ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧—ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል
ዘርእስታ ብሮሹር ንምብርካት ክትጥቀመሉ እትኽእል ኣቀራርባ
ነቲ ብዓል ቤት ሰላም ድሕሪ ምባል: ከምዚ ኽትብል ትኽእል:-
“ኣብዚ ግዜና ህይወት ጸገማትን ጓህን ዝመልኣ እያ። ካብ መጀመርታ ህይወት ከምዚ ኽትከውን ተሓሲቡ ዝነበረዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] እዛ ብሮሹር እዚኣ እቲ ኣምላኽ ኣብ መጀመርታ ንደቅሰብን ንምድርን ዝነበሮ ዕላማ ኸም ዚፍጸም ትገልጽ። [ነቲ ኣብ ገጽ 20-1 ዚርከብ ስእሊ ግለጸሉ። ድሕሪኡ ኣብ ቍጽሪ 9 ዚርከብ ኢሳይያስ 14:24ን 46:11ን ብምጕላሕ ነታ ሕጡብ ጽሑፍ ኣንብባ።] ኣብ ዚቕጽል ግዜ መጺአ: ኣምላኽ ንምድሪ እንደገና ገነት ከም ዚገብራ ዚገልጽ ሓሳባት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይ ከም ዚርከብ ከርእየካ ምደለኹ።” ነታ ብሮሹር ኣበክርት: ተመሊስካ ንኽትበጽሖ ድማ ቈጸራ ግበር።
ተመሊስካ ኽትበጽሖ ኸለኻ: ከምዚ ኽትብል ትኽእል:-
“ኣብ ዝሓለፈ እዋን: ደቅሰብ ኣብ ገነታዊት ምድሪ ንዘለኣለም ኪነብሩ ዕላማ ኣምላኽ ምዃኑ ጠቒሰ ነይረ። [ኣብ ገጽ 20-1 ዚርከብ ስእሊ እንደገና ኣርኢ።] የሱስን ጴጥሮስን ዳዊትን ብዛዕባ ገነት እንታይ ኢሎም ከም እተዛረቡ እሞ ርአ።” ነታ ዝገደፍካሉ ብሮሹር ከም ዚረኽባ ግበር። ድሕሪኡ: ኣብ ገጽ 21-2 ገንጺልካ ቍጽሪ 10-13 ግለጸሉ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓሉ ፍቓደኛ ምዃንካ ግለጸሉ: ወይ ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕ ሓደ ኻብቲ ገጽ 29-30 ዚርከብ ንኡስ ኣርእስትታት ንኽትመያየጡሉ ቘጸራ ግበር።
ኣብ ኰተቴ ዕድመ ዚርከብ ኣስፋሒ ኸምዚ ኺብል ይኽእል:-
“ብዙሓት መሳቱአይ ብዛዕባ መጻኢ የስግኦም እዩ። ኣብ ዚቕጽል ወለዶ ህይወት ዝሓሸ ዚኸውንዶ ይመስለካ፧ [መልሲ ተጸበ።] መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሎም ደቅሰብ ብሩህ መጻኢ ኸም ዚህልዎም ይገልጽ እዩ። [ኣብ ገጽ 31 እታ ብሮሹር ዚርከብ ስእሊ ገንጺልካ: ነቲ ኣብኡ ዘሎ መግለጺ ኣንብብ። ድሕሪኡ 2 ጴጥሮስ 3:13 ኣንብብ።] እዛ ብሮሹር እዚኣ ብዛዕባ እቲ ኣምላኽ ንደቅሰብ ኪህቦም መዲቡ ዘሎ በረኸት ትገልጽ። [ነቲ ኣብ ገጽ 29-30 ዚርከብ ብድሙቕ እተጻሕፈ ንኡስ ኣርእስታት ኣጕልሕ: ነታ ብሮሹር ድማ ኣበርክት።] ካልእ ግዜ መጺአ: ኣምላኽ ንዅሉ ውግኣት መወዳእታ ኸም ዚገብረሉ መብጽዓ ምእታዉ ኽነግረካ ምደለኹ። ተመሊስካ ንምብጻሕ ቈጸራ ሓዝ። ተመሊስካ ኽትበጽሖ ኸለኻ: ከምዚ ኽትብል ትኽእል:-
“ኣብ ዝሓለፈ እዋን: ኣምላኽ ንምድሪ እንደገና ገነት ኪገብራ ዕላማ ኸም ዘለዎ ኣሕጽር ኣቢለ ጠቒሰ ነይረ። [ነቲ ኣብ ገጽ 31 ዚርከብ ስእሊ እንደገና ኣርኢ።] ኣምላኽ ንዅሉ ውግኣት መወዳእታ ኺገብረሉ ምዃኑ ብዛዕባ ዝኣተዎ መብጽዓ እንታይ ርእይቶ ኸም ዘለካ ኽፈልጥ ምደለኹ።” ነታ ዝገደፍካሉ ብሮሹር ከም ዚረኽባ ግበር። ድሕሪኡ: ኣብ ገጽ 29: ቍጽሪ 3-6 ኣንብብን ተመያየጠሉን። ቍጽሪ 7-8 ድማ ኣብ ካልእ ምብጻሕ ንኽትመያየጡላ ቘጸራ ግበር።
ሓደ ዓብዪ ሰብ ምስ ቈልዓ ዀይኑ ኣብ ዜገልግለሉ እዋን: እቲ ዓብዪ ሰብ መንነቶም ድሕሪ ምግላጽ ከምዚ ኺብል ይኽእል:-
“ፍቓድካ እንተ ዀይኑ: ________ ሓንቲ ስእሊ ኼርእየካን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ሓንቲ ጥቕሲ ኼንብበልካን ይደሊ እዩ። [እቲ ቘልዓ ነቲ ኣብ ገጽ 31 ዘሎ ስእሊ የርኢ: ነቲ ኣብኡ ዘሎ መግለጺ ድማ የንብቦ፣ ድሕሪኡ ራእይ 21:4 የንብብ።] እዛ ብሮሹር እዚኣ ኣምላኽ ብዛዕባ ኣብዚ ግዜና ዜጋጥመና ዘሎ ጸገማት እንታይ ከም ዚገብር ትገልጽ። [ኣሕጽር ኣቢልካ ነቲ ኣብ ገጽ 29-30 ዚርከብ ብድሙቕ እተጻሕፈ ንኡስ ኣርእስታት ኣጕልሕ: ነታ ብሮሹር ድማ ኣበርክት።] ካልእ ግዜ ተመሊስና ምስ መጻእና: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ጸገማት ጥዕና ዚውገደሉ ዅነታት እንታይ ከም ዚብል ክነግረካ ምደለኹ።”
ተመሊስኩም ክትበጽሑ ኸለኹም: እቲ ዓብዪ ሰብ ከምዚ ኺብል ይኽእል:-
“ኣብ ዝሓለፈ ዝርርብና: መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ጸገማት ጥዕና ዚውገደሉ ዅነታት እንታይ ከም ዚብል ከርእየካ ኸም ዝደሊ ጠቒሰ ነይረ። ኣብዚ እንታይ ከም ዚብል እሞ ርአ።” ነታ ዝገደፍካሉ ብሮሹር ከም ዚረኽባ ግበር። ድሕሪኡ: ኣብ ገጽ 29: ቍጽሪ 9-14 ተመያየጡሉ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓሉ ፍቓደኛ ምዃንካ ግለጸሉ: ወይ ኣብ ዚቕጽል ምብጻሕ ቍጽሪ 15-17 ንኽትመያየጡሉ ቘጸራ ግበር።