ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
12 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 28 (224)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። በቲ ኣብ ገጽ 4 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ናይ 1 ሕዳር ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ናይ 8 ሕዳር ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ። ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ መርኣያ ናይቲ ኣቀራርባ ኣወንታዊ ጐድንታት ጥቐስ።
15 ደቒቕ:- “መለኮታዊት ጥበብ ዘለዋ ብልጫ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ግዜ ኸም ዘፍቅዶ: ነቶም ሰማዕቲ በቲ ኣብኡ ዘሎ ጥቕስታት ሓሳባት ክህቡ ዓድሞም።
20 ደቒቕ:- ተሓጒስና እተቐበልናየን ሓደስቲ ጽሑፋት! ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ኣብቲ “ንኣምላኽ ክብሪ ሃብዎ” ዘርእስቱ ኣውራጃዊ ኣኼባ ኽልተ ሓደስቲ ጽሑፋት ብእንግሊዝኛ ምውጻአን ኣሐጒሱና እዩ። እታ ‘ነታ ጽብቕቲ ምድሪ ርኣያ’ ዘርእስታ ጽሕፍቲ ኻብቲ ቕድሚ ሕጂ ዝወጸ ጽሑፋት ፍልይ ዝበለት እያ። ሓደ ገጽ ብዝገንጸልካ መጠን እተፈልየ መዳይ እታ ምድሪ ተስፋ ብዝርዝር ዘርኢ ካርታ ኢኻ እትረክብ። ገለ ኻብቲ ኣብቲ ካርታታት ዝርከብ ዝርዝር ነገራት ጥቐስ። ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ ኽንጥቀመላ እንኽእለሉ ግብራዊ ክኸውን ዝኽእል ሓሳባት ሃብ። እታ ካብቲ ዓብዪ መምህር ተምሃር ዘርእስታ መጽሓፍ ደቅና ብመንፈሳዊ ጥዑያት ንክዀኑ እተኽእሎም እያ። ወለድን ደቆምን ብኸመይ ከም ዝጥቀሙ እናኣርኣኻ: ገለ ኻብቲ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝሽፈን እዋናዊ ነጥብታት ግለጽ። ሰማዕቲ ነዘን ሓደስቲ ጽሑፋት ብኸመይ ጽቡቕ ገይሮም ይጥቀሙለን ከም ዘለዉ ንኽገልጹ ዓድሞም።
መዝሙር 22 (130)ን መዕጸዊ ጸሎትን
19 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 13 (124)
5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
10 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ብሽማግለ ዝቐርብ ዝርርብ።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
15 ደቒቕ:- “ናይ የሆዋ ምስክር ንዘይኰነ መጻምድቲ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። መጻምድቶም ሰናይ ኣብነት ስለ ዝዀኖም ሓቂ ንእተቐበሉ ሓደ ወይ ክልተ ክርስትያናት ኣገልገልቲ የሆዋ ቓለ-መጠይቕ ግበረሎም።
መዝሙር 21 (191)ን መዕጸዊ ጸሎትን
26 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 23 (200)
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ናይ ጥሪ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም። በቲ ኣብ ገጽ 4 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ናይ 15 ሕዳር ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ናይ 22 ሕዳር ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ። ኣብ ሓደ ኻብዚ መርኣያታት: መጽሔታት ንጐረቤት ብኸመይ ከም እተበርክት ኣርኢ።
15 ደቒቕ:- ንቓል ኣምላኽ መዓልታዊ ኣብ ህይወትካ ዕየየሉ። ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ኵላቶም ነታ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2004 ብዝግባእ ክጥቀሙላ ኣተባብዓዮም። ነቲ ኣብ ገጽ 3-4 ዝርከብ መቕድም ተመያየጠሉ። ነቶም ሰማዕቲ ዕለት ጥቕሲ ንምግባር መዓስ ዝጥዕም ኰይኑ ኸም ዝረኸብዎ ሕተቶም። ናይታ መዓልቲ እቲኣ ጥቕስን ሓሳባቱን ምስቶም ኣባላት እታ ጉባኤ ተመያየጠሉ። ሰማዕቲ ነቲ ትምህርቲ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ኸም እንኽእል ሓሳብ ንኽህቡ ዓድሞም። መዓልቲ መዓልቲ ብዛዕባ ሓንቲ ጥቕሲ ኣብ ዝመያየጡሉ እዋን ነቲ ትምህርቲ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸውዕልዎ ኸም ዝኽእሉ ኣሕጽር ኣቢሎም ብዛዕባኡ ኽሓስቡ ኣተባብዓዮም።
18 ደቒቕ:- ምስ ክርስትያናት ብጾትና ዕርክነት ነማዕብል። (ምሳ. 18:24፣ 27:9) ኣብ ናይ 1 ታሕሳስ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 22-3 ተመርኲስካ ዝቐርብ ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ሓደ ኻብቲ ናይ ሓቂ ኣምልኾ ዘምጽኦ በረኸት ናይ ሓቂ ኣዕሩኽ ንኽትገብር ዘሎካ ኣጋጣሚ እዩ። ኣብ ኣኼባታት: ኣብ ግራት ኣገልግሎት: ከምኡውን ኣብ ካልእ ኣጋጣሚታት እንገብሮ ዕርክነት ብዙሕ እዩ ዘተባብዓና። ምስ ኣባላት ጉባኤና ብኸመይ ኢና ዕርክነት ከነማዕብል እንኽእል፧ ነታ “ነባሪ ዕርክነት ንምጥራይ ዝሕግዝ ሽዱሽተ ነጥብታት” ዘርእስታ ሳጹን ግለጻ: ነፍሲ ወከፍ ነጥቢ ኣብቲ ምስ ኣሕዋትና ዘሎና ርክብ ብኸመይ ክንዓየላ ኸም እንኽእል ሓሳባት ንኽህቡ ንሰማዕቲ ዓድሞም።
መዝሙር 7 (51)ን መዕጸዊ ጸሎትን
2 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 25 (204)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብ ለካቲት ዝዕደል ጽሑፍ ጥቐስ። ነታ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! ዘርእስታ መጽሓፍ ዝኸውን ኣብ ናይ ለካቲት 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ወይ ኣብ ናይ ለካቲት 1998 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 4 ዝወጸ ኣቀራርባታት ግለጽ።
20 ደቒቕ:- “ነጠቓቕማ ግዜኻ ብጥንቃቐ ተመልከት።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ነቶም ሰማዕቲ ብዙሕ ኣገዳስነት ዘይብሉ ነገራት ንመንፈሳዊ ንጥፈታቶም ዝኸውን ግዜ ንኸይወስደሎም እንታይ ከም ዝገብሩ ሓሳባት ክህቡ ዓድሞም።
15 ደቒቕ:- ከምቲ ጳውሎስ ንክርስቶስ ዝመሰሎ: ንሕናውን ንጳውሎስ ንምሰሎ። (1 ቈረ. 11:1) ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ጳውሎስ: ልክዕ ከም የሱስ: “ምስ ዝረኸቦም” ዘበለ ንምዝርራብ ወይ ምስክርነት ንምሃብ ዝነበሮ ኣጋጣሚ ይጥቀመሉ ነበረ። (ግብ. 17:17) ኣብ ዞባና ኸምዚ ንኽንገብር እንታይ ኣጋጣሚታት ኣሎና፧ ናብ ዕዳጋ ኽንወርድ ከለና: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ወይ ኣብ ህዝባዊ መጓዓዝያ ምስ መን ኢና ‘እንራኸብ፧’ ኣብ ቤትና ምስ መን ክንራኸብ ንኽእል፧ እቶም ሰማዕቲ መዓልታዊ ንጥፈታቶም ኣብ ዝፍጽሙሉ እዋን ንሰባት ብምምስካር ዝረኸብዎ ተመክሮ ኸዘንትዉ ዓድሞም።
መዝሙር 18 (162)ን መዕጸዊ ጸሎትን