ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
8 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 27 (221)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። በቲ ኣብ ገጽ 10 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ።
20 ደቒቕ:- “ናይ ሓቂ ክርስትያናዊ ሓድነት ብኸመይ እዩ ዝርከብ፧” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ቍጽሪ 5 ክትመያየጡላ ኸለኹም: ነቶም ሰማዕቲ ንክርስትያናዊ ሓድነትና ዘጕልሕ ኣብ ኣህጉራዊ ኣኼባታት: ኣብ ቲኦክራሲያዊ ህንጸት: ወይ ኣብ ግዜ ሓደጋ እተገብረ ረድኤት ብዝምልከት ዘጋጠሞም ተመክሮ ኸዘንትዉ ዓድሞም።
15 ደቒቕ:- “ናይ 2004 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ።” ናይታ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዘቕርቦ ዝርርብ። ነቲ ኣብ እታው እዛ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዝርከብ ሓሳባት ኣቕርብ።
መዝሙር 5 (46)ን መዕጸዊ ጸሎትን
15 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 18 (162)
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነታ “ቀልጢፍካ ብጽሓዮም” ዘርእስታ ሳጹን ኣቕርባ። እቲ S-70 ዝበሃል ወረቐት እንተልዩ ኣርእዮም።
15 ደቒቕ:- ናይ ብሕቲ መጽናዕቲ ኽፍሊ ኣምልኾና እዩ። ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 14-15: ቍጽሪ 6-10 ተመርኲስካ ዝቐርብ ዝርርብ።
20 ደቒቕ:- “ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ሓግዞም።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ነቲ ኣብ 1 መስከረም 2003 ኣብ እትጅምር ሰሙን ዝነበረ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ዝቐረበ: ብዝያዳ ትጉሃት ንኽንከውን ዘርኢ ሓያሎ ተመክሮታት ዝሓዘ “ተመሊስካ ንኽትበጽሕ ዝኣተኻዮ መብጽዓ ትሕሉ ዲኻ፧” ዘርእስቱ ኽፍሊ ብምጥቃስ ጀምር። ድሕሪኡ “ካብ ሽዑ ኣትሒዝና ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ወርሒ ኣብዚ መዳይ እዚ ምምሕያሽ ጌርናዶ፧” ኢልካ ሕተት። ካብኡ በቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ጌርኩም ነታ ዓንቀጽ ተመያየጡላ። ነቲ ኣብ ናይ መጋቢት 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ገጽ 3 እትርከብ ሳጹን ዝወጸ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ዝሕግዝ ዝርዝር ነጥብታት ግለጾ።
መዝሙር 8 (53)ን መዕጸዊ ጸሎትን
22 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 16 (143)
12 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። በቲ ኣብ ገጽ 10 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ እትቕጽል ሰሙን ብዛዕባቲ ቅድመ-ሕክምናዊ መምርሒ/ካብ ተሓታትነት ናጻ ዝገብር ካርድ ምይይጥ ክግበር: እዚ ካርድ እዚ ድማ ክዕደል ብምዃኑ ፍልይ ዝበለ ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ኸም ዝህልወና ኣዘኻኽር።
15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
18 ደቒቕ:- “ነቶም ብቑዓት ዘበሉ ኣናዲ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ኣብ ከባቢኹም ነዚ ብኸመይ ከም እትዓዩሉ ግለጽ። ሰባት መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ቤቶም ዝርከቡ መዓስ እዮም፧ ኣብ ኣጋ ዕራርቦ ጸሓይ ወይ ኣጸቢቑ ኸይመሰየ ምግልጋል እንታይ ፍረ ኣፍርዩ፧ ነቶም ሳሕቲ ኣብ ቤቶም ዝርከቡ ሰባት ንምርካብ እንታይ ሜላታት ክንጥቀም ንኽእል፧
መዝሙር 4 (43)ን መዕጸዊ ጸሎትን
29 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 23 (200)
5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኵሎም ኣስፋሕቲ ናይ ታሕሳስ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣተባብዓዮም። ኣብ ጥሪ ዝዕደል ጽሑፍ ጥቐስ። ኣብ በዓላት ፍሉይ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ኸም ዝግበር ግለጽ።
17 ደቒቕ:- ጻዕርኹም ከንቱ ኣይኰነን። (1 ቈረ. 15:58) ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ንነዊሕ ዓመታት ንጡፋት ኰይኖም ዘገልገሉ ኣስፋሕቲ ብዛዕባቲ ጥንቲ ዝግበር ዝነበረ ዕዮ ስብከት ንኸዘንትዉ ኣቐዲምካ ኣዳልዎም። ክንደይ ዝኣኽሉ ናብ ጉባኤ ይመጹ ነይሮም፧ እታ ጉባኤ ኽንደይ ዝኣክል ዞባ ተመዲቡላ ነይሩ፧ ሰባት ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብኸመይ ይቕበልዎ ነይሮም፧ እንታይ ዓይነት ምጽራር ኣጋጢሙኩም፧ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት እቲ ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ከባቢና ብኸመይ እዩ ዕቤት ገይሩ፧
23 ደቒቕ:- ንሕክምና ብዝምልከት ዘጋጥም ጸገማት ብምትእምማን ምብዳሁ። ሓደ ብቕዓት ዘለዎ ሽማግለ በቲ ኻብ ጨንፈር ቤት ጽሕፈት እተላእከሉ ጽሑፍ ገይሩ ዘቕርቦ ዝርርብ። ካብታ “ካብ ደም ንኽንክልከል ዝሕግዘና ምድላው” ዘርእስታ ሳጹን ቀንዲ ነጥብታት ኣጕልሕ።
መዝሙር 22 (130)ን መዕጸዊ ጸሎትን
5 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 11 (85)
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ከምኡውን “ዜና ህንጸት”።
17 ደቒቕ:- ኣብታ ናይ 15 ለካቲት 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 3ን 4ን እትርከብ “መመስገንቲ ክንከውን ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧” ዘርእስታ ዓንቀጽ ዝምርኰስ ምስቲ ኸባቢ ብምትሕሓዝ ዝቐርብ ዝርርብ።
20 ደቒቕ:- ንኻልኦት ንምምሃር ብቕዓት ዘሎካ ምዃን። ኣብ ናይ 1 ሰነ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 16-17: ቍጽሪ 9-13 ተመርኲስካ ዝቐርብ ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ንሰባት ብዝግባእ ምምሃር ኣብ ኣገልግሎት ዘሎና ቐዳማይ ሸቶ እዩ። ነቶም ኣባጊዕ መሰል ዝዀኑ ሰባት ንምሕጋዝ: ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብንጹርን ብዝትንክፍን መገዲ ኸነመሓላልፈሎም ኣሎና። ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ተመያየጡሉ:- (1) ኣብ መንጎ ምስባኽን ምምሃርን እንታይ ፍልልይ ኣሎ፧ (it-2 ገጽ 672 ሕጡብ ጽሑፍ 2) (2) ገሊኣቶም መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምምራሕ ዘፍርሆም ስለምንታይ እዩ፧ (3) ናይ ምምሃር ክእለትና ብኸመይ ከነመሓይሾ ንኽእል፧ (4) እቲ መጽናዕቲ ዝመርሕ ኣስፋሒ ነዊሕ ግዜ ኽወስድ ዘይብሉ ስለምንታይ እዩ፧ (5) ጥቕስታት ኣብ ግብሪ ብኸመይ ከም እነውዕሎ ኽንገልጽ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (6) እቲ ተማሃራይና ነቲ ዝመሃርናዮ ኸም እተረድኦ ብኸመይ ከነረጋግጽ ንኽእል፧ (7) ኣብ መጀመርታን መወዳእታን መጸናዕቲ ነቲ ነጥብታት ደጊምካ ምምርማር እንታይ ጥቕሚ ኣለዎ፧ (8) እቲ ተማሃራይ ኣብ ምንታይ ሸቶ ንኽበጽሕ ኢና ኽንድግፎ ዘሎና፧ (9) ሓድሓደ ግዜ ተመክሮ ንዘለዎም ሽማግለታት ናብቶም ዕቤት ዝገብሩ ዘለዉ ተማሃሮ ምውሳዶም ጽቡቕ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧ (10) ምስ ሓደ ሽማግለ ዄንካ መጽናዕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክትመርሕ ከለኻ: ናይ ግድን በብተራ ኽትመርሕ እኳ እንተ ዘይብልካ: ኣብ ገሊኡ ኣጋጣሚታት ግን ነቲ ሽማግለ እተወሰነ ኽፋል ከም ዝመርሕ ምግባሩ ጠቓሚ ዝዀነ ስለምንታይ እዩ፧
መዝሙር 2 (15)ን መዕጸዊ ጸሎትን