ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/04 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 11 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
  • 18 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
  • 25 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
  • 1 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 10/04 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ሓበሬታ:- ኣውራጃዊ ኣኼባታት ኣብ ዚግበረሉ ኣዋርሕ ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ንነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዚኸውን ናይ ኣገልግሎት መደብ ኪወጽእ እዩ። ጉባኤታት ኣብቲ “ምስ ኣምላኽ ተመላለሱ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ንምክፋል ዜድሊ ምትዕርራይ ኪገብራ ይኽእላ እየን። ዚከኣል እንተ ዀይኑ: ቀቅድሚ እቲ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኣብ ዘሎ ናይ መወዳእታ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ን15 ደቂቕ ዚኸውን: ካብቲ ብዛዕባ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዚገልጽ እታው ነቲ ኸባቢ ዚኸውን ነጥብታት ንምዝኽኻር ተጠቐሙሉ። ድሕሪ እቲ ተኸታታሊ ኣውራጃዊ ኣኼባታት: ነቲ ኣብ ኣውራጃዊ ኣኼባ ዝቐረበ ቐንዲ ነጥብታት ንምዝኽኻር ምሉእ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኺምደብ እዩ። ኵላትና ነዚ ምይይጥ እዚ ምእንቲ ኽንዳሎ ኣብቲ ኣኼባ ጠቓሚ መዘኻኸሪታት ክንምዝግብ: ኣብ ናብራናን ኣብ ግራት ኣገልግሎትን ክንዓየሉ እንደሊ ነጥብታት እውን ክንጽሕፍ ኣሎና። ድሕሪኡ ነቲ እተዋህበ ሓሳባት ብኸመይ ከም ዝዓየናሉ ብምግላጽ ንኻልኦት ከነተባብዕ ንኽእል።

11 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 6 (45)

8 ደቒቕ:- ምልክታታት።

22 ደቒቕ:- “እተናዕቀ ዕዮ ብፍታው ትሰርሕ ዲኻ፧” ሓደ ሽማግለ ኻብቲ ኻብ ናይ 15 ግንቦት 1975 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ተጸሚቑ እተወስደ ዓንቀጽ: ኣብቲ ናይ መጀመርታ ሓሙሽተ ቝጽሪ ተመርኲሱ ዜቕርቦ ዝርርብ። እቲ ኣገዳሲ ኽፋል ዓው ኢልካ ይነበብ: ኣብ ቤትኤል: ኣብ ቤት: ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ: ወይ ኣብ ካልእ ቦታታት ናይ ጕልበት ስራሕ ምስራሕ ንምንታይ ክብርኻ ዜዋርድ ከም ዘይኰነ ግለጽ።

15 ደቒቕ:- ንኻልኦት ብምሕጋዝ ተሓጐስ። (ዮሃ. 4:34) ቃለ-መጠይቓት። ሓደ ሰብ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ሓቂ ብምምሃሩ ኺሕጐስ ምርኣይ ባህ ዜብል እዩ። (w94 1/3 ገጽ 29 ሕጡብ ጽሑፍ 6-7 እንግሊዝኛ) ኣብ ኣገልግሎት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጥቃምን መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማርን ኣስለጥቲ ዝዀኑ ኽልተ ወይ ሰለስተ ኣስፋሕቲ ወይውን ፓይነራት ቃለ-መጠይቕ ግበረሎም። ነቲ ዝረኸብዎ ተገዳስነት ብኸመይ ኰስኲሶምዎ፧ ከምዚ ብምግባሮምከ ኸመይ ዝበለ ሓጐስ ረኺቦም፧ ኣብ ኣገልግሎቶም ዝረኸብዎ ተመክሮ ኸም ዘዘንትዉ ወይ ብመልክዕ መርኣያ ኸም ዜቕርቡ ግበር።

መዝሙር 1 (13)ን መዕጸዊ ጸሎትን

18 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 15 (127)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ በቲ ኣብ ገጽ 8 ዚርከብ ሓሳባት ጌርካ: ናይ 1 ነሓሰ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 ነሓሰ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያታት ኣቕርብ።

20 ደቒቕ:- ኣብዚ ሕማም ዜስፋሕፍሓሉ ዘሎ እዋን ሓልዮት ምርኣይ። ሓደ ሽማግለ ነቲ ኣብ ናይ 22 መጋቢት 1994 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 12 ሕጡብ ጽሑፍ 3-5: ኣብ ገጽ 14 ሕጡብ ጽሑፍ 5ን 6ን: ከምኡውን ኣብ ገጽ 15 ዚርከብ ሓሳባት ይሽፍኖ። ንዝሓመሙ ብኸመይ ክንድንግጸሎም ከም እንኽእል ክትገልጽ ከለኻ ነቲ ኣብ ናይ ጥሪ-መጋቢት 1999 ንቕሑ! ኣብ ገጽ 9 ዝወጸ “እታ ጉባኤ እትድነቕ ኢያ” ዘርእስቱ ሳጹን ጥቐስ። ድሕሪኡ ማቴዎስ 7:12 ከምኡውን ፊልጲ 2:4 ኣንብብ እሞ: እቶም ተሰከምቲ እቲ ቫይረስ ኣብ ጠባዮም: ሰላምታ ኺህቡ ኸለዉ: ኣቝሑ ቤት ኪጥቀሙ ኸለዉ: ወይ ኣብ ካልእ ኵነታት ብኸመይ ሓልዮት ኪገብሩ ኸም ዘለዎም ግለጽ።

15 ደቒቕ:- ኣምላኽ ሃብቲ ብምሃብ ይባርኸና ድዩ፧ ኣብ ናይ 8 መስከረም 2003 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 26-27 ዚርከብ ዓንቀጽ ተመርኲስካ ዚቐርብ ዝርርብ። ምስ ናይ ዓድና ዅነታት ብምስምማዕ ብዛዕባ ናብ ወጻኢ ምኻድ: ኣብ ስራሕ ዕቤት ምርካብ: ወዘተ ዝኣመሰለ ግጉይ ኣረኣእያታት ግለጽ።

መዝሙር 26 (212)ን መዕጸዊ ጸሎትን

25 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 4 (43)

12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ በቲ ኣብ ገጽ 8 ዚርከብ ሓሳባት ጌርካ: ናይ 15 ነሓሰ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 22 ነሓሰ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያታት ኣቕርብ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ “ብዛዕባ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተገዳስነት የብለይን” ንዚብል ኰላፊ ዘረባ ኸመይ ጌርካ ኸም እትምልሰሉ ዜርኢ እተፈላለየ መገዲ ኣቕርብ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 9-10 ርአ።

18 ደቒቕ:- ንቓል ኣምላኽ ዚሕግዝ መርትዖታት ኣክብ። ኣብታ ሚኒስትሪ ስኩል (እንግሊዝኛ) ዘርእስታ መጽሓፍ ገጽ 256-7 ተመርኲስካ ዚቐርብ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ወጻኢ ዝዀነ ምንጭታት ተጠቒምና ሰባት ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘለዎም ሞሳ ኼዕብዩ ኽንሕግዞም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ሰማዕቲ ኣብዞም ዚስዕቡ ሕቶታት ሓሳባት ኪህቡ ዓድሞም: ካብዚ ግኡዝ ኣድማስ: ፈጣሪ ኸም ዘሎ መርትዖ ኪዀነና ዚኽእል እንታይ ኣብነት ኣሎና፧ (rs ገጽ 85-6 እንግሊዝኛ) መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ኣምላኽ ምዃኑ ንሰባት ክንገልጸሎም ከሎና ነቲ ምሁራትን ክኢላታትን ዝሃብዎ ሓሳባት ብኸመይ ክንጥቀመሉ ንኽእል፧ (rs ገጽ 62-4) ኣምላኽ ስለምንታይ እከይ ከም ዘፍቀደ ንሰባት ንምርዳእ እንታይ ምሳሌ ወይ መብርሂ ክንጥቀም ንኽእል፧ (rs ገጽ 429) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምኽሪ ምስዓብ ጥበባዊ ምዃኑ ንሰባት ንምርዳእ እንታይ ተመክሮታት ወይ ኣብነታት ተጠቒምካ፧

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።

መዝሙር 8 (53)ን መዕጸዊ ጸሎትን

1 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 2 (15)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። ኣብ ወርሒ ሕዳር ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ከነበርክት ኢና። ነቲ ኣብ ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 4 ዚርከብ ብኸመይ ከም እትዕደል ዚገልጽ ሓሳባት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጾ: ሓደ ኻብቲ ኣቀራርባታት ድማ ብመርኣያ ይቕረብ።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።

20 ደቒቕ:- “እተናዕቀ ዕዮ ብፍታው ትሰርሕ ዲኻ፧” ካብቲ ኻብ ናይ 15 ግንቦት 1975 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ተጸሚቑ እተወስደ ዓንቀጽ: ኣብቲ ናይ መወዳእታ ኣርባዕተ ቝጽሪ ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ነቲ ኣገዳሲ ነጥብታት ብሓባር ኣንብብዎ: ዳዊትን ጳውሎስን የሱስን ናይ ጕልበት ስራሕ ብምስራሕ ዝገደፍዎ ኣብነት ከኣ ጥቐስ። ሓደ ክርስትያን ብዛዕባ ዋርድያ: ሓላው ኣታኽልቲ: ናይ ቤት ሰራሕተኛ: ወይ ሊስትሮ እንታይ ኣረኣእያ ኺህልዎ ኸም ዘለዎን ስለምንታይ ከምኡ ዓይነት ኣረኣእያ ኪሕዝ ከም ዚግባእን ሕተት። ግዜ ዜፍቅደልካ እንተ ዀይኑ: ካብቲ ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸት ኣብ ገጽ 28ን 29ን እትርከብ “የሆዋ ንተራ ሰባት ይሓልየሎም” ዘርእስታ ዓንቀጽ እተወሰነ ሓሳባት ኣቕርብ።

መዝሙር 7 (51)ን መዕጸዊ ጸሎትን።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ