ናይ 2004 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ
መምርሒ
ኣብ 2004 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ኽካየድ ከሎ እዚ ዝስዕብ ምድላዋት ክህሉ እዩ።
እቲ ክፍልታት ዝምስረተሉ ጽሑፍ:- መጽሓፍ ቅዱስ: ግምቢ ዘብዐኛ [w]: ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለትካ እተመሓይሸሉ መገድታት [ht]: “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ሓቀኛን ጠቓምን እዩ [bsi]: ከምኡውን ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ [td] ክኸውን እዩ።
እቲ ቤት ትምህርቲ ብመዝሙርን ብጸሎትን ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መግለጽን ኣብ ግዜኡ ክጅምር ኣለዎ። ድሕሪኡ በዚ ዝስዕብ ይቕጽል:-
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- 5 ደቒቕ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ: እቲ ሓጋዚ መኻሪ: ወይ ካልእ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ ኣብታ ክእለትካ እተመሓይሸሉ ዘርእስታ መምሃሪ ጽሕፍቲ ተመርኲሱ ብዛዕባ ሓደ ናይ ዝርርብ ነጥቢ ይገልጽ። (ኣብተን ሒደት ሽማግለታት ዘለዉወን ጉባኤታት ብቕዓት ዘለዎ ኣገልጋሊ ጉባኤ ከቕርቦ ይኽእል እዩ።)
ክፍሊ ቍ. 1:- 10 ደቒቕ። እዚ ብሓደ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ኽወሃብ ይግብኦ: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ: ናይ ምዝራብን ምምሃርን ክእለትካ እተመሓይሸሉ መገድታት: ወይ ከኣ ኣብታ “መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ” ሓቀኛን ጠቓምን እዩ ዘርእስታ ጽሕፍቲ እተመስረተ ይኸውን። ናይ ዓሰርተ ደቒቕ ሃናጺ ዝርርብ ኰይኑ ብዘይ ናይ ቃል ድግማ ክቐርብ ይግብኦ። ዕላማኡ ነቲ ጽሑፍ ንምሽፋን ዘይኰነስ ነታ ጉባኤ ብዝበለጸ ዝጠቕማ እንታይ ምዃኑ እናኣጕላሕካ ኣብ ግብራዊ ኣወዓዕላ ናይቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ሓበሬታ ንምትኳር ክኸውን ኣለዎ። እቲ ሓው ነቲ እተዋህቦ ኣርእስቲ ኽጥቀም ኣለዎ። እቶም ነዚ ዝርርብ እዚ ኽህቡ እተመዘዙ ኣሕዋት ነቲ እተመደበሎም ግዜ ንኽሕልዉ ጥንቃቐ ኽገብሩ ይግብኦም። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ብብሕቲ ምኽሪ ኽወሃብ ይከኣል እዩ።
ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሕ ሓሳባት:- 10 ደቒቕ። ኣብተን ናይ መጀመርታ ሽዱሽተ ደቒቕ: ሓደ ብቑዕ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ነቲ ኽፍሊ ምስታ ጉባኤ ብዝሰማማዕ መገዲ ገይሩ የቕርቦ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ክፋል ናይቲ ኣብታ ሰሙን እተመደበ ንባብ ሓሳብ ክህብ ይኽእል እዩ። እዚ ናይቲ ንባብ ድግማ ጥራይ ክኸውን የብሉን። እቲ ቐንዲ ዕላማኡ: ሰማዕቲ ነቲ ሓበሬታ ስለምንታይን ብኸመይን ከም ዝጠቕሞም ምእንቲ ኽግንዘብዎ ንምሕጋዞም እዩ። እቲ ተዛራባይ ካብቲ ንመእተዊ እተመደበሉ ሽዱሽተ ደቒቕ ከየዛይድ ክጥንቀቕ ኣለዎ። ሰማዕቲ ሓሳቦም ዝህቡሉ ኣርባዕተ ደቒቕ ከተርፍ ኣለዎ። ነቶም ሰማዕቲ ኻብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እተረድእዎ ነገራትን ዝረኸብዎ ጥቕምታትን ሕጽር ዝበለ ሓሳባት (ን30 ካልኢት ወይ ካብኡ ንታሕቲ) ንኽህቡ ኽዕደሙ ኣለዎም። ድሕሪኡ እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ነቶም ኣብ ካልእ ኣደራሽ ክፍሊ ከቕርቡ እተመደቡ ተማሃሮ ክኸዱ ኸም ዝኽእሉ ይሕብሮም።
ክፍሊ ቍ. 2:- 4 ደቒቕ። እዚ ብሓደ ሓው ዝቐርብ ንባብ እዩ። እቲ ንባብ መብዛሕትኡ ግዜ ኻብ መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ዝኸውን። ሓንሳእ ኣብ ወርሒ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ዝወጸ ሓሳባት ኣብዚ ኽፍሊ እዚ ኽንበብ እዩ። እቲ ተማሃራይ መእተዊ ወይ መዕጸዊ ኸይገበረ ነቲ እተመደበሉ ኽፋል ከንብብ ኣለዎ። እቲ ዝንበብ ክፋል ወትሩ ማዕረ ክኸውን ዘይክእል እኳ እንተዀነ: እቲ ንባብ ካብ ኣርባዕተ ደቒቕ ክዛይድ ግን የብሉን። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ነዚ ኽፍሊ እዚ ዕድመን ክእለትን ተማሃሮ ኣብ ግምት ብምእታው ምእንቲ ኽምድቦ ኣቐዲሙ ኽርእዮ ኣለዎ። እቲ ተዓዛቢ ነቲ ተማሃራይ ብዝርዳእ መገዲ: ብምልከት: ብግቡእ እናጕልሐ: ድምጺ እናለዋወጠ: ብግቡእ እናዕረፈ: ከምኡውን ባህርያዊ ገይሩ ዘንብብ እንተ ዀይኑ ይርእዮ።
ክፍሊ ቍ. 3:- 5 ደቒቕ። እዚ ኽፍሊ እዚ ንሓንቲ ሓብቲ ዝወሃብ እዩ። እታ ነዚ ኽፍሊ እዚ እተቕርብ ተማሃሪት ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት: ተመላሊስካ ምብጻሕ: ወይ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ከም እትገብር ዘላ ዀይና ኸተቕርቦ ትኽእል እያ። ከከም ዝጥዕማ ደው ወይ ኮፍ ኢላውን ከተቕርቦ ትኽእል እያ። ነቲ እተዋህባ ኣርእስቲ ኽትጥቀመሉ ይግባእ: ኣብቲ ዞባ ኸጋጥምን ግብራዊ ክኸውንን ብዝኽእል መገዲ ገይራ ድማ ተቕርቦ። ምንጪ ዝኸውን ጽሑፍ ኣብ ዘይጥቀሰሉ ግዜ: ኣብቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዘዳለዎ ጽሑፋት ምርምር ብምግባር ክትዳሎ ኣለዋ። ሓደስቲ ተማሃሮ እቲ ዝውከሳሉ ጽሑፍ እተሓበሮ ኽፍልታት ክወሃበን ኣለዎ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ: እታ ተማሃሪት ብኸመይ ክፍላ ኸም ዘቕረበትን ነታ ብዓልቲ ቤት ብቕዱሳት ጽሑፋት ገይራ ኣገዳሲ ነጥብታት ብኸመይ ከም ዘረድኣታን ብፍላይ የተኵረሉ። እታ እዚ ኽፍሊ እዚ ዝወሃባ ተማሃሪት ምንባብ እትኽእል ክትከውን ይግባእ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ሓንቲ ሓጋዚት ይምድበላ።
ክፍሊ ቍ. 4:- 5 ደቒቕ። እቲ ተማሃራይ (ተማሃሪት) ኣብቲ እተዋህቦ ኣርእስቲ ተመርኲሱ ኽፍሊ የዳሉ። ምንጪ ዝኸውን ጽሑፍ ኣብ ዘይጥቀሰሉ ግዜ: ኣብቲ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ ዘዳለዎ ጽሑፋት ምርምር ብምግባር ክዳሎ ኣለዎ። እዚ ኽፍሊ ንሓደ ሓው ክወሃቦ ኸሎ: እቲ ሓው ነቶም ተኣከብቲ ኣብ ኣእምሮኡ ብምሓዝ ከም ዝርርብ ገይሩ ከቕርቦ ይኽእል እዩ። ንሓንቲ ሓብቲ ምስ ዝወሃብ ድማ: እቲ ኽፍሊ በቲ ኣብ ክፍሊ ቍ. 3 ዘሎ መልክዕ ገይራ ኸተቕርቦ ኣለዋ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ነቲ ኽፍሊ ቍ. 4 ንሓደ ሓው ክህቦ ይኽእል እዩ። እቲ ኰዀብ ዝመስል ምልክት ዘለዎ ኽፍልታት ነሕዋት ጥራይ ክወሃብ ከም ዘለዎን ብዝርርብ መልክዕ ክቐርብ ከም ዝግባእን ኣይትረስዕ።
ግዜ:- እቲ ዝቐርብ ክፍሊ ዀነ እቲ ዝወሃብ ምኽሪ ኻብቲ እተመደበ ግዜ ኽሓልፍ የብሉን። ካብ ክፍሊ ቍ. 2 ክሳዕ 4 ዘቕርቡ ተማሃሮ ግዜኦም ምስ ኣኸለ ንኸቋርጹ ብሜላ ምልክት ክግበረሎም ኣለዎ። እቶም ነቲ ናይ ዝርርብ ነጥቢ: ክፍሊ ቍ. 1: ወይ ነቲ ኻብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሕ ሓሳባት ዘቕርቡ ኣሕዋት ግዜ እንተ ኣሕሊፎም: ብብሕቲ ምኽሪ ኽወሃቦም ኣለዎ። ኵላቶም ግዜኦም ክሕልዉ ይግባእ። መዝሙርን ጸሎትን ከይሓወስካ እዚ ኽፍልታት እዚ ብጠቕላላ 45 ደቒቕ ይወስድ።
ምኽሪ:- 1 ደቒቕ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ክፍሉ ምስ ኣቕረበ ኣብቲ ዝነኣደሉ መዳይ ኣወንታዊ ጐድንታቱ ንምጥቃስ ካብ ሓደ ደቒቕ ዝዛይድ ግዜ ኽወስድ የብሉን። ዕላማ ናይዚ ‘ንፉዕ’ ኢልካ ንምንኣድ ጥራይ ዘይኰነስ: እቲ ኣቀራርባ እቲ ውጽኢታዊ ዝዀነሉ ምኽንያታት ብንጹር ንምጥቃስ እዩ። ከከም ኣድላይነቱ: ድሕሪ ኣኼባ ወይ ካልእ ግዜ ነቲ ተማሃራይ ዘድሊ ሃናጺ ምኽሪ ኽወሃቦ ይከኣል እዩ።
ሓጋዚ መኻሪ:- ዝከኣል እንተ ዀይኑ: ኣካል ሽማግለታት ነቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዝሕግዞ ኽኢላ መኻሪ ይመርጹ። ኣብታ ጉባኤ ብዙሓት ሽማግለታት እንተልዮም: ኣብ ዓዓመት ነዚ ዕዮ እዚ ዝዓዪ ሽማግለ ክቕየር ይከኣል እዩ። ናይዚ ሓው ሓላፍነት ነቶም ክፍሊ ቍ. 1 ከምኡውን ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሕ ሓሳባት ዘቕርቡ ኣሕዋት ኣድላዪ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ምኽሪ ምሃብ እዩ። ሽማግለታት ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ነዚ ዝርርባት ምስ ኣቕረቡ ዅሉ ሳዕ ምኽሪ ምሃብ ኣየድልን እዩ። እዚ ምድላው እዚ ኣብ 2004 ክስርሓሉ እዩ: ድሕሪ ግዜ ድማ ክተዓራረ ይከኣል እዩ።
ናይ ቃል ድግማ:- 30 ደቒቕ። ኣብ ከክልተ ወርሒ እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ናይ ቃል ድግማ ይመርሕ። ቀቅድሚኡ ግን ብዛዕባ ናይ ዝርርብ ነጥቢ ዝገልጽ ክፍልን ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሕ ነጥብታትን በዚ ኣብ ላዕሊ ተገሊጹ ዘሎ መልክዕ ይቐርብ። እቲ ናይ ቃል ድግማ ኣብቲ ኣብ ዝሓለፈ ኽልተ ወርሒ: እንተላይ ኣብቲ በታ ሰሙን እቲኣ ዝውሰድ ትምህርቲ እተመርኰሰ ይኸውን።
መደብ
5 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 1-5መዝ. 10 (82)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ምኽሪ ይሃንጽ (ht ገጽ 4 ¶1–ገጽ 6 ¶10)
ቍ. 1:- ፈቃር መኻሪ ዝህቦ ሓገዝ (ht ገጽ 6 ¶11–ገጽ 11 ¶16)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 2:7-25
ቍ. 3:- td 1ሀ ኣምላኽ ንኣቦታት ዝግበር ኣምልኾ ዘይቅበሎ ስለምንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- *ግቡእካ ብዘይምግባር ብዛዕባ ዝፍጸም ሓጢኣት ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዝርከብ ኣብነታት እንታይ ኢና እንመሃር፧
12 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 6-10መዝ. 23 (200)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ካብ ምኽሪ ረብሓ ምርካብ (ht ገጽ 11 ¶17–ገጽ 12 ¶19)
ቍ. 1:- ጽሬት እቲ ቕኑዕ ትርጕሙ እንታይ እዩ፧ (w02 1/2 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 8:1-17
ቍ. 3:- ምሕሳው ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 1ለ ሰባት ክኸብሩ ይኽእሉ: ዝምለኽ ግን ኣምላኽ ጥራይ እዩ
19 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 11-16መዝ. 2 (15)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ፍረ ዘለዎ: ብንጹር ዝቐረበ ዝርርብ (ht ገጽ 12 ¶1–ገጽ 13 ¶6)
ቍ. 1:- ስርዓታት ኣምላኽ ክጠቕመካ ይኽእል እዩ (w02 15/2 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 13:1-18
ቍ. 3:- td 2ሀ ውግእ ኣርማጌዶን ንእከይ ኣብ መወዳእታ የብጽሖ
ቍ. 4:- ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተስፋኦም ንኻልኦት ዝነግሩሉ ምኽንያት
26 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 17-20መዝ. 9 (37)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ተግባራዊ ጥቕሚ ዘለዎ ዝርርብ (ht ገጽ 14 ¶7–ገጽ 15 ¶11)
ቍ. 1:- ሓልዮት—ሕያውነትን ርሕራሐን ከነርኢ እትሕግዝ ባህሪ (w02 15/4 ገጽ 24-7)
ቍ. 2:- w02 1/1 ገጽ 10-11 ¶9-11
ቍ. 3:- እተን ኣብ ሉቃስ 13:24 ዝርከባ ቓላት የሱስ እንታይ ትርጕም እዩ ዘለወን፧
ቍ. 4:- td 2ሐ ኣርማጌዶን ፍቕሪ ኣምላኽ እተንጸባረቐሉ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
2 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 21-24መዝ. 1 (13)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ተወሳኺ መብርሂ ሓሳባት (ht ገጽ 15 ¶12-13)
ቍ. 1:- ተገዳስነት ዘለዓዕል መእተዊታት (ht ገጽ 17 ¶1–ገጽ 18 ¶7)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 21:1-21
ቍ. 3:- td 3ሀ ጥምቀት—ንክርስትያን ዘድልዮ ነገር
ቍ. 4:- *ሕጸ ኣርዚንካ ኽርአ ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
9 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 25-28መዝ. 26 (212)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ብቐሊል ዝቐረበ (ht ገጽ 15 ¶14-16)
ቍ. 1:- ግቡእ ንውሓት ዘለዎ መእተዊ (ht ገጽ 19 ¶11–ገጽ 20 ¶16)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 28:1-15
ቍ. 3:- ኣብዛ ሽግር ዝመልኣ ዓለም ውሽጣዊ ሰላም እንረኽበሉ መገዲ
ቍ. 4:- td 3ለ ጥምቀት ሓጢኣት ኣይሓጽብን እዩ
16 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 29-31መዝ. 5 (46)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ልሙዳት ዘይኰኑ ስያመታት ተገሊጾም: ብዙሕ ሓሳባት ዘለዎ ክኸውን የብሉን (ht ገጽ 16 ¶17–20)
ቍ. 1:- ነቶም ቅኑዓት ንጽህናኦም ይመርሖም (w02 15/5 ገጽ 24-7)
ቍ. 2:- w02 1/2 ገጽ 15-16 ¶6-10
ቍ. 3:- td 4ሀ መጽሓፍ ቅዱስ ብመንፈስ እተጻሕፈ ቃል ኣምላኽ እዩ
ቍ. 4:- ውርዝና ንክርስትያናት ኣገዳሲት ባህሪ ዝዀነትሉ ምኽንያት
23 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 32-35መዝ. 7 (51)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ምስቲ ቐንዲ ኣርእስቲ ዝሰማማዕ መእተዊ (ht ገጽ 18 ¶8–ገጽ 19 ¶10)
ናይ ቃል ድግማ
1 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 36-39መዝ. 13 (124)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ምስቲ ዅነታት ዝሰማማዕ ናይ ድምጺ ዓቐን (ht ገጽ 20 ¶1–ገጽ 22 ¶10)
ቍ. 1:- ኣብ ስርዓተ-ነጥቢ ምዕራፍ (ht ገጽ 23 ¶17–ገጽ 24 ¶21)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 37:12-28
ቍ. 3:- ኣብ እምነትና ዓቕሊ: ትዕግስቲ: ወይ ምጽማም ዘድልየና ስለምንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 4ሐ መጽሓፍ ቅዱስ ሎሚ መምርሒና እዩ
8 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 40-42መዝ. 28 (224)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ምስቲ ዝርርብ ዝሰማማዕ ናይ ድምጺ ዓቐን (ht ገጽ 22 ¶11–ገጽ 23 ¶12)
ቍ. 1:- ንኸተጕልሕ ኢልካ ዝግበር ምዕራፍ (ht ገጽ 25 ¶25–28)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 42:1-20
ቍ. 3:- ምስ የሆዋ ናይ ቀረባ ርክብ ከተማዕብለሉ እትኽእል መገድታት
ቍ. 4:- td 4ረ መጽሓፍ ቅዱስ ንዅሉ ዓሌት ህዝቢ እዩ ተጻሒፉ
15 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 43-46መዝ. 29 (222)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ኣብ ግቡእ ቦታ ዝግበር ምዕራፍ (ht ገጽ 23 ¶13–16)
ቍ. 1:- ተጊህካ ምጽዓር በረኸት የሆዋ የምጽእ (w02 1/8 ገጽ 29-31)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 43:1-18
ቍ. 3:- td 5ሀ ደም ምትሕልላፍ ንቕድስና ናይ ደም የበላሹ
ቍ. 4:- ከመይ ጌርና ኢና ብገንዘብ ዓመጻ ኣዕሩኽ እንገብር፧
22 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 47-50መዝ. 17 (187)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ሓሳባት ንምልዋጥ ምዕራፍ (ht ገጽ 24 ¶22–ገጽ 25 ¶24)
ቍ. 1:- የሆዋ ናይ ኣቤል መስዋእቲ ተቐቢሉ ናይ ቃየል ዘይተቐበሎ ስለምንታይ እዩ፧ (w02 1/8 ገጽ 28)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 47:1-17
ቍ. 3:- td 5ለ ዝኸፈልካ ኸፊልካ ህይወት ሰብ ከተድሕን ግቡእ ድዩ፧
ቍ. 4:- ንየሆዋ ምፍራህ መጀመርታ ጥበብ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
29 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 1-6መዝ. 12 (113)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ናብ መጽሓፍ ቅዱስ ከም ዘቕልቡ ምግባር (ht ገጽ 26 ¶1–ገጽ 27 ¶6)
ቍ. 1:- ናይ ምሕሳብ ክእለት ብኸመይ ክሕልወካ ይኽእል፧ (w02 15/8 ገጽ 21-4)
ቍ. 2:- w02 15/2 ገጽ 19-20 ¶7-11
ቍ. 3:- የሆዋ ንትዕቢት ብኸመይ እዩ ዝርእዮ፧
ቍ. 4:- td 6ሀ ዘመናት ኣህዛብ መዓስ እዩ ተወዲኡ፧
5 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 7-10መዝ. 16 (143)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ጥቕስታት ግቡእ መእተዊ ተገይሩሎም—1ይ ክፋል (ht ገጽ 27 ¶7-ገጽ 28 ¶11)
ቍ. 1:- ጥቕስታት ምንባብን ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኦም ምግላጽን (ht ገጽ 30 ¶1–ገጽ 32 ¶14)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 8:1-19
ቍ. 3:- td 7ሀ ናይ ሓቂ ቤተ-ክርስትያን እንታይ እያ፧
ቍ. 4:- ተስፋ ኸም “መልህቅ ነፍሲ” ዝዀነት ስለምንታይ እያ፧
12 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 11-14መዝ. 8 (53)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ጥቕስታት ግቡእ መእተዊ ተገይሩሎም—2ይ ክፋል (ht ገጽ 28 ¶12-ገጽ 29 ¶18)
ቍ. 1:- ጥቕስታት ክትጥቀመሎም ከለኻ ቀንዲ ቓላትን ዕላማኡን ምጕላሕ (ht ገጽ 33 ¶18-22)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 12:1-16
ቍ. 3:- ንተግሳጽ የሆዋ ብሃንቀውታ ኽንቅበሎ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ቍ. 4:- td 7መ ጴጥሮስ እቲ “ኸውሒ” ድዩ፧
19 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 15-18መዝ. 26 (212)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ነቲ እትጥቀመሉ ጥቕሲ ህንጥዮት ከም ዘሕድሩ ምግባር: እተጠቐምካሉ ዕላማ ድማ ምንጻር (ht ገጽ 29 ¶19–21)
ቍ. 1:- ንፈተና ብኸመይ ኢና ኽንምልከቶ ዘሎና፧ (w02 1/9 ገጽ 29-31)
ቍ. 2:- w02 1/3 ገጽ 15-16 ¶8-11
ቍ. 3:- td 9ሀ ናይ ሓቂ ስነ-ፍልጠት ነቲ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ብዛዕባ ፍጥረት እተዋህበ መግለጺ ይድግፎ
ቍ. 4:- *መውስቦ ኽሳዕ ዕለተ-ሞትካ ዝቕጽል ማእሰር ክኸውን ዘለዎ ስለምንታይ እዩ፧
26 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 19-22መዝ. 18 (162)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ጥቕስታት ኣብ ግብሪ ኣወዓዕልኦም ብንጹር ተገሊጹ (ht ገጽ 32 ¶15–17)
ናይ ቃል ድግማ
3 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 23-26መዝ. 1 (13)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ኣድላዪነት ምድግጋም (ht ገጽ 34 ¶1-3)
ቍ. 1:- ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምጥቃም (ht ገጽ 36 ¶15–18)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 23:1-17
ቍ. 3:- የሆዋ ንሓደ ሰብ ሕማቕ ኣመላት ንኸወግድ ክሕግዞ ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 9ለ ነፍሲ ወከፍ ናይ ፍጥረት መዓልቲ ናይ 24 ሰዓት ንውሓት ድዩ ነይርዋ፧
10 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 27-29መዝ. 15 (127)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ቀንዲ ነጥብታት ምድግጋም (ht ገጽ 34 ¶4-ገጽ 35 ¶10)
ቍ. 1:- መራጐዲ ዝኸውን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምጥቃም (ht ገጽ 37 ¶19-20)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 28:29-43
ቍ. 3:- td 10ሀ የሱስ ኣብ መስቀል ድዩ ሞይቱ፧
ቍ. 4:- ንሓደ ዓሌት ኣትሒትካ ምርኣይ ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
17 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 30-33መዝ. 20 (93)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ነቲ ንጹር ዘይኰነ ነጥብታት ምድግጋም (ht ገጽ 35 ¶11–ገጽ 36 ¶14)
ቍ. 1:- ንዝርርብካ ቐንዲ ኣርእስቲ ምምራጽ (ht ገጽ 37 ¶1–ገጽ 38 ¶4)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 30:1-21
ቍ. 3:- ለዋሃት ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
ቍ. 4:- td 10ለ ክርስትያናት ንመስቀል ከምልኹ ግቡእ ድዩ፧
24 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 34-37መዝ. 21 (191)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ዝሰማማዕ ቀንዲ ኣርእስቲ ምጕላሕ (ht ገጽ 38 ¶5–ገጽ 39 ¶8)
ቍ. 1:- ንዝርርብካ ቐንዲ ነጥብታት ምምራጽ (ht ገጽ 39 ¶9–ገጽ 40 ¶13)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 36:1-18
ቍ. 3:- td 11ሀ ምኽንያት ናይ ሞት እንታይ እዩ፧
ቍ. 4:- ብሒደት እሙን ክትከውን ዘሎካ ስለምንታይ እዩ፧
31 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 38-40መዝ. 1 (13)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ናብ ሰማዕቲ ብምጥማት ርክብ ምግባር (ht ገጽ 42 ¶1-ገጽ 43 ¶5)
ቍ. 1:- ቀንዲ ነጥብታት ብዝግባእ ምብራህ (ht ገጽ 40 ¶14–ገጽ 42 ¶21)
ቍ. 2:- w02 1/5 ገጽ 19-20 ¶3-6
ቍ. 3:- ሓደ ሰብ ነቲ ኣብ 1 ዮሃንስ 3:19, 20 ዘሎ ሓሳባት ምርድኡ ኸጸናንዖ ዝኽእል ብኸመይ እዩ፧
ቍ. 4:- td 11ለ ምዉታት ክጐድኻ ይኽእሉ ድዮም፧
7 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 1-5መዝ. 4 (43)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ብቐጥታ ጠቒስካ ብምዝራብ ምስ ሰማዕቲ ርክብ ምግባር (ht ገጽ 43 ¶6-ገጽ 44 ¶9)
ቍ. 1:- እተዋጽአ ጽሑፍ ምጥቃም (ht ገጽ 44 ¶10–ገጽ 45 ¶19)
ቍ. 2:- ዘሌዋውያን 3:1-17
ቍ. 3:- td 11ሐ ሰባት ምስ ዝሞቱ ኣዝማዶም ክዘራረቡ ይኽእሉ ድዮም፧
ቍ. 4:- ኣብ ሽሕር ምስታፍ እንታይ ጌጋ ኣለዎ፧
14 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 6-9መዝ. 5 (46)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ሰጋእ ዘይምባል ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ht ገጽ 46 ¶1–ገጽ 48 ¶10)
ቍ. 1:- ንዝርርብካ ብባህርያዊ መገዲ ምቕራብ (ht ገጽ 48 ¶11–ገጽ 50 ¶23)
ቍ. 2:- ዘሌዋውያን 7:1-19
ቍ. 3:- እከይ ዘበለ ኽንጸልእ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧
ቍ. 4:- td 14ሀ ድያብሎስ ብሓቂ ኣካል ዘለዎ ፍጡር ድዩ፧
21 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 10-13መዝ. 27 (221)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ግቡእ ኣደማምጻ ዘለዎ ኣገዳስነት—1ይ ክፋል (ht ገጽ 50 ¶24–ገጽ 51 ¶26)
ቍ. 1:- ግቡእ ኣደማምጻ ዘለዎ ኣገዳስነት—2ይ ክፋል (ht ገጽ 51 ¶27–ገጽ 52 ¶34)
ቍ. 2:- ዘሌዋውያን 11:1-25
ቍ. 3:- td 14ለ ድያብሎስ ዘይርአ ገዛኢ እዛ ዓለም እዚኣ እዩ
ቍ. 4:- የሆዋ ንምትላል ብኸመይ እዩ ዝርእዮ
28 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 14-16መዝ. 7 (51)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ብመስተጻመር ጌርካ ሓሳባት ምውህሃድ (ht ገጽ 53 ¶1-ገጽ 54 ¶8)
ናይ ቃል ድግማ
5 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 17-20መዝ. 16 (143)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- እተተሓሓዘ ኣመዓባብላ ዝርርብ—1ይ ክፋል (ht ገጽ 54 ¶9–ገጽ 55 ¶13)
ቍ. 1:- እተተሓሓዘ ኣመዓባብላ ዝርርብ—2ይ ክፋል (ht ገጽ 55 ¶14–ገጽ 57 ¶21)
ቍ. 2:- ዘሌዋውያን 17:1-16
ቍ. 3:- ኣብ ማሕበር የሆዋ እምንቶ ይሃሉኻ
ቍ. 4:- td 14መ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቶም ክፉኣት መላእኽቲ እንታይ ይብል፧
12 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 21-24መዝ. 17 (187)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ዘእምን ሓሳባት (ht ገጽ 57 ¶1–ገጽ 58 ¶6)
ቍ. 1:- ዘእምን ኣቀራርባ ኸተማዕብለሉ እትኽእል መገዲ (ht ገጽ 59 ¶7–ገጽ 60 ¶14)
ቍ. 2:- ዘሌዋውያን 22:1-16
ቍ. 3:- td 17ሀ ምድሪ ገነት ንኽትከውን እያ ተፈጢራ
ቍ. 4:- የሆዋ: ኣምላኽ ኣይሁድ ድዩ ነይሩ፧
19 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 25-27መዝ. 24 (185)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ነቲ ቐንዲ መልእኽቲ ዝሓዘ ቓላትን ሓሳባትን ምጕላሕ (ht ገጽ 62 ¶1–ገጽ 64 ¶9)
ቍ. 1:- ሰማዕቲ ምኽንያት ንኽርድኡ ተሓጊዞም (ht ገጽ 60 ¶15–ገጽ 62 ¶24)
ቍ. 2:- ዘሌዋውያን 25:1-19
ቍ. 3:- ግብረ-ሽበራ ብኸመይ እዩ ዘብቅዕ
ቍ. 4:- td 17ሐ ህይወት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ክቕጽል እዩ
26 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 1-3መዝ. 25 (204)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ድምጺ ምልውዋጥ—እተፈላለየ ሓይሊ ምጥቃም (ht ገጽ 64 ¶10–ገጽ 65 ¶14)
ቍ. 1:- ክርስትያናት ቀናኣት ክዀኑ ኣለዎም ድዩ፧ (w02 15/10 ገጽ 28-31)
ቍ. 2:- w02 15/6 ገጽ 18-19 ¶6-9
ቍ. 3:- td 19ሀ ነቶም ናይ ሓሶት ነብያት ከተለልዮም ትኽእልዶ፧
ቍ. 4:- እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝሞተካ ምሕዛን ጌጋ ድዩ፧
2 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 4-6መዝ. 22 (130)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ድምጺ ምልውዋጥ—እተፈላለየ ፍጥነት ምጥቃም (ht ገጽ 65 ¶15-ገጽ 66 ¶20)
ቍ. 1:- ኣብ ቅድሚ የሆዋ መዓልትታትና ምቝጻር (w02 15/11 ገጽ 20-3)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 6:1-17
ቍ. 3:- ሰባት ኣብ ንሓድሕዶም ዘለዎም ጽልኢ ንኸወግዱ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ይሕግዞም፧
ቍ. 4:- td 22ሀ መንፈሳዊ ምፍዋስ ክሳዕ ክንደይ እዩ ኣገዳሲ፧
9 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 7-9መዝ. 3 (32)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ነቲ ሓሳባት ወይ ነቲ ስምዒት ዝሰማማዕ ናይ ድምጺ ምልውዋጥ (ht ገጽ 66 ¶21–ገጽ 67 ¶24)
ቍ. 1:- ደርባዊ ኣፈላላይ ዘይብሉ ሕብረተሰብ ብሓቂ ኽህሉዶ ይኽእል እዩ፧ (w02 1/1 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 8:1-19
ቍ. 3:- td 22ለ ዘይሓልፍ ኣካላዊ ምሕዋይ እትገብር መንግስቲ ኣምላኽ እያ
ቍ. 4:- ጸረ-ክርስቶስ መን እዩ፧
16 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 10-13መዝ. 11 (85)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ህያው ብዝዀነ ኣቀራርባ እተራእየ ውዕዉዕ ስምዒት (ht ገጽ 67 ¶1-ገጽ 68 ¶5)
ቍ. 1:- ኣብቲ ናይ ሓቂ ኣምላኽ ዝዀነ የሆዋ ተወከል (w02 15/1 ገጽ 5-7)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 12:1-16
ቍ. 3:- ቍጥዓ ኣምላኽ ምስ ፍቕሩ ዝሰማማዕ ድዩ፧
ቍ. 4:- td 22ሐ ዘመናዊ ናይ እምነት ምፍዋስ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን
23 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 14-16መዝ. 12 (113)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ነቲ ዝርርብ ዝሰማማዕ ውዕዉዕ ስምዒት (ht ገጽ 68 ¶6-ገጽ 69 ¶9)
ቍ. 1:- እተፈላለየ ኣረኣእያ ዘማዕበሉ ኣሕዋት (w02 15/1 ገጽ 21-3)
ቍ. 2:- w02 15/7 ገጽ 23-4 ¶15-19
ቍ. 3:- td 22መ ብቛንቋታት ምዝራብ መረጋገጺ ስምረት ኣምላኽ ድዩ፧
ቍ. 4:- *ዓመጻ ዝመልኦ ጸወታታት ቪድዮ ንክርስትያናት ዘይከውን ስለምንታይ እዩ፧
30 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 17-21መዝ. 26 (212)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ምዉቕ: ስምዒት ዘለዎ ኣቀራርባ (ht ገጽ 69 ¶10–ገጽ 71 ¶21)
ናይ ቃል ድግማ
6 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 22-25መዝ. 19 (164)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ዝሰማማዕ መብርሂታት (ht ገጽ 72 ¶1–ገጽ 74 ¶14)
ቍ. 1:- እታ ጥንታዊት ዓለም ዝጠፍአት ስለምንታይ እያ፧ (w02 1/3 ገጽ 5-7)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 22:1-19
ቍ. 3:- td 23ለ ናብ ሰማይ ዝኸዱ መን እዮም፧
ቍ. 4:- *ክርስትያን ወለዲ ንደቆም ከንብቡሎም ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
13 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 26-29መዝ. 18 (162)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- መሃሪ መብርሂታት (ht ገጽ 74 ¶15–ገጽ 75 ¶19)
ቍ. 1:- ስንክልና ዘኽትመሉ መገዲ (w02 1/5 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 29:1-19
ቍ. 3:- td 24ለ ሲኦል መሳቐዪ ቦታ ኣይኰነን
ቍ. 4:- መብጽዓታት ኣምላኽ ብየሱስ ክርስቶስ እወ ዝዀነ ብኸመይ እዩ፧
20 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 30-32መዝ. 7 (51)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ላዛ ዘለዎ መብርሂታት (ht ገጽ 75 ¶20-22)
ቍ. 1:- ጽድቂ ዝራእ: ምሕረት ኣምላኽ ከኣ ዕጸድ (w02 15/7 ገጽ 28-31)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 30:1-16
ቍ. 3:- td 24ሐ ሓዊ ምሳሌ ናይ ጥፍኣት እዩ
ቍ. 4:- *ካብ ስእለ-ጽሑፍ ክንሃድም ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧
27 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 33-36መዝ. 6 (45)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ንግራት ኣገልግሎት ዝሰማማዕ ኣቀራርባ (ht ገጽ 76 ¶1–ገጽ 77 ¶5)
ቍ. 1:- ናይ ሓቂ ቕዱሳን ብኸመይ ክረድኡኻ ይኽእሉ፧ (w02 15/9 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- w02 1/8 ገጽ 18-19 ¶15-19
ቍ. 3:- td 24ሠ ናይቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን ጸብጻብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ ምህላዉ ኣየረድእን
ቍ. 4:- ፍሉይ ስምዒት ንኽሓድረካ ኢልካ ሓደገኛ ነገራት ምግባር ጌጋ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
4 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘዳግም 1-3መዝ. 21 (191)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ዝሰማማዕ ነጥብታት ተመሪጹ (ht ገጽ 77 ¶6-ገጽ 78 ¶10)
ቍ. 1:- ካብቲ ርጡብ ፍልጠት ኣምላኽ ዝርከብ ምጽንናዕ (w02 1/10 ገጽ 5-7)
ቍ. 2:- ዘዳግም 1:1-18
ቍ. 3:- ሓቂ ናትካ ምግባር ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
ቍ. 4:- td 25ሀ ክርስትያናት ብዛዕባ በዓላት ዘለዎም ኣረኣእያ
11 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘዳግም 4-6መዝ. 26 (212)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ተግባራዊ ጥቕሚ ናይቲ ዝርርብ ጐሊሑ (ht ገጽ 78 ¶11–ገጽ 79 ¶13)
ቍ. 1:- ካብ 537 ቅ.ኣ.ዘ. ንድሕሪት ናብ 997 ቅ.ኣ.ዘ. ምቝጻር (bsi ገጽ 2-3 ¶5-7)
ቍ. 2:- ዘዳግም 4:1-14
ቍ. 3:- td 26ሀ ብምስሊ ጌርካ ምምላኽ ንኣምላኽ ውርደት እዩ
ቍ. 4:- “ሓሳብ መንፈስ” ንኽህልወካ እንታይ የጠቓልል
18 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘዳግም 7-10መዝ. 12 (113)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ዝሰማማዕ መዕጸዊ (ht ገጽ 79 ¶1–ገጽ 80 ¶9)
ቍ. 1:- ካብ 997 ቅ.ኣ.ዘ. ንድሕሪት ናብ 2370 ቅ.ኣ.ዘ. ምቝጻር (bsi ገጽ 3-4 ¶8-11)
ቍ. 2:- w02 15/8 ገጽ 15-16 ¶3-6
ቍ. 3:- td 26ለ ኣምልኾ ጣኦት ዘምጽኦ ሳዕቤናት
ቍ. 4:- *የሆዋ ንኸሓድቲ ብኸመይ እዩ ዝርእዮም፧
25 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘዳግም 11-13መዝ. 16 (143)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ግቡእ ንውሓት ዘለዎ መዕጸዊ (ht ገጽ 81 ¶10–14)
ናይ ቃል ድግማ
1 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘዳግም 14-18መዝ. 20 (93)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ኣገዳስነት ግቡእ ንውሓት ግዜ—1ይ ክፋል (ht ገጽ 81 ¶15–ገጽ 82 ¶20)
ቍ. 1:- ካብ 2370 ቅ.ኣ.ዘ. ንድሕሪት ናብ 4026 ቅ.ኣ.ዘ. ምቝጻር (bsi ገጽ 4-5 ¶12-15)
ቍ. 2:- ዘዳግም 14:1-23
ቍ. 3:- td 26ሐ የሆዋ ጥራይ እዩ ኽምለኽ ዘለዎ
ቍ. 4:- ክርስትያናት ናብራኦም ቀሊል ክገብሩ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
8 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘዳግም 19-22መዝ. 13 (124)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ኣገዳስነት ግቡእ ንውሓት ግዜ—2ይ ክፋል (ht ገጽ 83 ¶21–ገጽ 84 ¶29)
ቍ. 1:- የሱስ ኣብ ምድሪ ዝነበረሉ እዋን (bsi ገጽ 5 ¶16-17)
ቍ. 2:- ዘዳግም 21:1-17
ቍ. 3:- td 27ሀ ምስ ካልኦት ሃይማኖታት ምትሕውዋስ ኣምላኽ ዝሰምሮ ኣይኰነን
ቍ. 4:- ንተስፋ ምቝራጽ ንኽንዋጽኣሉ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝርከብ ኣብነታት ብኸመይ ክሕግዘና ይኽእል፧
15 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘዳግም 23-27መዝ. 18 (162)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ርግኣት ንዝርርብ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (ht ገጽ 85 ¶1–ገጽ 86 ¶9)
ቍ. 1:- የሱስ ኣብ ምድሪ ዘገልገለሉ እዋን (bsi ገጽ 5 ¶18-19)
ቍ. 2:- ዘዳግም 24:1-16
ቍ. 3:- ነቶም ደገፍ ኣምላኽ ዘለዎም እተለልየሉ መገዲ
ቍ. 4:- td 27ለ ኵለን ሃይማኖታት ቅኑዓት ድየን፧
22 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘዳግም 28-31መዝ. 3 (32)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ኣብ ኣካላዊ ትርኢት ዝንጸባረቕ ርግኣት (ht ገጽ 87 ¶10-14)
ቍ. 1:- ብግዜ ሃዋርያት ዝነበረ ዓመታት ምቕማሩ (bsi ገጽ 6 ¶20-3)
ቍ. 2:- ዘዳግም 29:1-18
ቍ. 3:- td 29ሀ ክርስትያናት ንብሕታዊ ስም ኣምላኽ ክጥቀመሉ ኣለዎም
ቍ. 4:- ክርስትያናት ዓቕሞምን ቦታኦምን ዝፈልጡ ክዀኑ ዘለዎም ስለምንታይ እዮም፧
29 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘዳግም 32-34መዝ. 26 (212)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ግቡእ ኣከዳድናን ኵልንትናዊ ኣቃውማን (ht ገጽ 88 ¶15–ገጽ 89 ¶21)
ቍ. 1:- ካልኣይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ጳውሎስ (bsi ገጽ 6 ¶24-5)
ቍ. 2:- w02 15/10 ገጽ 11 ¶10-13
ቍ. 3:- ስም የሆዋ ኽንቅድሰሉ እንኽእል መገድታት
ቍ. 4:- td 29ሐ ህላወ ኣምላኽ ዘረጋግጽ ሓቅታት
6 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እያሱ 1-5መዝ. 5 (46)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ግቡእ ኣቃውማ (ht ገጽ 89 ¶22–ገጽ 90 ¶28)
ቍ. 1:- ሳልሳይ ሚስዮናዊ ጕዕዞ ጳውሎስን ካብ 56-100 ከ.ኣ.ዘ. ዝነበራ ናይ መወዳእታ ዓመታትን (bsi ገጽ 7 ¶26-30)
ቍ. 2:- እያሱ 4:1-14
ቍ. 3:- td 29መ ባህርያት ኣምላኽ ምፍላጡ
ቍ. 4:- ልደተ-ክርስቶስ ክርስትያናት ከብዕልዎ ዝግባእ በዓል ድዩ፧
13 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እያሱ 6-8መዝ. 15 (127)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ግቡእ ናይ ገጽ መግለጺታትን ጽፉፍ መሳርሒታትን (ht ገጽ 90 ¶29-ገጽ 91 ¶34)
ቍ. 1:- ይቕረታ ምሕታት ሰላም ንምግባር ዘኽእል ኣገዳሲ ረቛሒ (w02 1/11 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- እያሱ 6:10-23
ቍ. 3:- ብቐጻሊ ኻብ ቤት ናብ ቤት እንሰብኽ ስለምንታይ ኢና፧
ቍ. 4:- td 29ረ ኵሎም ንሓደ ኣምላኽ ኣየምልኹን እዮም
20 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እያሱ 9-11መዝ. 11 (85)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ከም ዝወሰኽካ ኽግለጸሉ ዝኽእል መገድታት (ht ገጽ 92 ¶1-ገጽ 93 ¶7)
ቍ. 1:- ኣእዳውካ ኣጽንዕ (w02 1/12 ገጽ 30-1)
ቍ. 2:- w02 15/11 ገጽ 18-19 ¶19-23
ቍ. 3:- td 30ሀ ናይ የሆዋ መሰኻኸር ኣብዚ ቐረባ ግዜ ዝመጹ ሃይማኖት ድዮም፧
ቍ. 4:- *ገባር ሰላም ምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ፧
27 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እያሱ 12-15መዝ. 22 (130)
ናይ ዝርርብ ነጥቢ:- ንገዛእ ርእስኻ ቅርብቲ ግበራ (ht ገጽ 94 ¶8-ገጽ 95 ¶13)
ናይ ቃል ድግማ