ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 5/03 ገጽ 1
  • እቲ ብስራት ሕድሪ ተዋሂቡና

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • እቲ ብስራት ሕድሪ ተዋሂቡና
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ‘ሰናይ ምብሳር’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2005
  • ቀዳምነት እትህቦ እንታይ እዩ፧
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
  • ንዅሎም ሰባት ዜድልዮም ብስራት
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2011
  • ስብከት—ክቡር መሰል
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2003
km 5/03 ገጽ 1

እቲ ብስራት ሕድሪ ተዋሂቡና

1 እቲ ብስራት ሕድሪ እተዋህበና ምዃንናስ ኣየ ኸመይ ዝበለ ኽብሪ ዀን እዩ ዝስምዓና! (1 ተሰ. 2:4) ገሊኣቶም ነዚ ሓያል መልእኽቲ ዘይቅበልዎ እኳ እንተዀኑ: ነቶም ቅኑዕ ዝልቦም ሰባት ግን ልክዕ ከም ምኡዝ ሽታ ይስሕቦም እዩ። (2 ቈረ. 2:14-16) እቶም ነቲ ብስራት ዝቕበልዎን ዝእዘዝዎን ድሕነት ይረኽቡ እዮም። (ሮሜ 1:16) ነዚ ሕድሪ ተዋሂቡና ዘሎ ብስራት እንታይ ኢና ኽንገብሮ ዘሎና፧

2 የሱስን ሃዋርያትን:- የሱስ ነቲ ብስራት ምስባኽ ቀዳምነት ይህቦ ነበረ። (ሉቃ. 4:​18, 43) ደኺሙን ጠምዩን ኣብ ዝነበረሉ እዋን እውን ከይተረፈ: ንሰባት ዘለዎ ፍቕርን ነቲ መልእኽቲ ዝነበሮ ኣኽብሮትን ንኻልኦት ንኽምህሮም ይድርኾ ነይሩ እዩ። (ማር. 6:30-34) ብእተዛረቦን ዝገበሮን ነገራት ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ኣገዳስነት ዕዮ ስብከት መንግስቲ ኣምላኽ ኣስረጸሎም።​—⁠ማቴ. 28:​18-​20፣ ማር. 13:10

3 እቶም ሃዋርያት ኣብነት የሱስ ብምስዓብ ንመልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብቕንኣት ሰበኹ። ምስ ተገርፉን ስብከት ከቋርጹ ምስ ተኣዘዙን እውን ከይተረፈ: “ብስራት የሱስ ክርስቶስ ምምሃርን ምስባኽን ኣየብኵሩን ነበሩ።” (ግብ. 5:40-42) ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ ዕዮ እዚ ኸይተሓለለ ዓየየ። (1 ቈረ. 15:9, 10፣ ቈሎ. 1:29) ነቲ ብስራት ምስባኽ ንብጻይካ ኸም ዝኽፈል ዕዳ ገይሩ ገሊጽዎ ኣሎ: ነዚ ንምፍጻም ናይ ብሕቲ ምሾቱ ንምስዋእ እውን ድሉው ነበረ።​— ግብ. 20:24፣ ሮሜ 1:​14-16

4 ረኺብናዮ ዘሎና ፍሉይ መሰል:- ነቲ ሕድሪ እተዋህበና ቕዱስ መዝነት ሞሳ ምስ ዝህልወና: ኣብ ስብከት እነበርክቶ እጃም እነስፍሓሉ መገዲ ንኸነናዲ ይድርኸና። (ሮሜ 15:16) ሓደ ብሰንኪ ስንክልናኡ ብብሽክለታ ስንኩላን ዝንቀሳቐስ ኤድዋርድ ዝበሃል ሓው: ኣብ ኣፍደገ ሆቴል ኮፍ ኢሉ ነቶም ዝመጹ ኣጋይሽ ብዛዕባ እምነቱ ይነግሮም ነበረ። ካብዚ ዝዛይድ ክገብር ስለ ዝደለየ: ማኪናኡ ፍልይ ዝበለት ጌርካ ኸም እትስራሕ ገበረ እሞ በዛ ማኪና እዚኣ ገይሩ ንብዙሕ ዓመታት ፓይነር ኰይኑ ኣገልገለ። እዚ ኽገብር ከሎ በሽሓት ዝቝጸር ኪሎ ሜተር ይጐዓዝ ነበረ። ልክዕ ከም ኤድዋርድ: ብዙሓት ክርስትያናት ኵነታቶም ብምትዕርራይ ነቲ ብስራት ኣብ ምዝርጋሕ ዝያዳ ኣበርክቶ ይገብሩ ኣለዉ።

5 ንሕናውን ኣብነት የሱስን ሃዋርያቱን ብምስዓብ: ንዕዮ ስብከት ወትሩ ቐዳምነት ንሃቦ። በዚ ኸምዚ ኸኣ ንሰባት ዘሎና ፍቕርን ነቲ ሕድሪ እተዋህበና ብስራት ዘሎና ሞሳን ነርኢ።

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ