ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧
ዘርእስታ ብሮሹር ንምብርካት ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባ
ኣብ ዜና እተጠቕሰ ዜሕዝን ፍጻመ ድሕሪ ምጥቃስ: ከምዚ ኽትብል ትኽእል:-
“ኣምላኽ ንሰባት ብሓቂ ዚግደሰሎም እንተ ዀይኑ: ስለምንታይ ስቓይ ኪህሉ ኣፍቂዱ ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ብሮሹር እዚኣ ነዛ ሕቶ እዚኣ ዜዕግብ መልሲ ትህብ እያ: ኣምላኽ ኣብ ቀረባ ግዜ እንታይ ከም ዚገብር እውን ትገልጽ እያ። [ኣብ ገጽ 27 ዚርከብ ስእሊ ኣርኢ: ካብ ቍጽሪ 22 ከኣ መዝሙር 145:16 ኣንብብ።] ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ደቅሰብ ዜሕልፍዎ መከራ ብኸመይ እዩ ኼወግዶ፧ ኣብ ካልእ ኣጋጣሚ ኽበጽሓካ ኽመጽእ ከለኹ: ነዛ ሕቶ እዚኣ ኽንመያየጠላ እደሊ እየ።” ነታ ብሮሹር ኣበርክት: ተመሊስካ ንኽትበጽሖ ድማ ቈጸራ ግበር። ተመሊስካ ኽትበጽሖ ኸለኻ: ከምዚ ኽትብል ትኽእል:-
“ኣብ ዝሓለፈ እዋን: ነዛ ጥቕሲ እዚኣ ኣንቢብናያ ኔርና። [መዝሙር 145:16 ኣንብብ ወይ ጥቐስ።] ድሕሪኡ ኸኣ ‘ኣምላኽ ንዅሉ እቲ ደቅሰብ ዜሕልፍዎ መከራ ብኸመይ እዩ ኼወግዶ፧’ ዚብል ሕቶ ኣበጊሰ ነይረ።” ነታ ዝገደፍካሉ ብሮሹር ከም ዚረኽባ ግበር። ኣብ ገጽ 27-8 ገንጺልኩም: ነቲ ኣብ ቍጽሪ 23-5 ዚርከብ ሓሳባት ተመያየጡሉ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓሉ ፍቓደኛ ምዃንካ ግለጸሉ: ወይ ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕ ቍጽሪ 26-7 ንኽትመያየጡሉ ቘጸራ ግበር።
ኣብ ኰተቴ ዕድመ ዚርከብ ኣስፋሒ ኸምዚ ኺብል ይኽእል:-
“ብዙሓት መሳቱአይ ድሕሪ 10 ወይ 15 ዓመት ዓለም እንታይ ከም እትመስል ይሓስቡ እዮም። ኣብቲ ግዜ እቲ ህይወት ከመይ ዚኸውን ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እቲ ሕጂ እንርእዮ ጸገማት: ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ንነብር ከም ዘለና እዩ ዚሕብር። [2 ጢሞቴዎስ 3:1-3 ኣንብብ።] እዛ ብሮሹር እዚኣ ነዚ ዚስዕብ ሕቶታት መልሲ ትህብ። [ነተን ኣብ ገበር ዘለዋ ሕቶታት ኣንብብ: ነታ ብሮሹር ድማ ኣበርክት።] ካልእ ግዜ ተመሊሰ ምስ መጻእኩ: ሒደት ደቓይቕ እንተልዩካ: ሕማምን እርጋንን ከም ዜብቅዕ ብዛዕባ ዚገልጽ ዜተባብዕ ሓሳባት ክነግረካ ምደለኹ።” ተመሊስካ ንኽትበጽሖ ድማ ቈጸራ ግበር።
ተመሊስካ ኽትበጽሖ ኸለኻ: ከምዚ ኽትብል ትኽእል:-
“ኣብ ዝሓለፈ እዋን: ሕማምን እርጋንን ብዛዕባ ዜብቅዓሉ ዅነታት ክነግረካ ኸም ዝደሊ ጠቒሰ ነይረ። እዚ ሓሳባት እዚ ኣብዚ እዩ ዚርከብ።” ነታ ዝገደፍካሉ ብሮሹር ከም ዚረኽባ ግበር። ድሕሪኡ: ኣብ ገጽ 23-4: ቍጽሪ 6-7 ኣንብብዎን ተመያየጡሉን። ቍጽሪ 8-9 ድማ ኣብ ካልእ ምብጻሕ ንኽትመያየጡላ ቘጸራ ግበር።
ሓደ ዓብዪ ሰብ ምስ ቈልዓ ዀይኑ ኣብ ዜገልግለሉ እዋን: እቲ ዓብዪ ሰብ መንነቶም ድሕሪ ምግላጽ ከምዚ ኺብል ይኽእል:-
“ፍቓድካ እንተ ዀይኑ: ________ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ጥቕሲ ኼንብበልካ ይደሊ እዩ። [እቲ ቘልዓ መዝሙር 37:29 ኣንቢቡ ሓጺር ሓሳባት ይህብ።] እዛ ብሮሹር እዚኣ: ኣምላኽ ንደቅሰብን ንምድርን ዘለዎ ዕላማ ብኸመይ ከም ዚፍጽሞ ትገልጽ። [ኣብ ገጽ 24-7 ዚርከብ ስእልታት ኣርኢ።] ካልእ ግዜ ተመሊስና ምስ መጻእና: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዚርከብ ብዛዕባ ትንሳኤ ዚገልጽ ዜደንቕ ተስፋ ኸርእየካ ምደለኹ።” ነታ ብሮሹር ኣበርክት: ተመሊስካ ንኽትበጽሖ ድማ ቈጸራ ግበር።
ተመሊስኩም ክትበጽሑ ኸለኹም: እቲ ዓብዪ ሰብ ከምዚ ኺብል ይኽእል:-
“ኣብ ዝሓለፈ እዋን: መዝሙር 37:29 ኣንቢብናልካ ኔርና: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ትንሳኤ እንታይ ከም ዚብል ከርእየካ ምዃነይ ድማ ተዛሪበ ነይረ። ኣብዚ እንታይ ከም ዚብል እሞ ርአ።” ነታ ዝገደፍካሉ ብሮሹር ከም ዚረኽባ ግበር። ድሕሪኡ: ኣብ ገጽ 24-5: ቍጽሪ 12-14 ተመያየጡሉ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓሉ ፍቓደኛ ምዃንካ ግለጸሉ: ወይ ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕ ቍጽሪ 15-16 ንኽትመያየጡሉ ቘጸራ ግበር።