ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/03 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 12 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
  • 19 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
  • 26 ግንቦት እትጅምር ሰሙን
  • 2 ሰነ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 5/03 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

12 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 9 (37)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። በቲ ኣብ ገጽ 8 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ። ብዛዕባ ወፈያ ኸኣ ይጠቐስ።

20 ደቒቕ:- ወለዲ​—⁠ንውሉዳትኩም ምምሕያሽ ክገብሩ ሓግዝዎም። ነቲ ኣብታ ሚኒስትሪ ስኩል እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 9-12 ከምኡውን 21-38 ዝርከብ ቀንዲ ነጥብታት ዝገልጽ ዝርርብ። ነቶም ወለዲ ንውሉዳቶም ኣብ ኣገልግሎት ምምሕያሽ ንኽገብሩ ሸቶ ብምውጻእ ነዚ ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዘሎ ሓሳባት ኣብ ናይ ስድራ​ቤት መጽናዕቶም ክጥቀሙሉ ኣተባብዓዮም። ንንኣሽቱ ውሉዳት ዘድልዮም ክእለት ንኸማዕብሉ ዝሕግዞም ነጥብታት ጥቐስ።

15 ደቒቕ:- “እቲ ብስራት ሕድሪ ተዋሂቡና።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ሓደ ወይ ክልተ ኣስፋሕቲ ኣብ ዕዮ ስብከት ዘበርክትዎ እጃም ንምዝያድ ብኸመይ ብሕታዊ ዅነታቶም ከም ዘተዓራረዩ ኣሕጽር ኣቢሎም ንኽገልጹ ኣቐዲምካ ኣዳልዎም።

መዝሙር 5 (46)ን መዕጸዊ ጸሎትን

19 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 8 (53)

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ነታ “ኣብ ገሊኣተን ሃገራት ኣውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣቕርባ። ኣብተን ከም ሃገርና ዝኣመሰላ ዓቕመን ድሩት ዝዀና ሃገራት ኰነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ዝህነጽ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ በቲ ንማዕከን ኣደራሽ መንግስቲ ዝግበር ወፈያ ኸም ዝካየድ ጥቐስ።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

15 ደቒቕ:- “ኣብዚ ግዜና ኻብ ቤት ናብ ቤት ምኻድ ካብ ዝጅመር ሚእቲ ዓመት ገይሩ​—⁠ንስኻኸ እጃምካዶ ተበርክት ኣለኻ፧” ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን።

መዝሙር 20 (93)ን መዕጸዊ ጸሎትን

26 ግንቦት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 16 (143)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ግንቦት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽር። ነቲ ናይ ጉባኤኹም ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ጥቐስ። በቲ ኣብ ገጽ 8 ዝርከብ ሓሳባት ጌርካ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ብኸመይ ከም ዝዕደላ ዘርኢ ኽልተ እተፈላለየ መርኣያታት ከም ዝቐርብ ግበር። ኣብ ክልቲኡ መርኣያታት ንሓዲአን ጥራይ ኣቀራርባ ዝግበር እኳ እንተዀነ: ክልቲአን ብሓንሳእ ንምብርካት ጻዕሪ ኽግበር ኣለዎ። ኣብ ሓዲኡ ኻብዚ መርኣያታት: ነታ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝያዳ ኽትፈልጥ ትደሊዶ፧ ዘርእስታ ትራክት ንሓደ መጽሔትና ዘይተቐበለ ብዓል ቤት ክትወሃቦ ኸላ ዘርኢ ክኸውን ኣለዎ።

15 ደቒቕ:- ሕቶ ሳጹን። ዝርርብ። ኣብቲ ዞባኹም ኣብ ናይ ተሌፎን ምስክርነት ውጽኢታዊ ዝዀነ ገለ መእተዊታት ኣሕጽር ኣቢልካ ጥቐስ።

20 ደቒቕ:- “ቃል ኣምላኽ ሓቂ እዩ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ነቲ ኣብኡ ዘሎ ሕቶታት ተጠቐም። ነቶም ሰማዕቲ ኣብ ሓቂ ቕድሚ ምምጻኦም ዝነበሮም ሕቶታት ንምምላስ ካልኦት ኣስፋሕቲ መጽሓፍ ቅዱስ ምስ ተጠቕሙ: ሓቂ ንኽፈልጡ ብኸመይ ከም እተሓገዙ ኽገልጹ ዓድሞም። ቍጽሪ 6 ኽትመያየጡላ ከለኹም: ሓደ ኽኢላ ኣስፋሒ በቲ ኣብታ “ንቓል ኣምላኽ ብግቡእ ኣማቕል” ዘርእስታ ዓንቀጽ (km 12/01 ገጽ 1 ቍ. 3-4) ዘሎ ሓሳባት ገይሩ ኣብ መጀመርታ ምብጻሕ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብኸመይ ከም ዝጥቀመሉ መርኣያ ኸም ዘቕርብ ግበር።

መዝሙር 6 (45)ን መዕጸዊ ጸሎትን

2 ሰነ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 28 (224)

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ ጥሪ 2002 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እታው ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹርን ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍን ንምዕዳል ዘኽእል ሓደ ወይ ክልተ መእተዊታት ጥቐስ።

20 ደቒቕ:- ኣምላኽ ንመውስቦ ኽቡር ክኸውን እዩ ዝደልዮ። ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሰብኣይን ሰበይትን ከይተመርዓዉ ብሓባር ምንባር ልሙድ ኰይኑ ኣሎ። ገሊኣቶም እዚ ብዙሕ ጥቕሚ ኸም ዘለዎ ይገልጹ። መውስቦ ኣምላኽ ዝመስረቶ ምዃኑ ብምጥቃስ: መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ኣረኣእያ ኸም ዘለዎ ኣጕልሕ። (rs ገጽ 248-9 እንግሊዝኛ) ከይተመርዓኻ ተኣኻኺብካ ምንባር ምንዝር እዩ። (fy ገጽ 17) ከምቲ ብዙሓት ሰባት ዝኣምኑሉ ዘይኰነስ: ካብ መጽናዕትታት ከም እተራእየ ቅድሚ መርዓ ተኣኻኺበካ ምንባር ነቲ ሓዳር ዕዉት ንክኸውን ዘለዎ ኣጋጣሚ የጽብቦ እዩ። (g02 8/3 ገጽ 29፣ g92 8/9 ገጽ 28፣ g91 8/5 ገጽ 28 [እንግሊዝኛ]) ክርስትያናት ንስርዓታት የሆዋ ብምሕላው ንየሆዋ የኽብርዎ እዮም። ከምዚ ኽገብሩ ኸለዉ ኸኣ ንርእሶም እዮም ዝጠቕሙ።​—⁠ኢሳ. 48:17, 18

15 ደቒቕ:- እንታይ ጥቕሚ ትረኽቡ ኣለኹም፧ ብናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዝቐርብ ዝርርብ። ካብ ጥሪ ኣትሒዙ ሓድሽ መደባት ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ተጀሚሩ ኣሎ። ገለ ኻብቲ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝቐርብ ሓድሽ መደባት ኣሕጽር ኣቢልካ ጥቐስ። ክሳዕ ሕጂ እተራእየ ኣወንታዊ ጐድንታት ኣጕልሕ። ካብ ቅድም ዝበዝሑዶ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተመዝጊቦም፧ ብዝያዳዶ ተሳትፎ ይገብሩ ኣለዉ፧ እቶም ተማሃሮ ኻብቲ ሓድሽ ምኽሪ ዝወሃበሉ ምድላው እንታይ ይጥቀሙ ኣለዉ፧ ሰማዕቲ ኽሳዕ ሕጂ ብብሕቶም እንታይ ከም እተጠቕሙን እዚ ሓድሽ መደብ ኣብ መጻኢ ብኸመይ ክሕግዞም ከም ዝጽበዩን ክገልጹ ዓድሞም።

መዝሙር 17 (187)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ