ብሮሹራት ንምብርካት ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባ
ዓቅቦ
ኣብዛ እታው እዚኣ ብሮሹራት ንምብርካት ኪሕግዘካ ዚኽእል እተፈላለየ ኣቀራርባ ተዘርዚሩ ኣሎ። እዚ ምስቲ ኣብ ከባቢኻ ዘሎ ዅነታት ምቅይያር ይከኣል እዩ። ካልእ ኣቀራርባ እውን ምጥቃም ይከኣል እዩ። ነተን ኣብዛ እታው እዚኣ ዘይተጠቕሳ ብሮሹራት ዚኸውን ኣቀራርባ: ኣብዚ ዚስዕብ ንመርኣዪ ዚኸውን ኣቀራርባ ብምምርኳስ ምድላው ይከኣል እዩ።—ናይ ጥሪ 2005 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 6 ተወከስ።
ነፍሲ ወከፍ ኣብዚ ገጽ እዚ ዘሎ ኣቀራርባ (1) ዝርርብ ንምጅማር ዜኽእል ዜተሓሳስብ ሕቶ: (2) ኣብታ እትብርከት ብሮሹር መዘራረቢ ነጥቢ ዚኸውን መወከሲ: ከምኡውን (3) ኣብቲ ምይይጥ ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ኪንበብ ዚኽእል ግቡእ ጥቕሲ የጠቓልል። ነቲ ዝተረፈ ኽፋል እቲ ኣቀራርባ: ከከም እቲ ሰብ ዚህበካ ምላሽ ብናትካ ኣዘራርባ ኽትምልኦ ትኽእል ኢኻ።
ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ
“መጽሓፍ ቅዱስ ነዚ ግዜና ተግባራዊ ዝዀነ ምኽሪ ዝሓዘዶ ይመስለካ፧”—ገጽ 22: ትሕቲ ኣርእስቲ ዘሎ ጽሑፍ፣ ገጽ 23: ኣብ ሳጹን ሕጡብ ጽሑፍ 3፣ ምሳ. 25:11
ንዘልአለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!
“ብዙሓት ሰባት ናይ ዘለኣለም ህይወት ንምርካብ ናብ ሰማይ ኪኸዱ ኸም ዘለዎም ኰይኑ ይስምዖም: ንስኻኸ ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ብዛዕባ ምንባር እንታይ ርእይቶ ኣሎካ፧”—ኣብ ገበር ዚርከብ ስእሊ፣ ራእ. 21:4 ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧
“ሰባት ብዛዕባ ናይ ሓቂ ኣምላኽ እተፈላለየ ኣረኣእያታት እዩ ዘለዎም። ብዛዕባ እዚ እንኣምኖ ነገር ዜገድስዶ ይመስለካ፧”—ገጽ 3: ሕጡብ ጽሑፍ: 3, 7-8፣ ዮሃ. 17:3
እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም
“መብዛሕትና ነታ ‘ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና: ስምካ ይቀደስ’ ኢላ እትጅምር ጸሎት ንፈልጣ ኢና። (ማቴ. 6:9) እንተዀነ ግን: ድሕነትና ነቲ ስም እቲ ምስ ምፍላጥ እተተሓሓዘ ምዃኑስ ትፈልጥዶ፧”—ገጽ 28: ሕጡብ ጽሑፍ 1፣ ሮሜ 10:13
ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧
“እነፍቅሮም ሰባት ምስ ዚሞቱ: ኣበይ ከም ዘለዉን ንዓታቶም እንርእየሉ ግዜ ዚመጽእ እንተ ዀይኑን ምሕሳብ ንቡር እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧”—ኣብ ድሕሪት ገበር ዘሎ ሕቶታት፣ እዮ. 14:14, 15
እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት
“ሎሚ ብሚልዮናት ንዚቝጸሩ ሰቦም ዝሞትዎም ውልቀ-ሰባት ምጽንናዕን ተስፋን ዝሃበት ብሮሹር ኢና እንዕድል ዘሎና። ምዉታት እንታይ ተስፋ ኣለዎም ኢልካ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧”—ገጽ 26adj.: ሕጡብ ጽሑፍ 3፣ ዮሃ. 5:28, 29
“ንሓደ ዜፍቅሮ ዝሞቶ ሰብ ብኸመይ ከም እተጸናንዖ ሓሲብካዶ ትፈልጥ፧”—ገጽ 20: ሕጡብ ጽሑፍ 1፣ ምሳ. 17:17