ምልክታታት
◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ሰነ:- ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣበርክት። ነዛ ብሮሹር እዚኣ ኽትጥቀም ከለኻ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ኣተኵር። ሓምለን ነሓሰን:- ካብዚ ዚስዕብ 32 ገጽ ዘለዎ ብሮሹራት ዝዀነ ይኹን ምጥቃም ይከኣል:- ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፣ ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ ከምኡውን ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ—ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧ መስከረም:- ኢዝ ዘር ኤ ክሪኤተር ሁ ኬርስ ኣባውት ዩ፧ ከም ኣማራጺ ላይፍ—ሃው ዲድ ኢት ጌት ሂር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክሪኤሽን፧ ምብርካት ይከኣል እዩ።
◼ ድሕንነት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ንምርግጋጽ እቲ መጠረሽታ ዚወጽእ ሰብ ማዕጾ ኺሽጕርን ካልእ ጥንቃቐ ዜድልዮ ነገር ኪገብርን ይግብኦ። ነዚ ኺገብር እንተ ዘይከኣለ ግን ዚኽእል ሰብ ጸዊዑ እቲ ሰብ ክሳዕ ዚመጾ ኺጽበ ኣለዎ።
◼ ነታ ሪስፔክት ጂሆቫስ ኣውተሪቲ ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ኣብ ናይ መስከረም ሕታም ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኽንመያየጠላ ኢና።
◼ ኣብ መኽዘን ዝመጸ ሓድሽ:- እንግሊዝኛ:- ነታ መጽሓፈይ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዛንታታት ዚኸውን ሕቶታት፣ ናይ 2003 ጥሙር ጥራዝ ግምቢ ዘብዐኛ፣ ፈረንሳይኛ:- ናይ 2004 ዓመት መጽሓፍ፣ ትግርኛ:- ትራክት ቍ. 26 “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧”
◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ:- ኣምሓርኛ:- ትራክት ቍ. 13