ዕዮ የሆዋ ንምፍጻም ዜኽእል ሓድሽ ቤትኤል
ምስቲ ብ1953 ኣብ ጐደና ቸርችል ኣብ እተኻረናዮ ንእሽቶ ቤት እተጀመረ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ከነረኣእዮ ኸለና: ብሓቂ ዓብዪ ምዕባለ እዩ ተገይሩ። እዚ ንዕስራ ዝዀኑ ኣስፋሕቲ ዜገልግል ነበረ። ኣርባዕተ ዓመት ጸኒሑ ድማ ተዓጽወ። ዓሰርተ ዓመት ይገብር ኣብ ቦሌ ኣብ ዚርከብ ናይ ቍጠባ ኣባይቲ ንኻልኣይ ግዜ ንእሽቶ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ተኸፍተ: እዚውን ናብ ተወሳኺ ሸሞንተ ናይ ክራይ ኣባይቲ ሰፍሐ። በዚ ምኽንያት እዚ ድማ ነቲ ዕዮ ንምፍጻም ኣጸጋሚ ዀነ። ኣብ ክፍላ ሓምለ ኻብ 70 ዚዛይዱ ስድራ ቤትኤል ናብቲ ኣብዚ ስእሊ ዚርአ ሓድሽ ህንጻ ድሕሪ ምግዓዞም: ነዚ እናሰፍሐ ዚኸይድ ዘሎ ዞባና ንኼገልግሉ ብዝያዳ ተዓጢቖም ኣለዉ። እዚ ህንጻ እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ: ኮተቤ ኣብ ዚበሃል ከባቢ: ካብቲ ኮለጅ መሰልጠኒ መምህራን ንምብራቕ ሓደ ኺሎ ሜተር ርሒቑ ይርከብ። ሕጂ ንውዳሰ የሆዋን ዕዮኡ ንምፍጻምን ፍረ ብዘለዎ መገዲ ዝያዳ ግዜን ጕልበትን ኪፈስስ ይኽእል እዩ። ኣብቲ ቦታ እቲ ዚርከብ ዓበይቲ ኣኼባታት ዚካየደሉ መአከቢ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ከባቢኣን ንዚርከቡ ኣሕዋት ዚኸውን 2,000 ዚኣኽሉ ተኣከብቲ ጽቡቕ ገይሩ ዚሕዝ እዩ። እኹል ደው መበሊ ማካይን: ምሹእ ኮፍ መበሊ: ኣብ ልዕሊ እቲ ሰፊሕ መድረኽ እተሰርሐ መጠመቒ ራህያ: ከምኡውን ጽሩይን እኹልን ሽቓቓት ዘለዎ ዀይኑ: ብቐሊሉ ኽትኣቱን ክትወጽእን ዜኽእል ክፉት መአከቢ እዩ። የሆዋ ነዚ ኣዝዩ ኣድላዪ ዝዀነ ህንጻን መአከብን ስለ ዝሃበና: ስብሓት ይኹኖ።—ዘካ. 4:6
[ኣብ ገጽ 1 ዘሎ ስእሊ]
ብቕድሚት ሸነኽ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት
[ኣብ ገጽ 1 ዘሎ ስእሊ]
ብድሕሪ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ዚርከብ መአከቢ ዓበይቲ ኣኼባታት
[ኣብ ገጽ 1 ዘሎ ስእሊ]
እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈትን መአከቢ ዓበይቲ ኣኼባታትን