ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 1/04 ገጽ 3
  • ምልክታታት

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ምልክታታት
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2004
km 1/04 ገጽ 3

ምልክታታት

◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥሪ:- ቅድሚ 1988 እተሓትመ ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ዝርከብ ዝዀነ ይኹን መጽሓፍ። እዚ መጻሕፍቲ እዚ ኣብ መኽዘን ምስ ዘይህልወኩም: ጐረቤትኩም ጉባኤ ዝያዳ እንተልዩዋ ኽትሓቱ ትኽእሉ ኢኹም። እተን ናይ ቀደም መጻሕፍቲ ዘይብለን ጉባኤታት ማንካይንድስ ሰርች ፎር ጎድ ዘርእስቱ መጽሓፍ ክዕድላ ይኽእላ እየን። ለካቲት:- ራእይ​—⁠እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ! መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ኽግበር እዩ። ሰባት ነዛ ጽሕፍቲ እዚኣ እንተልያቶም: ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ! ዘርእስታ መጽሓፍ ክዕደል ይከኣል እዩ። ሚያዝያ:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ተመላሊስካ ምብጻሕ ክትገብር ከለኻ: ነቶም ኣብ በዓል ዝኽሪ ወይ ኣብ ካልእ ቲኦክራሲያዊ ንጥፈታት ዝመጹ ግን ከኣ ኣዘውቲሮም ናብ ጉባኤ ዘይመጹ እውን ኣይትረስዓዮም። ነታ ሓድነት ኣምልኾ ናይቲ ሓደ በይኑ ሓቀኛ ኣምላኽ ዘርእስታ መጽሓፍ ድማ ከተበርክተሎም ጽዓር። እዞም ውልቀ⁠-​ሰባት እዚኣቶም ብፍላይ እታ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ወይ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣጽኒዖም ዝወድኡ እንተ ዀይኖም: መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንኽትጅምረሎም ዝከኣለካ ዅሉ ኽግበር ኣለዎ።

◼ ካብ 7 መጋቢት ጀሚሩ ብናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ዝወሃብ ሓድሽ ህዝባዊ ዝርርብ “ናይ መን ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት ኢኹም ኣኽቢርኩም እትርእዩ፧” ዝብል ክኸውን እዩ።

◼ ጉባኤታት ነቲ ሰንበት 4 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዝግበር በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ምድላዋት ክገብራ ኣለወን። እቲ ዝርርብ ኣቐዲሙ ኽጅመር ዝከኣል እኳ እንተዀነ: እቲ ናይ ዝኽሪ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ምዛር ግን ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ክጅመር የብሉን። ኣብ ከባቢኹም ጸሓይ እትዓርበሉ ሰዓት ንምፍላጥ ነቲ ናይቲ ኸባቢ ምንጭታት ተወከሱ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብጀካ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ካልእ ኣኼባታት ስለ ዘይግበር: ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ካልእ ግዜ ምእንቲ ኽውሰድ እቲ ዘድሊ ምትዕርራያት ክግበር ይግባእ። ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ብመሰረት ናይቲ ኸባቢ ዅነታት ናይ ኣኼባታቶም መደብ ከተዓራርዩ ኣለዎም። ዝከኣል እንተ ዀይኑ: ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ናይ ገዛእ ርእሳ በዓል ዝኽሪ ኽትገብር ነተባብዕ። ካብ ሓንቲ ንላዕሊ ጉባኤታት ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝጥቀማ ምስ ዝዀና: ምናልባት ሓዲአን ወይ ገሊአን ነታ ምሸት እቲኣ ኻልእ መአከቢ ቦታ ኽደልያ ይኽእላ እየን። ኵላቶም ካብቲ ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ኽጥቀሙ: ኣብ መንጎ ናይ ክልተ ጉባኤታት ፕሮግራም እንተ ወሓደ ናይ 30 ደቒቕ ፍልልይ ክትገብሩ ጽቡቕ እዩ። ናይ ትራፊክ ኵነታት: ናይ ማካይን ደው መበሊ: ከምኡውን ነቶም ሓደስቲ ሰባት ከነምጽኦምን ክንመልሶምን ከለና እተን ማካይን ኣበይ ደው ኢለን ከም ዘውርዳኦም ክሕሰበሉ ኣለዎ። ኣካል ሽማግለታት ኣብቲ ኸባቢ እንታይ ምድላው እንተ ገበሩ ዝበለጸ ከም ዝኸውን ክውስኑ ይግባእ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ