ናይ የሆዋ ምስክር ንዘይኰነ መጻምድቲ ብኸመይ ክንሕግዞ ንኽእል፧
1 ብዙሓት ኣገልገልቲ የሆዋ: ነሕዋት ብጽቡቕ ዓይኒ ዝርእዩን ነታ ጉባኤ ተገዳስነት ዘለዎምን ግን ከኣ ኣገልገልቲ ኣምላኽ ክዀኑ ዘይደልዩ መጻምድቲ ኣለዉዎም። ሰብኣይ ሓንቲ ሓብቲ “ካብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ዝብልዎ ሓሳብ ዓብዪ ዕንቅፋት እዩ ዀይኑኒ ነይሩ” ብምባል ይእመን። ገሊኣቶም ከኣ ከወግድዎ ዘለዎም ዘይቅዱስ ጽሑፋዊ ልማዳት ይህልዎም ወይ ነቲ ብዓል ሓዳሮም ዝምርሓሉ ቲኦክራሲያዊ መደባት ምፍጻሙ ኸቶ ዘይክእሉ ዀይኑ ይስምዖም። ነዚኣቶም ብኸመይ ኢና ኽንሕግዞም እንኽእል፧
2 ብብሕቲ ተገዳስነት ኣርእዮም:- ንኻልኦት ብብሕቲ ትግደሰሎምን እቲ ዘተሓሳስቦም ነገራት ተስተብህለሉን እንተደኣ ዄንካ: ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ሓቂ ንክቕበልዎ መገዲ ኽጸርገሎም ይኽእል እዩ። (ፊል. 2:4) እቶም ኣቐዲሞም ከምቲ ናይ መጻምድቶም ዓይነት እምነት ዘይነበሮም ሰባት: መብዛሕትኡ ግዜ ነቲ ኻልኦት ዘርኣይዎም ሓልዮት ይጠቕስዎ እዮም። እዚ ኣብ ላዕሊ እተጠቕሰ ሰብኣይ: “ሆሰ ዝበሃል ናይ ጉባኤ ሽማግለ ፍሉይ ተገዳስነት ኣርኣየኒ። ከም ዝመስለኒ እቲ ምትብባዑ እዩ ብስርዓት ንኸጽንዕ ደሪኹኒ” ብምባል ገለጸ። ካልእ ሰብኣይ ድማ ክበጽሕዎ ዝመጹ ኣሕዋት ብዛዕባ እቲ ንዕኡ ዘገድሶ ነገራት ንኸዘራርብዎ ጻዕሪ ኸም ዝገበሩ ይዝክር። “ናይ [ብዓልቲ ቤተይ] እምነት ብኻልእ ኣረኣእያ እየ ኽርእዮ ጀሚረ። ፈተውታ ብዛዕባ እተፈላለየ ጕዳያት ከዘራርቡ ዝኽእሉ ኣዝዮም በላሕቲ ሰባት እዮም” ድማ በለ።—1 ቈረ. 9:20-23
3 ግብራዊ ሓገዝ ሃቦም:- ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ መጻምድቲ በቲ ብሕያውነት ዝወሃቦም ሓገዝ ልቦም ክትንከፉ ይኽእሉ እዮም። (ምሳ. 3:27፣ ገላ. 6:10) ንሓደ ዘይኣማኒ ማኪናኡ ምስ ተበላሸወቶ: ሓደ መንእሰይ ናይ የሆዋ ምስክር ሓገዞ። እቲ ዘይኣማኒ “እዚ ብሓቂ እዩ መሲጡኒ” በለ። ካልእ ሓው ድማ ምሉእ መዓልቲ ንሓደ ዘይኣማኒ ሰብኣይ ሓጹር ቤቱ ኣብ ምስራሕ ክሕግዞ ወዓለ። ብሓንሳእ ኰይኖም እናዓየዩ የዕልሉ ብምንባሮም: ዕርክነት መስረቱ። ድሕሪ ኽልተ ሰሙን እቲ ሰብኣይ ናብቲ ሓዉና መጺኡ “ኣብ ህይወተይ ሓድሓደ ለውጥታት ክገብር ኣሎኒ። መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሓለይዶ ትኽእል፧” በሎ። ቅልጡፍ ዕቤት ገበረ: ሕጂ ድማ እተጠመቐ ናይ የሆዋ ምስክር ኰይኑ ኣሎ።
4 እምበኣር: ኣብ ዞባና ነቶም ብቑዓት ዘበሉ እናኣናደና: ነቶም ንክርስትያናት ብጾትና እተመርዓዉ መጻምድቶም ክንሕግዞም ንጽዓር።—1 ጢሞ. 2:1-4