ለዋህ ብምዃን ብሕታዊ ተገዳስነት ኣርኢ
1 ሓንቲ ኣብ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ጽልኢ ኣሕዲራ ዝነበረት ሰበይቲ: ምስ ሓንቲ ኻብኣቶም ንመጀመርታ ግዜ እተራኸበትሉ ግዜ ኽትዝክር ከላ ኸምዚ በለት:- “ሓቂ ይሓይሽ ብዛዕባ እንታይ ከም እተዘራረብና እኳ ኣይዝከረንን እዩ: እቲ ዚዝከረኒ ግን ንዓይ ክሳዕ ክንደይ ሕያውነት ከም ዘርኣየትንን ክሳዕ ክንደይ ከኣ ምቕልልትን ትሕትን ከም ዝነበረት እዩ። ከም ሰብ መጠን ኣጸቢቓ ስሒባትኒ እያ።” እዚ ርእይቶ እዚ ነቶም እንሰብከሎም ሰባት ናይ ሓቂ ብሕታዊ ተገዳስነት ምርኣይ ክሳዕ ክንደይ ኣገዳሲ ምዃኑ ዜጕልሕ እዩ።—ፊል. 2:4
2 ፍቕሪ ለዋህ እያ:- ፍቕርና ንኻልኦት ከነርእየሉ እንኽእል ሓደ መገዲ ለዋሃት ብምዃን እዩ። (1 ቈረ. 13:4) ሓደ ለዋህ ሰብ ንኻልኦት ኪሕግዝ ካብ ዘለዎ ድሌት: ዓሚቝ ተገዳስነት እዩ ዜርኢ። ልክዕ እዩ: ዕዮ ስብከት ንገዛእ ርእሱ ናይ ለውሃት ተግባር እዩ። ይኹን እምበር: ኣብ ሰባት ዘሎና ናይ ሓቂ ሓልዮት ብስብከት ጥራይ ኣይኰነን ዚንጸባረቕ። ናይ ሓቂ ሓለይቲ ምዃንና ኣብቲ ምስ ሰባት ዘሎና ርክብ ኪርአ ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ኣብቲ ምቕሉላት ምዃንናን ሕያውነትናን: ንሰባት እንሰምዓሉ መገዲ: እንዛረቦ ነገራትን እንዛረበሉ ኣገባብን: ካብኡ ሓሊፉ እውን ኣብቲ ኣብ ገጽና እነርእዮ ምልክት ይንጸባረቕ እዩ።—ማቴ. 8:2, 3
3 ኣብ ሰባት ዘሎና ፍቕራዊ ሓልዮት ግብራዊ ሓገዝ ክንገብረሎም እውን ኪደፋፍኣና ይኽእል እዩ። ሓደ ፓይነር ሓው ካብ ቤት ናብ ቤት እናኣገልገለ ኸሎ: ሓንቲ ብዕድመ ዝደፍአት መበለት: ናይ የሆዋ ምስክር ምዃኑ ምስ ፈለጠት ብኡብኡ ነጸገቶ። ናይ ማዕጾ ደወል ኪድውል ከሎ ኣምፑል ክትቅይር ኣብ ተዓጻፊ መሳልል ደይባ ኸም ዝነበረት ሓበረቶ። እቲ ሓው: “በይንኽን ከምዚ ኽትገብራ ሓደገኛ እዩ” ምስ በላ: ናብ ቤታ ኺኣቱ ፈቐደትሉ። ነታ ኣምፑል ቀይሩላ ድማ ከደ። ጸኒሑ ወዳ ደሃያ ኺገብር ምስ መጸ: እንታይ ከም ዘጋጠማ ነገረቶ። ወዳ በቲ ዅነታት ተደኒቑ ሞሳኡ ንምግላጽ ነቲ ሓው ኪረኽቦ ደለየ። እዚ ናብ ፍረ ዘለዎ ዝርርብ ኣምርሐ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኪምርሓሉ ድማ ፍቓደኛ ዀነ።
4 ለዋሃት ብምዃን እቲ የሆዋ ንሰባት ዘለዎ ፍቕሪ ኸነንጸባርቕን ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ክንስልምን ንኽእል ኢና። ስለዚ እምበኣር ‘ከም ኣገልገልቲ ኣምላኽ ርእስና ብለውሃት ነርኢ።’—2 ቈረ. 6:4, 6