ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 4/04 ገጽ 2-3
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 4/04 ገጽ 2-3

ምልክታታት

◼ ዚዕደል ጽሑፋት ኣብ ሚያዝያን ግንቦትን:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ኸምኡውን ንቕሑ! ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ: ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ወይ ኣብ ካልእ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ዚመጹ ግን ከኣ ኣዘውቲሮም ናብ ጉባኤ ዘይመጹ ነታ ሓድነት ኣምልኾ ናይቲ ሓደ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ዘርእስታ መጽሓፍ ከተበርክተሎም ጽዓር። እዞም ውልቀ⁠-​ሰባት እዚኣቶም ብፍላይ እታ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ወይ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣጽኒዖም ዝወድኡ እንተ ዀይኖም: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጅምረሎም ዚከኣለካ ዅሉ ኽትገብር ኣሎካ። ሰነ:- ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣበርክት። ነዛ ብሮሹር እዚኣ ኽትጥቀም ከለኻ: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምጅማር ኣተኵር። ሓምለን ነሓሰን:- ብሮሹራት።

◼ ናይዚ ዓመት ናይ ኣውራጃዊ ኣኼባ ባጅ ካርድ ምስቲ ጽሑፋት ኪለኣኽ እዩ። እታ ጉባኤ ተወሳኺ ባጅ ካርድ እንተ ደልያ: በቲናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቕጥዒ (S-14) ክትሓትት ኣለዋ። ነቶም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ናይ ካርድ መትሓዚ ፕላስቲክ ዚደልዩ ኺሕተተሎም ኣለዎ።

◼ እቲ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ናይ ኵሎም ኣወሃሃድቲ ተዓዘብትን ጸሓፍትን ኣድራሻን ቍጽሪ ተሌፎንን ኪሕዝ ይደሊ እዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ግዜ ለውጢ እንተልዩ: እቲ ጸሓፊ ነቲ ናይ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ/ጸሓፊ ለውጢ ኣድራሻ ዚሕብር ቅጥዒ (S-29) መሊኡ ናብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት ብቕ​ልጡፍ ኪልእኾ ኣለዎ። እዚ ኸኣ ኣብ ቍጽሪ ተሌፎን ዚግበር ለውጢ እውን ዜጠቓልል እዩ።

◼  ናይ ጉባኤ ጸሓፍቲ ናይቲ ስርዓታዊ ፓይነር ንምዃን መመልከቲ ቅጥዒ (S-205) ከምኡውን ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን መመልከቲ ቅጥዒ (S-205b) እኹል ቀረብ ኪሕዙ ኣለዎም። እዚ በቲ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ቕጥዒ (S-14) ጌርካ ኪእዘዝ ይከኣል እዩ። እንተ ወሓደ ንሓደ ዓመት ዚኣክል ሓዙ። ስርዓታዊ ፓይነር ንምዃን መመልከቲ ቕጥዒ ቕድሚ ምልኣኽኩም እቲ ኣመልካቲ እተጠምቀሉ ዕለት ኰነ ኻልእ ነገራት ብግቡእ ከም እተመልአ ኣረጋግጹ።

◼ ኣብ መኽዘን ዝመጸ ሓድሽ:- ዓረብኛ:- እተፈላለየ ቪድዮ ካሴታት፣ እንግሊዝኛ:- ንኣምላኽ ቅረቦ (ብፍሩይ ሕታም)፣ ለርን ፍሮም ዘ ግሬት ቲቸር (ኣውድዮ ካሴት)።

◼ እንደገና ኣብ መኽዘን ዝመጸ:- ኣምሓርኛ:- ሪዝኒን፣ ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ፣ ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ ስላሴ፣ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ፧ እንግሊዝኛ:- ሲንግ ፕረይዝስ (113 ካሴት ኣብ ሓደ ጥራዝ ዝሓዘ)፣ ኢንሳይት፣ ሪዝኒን።

(ናብ 2ይ ገጽ 3ይ ዓምዲ ይቕጽል)

(ካብ 3ይ ገጽ ዝቐጸለ)

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ