ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
12 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 20 (93)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተወስደ ምልክታታት። ኵላቶም ናብቲ “ትብዑ: ብየሆዋ ኸኣ ተኣመኑ” ዘርእስቱ ፍሉይ ዝርርብ ንኻልኦት ሰባት ኪዕድሙ ኣተባብዓዮም። በቲ ኣብ ገጽ 4 ዚርከብ ሓሳባት ጌርካ ናይ 1 ለካቲት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ናይ 8 ለካቲት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያታት ከም ዚቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዚግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኺግበር ኣለዎ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት: “ብስራሕ ትሑዝ እየ” ንዚብል ኰላፊ ዘረባ ኸመይ ጌርካ ኸም እትምልሰሉ ዜርኢ ይቕረብ።—ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን ገጽ 11-12 ርአ።
15 ደቒቕ:- “ንየሆዋ ዘዝበለጸ ንሃቦ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ቍጽሪ 4 ክትመያየጡላ ኸለኹም: ኣገልግሎትና ኽንፍጽም ከለና ንሰባት ፍቕሪ እነርእየሉ ንጹር መገድታት ኪጠቕሱ ዓድሞም።
20 ደቒቕ:- “ዕላማ ተግሳጽ ምርድኡ።” ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 20-23 ተመርኲስካ ብመጠኑ ምስ ሰማዕቲ እናተመያየጥካ ዚቐርብ ዝርርብ።
መዝሙር 11 (85)ን መዕጸዊ ጸሎትን
19 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 7 (51)
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
17 ደቒቕ:- “ሓሳብ ክርስቶስ ይሃሉኻ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ተጠቐም። ቍጽሪ 4 ክትመያየጡላ ኸለኹም: ነቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ኰይኖም ዜገልግሉ ዘለዉ ብዛዕባ እቲ ዝረኸብዎ በረኸት ሓሳብ ንኺህቡ ዓድሞም።
20 ደቒቕ:- “ኣካላዊ ንጽህና ንብቕዓትና ይምስክር።” ኣብቲ ናይ 1 ሰነ 2002 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 20-21: ቍጽሪ 9-13 ተመርኲስካ ብመጠኑ ምስ ሰማዕቲ እናተመያየጥካ ዚቐርብ ዝርርብ። ካብታ ብ30 ጥሪ 2004 ንዅለን ጉባኤታት እተላእከት ደብዳበን ካብታ ኣብ ናይ 22 መስከረም 2003 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ዝወጸት “ጥዕናኻ እትሕልወሉ ሽዱሽተ መገድታት” ዘርእስታ ዓንቀጽን ግብራዊ ኪኸውን ዚኽእል ነጥብታት ኣእቱ።
መዝሙር 12 (113)ን መዕጸዊ ጸሎትን
26 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 5 (46)
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኣስፋሕቲ ናይ ሚያዝያ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም። ኣብ ግንቦት ዚዕደል ጽሑፍ ጥቐስ። በቲ ኣብ ገጽ 4 ዚርከብ ሓሳባት ጌርካ ናይ 15 ለካቲት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ናይ 22 ለካቲት ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዚዕደላ ዜርኢ መርኣያታት ከም ዚቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዚግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኺግበር ኣለዎ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት: ንመሳርሕቲ ወይ ንመማህርቲ ኺምስከረሉ ኸሎ ዜርኢ መርኣያ ይቕረብ።
13 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዜድሊ።
20 ደቒቕ:- “ብጥሪትና ሞሳና ንግለጽ።” ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 19: ቍጽሪ 17-19: ከምኡውን ኣብቲ ብ16 ሕዳር 2001 ብ10 ታሕሳስ 2002 ንዅለን ጉባኤታት እተጻሕፈ ደብዳበታት ተመርኲስካ ዚቐርብ ዝርርብ።
መዝሙር 16 (143)ን መዕጸዊ ጸሎትን
3 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 26 (212)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። እታ ጉባኤ ሳሕቲ ዚሽፈን ዞባ እንተልይዋ: እቲ ፍሉይ ናይ ዞባ ወፈራ ቕድሚ ምዝዛሙ ነቲ ዞባታት ምሉእ ብምሉእ ንምሽፋኑ ምድላዋት ከም እተገብረ ምልክታ ንገር። ኵላቶም ኣብቲ ዓዲ ይሃልዉ ኣይሃልዉ ብዘየገድስ: ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኪህቡ ኣዘኻኽሮም።
15 ደቒቕ:- “ኣቱም መንእሰያት: ቃል ኣምላኽ ኣንብቡ!” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ንሓደ ወይ ክልተ መንእሰያት ብዛዕባ ናይ ብሕቶም መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ካብኡ ብኸመይ ይጥቀሙ ኸም ዘለዉን ሓሳባት ንኺህቡ ኣቐዲምካ ኣዳልዎም። መንእሰያት ንምሉእ መጽሓፍ ቅዱስ ምንባብ ሸቶኦም ኪገብርዎ ኣተባብዓዮም። ኣብታ ሚኒስትሪ ስኩል እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 10: ሕጡብ ጽሑፍ 4 ዚርከብ ሓሳባት እውን ኣቕርብ።
20 ደቒቕ:- “ወትሩ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ ትእዛዝ ክወሃበካ ዲኻ እትጽበ፧” ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 2003 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 20-23 ተመርኲስካ ሰማዕቲ ከም ዚሳተፉ ብምግባር ብዝርርብ መልክዕ ይቐርብ።
መዝሙር 19 (164)ን መዕጸዊ ጸሎትን