ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
14 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 11 (85)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታት። እቲ ኣብ ገጽ 4 ዚርከብ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 1 ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 8 ሚያዝያ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያታት ንምቕራብ ተጠቐመሉ። እቲ ሓደ መርኣያ: ኣስፋሕቲ ኣብ ናይ ንግዲ ቦታ ኺምስክሩ ኸለዉ ብዜርኢ መገዲ ይቕረብ። ካልእ ምስቲ ኸባቢ ዚኸይድ መርኣያታት እውን ኪቐርብ ይኽእል እዩ።
20 ደቒቕ:- “የሆዋ ነቶም ኣብኡ ዚውከሉ ይሕግዞም።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ቍጽሪ 4 ክትመያየጡላ ኸለኹም: ነቲ ኣብ ናይ መስከረም 2003 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 1: ቍጽሪ 2 ከምኡውን ኣብታ ሚኒስትሪ ስኩል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 67 ሕጡብ ጽሑፍ 2 ዘሎ ሓሳባት ኣቕርብ።
15 ደቒቕ:- ሓሽሽ ምውሳድ ኪውገድ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧ ኣብ መጽሓፍ ሪዚኒን (እንግሊዝኛ) ገጽ 106-9 ተመርኲስካ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ሓሽሽ “ንምዝንጋዕ” ኢልካ ምውሳድ ልሙድ እዩ። መብዛሕትኦም ሰባት ሓሽሽ ሓሓሊፍካ ምውሳድ ጕድኣት ከም ዘይብሉ ይዛረቡ፣ አረ ገሊኦምሲ ብሕጊውን ኪፍቀድ ኣለዎ ኢሎም ይጣበቑ እዮም። ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ሰባት ከመይ ጌርና ኸም እነዘራርቦም ተመያየጡሉ። ካብታ ኣብ ናይ 8 ሕዳር 1999 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 10 እትርከብ ሳጹን ተወሳኺ ሓሳባት ሃብ።
መዝሙር 17 (187)ን መዕጸዊ ጸሎትን
21 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 4 (43)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “መላእኽቲ ይሕግዙና ኣለዉ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ግዜ ኸም ዜፍቅደልካ: ንሰማዕቲ ነቲ ኣብኡ ዚርከብ እንታይ ከም ዚብል ዘይተጠቕሰ ጥቕስታት ሓሳብ ኪህቡሉ ዓድሞም።
20 ደቒቕ:- እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ልእምቲ እያ። (ያእ. 3:17) ኣብታ ሚኒስትሪ ስኩል ዘርእስታ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 251-2 ተመርኲስካ ዚቐርብ ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥ። ልኡም ምዃን ኪበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧ ነገልግሎትና ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ ካብ ኣብነት ሃዋርያ ጳውሎስ እንታይ ንመሃር፧ ኣስፋሕቲ ብዛዕባ እንታይነት እቶም ኣብ ዞባኦም ዘለዉ ሰባት ኪግደሱ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧ ነቶም መጽሓፍ ቅዱስ እንምህሮም ሰባት ልኡማት ወይ ከኣ ዜመዛዝኑ ኪዀኑ ኸነሰልጥኖም እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ ልኡም ዝዀነ ኣቀራርባ ዘለዎ ረብሓ ዜዘንትዉ ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ኣዳሉ።
መዝሙር 8 (53)ን መዕጸዊ ጸሎትን
28 ሰነ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 16 (143)
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኣስፋሕቲ ናይ ሰነ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። እቲ ኣብ ገጽ 4 ዚርከብ ሓሳባት ኣብ ዞባኹም ዚዓዪ እንተደኣ ዀይኑ: ነተን ናይ 15 ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 22 ሚያዝያ ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያታት ንምቕራብ ተጠቐመሉ። እቶም ኣስፋሕቲ ሓጺርን ምቕሉልን ኣቀራርባ ይጠቐሙ። ከምዚ ምግባሮም ነቲ እነዘራርቦ ሰብ ፍዅስ ንኺብሎ ኸም ዚገብር ኣዘኻኽሮም።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
18 ደቒቕ:- “ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ንምንታይ የድልየና፧” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ተጠቐም። ካብታ ናይ ሕዳር 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 1 እትርከብ “ንናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ተዓዛቢኻ ደገፍካ ሃብ” ዘርእስታ ዓንቀጽ እውን ሓሳባት ኣቕርብ።
መዝሙር 18 (162)ን መዕጸዊ ጸሎትን
5 ሓምለ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 12 (113)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- እንታይ ኢኻ ኽትብል፧ ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዚግበር ምይይጥን። ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ብሮሹራት ክንዕድል ኢና። ኣስፋሕቲ ኣየኖት ብሮሹራት እዮም ኣብ ዞባኦም ፍረ ዚረኸቡለን፧ ኣቀራርባታት ንምርካብ ነታ ናይ ሰነ 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ገጽ 8 ወይ ከኣ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ዝወጸ ሕታማት ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ተወከስ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣቀራርባ (1) ሕቶ: (2) ጥቕሲ መጽሓፍ ቅዱስ: (3) ካብታ እትዕደል ጽሕፍቲ ሓደ ሓሳብ ከም ዝቐረበ ኣጕልሕ። ሓደ ወይ ክልተ መርኣያታት ኣቕርብ። ኵላቶም ኣብ ኣገልግሎት ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ጥቕሲ ኼንብቡ ኣተባብዕ።
20 ደቒቕ:- ተስፋ ምቝራጽ ኣብ ዝመልኦ እዋን ብኸመይ ተስፋ ከም ዝርከብ። ኣብ ናይ 15 ግንቦት 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 22-25 ተመርኲስካ ዚቐርብ ዝርርብ።
መዝሙር 15 (127)ን መዕጸዊ ጸሎትን