ኣብ ገሊኣተን ሃገራት ኣውሮጳ ዝካየድ ዘሎ ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ
1 ቅድሚ እተወሰነ ዓመታት ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣውሮጳ: እንተላይ ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ዝካየድ ዕዮ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ተኣጊዱ ነይሩ። መብዛሕትኡ እቲ እገዳታት ተሪር እዩ ነይሩ። ብግህዶ ኣኼባታት ምግባር ኣጸጋሚ ክኸውን ከሎ: ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ምጥቃም እሞ ዳርጋ ዘይሕሰብ እዩ ነይሩ። ኣብዚ ቐረባ ዓመታት ግን “እግዚኣብሄር ዓብዪ ግብሪ ገበረልና: ንሕናውን ተሐጐስና።”—መዝ. 126:3
2 ካብ 1983 ኣትሒዙ: ኣብ ልዕሊ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝነበረ ጭቈና ኽፈኵስ ጀመረ። ብ1989 ፖላንድን ሃንጋሪን ንናይ የሆዋ መሰኻኽር ሕጋዊ ተፈላጥነት ክረኽቡ ፈቐዳሎም። ብ1991 ኣብ ሩስያ ዝርከቡ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ብሕጋዊ መገዲ ኽምዝገቡ ተፈቕደሎም። ካብቲ ግዜ እቲ ኣትሒዙ ኣብ ሩስያን ሪፓብሊካት ሕብረት ሶቭየት ነበርን እቲ ዕዮ እናሰፍሐ ይኸይድ ኣሎ። ካብ መጋቢት 1996 ክሳዕ ጥቅምቲ 1998 ኣብ ዘሎ እዋን: ኣመሓዳሪ ኣካል እተን ን11 ሃገራት ኣውሮጳ ዘመሓድራ ዘለዋ ጨንፈር ኣብያተ-ጽሕፈት ዘቕረባኦ ን359 ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ዝኸውን ልቓሕ ኣጽደቐ።
3 ኣብዚ እታው እዚ ዘሎ ስእልታት ክትርኢ ኸለኻ: ነቲ የሆዋ ንህዝቡ ዝገብረሎም ዘሎ ዓብዪን ዘደንቕን ነገራት ኣስተንትነሉ። (መዝ 136:4) እቲ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ኣሕዋት ዝህብዎ ወፈያ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ኸም ዝወዓለ ምፍላጥካ ኸሐጕሰካ እዩ። እዚ ድማ ነቲ የሱስ ኣብ ዮሃንስ 13:35 “ነንሓድሕድኩም ፍቕሪ እንተላትኩም: በዚ ደቀ መዛሙርተይ ምዃንኩም ኵሉ ኺፈልጥ እዩ” ብምባል እተዛረቦ ዘርኢ እዩ።
4 ሓንቲ ኻብተን ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ኣብ ምህናጽ ሓገዝ ዝወሃበን ዘሎ ዓቕመን ድሩት ዝዀና ሃገራት ኣውሮጳ: ሩማንያ እያ። ኣብዛ ሃገር እዚኣ ኻብ ሓምለ 2000 ኣትሒዙ 36 ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተሃኒጹ ኣሎ። ኣብ ዩክረይን ዳርጋ ንዅሉ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ሓደ ዓይነት ንድፊ ብምጥቃም ኣብ 2001 61: ኣብ 2002 ከኣ 76 ኣደራሻት ተሃኒጹ። ንማዕከን ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ብእተገብረ ወፈያ ኣቢሉ: ኣብ ማሰዶንያ: ሞልደቭያ: ሩስያ: ቡልጋርያ: ክሮአሽያ: ከምኡውን ዩጎስላቭያ በማእታት ዝቝጸር ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ተሃኒጹ ኣሎ።
5 ኣብ ገሊአን ሃገራት ብሰንኪ ዘሎ ሕጋዊ ጕዳያት ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ምህናጽ ቀሊል ኣይኰነን: ናይ ሓቂ ህንጸት ቅድሚ ምጅማሩ ብዙሕ ድኻም ይሓትት። መብዛሕትኡ ግዜ እቲ መስርሕ ብዙሕ ግዜ ዝወስድ እዩ። ብዘይካዚ: ኣብ ኣውሮጳ ዝህነጽ ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ ካብቲ ኣብ ዝበዝሕ ክፍልታት ኣፍሪቃ ዀነ ደቡብ ኣመሪካ ዝህነጽ ዝበዝሕ ገንዘብ እዩ ዘውጽእ። ይኹን እምበር: እቶም ንየሆዋ ዘምልኹ ኣዝዮም እናበዝሑ ይኸዱ ብምህላዎም: ኣብተን ብዙሕ ሃብታማት ዘይኰና ሃገራት ኣውሮጳ ብሕጂውን በማእታት ዝቝጸር ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ይድለ ኣሎ።
6 ኣብ ህንጸት ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ከምዚ ዝኣመሰለ ቕልጡፍ ዕቤት ክርአስ ክሳዕ ክንደይ ዘደንቕ ኰን እዩ! ከምቲ ኻብ ሓያሎ ተመክሮታት እተራእየ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ክህነጽ ከሎ ነቲ ኸባቢ ጽቡቕ ምስክርነት እዩ ዝህብ። ኣብ ገሊኡ ቦታታት ኣብቲ ዓዲ ዝርከቡ ሰበ-ስልጣን በቲ ናይ ህንጸት መምርሒ ንምስዓብ ዝረኣይዎ ናይ ምትሕብባር መንፈስ ተደኒቖም እዮም።
7 ኢሳይያስ ብዛዕባ ኣብዚ ግዜና ዘሎ ዕዮ ስብከት ጽቡቕ ገይሩ ተነብዩ ነይሩ። በዚ ነብዪ እዚ ኣቢሉ ኣምላኽ “ኣነ እግዚኣብሄር ነዚ ብጊዜኡ ቐልጢፈ ኽገብሮ እየ” ኢሉ ተነበየ። (ኢሳ. 60:22) ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመት ኣቢሉ የሆዋ ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ ወሰኽ ከም ዝህሉ ገይሩ እዩ። ነቲ ማዕከን ኣደራሽ መንግስቲ ብዝያዳ ደገፍና ብምሃብ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ህንጸት ኣደራሽ መንግስቲ ንምቅልጣፍ እንገብሮ ጻዕርታት ብሕጂውን የሆዋ በረኸቱ ከፍስሰሉ እዩ ትምኒትና! በዚ ኸምዚ ኸኣ ኣብተን ዓቕመን ድሩት ዝዀና ሃገራት ሓያሎ ኣደራሻት መንግስቲ ኣምላኽ ይህነጽ። እቲ ንጹህ ኣምልኾ ኣብ ብዙሕ ክፍልታት ኣውሮጳ ንኽዓብን “ክሳዕ ወሰን ምድሪ” ዝያዳ ምስክርነት ንኽወሃብን ድማ ኣበርክቶ ይገብር።—ግብ. 13:47
[ኣብ ገጽ 3 ዘሎ ስእሊ]
ሓደስቲ ኣደራሻት መንግስቲ ኣብ ምብራቓዊ ኣውሮጳ
ኣደራሽ መንግስቲ ኣምላኽ
ሞስኮ: ሩስያ
ስትሩሚትሳ: ማሰዶንያ
ዳሩቫር: ክሮአሽያ
ሶካል: ኣውራጃ ለቪፍ: ዩክረይን
ቢቶላ: ማሰዶንያ
ምላደስት: ቡልጋርያ
ፕሎቭዲፍ: ቡልጋርያ
ኩርድዚፕስኮይ: ማይኮፕ: ሩስያ
ባትችካ ፔትሮቫትዝ: ዩጎስላቭያ
ትሉማክ: ኣውራጃ ኢቫኖ-ፍራንኪቭስክ: ዩክረይን
ራቫ-ሩስካ: ኣውራጃ ለቪፍ: ዩክረይን
ስታራ ፓዞቫ: ዩጎስላቭያ
ዘኒትሳ: ቦዝንያን ሀርዞጎቪናን
ሶካል: ኣውራጃ ለቪፍ: ዩክረይን
ዢዳቺቨ: ኣውራጃ ለቪፍ: ዩክረይን