽእል ብኸመይ እዩ፧ (ቍጽሪ 5) ሓደ ኣስፋሒ ምስ ሓደ ስርዓታዊ ዀይኑ መጽሔት ዜብጽሓሉ ሰብ: ኣብ ሓንቲ ጥቕሲ እተመርኰሰ ምይይጥ ኪገብር ከሎ ዜርኢ መርኣያ ኣቕርብ።

20 ደቒቕ:- ቈራጽነቶም ብኣኽብሮት ዜርእዩ መንእሰያት። ኣብ ናይ 15 መስከረም 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 23-4 ኣብ ትሕቲ እታ “ከም ዘይትሳተፍ ብኣኽብሮት ኣርኢ” እትብል ንኡስ ኣርእስቲ ተመርኲስካ ብሽማግለ ዚቐርብ መደረ። ሓደ ወይ ክልተ መንእሰያት ኣብ ቤት ትምህርቲ ዜጋጠሞም ጸገማትን ብዓወት ንኺዋጽእሉ እንታይ ከም ዝሓገዞምን ንኺገልጹ ኣቐዲምካ ኣዳሉ።

መዝሙር 29 (222)ን መዕጸዊ ጸሎትን

7 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 16 (143)

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

20 ደቒቕ:- ኣብ ኣኼባታት ኣቓልቦኻ ኣመሓይሽ። ኣብ ናይ 15 መስከረም 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 12-14 ቝጽሪ 11-14 ተመርኵስካ ዚቐርብ መደረን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሓሳባት ኣቕርቦ: ሰማዕቲ ኻብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምሉእ ብምሉእ ኪጥቀሙ ዝሓገዞም እንታይ ምዃኑ ኺገልጹ ድማ ዓድሞም።

20 ደቒቕ:- “ንኻልኦት ከተረድእ ዚሕግዘካ ኽእለት ኣማዕብል” ነቶም ኣብ ዞባኹም ዘለዉ እተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ሰባት ኬረድኡ ዝኸኣሉ ኣቐዲምካ ዘዳለኻዮም ኣስፋሕቲ ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም።

መዝሙር 7 (51)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ