ኣቱም መንእሰያት: ቃል ኣምላኽ ኣንብቡ!
1 ንእስነት ጸገማትን ከቢድ ውሳነታትን እትገብረሉ እዋን እዩ። መብዛሕትኹም ክርስትያን መንእሰያት ንስርዓታት ኣምላኽ ንኽትጥሕሱ መዓልቲ መዓልቲ ጸቕጢ ይወርደኩም እዩ። ንትምህርትኹም: ንስራሕኩም: ከምኡውን ንመርዓ ብዚምልከት ብሕታዊ ውሳነታት ክትገብሩ ኣብ እትጅምርሉ እዋን: ድሮ መንፈሳዊ ሸቶታት ኣውጺእኩም ክትኰኑ ኣለኩም። በዚ ኸምዚ ጥራይ ኢኹም ኣብ ዝተረፈ ህይወትኩም ዚጠቕመኩም ውሳነታት እትገብሩ። ንጹር መንፈሳዊ ሸቶታት ምውጻእ: ብጥበብ ንኽትመላለሱን ኣሳልጦ ንኽትረኽቡን ኪሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ቃል ኣምላኽ ኣዘውቲርኩም ብምንባብን ብዛዕባኡ ብምስትንታንን: ምስቲ ኣብኡ ዚርከብ ብመንፈስ ኣምላኽ እተጻሕፈ ምኽሪ ተሰማሚዕኩም ንኽትነብሩ ድራኸ ኺሓድረኩም እዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ ሰናይ ጻዕሪ ኽትገብሩ ኸሎኹም ኪሰልጠኩም እዩ።—እያ. 1:8፣ መዝ. 1:2, 3
2 ብኸመይ ኢኹም እትጥቀሙ፧ እዛ ሰይጣን ዚቈጻጸራ ዓለም ኣበሳ ንኽትፍጽም ዚደፋፍእ ብዙሕ መስድዒታት እዩ ዘለዋ። (1 ዮሃ. 2:15, 16) ብሰሪ እቲ መዛኑኦም ዝገበሩሎም ጸቕጢ ጕድኣት ዝወረዶም ደቂ ኽፍልኹም ወይ ካልኦት መሳቱኹም ትፈልጡ ትዀኑ። ነቲ መጽሓፍ ቅዱስ ዚህቦ ምኽሪ ምስዓብ: ካብ ሓጢኣት ንኽትርሕቑ ሞራላውን መንፈሳውን ብርታዐ ኺህበኩም እዩ። ኣብ ርእሲ እዚውን እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ምኽሪ: ካብቲ ረቂቕ መፈንጠራታት ሰይጣን ንኸተምልጡ ኺሕግዘኩም ይኽእል እዩ። (2 ቈረ. 2:11፣ እብ. 5:14) ብመገድታት ኣምላኽ ምምልላስ ናይ ሓቂ ሓጐስን ዕግበትን ኬምጽኣልኩም ይኽእል እዩ።—መዝ. 119:1, 9, 11
3 እቲ ኣብ ቃል ኣምላኽ ዚርከብ ዘይቅየር ስርዓታት: ካብ ሰብኣዊ ጥበብ ይበልጽ። (መዝ. 119:98-100) ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ምስ እትፈልጡን ነቲ ኣብኡ እተገልጸ ዕላማታት የሆዋ ኻብ ልቢ ብዝመነጨ ጸሎት ምስ እተስተንትንሉን: ምስቲ ብጥበቡ መወዳድርቲ ዘይብሉ ደራሲ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነ የሆዋ ኣምላኽ ጥብቂ ርክብ ንኺህልወኩም ኪሕግዘኩም ይኽእል እዩ። ንሱ ድማ “ኣነ ኽምህረካ: ነታ እትኸደላ መገዲ ድማ ከርእየካ እየ: ዓይነይ ናባኻ ኣቢለውን ክመኽረካ እየ” ብምባል ተመባጺዑ ኣሎ።—መዝ. 32:8
4 ንኸተንብቦ ግዜ መድብ:- ሓንቲ መንእሰይ ክርስትያን ንብምሉኡ መጽሓፍ ቅዱስ ንምንባብ ሸቶ ኣውጽአት: ኣብ ውሽጢ ዓመት ድማ ወድኣቶ። ካብዚ እንታይ ጥቕሚ ረኺባ፧ “ብዛዕባ የሆዋ ብዙሕ ስለ እተመሃርኩ: ናብኡ ብዝያዳ ቐሪበ: ኣብ ብምሉኡ ዝተረፈ ህይወተይ ንኽፈርሆ ድማ ባህጊ ሓዲሩኒ” ብምባል ትዝታኣ ትገልጽ። (ያእ. 4:8) ንመጽሓፍ ቅዱስ ካብ ጫፍ ክሳዕ ጫፍ ኣንቢበካዮ ዲኻ፧ እንተ ዘይንቢብካዮ: ንምንታይ ንኸተንብቦ ሸቶ ዘይተውጽእ፧ የሆዋ ብርግጽ ጻዕርኻ ኺባርኾ እዩ: ብዙሕ ዓስቢ ድማ ኽትዓጽድ ኢኻ።