ነታ ንቑሕ ኩን! ዘርእስታ ብሮሹር ምጽናዕ
ኣብ መላእ ዓለም ዚርከባ ጉባኤታት ካብ 23 ግንቦት ክሳዕ 20 ሰነ 2005 ነታ ንቑሕ ኩን! ዘርእስታ ብሮሹር ኣብ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ኪወስድኣ እየን። ነዚ ኣኼባ እዚ ኽትዳሎን ክትመርሕን ከለኻ: ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት ተጠቐም። ኣብ እዋን መጽናዕቲ እቲ ጽሑፍ ኪንበብ ኣለዎ: ግዜ ኸም ዜፍቅዶ ድማ እቲ ጥቕስታት ኪንበብ ይግባእ።
23 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
◼ ገጽ 3-4:- ካብቲ ኣብዚ ተጠቒሱ ዚርከብ ኵነታት ብፍላይ ዝተንከፈካ ኣየናይ እዩ፧ እዚ ፍጻመታት እዚ ኣብ እተወሰነ ቦታታት ሓሓሊፉ ዜጋጥም ጥራይ ከም ዘይኰነ ዜርኢ እንታይ እዩ፧
◼ ገጽ 5:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ኸም ዚግደስ ኬእምነካ ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ብዛዕባ ኣምላኽን ዚገብሮ ነገራትን ንግደስ ምዃንና ኼርኢ ዚኽእል እንታይ እዩ፧
◼ ገጽ 6-8:- ማቴዎስ 24:1-8, 14 ብዛዕባ እዚ ዅነታት ዓለም ዘለዎ ትርጕም እንታይ ትብል፧ ብመሰረት 2 ጢሞቴዎስ 3:1-5: ኣብ እንታይ እዋን ኢና እንነብር ዘለና፧ እዚአን ናይ ምንታይ ዳሕሮት መዓልትታት እየን፧ መጽሓፍ ቅዱስ ብሓቂ ቓል ኣምላኽ ምዃኑ ዜእምነካ እንታይ እዩ፧ እታ ብዛዕባኣ እንሰብኽ መንግስቲ ኣምላኽ እንታይ እያ፧
◼ ገጽ 9-10:- ነቲ ኣብ መዓልታዊ ህይወትና እንገብሮ ወሳነታትን ኣብ ህይወትና እንሰርዖ ቐዳምነታትን ተጠንቂቕና ኽንሓስበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (ሮሜ 2:6፣ ገላ. 6:7) ነቲ ኣብ ገጽ 10 ዚርከብ ሕቶታት ከተንብብ ከለኻ ንተግባራትካ ኺጸሉ ዚኽእል ኣየናይ ጥቕሲ ዘኪርካ፧
30 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
◼ ገጽ 11:- ነቲ ኣብዛ ገጽ እዚኣ ዘሎ ሕቶታት ብብሕትና ኽንሓስበሉ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (1 ቈረ. 10:12፣ ኤፌ. 6:10-18) ነዚ ሕቶታት እዚ እንህቦ መልሲ ነቲ የሱስ ኣብ ማቴዎስ 24:44 ዝሃቦ ምኽሪ ኣርዚንና ኸም ዝረኣናዮ ዜርኢ ብኸመይ እዩ፧
◼ ገጽ 12-14:- ኣብ ራእይ 14:6, 7 “እታ ዚፈርደላ ግዜ” ተባሂላ ዘላ እንታይ እያ፧ ‘ንኣምላኽ ምፍራህን ክብሪ ምሃብን’ እንታይ ማለት እዩ፧ ዓባይ ባቢሎን እንታይ እያ: እንታይከ ኼጋጥማ እዩ፧ ካብ ዓባይ ባቢሎን ንምርሓቕ ከመይ ዝበለ ስጕምቲ ኽንወስድ ኣሎና፧ ኣብቲ ብትንቢት እተነግረ ናይ ፍርዲ ግዜ ኸመይ ዝበለ ተወሳኺ ፍጻመታት እዩ ኺፍጸም፧ እታ ኣምላኽ ዚፈርደላ “መዓልትን ሰዓትን” ብዘይ ምፍላጥና ኣባና እንታይ ጽልዋ እዩ ዘለዎ፧ (ማቴ. 25:13)
◼ ገጽ 15:- እቲ ናይ ልዑላውነት ጕዳይ እንታይ እዩ: ብደረጃ ውልቀ-ሰብ ዚትንክፈናኸ ብኸመይ እዩ፧
◼ ገጽ 16-19:- “ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን” እንታይ እዩ፧ (2 ጴጥ. 3:13) ነዚ ነገራት እዚ እተመባጽዐ መን እዩ፧ ሓድሽ ሰማያትን ሓድሽ ምድርን ከመይ ዝበለ ለውጥታት እዩ ኼምጽእ፧ ካብዚ ለውጥታት እዚ ብብሕትና ኽንጥቀም ንኽእልዶ፧
6 ሰነ እትጅምር ሰሙን
◼ ገጽ 20-21:- የሱስ ነቶም ኣብ ቀዳማይ ዘመን ዝነበሩ ሰዓብቱ ብዛዕባ ምህዳም ኣመልኪቱ እንታይ መጠንቀቕታ እዩ ዝሃቦም፧ (ሉቃ. 21:20, 21) እቶም ሰዓብቱ ኺሃድሙ ዚኽእሉ መዓስ እዩ ነይሩ፧ ከይደንጐዩ ኺሃድሙ ዝነበሮም ስለምንታይ እዩ፧ (ማቴ. 24:16-18, 21) ብዙሓት ሰባት ንዚወሃቦም መጠንቀቕታ ዕሽሽ ዚብሉ ስለምንታይ እዮም፧ እቶም ኣብ ቻይናን ፊሊፕንስን ዝነበሩ ኣሽሓት ሰባት ካብ እሙን ምንጭታት ንእተዋህቦም መጠንቀቕታ ብምቕላቦም እተጠቕሙ ብኸመይ እዮም፧ ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እዚ ኣገባብ እዚ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መጠንቀቕታ ምቕላብ: ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝያዳ ህጹጽ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ንህጹጽነት እዚ ግዜና ኣብ ግምት ብምእታው እንታይ ሓላፍነት እዩ ዘሎና፧ (ምሳ. 24:11, 12)
◼ ገጽ 22-3:- ብ1974 ኣብ ኣውስትራልያ: ብ1985 ከኣ ኣብ ኮሎምብያ ብዙሓት ሰባት ነቲ ናይ ጥፍኣት መጠንቀቕታ ጸማም እዝኒ ዝሃብዎ ስለምንታይ እዮም: እዚኸ እንታይ ሳዕቤን ኣምጽኣሎም፧ ንስኻ ነዚ መጠንቀቕታ እዚ ምስ ሰማዕካ እንታይ ምገበርካ: ስለምንታይከ፧ ኣብ ግዜ ኖህ እንተ ንነብር ነቲ እተዋህበ መጠንቀቕታ መቕለብናሉ ወይ ኣይመቕለብናሉን ኔርና ኼብለና ዚኽእል እንታይ እዩ፧ ሰባት ኣብ ጥንታዊት ሶዶምን ከባቢኣን ኪነብሩ ዚደልዩ ዝነበሩ ስለምንታይ እዮም፧ ብዛዕባ እቲ ኣብ ሶዶም ዘጋጠመ ዅነታት ኣርዚንካ ምሕሳብ ብኸመይ ኪጠቕመና ይኽእል፧
13 ሰነ እትጅምር ሰሙን
◼ ገጽ 24-7:- ነቲ ኣብ ገጽ 27 ዚርከብ “ንመጽናዕቲ ዚኸውን ሕቶታት” ተጠቐም።
20 ሰነ እትጅምር ሰሙን
◼ ገጽ 28-31:- ነቲ ኣብ ገጽ 31 ዚርከብ “ንመጽናዕቲ ዚኸውን ሕቶታት” ተጠቐም።
ነዛ ብሮሹር እዚኣ ምጽናዕ ‘ንቑሓትን’ ድሉዋትን ክንከውን ኪሕግዘና እዩ። ህዝባዊ ኣገልግሎትና ወትሩ ነቲ “እታ ዚፈርደላ ጊዜ በጺሓ እያ እሞ: ንኣምላኽ ፍርህዎ ኽብሪውን ሀብዎ” ዚብል ብመልኣኽ እተኣወጀ ናይ ህጽጹነት መልእኽቲ ዜንጸባርቕ ይኹን።—ማቴ. 24:42, 44፣ ራእ. 14:7