ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 6/04 ገጽ 1
  • መላእኽቲ ይሕግዙና ኣለዉ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • መላእኽቲ ይሕግዙና ኣለዉ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • መላእኽቲ —“መናፍስቲ ኣገልግሎት”
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • መላእኽቲ ክሕግዙኻ ዝኽእልሉ መገዲ
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1998
  • መላእኽቲ ብኸመይ ይጸልዉና፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2006
  • መላእኽቲ ብኸመይ ኪሕግዙኻ ይኽእሉ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም ህዝቢ)—2017
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 6/04 ገጽ 1

መላእኽቲ ይሕግዙና ኣለዉ

1 “እንሆ ድማ: ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።” እዘን ቃላት እዚኣተን ነቶም ‘ስለዚ ኺዱ ደቀ መዛሙርቲ ግበሩ’ እትብል ትእዛዝ ክርስቶስ ዚፍጽሙ ዘበሉ ብዙሕ እየን ዜተባብዓዖም። (ማቴ. 28:18-20) ሓደ ኻብቲ የሱስ ምስቶም ናይ ሓቂ ክርስትያናት ዚዀነሉ ኣገዳሲ መዳይ ብመላእኽቱ ኣቢሉ እዩ። (ማቴ. 13:36-43) ምስቶም እሙናት መንፈሳውያን ፍጥረታት ኴንና ነዚ “ናይ ዘለኣለም ወንጌል” ምእዋጅናስ ባህ ዜብልዶ ኸይኰነ!—ራእ. 14:6, 7

2 ኣብ ኣገልግሎትና:- መጽሓፍ ቅዱስ: መላእኽቲ “ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለአኹ” ምዃኖም ይነግረና። (እብ. 1:14) ኣብ ቀዳማይ ዘመን መላእኽቲ ንሰዓብቲ ክርስቶስ ናብቶም ብቑዓት ሰባት ይመርሕዎም ነይሮም። (ግብ. 8:26) ኣብዚ ግዜናውን ኣገልገልቲ ኣምላኽ ብመላእኽቲ ይምርሑ እዮም። ኣብ ሓያሎ ኣጋጣሚታት ኣብ ቤቶም ኬድና እንረኽቦም ሰባት ናይ የሆዋ መሰኻኽር ቀቅድሚ ምዅሕኳሖም ሓገዝ ንኺረኽቡ ናብ ኣምላኽ ይጽልዩ ኸም ዝነበሩ ይዛረቡ እዮም። ከምዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምስ ዚቕበሉስ ንሕናውን ምስቶም መላእኽቲ ኽንደይ ኰን ኢና እንሕጐስ!—ሉቃ. 15:10

3 ተቓውሞ ምስ ዜጓንፈና:- የሆዋ በቶም “ሓያላትን ስልጡናትን” መላእኽቱ ገይሩ ንዳንኤልን ነቶም ሰለስተ እብራውያን ኣዕሩኽቱን: ንሃዋርያ ጴጥሮስ: ከምኡውን ከቢድ ፈተናታት ንዘጓነፎም ኣገልገልቱ ኣዕቚብዎም እዩ። (መዝ. 103:20፣ ዳን. 3:28፣ 6:21, 22፣ ግብ. 12:11) ምጽራር ኬጋጥመና ኸሎ ሓጋዚ ዘይብልና ዀይኑ እኳ እንተ ተሰማዓና: ንጊልያ ኤልሳእ “ካብቶም ምሳታቶም ዘለዉስ ምሳና ዘለዉ ይበዝሑ እዮም” ከም እተባህለሉ ብምዝካር ክንተባባዕ ንኽእል ኢና። (2 ነገ. 6:15-17) ካብ ክርስትያን ኣሕዋትና ብግዲ እኳ እንተ ተፈለና: ተስፋ ኣይንቝረጽ። ቃል ኣምላኽ “መልኣኽ እግዚኣብሄር ኣብ ዙርያ እቶም ዚፈርህዎ ይሰፍር” ብምባል የተባብዓና።—መዝ. 34:7

4 ኣብዚ ቐረባ እዋን ናይ መላእኽቲ ሰራዊት ነቶም ንግስና ክርስቶስ ዚቃወሙ ብምሉኦም ኬጥፍእዎም እዮም። (ራእ. 19:11, 14, 15) ክሳዕ ሽዑ እምበኣር እቶም ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ክርስቶስ ዘለዉ ሰማያውያን ሰራዊት ከም ዚድግፉና ምሉእ ብምሉእ ብምትእምማን: ንየሆዋ ብትብዓት ምውዳስ ንቐጽል።—1 ጴጥ. 3:22

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ