ናይ 2006 ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ
መምርሒ
ኣብ 2006 ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኺካየድ ከሎ እዚ ዚስዕብ ምድላዋት ኪህሉ እዩ።
እቲ ኽፍልታት ዚምስረተሉ ጽሑፍ:- መጽሓፍ ቅዱስ: ግምቢ ዘብዐኛ [w]: ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለትካ እተመሓይሸሉ መገድታት [ht]: “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ሓቀኛን ጠቓምን እዩ [bsi06]: ከምኡውን ንምይይጥ ዚኸውን ኣርእስትታት መጽሓፍ ቅዱስ [td] ኪኸውን እዩ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ብመዝሙርን ብጸሎትን ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መግለጽን ኣብ ግዜኡ ጀሚሩ: በዚ ዚስዕብ ኪቕጽል ኣለዎ። ድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ክፍሊ እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ነቲ ዚቕጽል ክፍሊ ኼፋልጥ እዩ።
ባህሪ ዘረባ:- 5 ደቒቕ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ: እቲ ሓጋዚ መኻሪ: ወይ ካልእ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ኣብታ ክእለትካ እተመሓይሸሉ እትበሃል መምሃሪት ጽሕፍቲ ተመርኲሱ ብዛዕባ ሓደ ባህሪ ዘረባ ይገልጽ። (ኣብተን ሒደት ሽማግለታት ዘለዉወን ጉባኤታት ብቕዓት ዘለዎ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኬቕርቦ ይኽእል እዩ።)
ክፍሊ ቍ. 1:- 10 ደቒቕ። እዚ ብሓደ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኺወሃብ ይግብኦ: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ: ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለትካ እተመሓይሸሉ መገድታት: ወይ ከኣ ኣብታ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ሓቀኛን ጠቓምን እዩ ዘርእስታ ጽሕፍቲ እተመስረተ ይኸውን። ናይ ዓሰርተ ደቒቕ ኣስተምህሮ ዀይኑ ብዘይ ናይ ቃል ድግማ ኪቐርብ ይግብኦ። ዕላማኡ ነቲ ጽሑፍ ንምሽፋን ዘይኰነስ ነታ ጉባኤ ብዝበለጸ ዚጠቕማ እንታይ ምዃኑ እናኣጕላሕካ ኣብ ግብራዊ ጥቕሚ እቲ ዚዝረበሉ ዘሎ ሓበሬታ ንምትኳር ኪኸውን ኣለዎ። እቲ ሓው ነቲ እተዋህቦ ፍረ ነገር ኪጥቀም ኣለዎ። እቶም ነዚ መደረ እዚ ኺህቡ እተመዘዙ ኣሕዋት ነቲ እተመደበሎም ግዜ ንኺሕልዉ ጥንቃቐ ኺገብሩ ይግብኦም። ኣድላዪ ምስ ዚኸውን ብብሕቲ ምኽሪ ኺወሃብ ይከኣል እዩ።
ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ሓሳባት:- 10 ደቒቕ። ኣብተን ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ደቒቕ: ሓደ ብቑዕ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ነቲ ኽፍሊ ምስታ ጉባኤ ብዚሰማማዕ መገዲ ገይሩ የቕርቦ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፋል እቲ ኣብታ ሰሙን እተመደበ ንባብ ሓሳብ ኪህብ ይኽእል እዩ። እዚ ናይቲ ንባብ ድግማ ጥራይ ኪኸውን የብሉን። እቲ ቐንዲ ዕላማኡ: ሰማዕቲ ነቲ ሓበሬታ ስለምንታይን ብኸመይን ከም ዚጠቕሞም ምእንቲ ኺግንዘብዎ ንምሕጋዞም እዩ። እቲ ተዛራባይ ካብቲ ንመእተዊ እተመደበሉ ሓሙሽተ ደቒቕ ከየዛይድ ኪጥንቀቕ ኣለዎ። ሰማዕቲ ሓሳቦም ዚህቡሉ ሓሙሽተ ደቒቕ ኬትርፍ ኣለዎ። እቶም ሰማዕቲ ኻብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተረድእዎ ነገራትን ዝረኸብዎ ጥቕምታትን ሕጽር ዝበለ ሓሳባት (ን30 ካልኢት ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ንኺህቡ ኺዕደሙ ኣለዎም። ድሕሪኡ እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ነቶም ኣብ ካልእ ኣደራሽ ክፍሊ ኬቕርቡ እተመደቡ ተመሃሮ ኪኸዱ ኸም ዚኽእሉ ይሕብሮም።
ክፍሊ ቍ. 2:- 4 ደቒቕ ወይ ካብኡ ንታሕቲ። እዚ ብሓደ ሓው ዚቐርብ ንባብ እዩ። እቲ ተመሃራይ መእተዊ ወይ መዕጸዊ ኸይገበረ ነቲ እተመደበሉ ኽፋል ኬንብብ ኣለዎ። እቲ ዝንበብ ክፋል ካብ መዝሙር ዳዊት ምስ ዚኸውን: ነቲ ልዕለ-ጽሑፍ እውን ኬንብቦ ኣለዎ። እቲ ተዓዛቢ ነቲ ተመሃራይ ብዚርዳእ መገዲ: ሰጋእ ከይበለ: ቀንዲ ቓላትን ሓረጋትን እናኣጕልሐ: ድምጺ እናለዋወጠ: ብግቡእ እናዕረፈ: ከምኡውን ባህርያዊ ገይሩ ዜንብብ እንተ ዀይኑ ይርእዮ።
ክፍሊ ቍ. 3:- 5 ደቒቕ። እዚ ኽፍሊ እዚ ንሓንቲ ሓብቲ ዚወሃብ እዩ። እታ ነዚ ኽፍሊ እዚ እተቕርብ ተመሃሪት ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት: ተመላሊስካ ምብጻሕ: ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትገብር ዘላ ዀይና ኸተቕርቦ ትኽእል እያ። ከከም ዚጥዕማ ደው ወይ ኮፍ ኢላውን ከተቕርቦ ትኽእል እያ። ነቲ እተዋህባ ኣርእስቲ ኽትጥቀመሉ ይግባእ: ኣብቲ ዞባ ኼጋጥምን ግብራዊ ኪኸውንን ብዚኽእል መገዲ ገይራ ድማ ተቕርቦ። ምንጪ ዚኸውን ጽሑፍ ኣብ ዘይጥቀሰሉ ግዜ: ኣብቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዘዳለዎ ጽሑፋት ምርምር ብምግባር ክትዳሎ ኣለዋ። ሓደስቲ ተመሃሮ እቲ ዚውከሳሉ ጽሑፍ እተሓበሮ ኽፍልታት ኪወሃበን ኣለዎ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ: እታ ተመሃሪት ብኸመይ ክፍላ ኸም ዘቕረበትን ነታ ብዓልቲ ቤት ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይራ ኣገዳሲ ነጥብታት ብኸመይ ከም ዘረድኣታን ብፍላይ የተኵረሉ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ሓንቲ ሓጋዚት ይምድበላ።
ክፍሊ ቍ. 4:- 5 ደቒቕ። እቲ ተመሃራይ (ተመሃሪት) ኣብቲ እተዋህቦ ኣርእስቲ ተመርኲሱ ኽፍሊ የዳሉ። ምንጪ ዚኸውን ጽሑፍ ኣብ ዘይጥቀሰሉ ግዜ: ኣብቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዘዳለዎ ጽሑፋት ምርምር ብምግባር ኪዳሎ ኣለዎ። እዚ ኽፍሊ ንሓደ ሓው ኪወሃቦ ኸሎ: እቲ ሓው ነቶም ተኣከብቲ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ከም መደረ ገይሩ ኬቕርቦ ይኽእል እዩ። ንሓንቲ ሓብቲ ምስ ዚወሃብ ድማ: እቲ ኽፍሊ በቲ ኣብ ክፍሊ ቍ. 3 ዘሎ መልክዕ ገይራ ኸተቕርቦ ኣለዋ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ነቲ ኽፍሊ ቍ. 4 ንሓደ ሓው ኪህቦ ይኽእል እዩ። እቲ ኰዀብ ዚመስል ምልክት ዘለዎ ኽፍልታት ነሕዋት ጥራይ ኪወሃብ ከም ዘለዎን ብመደረ መልክዕ ኪቐርብ ከም ዚግባእን ኣይትረስዕ።
ግዜ:- እቲ ዚቐርብ ክፍሊ ዀነ እቲ ዚወሃብ ምኽሪ ኻብቲ እተመደበ ግዜ ኺሓልፍ የብሉን። ካብ ክፍሊ ቍ. 2 ክሳዕ 4 ዜቕርቡ ተመሃሮ ግዜኦም ምስ ኣኸለ ንኼቋርጹ ብሜላ ምልክት ኪግበረሎም ኣለዎ። እቶም ነቲ ባህሪ ዘረባ: ክፍሊ ቍ. 1: ወይ ነቲ ኻብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ሓሳባት ዜቕርቡ ኣሕዋት ግዜ እንተ ኣሕሊፎም: ብብሕቲ ምኽሪ ኺወሃቦም ኣለዎ። ኵላቶም ግዜኦም ኪሕልዉ ይግባእ። መዝሙርን ጸሎት ከይሓወስካ እዚ ኽፍልታት እዚ ብጠቕላላ 45 ደቒቕ ይወስድ።
ምኽሪ:- 1 ደቒቕ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ: ክፍሊ ቍ. 2: ቍ. 3: ቍ. 4 ምስ ቀረበ: ኣብቲ ዚነኣዱሉ መዳይ ኣወንታዊ ጐድንታቱ ንምጥቃስ ካብ ሓደ ደቒቕ ዘይዛይድ ግዜ ይወስድ። ዕላማ ናይዚ ‘ንፉዕ’ ኢልካ ንምንኣድ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ኣቀራርባ እቲ ውጽኢታዊ ዝዀነሉ ምኽንያታት ብንጹር ንምጥቃስ እዩ። ከከም ኣድላይነቱ: ድሕሪ ኣኼባ ወይ ካልእ ግዜ ነቲ ተመሃራይ ዜድሊ ሃናጺ ምኽሪ ኺወሃቦ ይከኣል እዩ።
ሓጋዚ መኻሪ:- ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ኣካል ሽማግለታት ነቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዚሕግዞ ኽኢላ መኻሪ ይመርጹ። ኣብታ ጉባኤ ብዙሓት ሽማግለታት እንተልዮም: ኣብ ዓዓመት ነዚ ዕዮ እዚ ዚዓዪ ሽማግለ ኪቕየር ይከኣል እዩ። ናይዚ ሓው ሓላፍነት ነቶም ክፍሊ ቍ. 1 ኸምኡውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ሓሳባት ዜቕርቡ ኣሕዋት ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ምኽሪ ምሃብ እዩ። ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ነዚ መደረታት ምስ ኣቕረቡ ዅሉ ሳዕ ምኽሪ ምሃብ ኣየድልን እዩ።
ናይ ቃል ድግማ:- 30 ደቒቕ። ኣብ ከክልተ ወርሒ እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ናይ ቃል ድግማ ይመርሕ። ቀቅድሚኡ ግን ብዛዕባ ባህሪ ዘረባ ዚገልጽ ክፍልን ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ነጥብታትን በዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ መልክዕ ይቐርብ። እቲ ናይ ቃል ድግማ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ወርሒ: እንተላይ ኣብቲ በታ ሰሙን እቲኣ ዚውሰድ ትምህርቲ እተመርኰሰ ይኸውን። ጉባኤኹም ኣብታ ናይ ቃል ድግማ እትግበረላ ሰሙን ናይ ወረዳ ኣኼባ ወይውን ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ እንተልይዋ: እቲ ድግማ (ከምኡውን ናይታ ሰሙን እቲኣ መደብ) ናብታ እትቕጽል ሰሙን ኪሰጋገር ኣለዎ። እቲ ኣብታ እትቕጽል ሰሙን ኪቐርብ ዝነበሮ መደብ ድማ ኣብቲ ናይ ወረዳ ኣኼባ ዚግበረሉ ሰሙን ኪቐርብ ኣለዎ። እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ኣብቲ ናይ ቃል ድግማ እትገብርሉ ሰሙን እንተደኣ ዀይኑ ዚበጽሓኩም: መዝሙር: ባህሪ ዘረባ: ከምኡውን ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ሓሳባት ከምቲ ኣብቲ መደብ ዘሎ ጌርካ ኪቐርብ ኣለዎ። ኣብታ ሰሙን እቲኣ (ደድሕሪ ባህሪ ዘረባ) እቲ ኣብ ዚመጽእ ሰሙን ዚቐርብ ኣስተምህሮ ኺወሃብ ኣለዎ። ብድሕርዚ: ኣብቲ ዚቕጽል ሰሙን ዚወሃብ ቲኦክራስያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ባህሪ ዘረባ: ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚጐልሕ ሓሳባት ከምኡውን ናይ ቃል ድግማ ጥራይ ዘጠቓለለ ይኸውን።
መደብ
2 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 29-32መዝ. 11 (85)
ባህሪ ዘረባ:- ፍረ ዘለዎ: ብንጹር ዝቐረበ ዝርርብ (ht ገጽ 12 ¶1-ገጽ 13 ¶6)
ቍ. 1:- ተገዳስነት ዜለዓዕል መእተዊታት (ht ገጽ 17 ¶1-ገጽ 18 ¶7)
ቍ. 2:- 2 ዜና መዋእል 30:1-12
ቍ. 3:- ናይ ሓቂ ክርስትያናት ጽዩፍ ዘረባ ዘይዛረቡ ስለምንታይ እዮም፧
ቍ. 4:- td 1ሀ ሓንቲ ናይ ሓቂ ሃይማኖት ጥራይ እያ ዘላ
9 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 33-36መዝ. 8 (53)
ባህሪ ዘረባ:- ተግባራዊ ጥቕሚ ዘለዎ ዝርርብ ኣቕርብ (ht ገጽ 14 ¶7-ገጽ 15 ¶11)
ቍ. 1:- 2ይ ዜና መዋእል—ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (bsi06 ገጽ 4 ¶34-6)
ቍ. 2:- 2 ዜና መዋእል 34:1-11
ቍ. 3:- td 1ለ ናይ ሓሶት ሰረተ-እምነት እተዀነነ እዩ
ቍ. 4:- ስነ-ምግባራዊ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምስዓብ ኣይትሕፈር
16 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዝራ 1-5መዝ. 29 (222)
ባህሪ ዘረባ:- ግቡእ ንውሓት ዘለዎ መእተዊታት (ht ገጽ 19 ¶11-ገጽ 20 ¶16)
ቍ. 1:- መእተዊ እዝራ (bsi06 ገጽ 5-6 ¶1-7)
ቍ. 2:- እዝራ 1:1-11
ቍ. 3:- ቅኑዕ ሕልና ኻብ ምህላው ዚርከብ ጥቕምታት
ቍ. 4:- td 1ሐ ሓደ ሰብ ሃይማኖቱ ጌጋ ምዃና እንተ ኣረጋጊጹ: ኪቕይር ኣለዎ
23 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዝራ 6-10መዝ. 9 (37)
ባህሪ ዘረባ:- ተወሳኺ መብርሂ ሓሳባት (ht ገጽ 15 ¶12, 13)
ቍ. 1:- እዝራ—ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (bsi06 ገጽ 6-7 ¶14-18)
ቍ. 2:- እዝራ 6:1-12
ቍ. 3:- td 1መ “ኣብ ኵሉ ሃይማኖታት ጽቡቕ” ዚመስል እኳ እንተሎ: ስምረት ኣምላኽ ኣየረጋግጽን
ቍ. 4:- ኣምላኽ ብዛዕባ መርዓ ዘለዎ ኣረኣእያ
30 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ነህምያ 1-4መዝ. 6 (145)
ባህሪ ዘረባ:- ምስቲ ዅነታት ዚሰማማዕ ናይ ድምጺ ዓቐን (ht ገጽ 20 ¶1-ገጽ 22 ¶10)
ቍ. 1:- መእተዊ ነህምያ (bsi06 ገጽ 7-8 ¶1-5)
ቍ. 2:- ነህምያ 2:1-10
ቍ. 3:- እቲ ልዕሊ ዅሉ ኣገዳሲ ዝዀነ ዕቝባ
ቍ. 4:- td 2ሀ እዙዛት ደቅሰብ ብርግጽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪረኽቡ እዮም
6 ለካ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ነህምያ 5-8መዝ. 26 (212)
ባህሪ ዘረባ:- ብቐሊሉ እተገልጸ ዝርርብ (ht ገጽ 15 ¶14-16)
ቍ. 1:- ኣብ ስርዓተ-ነጥቢ ምዕራፍ (ht ገጽ 23 ¶17-ገጽ 24 ¶21)
ቍ. 2:- ነህምያ 5:1-13
ቍ. 3:- td 2ለ ሰማያዊ ህይወት ነቶም ስጋ ክርስቶስ ዝዀኑ እተሓዝአ እዩ
ቍ. 4:- “ንልብኻ ሐልዎ” (ምሳ. 4:23)
13 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ነህምያ 9-11መዝ. 17 (187)
ባህሪ ዘረባ:- ልሙዳት ዘይኰኑ ስያመታት ተገሊጾም: ብዙሕ ሓሳባት ዘለዎ ኪኸውን የብሉን (ht ገጽ 16 ¶17-20)
ቍ. 1:- ኣብ ክንዲ ውግእ: ሰላም ብኸመይ ከም እትመሃር (w04 1/1 ገጽ 6 ¶8-ገጽ 7 ¶5)
ቍ. 2:- ነህምያ 10:28-37
ቍ. 3:- የሆዋ ኸም ዜፍቅረና ዜርኢ መርትዖ
ቍ. 4:- td 2ሐ ቍጽሮም ዘይተወሰነ “ኻልኦት ኣባጊዕ” ምድራዊ ህይወት ኪረኽቡ መብጽዓ ተኣትወሎም
20 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ነህምያ 12-13መዝ. 16 (143)
ባህሪ ዘረባ:- ንኸተጕልሕ ኢልካን እቲ ዅነታት ኣድላዪ ኪኸውን ከሎን ምዕራፍ (ht ገጽ 25 ¶25-28)
ቍ. 1:- ነህምያ—ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (bsi06 ገጽ 8-9 ¶16-19)
ቍ. 2:- ነህምያ 13:1-14
ቍ. 3:- td 3ሀ ሓጢኣት እንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- ዓመጻ ዝመልኦ ናይ ቪድዮ ጸወታታት ንክርስትያናት ኣይከውንን
27 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኣስቴር 1-5መዝ. 22 (130)
ባህሪ ዘረባ:- ምስቲ ቐንዲ ኣርእስቲ ዚሰማማዕ መእተዊ (ht ገጽ 18 ¶8-ገጽ 19 ¶10)
ናይ ቃል ድግማ
6 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኣስቴር 6-10መዝ. 11 (85)
ባህሪ ዘረባ:- ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዜቕልቡ ምግባር (ht ገጽ 26 ¶1-ገጽ 27 ¶6)
ቍ. 1:- መእተዊ ኣስቴርን ስለምንታይ ጠቓሚት ከም ዝዀነትን (bsi06 ገጽ 9-11 ¶1-6, 16-18)
ቍ. 2:- ኣስቴር 6:1-10
ቍ. 3:- ልኡም ምላሽ ንቝጥዓ የህድኦ
ቍ. 4:- td 3ለ ኵሎም ሰባት ብሰንኪ ሓጢኣት ኣዳም ዚሳቐዩ ስለምንታይ እዮም፧
13 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዮብ 1-5መዝ. 12 (113)
ባህሪ ዘረባ:- ምስቲ ዝርርብ ዚሰማማዕ ናይ ድምጺ ዓቐን (ht ገጽ 22 ¶11-ገጽ 23 ¶12)
ቍ. 1:- መእተዊ እዮብ (bsi06 ገጽ 11-13 ¶1-6)
ቍ. 2:- እዮብ 2:1-13
ቍ. 3:- td 3ሐ እታ እተኸልከለት ፍረ ዘይምእዛዝ ደኣ እምበር: ጾታዊ ርክብ ኣይኰነትን
ቍ. 4:- ናይ ሓቂ ክርስትያናት ምጕርምራም ዜወግዱ ስለምንታይ እዩ፧
20 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዮብ 6-10መዝ. 1 (13)
ባህሪ ዘረባ:- ጥቕስታት ምንባብን ኣብ ግብሪ ኣወዓዕላኦም ምግላጽን (ht ገጽ 30 ¶1-ገጽ 32 ¶14)
ቍ. 1:- መንፈሳዊ ነገራት ዘለዎ ብልጫ (w04 15/10 ገጽ 4 ¶1-ገጽ 5 ¶3)
ቍ. 2:- እዮብ 7:1-21
ቍ. 3:- ንጹህ ልቢ ምህላው ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ቍ. 4:- td 3መ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ምሕጣእ እንታይ ማለት እዩ፧
27 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዮብ 11-15መዝ. 22 (130)
ባህሪ ዘረባ:- ኣብ ግቡእ ቦታ ዚግበር ምዕራፍ (ht ገጽ 23 ¶13-¶16)
ቍ. 1:- ጥቕስታት ክትጥቀም ከለኻ ቐንዲ ቓላቱን ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኡን ምጕላሕ (ht ገጽ 33 ¶18-¶22)
ቍ. 2:- እዮብ 12:1-25
ቍ. 3:- td 4ሀ ማእሰር መርዓ ኽቡር ኪኸውን ኣለዎ
ቍ. 4:- ኣገልግሎት ሓጐስ ዜምጽኣልና ስለምንታይ እዩ፧
3 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዮብ 16-20መዝ. 6 (45)
ባህሪ ዘረባ:- ሓሳባት ንምልዋጥ ምዕራፍ (ht ገጽ 24 ¶22-ገጽ 25 ¶24)
ቍ. 1:- ንኣምላኽ ዘላትና ፍቕሪ ብኸመይ ኢና እነርኢ፧ (w04 1/3 ገጽ 19-21)
ቍ. 2:- እዮብ 16:1-22
ቍ. 3:- የሆዋ ሰባት ንኼምልኽዎ ዚስሕበሉ ኣገባብ
ቍ. 4:- td 4ለ ክርስትያናት ነቲ ናይ ርእስነት ስርዓት ኬኽብርዎ ኣለዎም
10 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዮብ 21-27መዝ. 29 (222)
ባህሪ ዘረባ:- ጥቕስታት ግቡእ መእተዊ ተገይሩሎም—1ይ ክፋል (ht ገጽ 27 ¶7-ገጽ 28 ¶11)
ቍ. 1:- መንፈሳዊ ነገራት ምስዓብ ዓስቢ የምጽእ (w04 15/10 ገጽ 5 ¶4-ገጽ 7 ¶2)
ቍ. 2:- እዮብ 24:1-20
ቍ. 3:- የሆዋ ማእለያ ዘይብሉ ሓይሊ ይህብ
ቍ. 4:- td 4ሐ ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ዘለዎም ሓላፍነት
17 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዮብ 28-32መዝ. 26 (212)
ባህሪ ዘረባ:- ጥቕስታት ግቡእ መእተዊ ተገይሩሎም—2ይ ክፋል (ht ገጽ 28 ¶12-ገጽ 29 ¶18)
ቍ. 1:- ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምጥቃም (ht ገጽ 36 ¶15-18)
ቍ. 2:- እዮብ 29:1-25
ቍ. 3:- td 4መ ክርስትያናት ንክርስትያናት ጥራይ ኪምርዓዉ ኣለዎም
ቍ. 4:- እቶም ህዝቢ ብኣመሃህራ የሱስ እተገረሙ ስለምንታይ እዮም፧
24 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዮብ 33-37መዝ. 5 (46)
ባህሪ ዘረባ:- ብዛዕባ እቲ ጥቕስታት ከም ዚህንጠዩ ምግባርን ስለምንታይ ከም ዚጠቅም ምግላጽን (ht ገጽ 29 ¶19-21)
ናይ ቃል ድግማ
1 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዮብ 38-42መዝ. 10 (82)
ባህሪ ዘረባ:- መራጐዲ ዚኸውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ (ht ገጽ 37 ¶19, 20)
ቍ. 1:- እዮብ—ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (bsi06 ገጽ 13-14 ¶39-43)
ቍ. 2:- እዮብ 38:1-24
ቍ. 3:- ኢሳይያስ 60:22 ኣብዚ ግዜና ፍጻሜኣ ትረክብ ዘላ ብኸመይ እያ፧
ቍ. 4:- td 4ሰ ካብ ሓንቲ ሰበይቲ ንላዕሊ ምምርዓው ቅዱስ ጽሑፋዊ ኣይኰነን
8 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 1-10መዝ. 16 (143)
ባህሪ ዘረባ:- ንዝርርብካ ቐንዲ ኣርእስቲ ምምራጽ (ht ገጽ 37 ¶1-ገጽ 38 ¶4)
ቍ. 1:- መእተዊ መዝሙር—1ይ ክፋል (bsi06 ገጽ 14-15 ¶1-5)
ቍ. 2:- መዝሙር 4:1–5:12
ቍ. 3:- td 5ሀ ዘመናት ኣህዛብ ብ1914 (ድ.ክ.) እዩ ተወዲኡ
ቍ. 4:- ንምሳሌ እቲ ጥዑይ ቃል ምሓዝ
15 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 11-18መዝ. 25 (204)
ባህሪ ዘረባ:- ጥቕስታት ኣብ ግብሪ ኣወዓዕላኦም ብንጹር ተገሊጹ (ht ገጽ 32 ¶15-17)
ቍ. 1:- መእተዊ መዝሙር—2ይ ክፋል (bsi06 ገጽ 16-17 ¶6-11)
ቍ. 2:- መዝሙር 14:1–16:6
ቍ. 3:- ናይ ሓቂ ክርስትያናት ካብ ዓለም ዘይኰኑ በየናይ መገድታት እዮም፧
ቍ. 4:- td 6ሀ የሱስ ከም ሓደ ገበነኛ ኣብ ዕንጨይቲ ተሰቕለ
22 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 19-25መዝ. 2 (15)
ባህሪ ዘረባ:- ንዝርርብካ ቐንዲ ነጥብታት ምምራጽ (ht ገጽ 39 ¶9-ገጽ 40 ¶13)
ቍ. 1:- ጽቡቕ ምስትውዓል ሞገስ የምጽእ (w04 15/7 ገጽ 27 ¶4-ገጽ 28 ¶4)
ቍ. 2:- መዝሙር 22:1-22
ቍ. 3:- td 6ለ መስቀል ኪምለኽ የብሉን
ቍ. 4:- መዘኻኸሪታት ኣምላኽ እንታይ እዩ፧ ከነቕልበሉ ዘሎናኸ ስለምንታይ እዩ፧
29 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 26-33መዝ. 11 (85)
ባህሪ ዘረባ:- ቀንዲ ነጥብታት ብዚግባእ ምምዕባሉ (ht ገጽ 40 ¶14-ገጽ 42 ¶21)
ቍ. 1:- ኣድላዪነት ምድግጋም (ht ገጽ 34 ¶1-3)
ቍ. 2:- መዝሙር 30:1–31:8
ቍ. 3:- ሓቂ ንሓደ ሰብ ሓራ እተውጽኦ በየናይ መገድታት እዩ፧
ቍ. 4:- td 7ሀ መንግስቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ እትገብረሎም ነገራት
5 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 34-37መዝ. 6 (45)
ባህሪ ዘረባ:- ቀንዲ ነጥብታት ምድግጋም (ht ገጽ 34 ¶4-ገጽ 35 ¶10)
ቍ. 1:- ጸሎት ዘለዎ ሓይሊ (w04 15/8 ገጽ 18 ¶6 -ገጽ 19 ¶10)
ቍ. 2:- መዝሙር 34:1-22
ቍ. 3:- td 7ለ ግዝኣታ እትጅምር ገና ጸላእቲ ክርስቶስ ከይጠፍኡ ኸለዉ እዩ
ቍ. 4:- ካብ ከመይ ዝበለ ኣምልኾ ጣኦት ኢና ኽንሃድም ዘሎና፧
12 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 38-44መዝ. 7 (51)
ባህሪ ዘረባ:- ነቲ ንጹር ዘይኰነ ነጥብታት ምድግጋም (ht ገጽ 35 ¶11-ገጽ 36 ¶14)
ቍ. 1:- ዚሰማማዕ ቀንዲ ኣርእስቲ ምጕላሕ (ht ገጽ 38 ¶5-ገጽ 39 ¶8)
ቍ. 2:- መዝሙር 40:1-17
ቍ. 3:- ናይ ሓቂ ስነ-ፍልጠት ምስ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይጋጮን እዩ
ቍ. 4:- td 7ሐ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ‘ልቢ’ ሰባት የላን ወይ ብጻዕሪ ሰባት ኣይትመጽእን
19 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 45-51መዝ. 26 (212)
ባህሪ ዘረባ:- ናብ ሰማዕቲ ብምጥማት ርክብ ምግባር (ht ገጽ 42 ¶1-ገጽ 43 ¶5)
ቍ. 1:- የሱስ መዓስ እዩ መጺኡ፧ (w04 1/3 ገጽ 16 ሳጹን)
ቍ. 2:- መዝሙር 46:1–47:9
ቍ. 3:- td 8ሀ መንፈስ ቅዱስ እንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- ሓደ ክርስትያን ምስ ዚደክም: ሽዑ ዚብርትዕ ብኸመይ እዩ፧ (2 ቈረ. 12:10)
26 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 52-59መዝ. 16 (143)
ባህሪ ዘረባ:- ብቐጥታ ጠቒስካ ብምዝራብ ምስ ሰማዕቲ ርክብ ምግባር (ht ገጽ 43 ¶6-ገጽ 44 ¶9)
ናይ ቃል ድግማ
3 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 60-68መዝ. 6 (45)
ባህሪ ዘረባ:- ሰጋእ ከይበልካ ምዝራብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ht ገጽ 46 ¶1-ገጽ 48 ¶10)
ቍ. 1:- ትሕትና የሆዋ ብኸመይ እዩ ዚጠቕመና፧ (w04 1/11 ገጽ 29-30)
ቍ. 2:- መዝሙር 60:1–61:8
ቍ. 3:- ኣብ ክርስትያናዊ ንጥፈታት ምክፋል: ብሕግታት ኣምላኽ ንኸይንቕየድ ምኽንያት ይዀነና ድዩ፧
ቍ. 4:- td 8ለ ሓይሊ ህይወት: መንፈስ ተባሂሉ ይጽዋዕ
10 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 69-73መዝ. 17 (187)
ባህሪ ዘረባ:- እተዋጽአ ጽሑፍ ምጥቃም (ht ገጽ 44 ¶10-ገጽ 45 ¶19)
ቍ. 1:- ንዝርርብካ ብባህርያዊ መገዲ ምቕራብ (ht ገጽ 48 ¶11-ገጽ 50 ¶23)
ቍ. 2:- መዝሙር 71:1-18
ቍ. 3:- td 8ሐ ሓተታ መናፍስቲ: ግብሪ ኣጋንንቲ ኸም ምዃኑ መጠን ከነርሕቖ ኣሎና
ቍ. 4:- ክርስትያናት ኣድልዎ ኼርእዩ ዘይብሎም ስለምንታይ እዩ፧
17 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር74-78 መዝ. 15 (127)
ባህሪ ዘረባ:- ግቡእ ኣደማምጻ ዘለዎ ኣገዳስነት—1ይ ክፋል (ht ገጽ 50 ¶24-ገጽ 51 ¶26)
ቍ. 1:- ግቡእ ኣደማምጻ ዘለዎ ኣገዳስነት—2ይ ክፋል (ht ገጽ 51 ¶27-ገጽ 52 ¶34)
ቍ. 2:- መዝሙር 75:1–76:12
ቍ. 3:- ንየሆዋ ምድላይ እንታይ የጠቓልል፧ (ዘካ. 2:3)
ቍ. 4:- td 9ሀ ቃል ኣምላኽ መንፈስ ዝነፈሶ እዩ
24 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 79-86መዝ. 16 (143)
ባህሪ ዘረባ:- ብመስተጻምር ጌርካ ሓሳባት ምውህሃድ (ht ገጽ 53 ¶1-ገጽ 54 ¶8)
ቍ. 1:- ‘ድንኳን ቅኑዓት ይዕንብብ’ (w04 15/11 ገጽ 26 ¶1-ገጽ 28 ¶2)
ቍ. 2:- መዝሙር 82:1–83:18
ቍ. 3:- td 9ለ ንግዜና ዚኸውን ግብራዊ መምርሒ ዝሓዘ እዩ
ቍ. 4:- ዘይፍጹማት ሰባት ንኣምላኽ ኬሐጕስዎ ይኽእሉዶ፧
31 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 87-91መዝ. 22 (130)
ባህሪ ዘረባ:- እተተሓሓዘ ኣመዓባብላ ዝርርብ—1ይ ክፋል (ht ገጽ 54 ¶9-ገጽ 55 ¶13)
ቍ. 1:- ‘ፍልጠት ዘየሸግር’ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ከምኡውን ጥበብ ትመርሓና (w04 15/11 ገጽ 28 ¶3-ገጽ 29 ¶7)
ቍ. 2:- መዝሙር 89:1-21
ቍ. 3:- መጽሓፍ ቅዱስ ምጽናዕ ክፍሊ ኣምልኾና እዩ
ቍ. 4:- td 9ሐ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ኣህዛብን ዓሌታትን እዩ ተጻሒፉ
7 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 92-101መዝ. 25 (204)
ባህሪ ዘረባ:- እተተሓሓዘ ኣመዓባብላ ዝርርብ—2ይ ክፋል (ht ገጽ 55 ¶14-ገጽ 57 ¶21)
ቍ. 1:- ዜእምን ሓሳባት (ht ገጽ 57 ¶1-ገጽ 58 ¶6)
ቍ. 2:- መዝሙር 92:1–93:5
ቍ. 3:- td 10ሀ ማርያም ኣደ የሱስ ደኣ እምበር: “ወላዲት ኣምላኽ” ኣይኰነትን
ቍ. 4:- ብስነ-ምግባር ንጹህ ናይ ምዃን ኣድላይነት
14 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 102-105መዝ. 21 (191)
ባህሪ ዘረባ:- ዜእምን ኣቀራርባ ኸተዳሉ እትኽእል ብኸመይ ኢኻ፧ (ht ገጽ 59 ¶7-ገጽ 60 ¶14)
ቍ. 1:- “ዎ የሆዋ: ግብርታትካስ ክንደይ ብዙሕ እዩ” (w04 15/11 ገጽ 8-9)
ቍ. 2:- መዝሙር 104:1-24
ቍ. 3:- ንቑሓት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 10ለ ማርያም “ድንግል” ኰይና ኣይቀጸለትን
21 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 106-109መዝ. 13 (124)
ባህሪ ዘረባ:- ሰማዕቲ ምኽንያት ንኺርድኡ ተሓጊዞም (ht ገጽ 60 ¶15-ገጽ 62 ¶24)
ቍ. 1:- ኣቱም መንእሰያት: ተዓሚትኩም ንመዛንኹም ኣይትስዓቡ! (w04 15/10 ገጽ 22 ¶4-ገጽ 24 ¶5)
ቍ. 2:- መዝሙር 107:20-43
ቍ. 3:- td 11ሀ ምምላስ ክርስቶስ ብዓይኒ ኣይርኤን እዩ
ቍ. 4:- ንኣምላኽ ክንመስሎ እንኽእል በየናይ መገድታት እዩ፧
28 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 110-118መዝ. 16 (143)
ባህሪ ዘረባ:- ነቲ ቐንዲ መልእኽቲ ዝሓዘ ቓላትን ሓሳባትን ምጕላሕ (ht ገጽ 62 ¶1-ገጽ 64 ¶9)
ናይ ቃል ድግማ
4 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 119መዝ. 18 (162)
ባህሪ ዘረባ:- ድምጺ ምልውዋጥ—እተፈላለየ ሓይሊ ምጥቃም (ht ገጽ 64 ¶10-ገጽ 65 ¶14)
ቍ. 1:- ድምጺ ምልውዋጥ—እተፈላለይ ፍጥነትን ደሃይን ምጥቃም (ht ገጽ 65 ¶15-ገጽ 66 ¶20)
ቍ. 2:- መዝሙር 119:25-48
ቍ. 3:- ንሰበ-ስልጣናት ከነኽብሮም ዘሎና ስለምንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 11ለ በቲ ጭቡጥ ኵነታት ይፍለጥ
11 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 120-134መዝ. 20 (93)
ባህሪ ዘረባ:- ነቲ ሓሳባት ወይ ነቲ ስምዒት ዚሰማማዕ ናይ ድምጺ ምልውዋጥ (ht ገጽ 66 ¶21-ገጽ 67 ¶24)
ቍ. 1:- ህያው ብዝዀነ ኣቀራርባ እተራእየ ውዕዉዕ ስምዒት (ht ገጽ 67 ¶1-ገጽ 68 ¶5)
ቍ. 2:- መዝሙር 121:1–123:4
ቍ. 3:- td 12ሀ ኵሎም ክርስትያናት ብስራት ኪሰብኩ ኣለዎም
ቍ. 4:- እተጋነነ መግለጺ እንታይ እዩ፧ የሱስከ ነዚ ብኸመይ ተጠቕመሉ፧
18 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 135-141መዝ. 23 (200)
ባህሪ ዘረባ:- ነቲ ዝርርብ ዚሰማማዕ ውዕዉዕ ስምዒት (ht ገጽ 68 ¶6- ገጽ 69 ¶9)
ቍ. 1:- መዝሙር—ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧—1ይ ክፋል (bsi06 ገጽ 17-8 ¶23-7)
ቍ. 2:- መዝሙር 136:1-26
ቍ. 3:- በዓል ዝኽሪ ናይ ሓባር መኣዲ ዝዀነ በየናይ መገዲ እዩ፧
ቍ. 4:- td 12ለ ተመላሊስካ ምብጻሕ ምግባርን ከየቋረጽካ ምምስካርን የድሊ
25 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 142-150መዝ. 24 (185)
ባህሪ ዘረባ:- ምዉቕ: ስምዒት ዘለዎ ኣቀራርባ (ht ገጽ 69 ¶10-ገጽ 71 ¶21)
ቍ. 1:- መዝሙር—ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧—2ይ ክፋል (bsi06 ገጽ 18-9 ¶28-32)
ቍ. 2:- መዝሙር 142:1–143:12
ቍ. 3:- td 12ሐ ካብ ደም ካልኦት ናጻ ንምዃን ምምስካር ኣድላዪ እዩ
ቍ. 4:- ካብ ጥቕምና ጥቕሚ ብጾትና ኸነቐድም እንኽእል በየናይ መገድታት ኢና፧
2 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ምሳሌ 1-6መዝ. 8 (53)
ባህሪ ዘረባ:- መሃሪ መብሪሂታት (ht ገጽ 74 ¶15-ገጽ 75 ¶19)
ቍ. 1:- መእተዊ ምሳሌ—1ይ ክፋል (bsi06 ገጽ 19-20 ¶1-5)
ቍ. 2:- ምሳሌ 5:1-23
ቍ. 3:- td 13ሀ ምስሊ ዀነ ሓወልቲ ንኣምልኾ ምጥቃም: ንኣምላኽ ውርደት እዩ
ቍ. 4:- ጽውጽዋያት ኣይትዘርግሕ (2 ጢሞ. 4:4)
9 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ምሳሌ 7-11መዝ. 21 (191)
ባህሪ ዘረባ:- ዚሰማማዕ መብርሂታት (ht ገጽ 72 ¶1-ገጽ 74 ¶14)
ቍ. 1:- መእተዊ ምሳሌ—2ይ ክፋል (bsi06 ገጽ 20-21 ¶6-11)
ቍ. 2:- ምሳሌ 7:1-27
ቍ. 3:- ክርስትያናዊ ገለልትነትና ንዓለምለኻዊ ሕውነትና ኣበርክቶ ኣለዎ
ቍ. 4:- td 13ለ ምስልታት ምምላኽ ንህዝቢ እስራኤል ጥፍኣት ኣስዓበሎም
16 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ምሳሌ 12-16መዝ. 5 (46)
ባህሪ ዘረባ:- ላዛ ዘለዎ መብርሂታት (ht ገጽ 75 ¶20- ¶22)
ቍ. 1:- ንግራት ኣገልግሎት ዚሰማማዕ ኣቀራርባ (ht ገጽ 76 ¶1-ገጽ 77 ¶5)
ቍ. 2:- ምሳሌ 14:1-21
ቍ. 3:- td 13ሐ “ናብ ኣምላኽ ንኬቕርበና ጥራይ እዩ” ኢልካ ዚግበር ኣምልኾ ኣይፍቀድን
ቍ. 4:- ኣብ ኣኼባታት ብዝያዳ ንኸነቕልብ ዚሕግዘና እንታይ እዩ፧
23 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ምሳሌ 17-21መዝ. 16 (143)
ባህሪ ዘረባ:- ዚሰማማዕ ነጥብታት ተመሪጹ (ht ገጽ 77 ¶6-ገጽ 78 ¶10)
ቍ. 1:- ምሳሌ—ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧—1ይ ክፋል (bsi06 ገጽ 21-23 ¶19-28)
ቍ. 2:- ምሳሌ 17:1-20
ቍ. 3:- ክርስትያናት ንኣረጋውያን ብኸመይ ኪርእይዎም ኣለዎም፧
ቍ. 4:- td 14ሀሐ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ምትሕውዋስ ኣምላኽ ዚፈትዎ መገዲ ኣይኰነን
30 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ምሳሌ 22-26መዝ. 9 (37)
ባህሪ ዘረባ:- ተግባራዊ ጥቕሚ ናይቲ ዝርርብ ጐሊሑ (ht ገጽ 78 ¶11-ገጽ 79 ¶13)
ናይ ቃል ድግማ
6 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ምሳሌ 27-31መዝ. 7 (51)
ባህሪ ዘረባ:- ዚሰማማዕ መዕጸዊ (ht ገጽ 79 ¶1-ገጽ 80 ¶9)
ቍ. 1:- ምሳሌ—ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧—2ይ ክፋል (bsi06 ገጽ 23-24 ¶29-38)
ቍ. 2:- ምሳሌ 28:1-18
ቍ. 3:- td 14ለ “ኣብ ኵለን ሃይማኖታት ጽቡቕ ኣሎ” ምባል ቅኑዕ ኣይኰነን
ቍ. 4:- ነቶም ኣብ ኣገልግሎት እንረኸቦም ሰባት ብደጋዊ ትርኢቶም ክንፈርዶም ዘይብልና ስለምንታይ ኢና፧
13 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መክብብ 1-6መዝ. 24 (185)
ባህሪ ዘረባ:- ግቡእ ንውሓት ዘለዎ መዕጸዊ (ht ገጽ 81 ¶10-¶14)
ቍ. 1:- መእተዊ መክብብ (bsi06 ገጽ 25-26 ¶1-8)
ቍ. 2:- መክብብ 5:1-15
ቍ. 3:- ሓቅታት መጽሓፍ ቅዱስ ካብቶም ብልህታትን ኣስተውዓልትን እተሓብአ ብኸመይ እዩ፧ (ማቴ. 11:25)
ቍ. 4:- td 15ሀ ኣምላኽ ንምድሪ ዘለዎ ዕላማ
20 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መክብብ 7-12መዝ. 9 (37)
ባህሪ ዘረባ:- ኣገዳስነት ግቡእ ንውሓት ግዜ—1ይ ክፋል (ht ገጽ 81 ¶15-ገጽ 82 ¶20)
ቍ. 1:- መክብብ—ጠቓሚት ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧ (bsi06 ገጽ 26-27 ¶15-19)
ቍ. 2:- መክብብ 9:1-12
ቍ. 3:- td 15ለ ፈጺማ ኣይክትጠፍእን ወይ ኣይክትባድምን እያ
ቍ. 4:- ቅንኢ ጌጋ ድዩ፧
27 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መሃልየ መሃልይ 1-8መዝ. 27 (221)
ባህሪ ዘረባ:- ኣገዳስነት ግቡእ ንውሓት ግዜ—2ይ ክፋል (ht ገጽ 83 ¶21-ገጽ 84 ¶29)
ቍ. 1:- መእተዊ መሃልየ መሃልይን ስለምንታይ ጠቓሚት ከም ዝዀነትን (bsi06 ገጽ 27-29 ¶1-4, 16-18)
ቍ. 2:- መሃልየ መሃልይ 7:1–8:4
ቍ. 3:- ክርስትያናት ኣከዳድናኦም ጽፉፍን ጽሩይን ሕንኪ ዘለዎን ኪኸውን ዚግብኦ ስለምንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 16ሀ ክርስትያናት ምጽራር ዚወርዶም ስለምንታይ እዩ፧
4 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኢሳይያስ 1-5መዝ. 7 (51)
ባህሪ ዘረባ:- ርግኣት ንዝርርብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ht ገጽ 85 ¶1-ገጽ 86 ¶9)
ቍ. 1:- መእተዊ ኢሳይያስ (bsi06 ገጽ 29-31 ¶1-8)
ቍ. 2:- ኢሳይያስ 3:1-15
ቍ. 3:- td 16ለ ሰበይቲ: ሰብኣያ ኻብ ኣምላኽ ኪፈልያ ኸተፍቅደሉ የብላን
ቍ. 4:- ክርስትያናት ‘ንዅራ ደንጐይቲ’ ኪዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዩ፧ (ያእ. 1:19)
11 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኢሳይያስ 6-10መዝ. 25 (204)
ባህሪ ዘረባ:- ኣብ ኣካላዊ ትርኢት ዚንጸባረቕ ርግኣት (ht ገጽ 87 ¶10-14)
ቍ. 1:- ግቡእ ኣከዳድናን ኵልንትናዊ ኣቃውማን (ht ገጽ 88 ¶15-ገጽ 89 ¶21)
ቍ. 2:- ኢሳይያስ 10:1-14
ቍ. 3:- ይቕረ በሃሊ ኽትከውን ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 16ሐ ሰብኣይ: ሰበይቱ ንኣምላኽ ካብ ምግልጋል ክትክልክሎ ኼፍቅደላ የብሉን
18 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኢሳይያስ 11-16መዝ. 11 (85)
ባህሪ ዘረባ:- ግቡእ ኣቃውማ (ht ገጽ 89 ¶22-ገጽ 90 ¶28)
ቍ. 1:- ኣቱም መንእሰያት ልብኹም ክትሕልዉ ወለድኹም ይሓግዝኹም! (w04 15/10 ገጽ 20 ¶1-ገጽ 22 ¶3)
ቍ. 2:- ኢሳይያስ 11:1-12
ቍ. 3:- td 17ሀ መንፈሳዊ ምፍዋስ ነባሪ ጥቕምታት ኣለዎ
ቍ. 4:- ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣብ ውግእ ኣርማጌዶን ኣይሳተፉን እዮም
25 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኢሳይያስ 17-23መዝ. 8 (53)
ባህሪ ዘረባ:- ግቡእ ናይ ገጽ መግለጺታትን ጽፉፍ መሳሪሕታትን (ht ገጽ 90 ¶29-ገጽ 91 ¶34)
ናይ ቃል ድግማ