ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
እዚ ዝስዕብ ሕቶታት ኣብታ 29 ታሕሳስ 2003 እትጅምር ሰሙን ኣብ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ብቓል ዝውሰድ ድግማ እዩ። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ኣብቲ ኻብ 3 ሕዳር ኽሳዕ 29 ታሕሳስ 2003 እተሸፈነ ትምህርትታት ተመርኲሱ 30 ደቒቕ ዝወስድ ድግማ ይመርሕ። [መዘኻኸሪ:- ድሕሪ ሕቶ እትውከሶ ጽሑፍ እንተ ዘይተጠቒሱ: መልሲ ንምርካብ ባዕልኻ ምርምር ክትገብር ኣሎካ።—ሚኒስትሪ ስኩል ገጽ 36-7 ርአ።]
ናይ ዝርርብ ነጥብታት
1. ኣብ ግራት ኣገልግሎት መጽሓፍ ቅዱስ ምጥቃም ኣዝዩ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ [be ገጽ 145 ሕጡብ ጽሑፍ 2: ሳጹን]
2. ሓንቲ ጥቕሲ እትርከበሉ ኸባቢ ነቲ እታ ጥቕሲ እተፋልጠላ መገዲ ዝጸልዎ ብኸመይ እዩ፧ [be ገጽ 149]
3. ካብ መጽሓፍ ቅዱስ ከተንብብ ከለኻ: ነቲ ግቡእ ቃላት ከተጕልሕ ኣድላዪ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ: ነዚኸ ብኸመይ ክትገብሮ ትኽእል፧ [be ገጽ 151 ሕጡብ ጽሑፍ 2: ሳጹን]
4. ንኻልኦት ክንምህር ከለና: ጳውሎስ ‘ነቲ ቓል ሓቂ ብቕኑዕ ንኸነማቕል’ ዝሃበና ማዕዳ ብኸመይ ክንዓየሉ ንኽእል: እዚ ኣገዳሲ ዝዀነኸ ስለምንታይ እዩ፧ (2 ጢሞ. 2:15) [be ገጽ 153 ሕጡብ ጽሑፍ 2: ሳጹን]
5. ጳውሎስ ‘ብጽሑፋት ገይሩ እተዘራረበ’ ወይ ዘረድአ ብኸመይ እዩ፧ (ግብ. 17:2, 3) [be ገጽ 155 ሕጡብ ጽሑፍ 5–ገጽ 156 ሕጡብ ጽሑፍ 1]
ክፍሊ ቍ. 1
6. ዝርርብ ንምድላው ነቲ ቐንዲ ምርምር እንገብረሉ ጽሑፍ: ማለት መጽሓፍ ቅዱስ ክንጥቀም ከለና: (1) ኣብ ከባቢ ጥቕስታት ዘሎ ሓሳባት ምምርማር: (2) ነቲ ኣብ ማእከል ዘሎ መሐበሪ ጥቕስታት ምጥቃም: (3) ብናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃላት ተርታ እተጻሕፈ መሐበሪ (ኮንኮርዳንስ) ጌርካ ምርምር ምግባር ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ [be ገጽ 34 ሕጡብ ጽሑፍ 3–ገጽ 35 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
7. ናይ ሓቂ ተኣማንነት ብኸመይን ንመንን እያ እትንጸባረቕ፧ [w01 1/10 ገጽ 22-3]
8. የሆዋ ብትኽክል ግዜ ዝሕሉ ምዃኑ ዝሕብረና እንታይ እዩ፧ (ዳን. 11:35-40፣ ሉቃ. 21:24) [si ገጽ 284 ቍ. 1]
9. ዝርርብ ንምሃብ ምርምር ድሕሪ ምግባር እንጥቀመሉ ነጥብታት ክንመርጽ ከለና: እንታይ ረቛሒታት ኢና ኣብ ግምት ከነእቱ ዝግባእ፧ [be ገጽ 38]
10. የሱስ ብዛዕባ እቲ “ብዘመን ኖህ” እተፈጸመ ነገራት ዝሃቦ ሓሳባት ምስዚ ግዜና ዝተሓሓዝ ብኸመይ እዩ፧ (ማቴ. 24:37) [w01 15/11 ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 3-4]
ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ
11. ጳውሎስ ንፊልሞን ዝጸሓፎ መልእኽቲ ሓደ ክርስትያን ኣብ ማሕበራዊ ጕዳይ ሰባት ክኣቱ ኸም ዘይግባእ: የግዳስ ሰባት ክርስትያናት ንክዀኑ ክሕግዝ ከም እተመዘዘ ዝሕብረና ብኸመይ እዩ፧ (ፊሞ. 12)
12. ኣብ መንጎ ‘ምጥፋእ:’ ‘ምርሓቕ:’ ከምኡውን ‘ምውዳቕ’ እንታይ ፍልልይ እዩ ዘሎ፧ (እብ. 2:1፣ 3:12፣ 6:6) [w99 15/7 ገጽ 19 ቍ. 12፣ w86 1/6 ገጽ 14 ቍ. 16-17 እንግሊዝኛ፣ w80 1/12 ገጽ 23 ቍ. 8 እንግሊዝኛ]
13. ነቲ “ጐይታ እንተ ፈቐዶ” ዝብል መግለጺ ጠዊና ኣብ ጢጥ ቅሚጥ ካብ ምውዓል ክንቍጠብ እንኽእል ብኸመይ ኢና፧ (ያእ. 4:15) [cj ገጽ 171 ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 እንግሊዝኛ]
14. ‘ነቲ ምጽኣት መዓልቲ ኣምላኽ ምጽባይን ምቅልጣፍን’ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት እዩ: ነዚኸ ብኸመይ ክንገብሮ ንኽእል፧ (2 ጴጥ. 3:12) [w97 1/9 ገጽ 19-20]
15. ካብቲ ናብተን ኣብ ራእይ ምዕራፍ 2ን 3ን ተጠቒሰን ዘለዋ ሸውዓተ ጉባኤታት እተላእከ መልእኽቲ ነዞም ሎሚ ዘለዉ ክርስትያናት ዝኸውን እንታይ ኣገዳሲ ማዕዳ እዩ ዝርከብ፧ (ራእ. 2:4, 5, 10, 14, 20፣ 3:3, 10, 11, 17, 19)