ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/01 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 12 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
  • 19 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
  • 26 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
  • 3 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 11/01 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

12 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 11 (85)

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጸ ምልክታታት። ናይታ ጉባኤ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኣቕርቦ።

15 ደቒቕ:- “ሓይሊ ንምርካብ ኣብ የሆዋ ተወከል።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ነቲ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 18-19 ቍጽሪ 6-8 ዝርከብ ሓሳባት እውን ኣሕጽር ኣቢልካ ኣቕርቦ።

22 ደቒቕ:- “ንፍቕሪ የሆዋ ሞሳ ብምርኣይ ዝርከብ በረኸት​—⁠1ይ ክፋል።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ቍጽሪ 3-6 ክትመያየጠለን ከሎኻ: እቶም ሰማዕቲ ኻብ ቤት ናብ ቤት ብምኻድ: ኣብ መገዲ ምስክርነት ብምሃብ: ተመላሊስካ ምብጻሕ ብምግባር: ከምኡውን ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ብምምራሕ ዝረኸብዎ ዘተባብዕ ተመክሮታት ከዘንትዉ ሕተቶም።

መዝሙር 21 (191)ን መዕጸዊ ጸሎትን

19 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 18 (162)

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንእንገብሮ ምይይጥ ንምድላው ኵሎም ነታ ዩናይትድ ባይ ዲቫይን ቲቺን ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ንኽርእይዋ ኣተባብዓዮም። (ነቲ ምይይጥ ዝኸውን ሕቶታት ኣብ ናይ ታሕሳስ 2001 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኽወጽእ ኢዩ።)

15 ደቒቕ:- ነታ “ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም” ዘርእስታ ዓንቀጽ ተመያየጠላ።

22 ደቒቕ:- “ንልቦናኻ ኣዕብዮ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ሓደ ሽማግለ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ናይ ኣገልግሎት ዓመት እተወስደ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም ብውዕዉዕ ስምዒት ኣሕጽር ኣቢሉ የቕርቦ።

መዝሙር 13 (124)ን መዕጸዊ ጸሎትን

26 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 7 (51)

15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ሕዳር ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽር። ኣብታ “መጽሔታት ክንዕድል ከሎና እንታይ ከም እንብል” ዘርእስታ ዓንቀጽ ብዝርከብ ሓሳባት ገይርካ መጽሔት ብኸመይ ከም እንዕድል ዘርኢ ግቡእ ምድላው እተገብረሉ ኽልተ መርኣያ ኣቕርብ። ድሕሪኡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ነታ ንዘለኣለም ምንባር እትበሃል መጽሓፍ ኣብ እነበርክተሉ እዋን ዝጠቕመና ኣቀራርባታት ብኸመይ ክንረክብ ከም እንኽእል ግለጽ። ኣብቲ ዎች ታወር ፓብሊኬሽን ኢንደክስ ዘርእስቱ መሐበሪ (እንግሊዝኛ) “ኣቀራርባታት” ኣብ ዝብል ኣርእስቲ: “ብጽሑፋት እተሰርዐ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ ርአ። ሓደ ወይ ክልተ ኣብነታት ኣርእዮም። ነቲ ኣብ ገጽ 5 ዘሎ “ኣብ ኢንደክስ ኢዩ ዝርከብ” ዝብል ርአ።

15 ደቒቕ:- “ካበይ ኢየ ግዜ ዝረክብ፧” ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ካብ ናይ 1 ጥቅምቲ 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 20-1 “ገሊኦም ንንባብን መጽናዕትን ዝኸውን ግዜ ብኸመይ ከም ዝረኽቡ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ንኡስ ኣርእስቲ: ኣብ ቍጽሪ 9-10 ዝርከብ ቀንዲ ነጥብታት ኣቕርብ። ሰማዕቲ ዘየድሊ ንጥፈታት ብምውጋድ ንዝያዳ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ግዜ ክቝጥቡ ዝኸኣልሉ ተግባራዊ መገድታት ክገልጹ ዓድሞም። ንናይ ብሕትን ናይ ስድራ​ቤትን መጽናዕቲ: ንናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ንግራት ኣገልግሎት: ከምኡውን ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝኸውን ግዜ ኽንምድብ ከም ዘድሊ ኣጕልሕ።

15 ደቒቕ:- ንኣሽቱ ንየሆዋ ይውድስዎ ኣለዉ። ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ዝበዝሓ ጉባኤታት ኣብ ዕዮ ስብከት ዝካፈሉ ብዙሓት መንእሰያት ኣለዉወን። ዋላ እውን መብዛሕትኡ ግዜ ንዓበይቲ ሰባት ዝምስክሩ እንተዀኑ: እዚ ዘይግባእ ኣይኰነን። (መዝ. 148:⁠12, 13፣ ማቴ. 21:⁠15, 16) ወለድን ካልኦት ኣስፋሕትን ንነኣሽቱ ብምስልጣንን ብምትብባዕን ምስ ዝግደሱሎም: እቶም መንእሰያት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ብዙሕ ሓጐስ ክረኽቡ ኢዮም። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝግበር ኣገልግሎት ወይ ኣብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንነኣሽቱ ኸነካፍለሉ እንኽእል መገድታት ንኽገልጹ ነቶም ሰማዕቲ ዓድሞም። ውሉዳት ብኸመይ መጽሔታት ከም ዘበርክቱ: ብኸመይ ንመጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኣቀራርባኦም ከም ዝጥቀምሉ: ከምኡውን ካብ ቤት ናብ ቤት ኣብ ዝኸዱሉ እዋን ብኸመይ ብምትእምማን ከም ዝዛረቡ ንምሕጋዝ ወለዲ እንታይ ከም ዝገበሩ ኽገልጹ ዓድሞም። ንውሉዳት ምንኣዶም ብዙሕ ከም ዝጠቅም ኣጕልሕ። ንሓደ ወይ ክልተ ንኣሽቱ ኣስፋሕቲ ቓለ⁠-​መጠይቕ ግበረሎም እሞ: ኣብ ዕዮ ስብከት እንታይ ባህ ከም ዝብሎምን ስለምንታይ ከምኡ ኸም ዝስምዖምን ክገልጹ ኣጋጣሚ ሃቦም።

መዝሙር 27 (221)ን መዕጸዊ ጸሎትን

3 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 3 (32)

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

17 ደቒቕ:- ገለ ካብ ትሕዝቶታት መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ)። ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ኣብዛ መጽሓፍ እዚኣ ዝርከብ እተፈላለየ ነጥብታት ንትምህርትታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ምግላጽ ክሳዕ ክንደይ ጠቓሚ ምዃኑ እሞ ርአ:- ንኸም “መንግስቲ ኣምላኽ” (ገጽ 225-6) ወይ “መንፈስ” (ገጽ 380) ዝኣመሰለ ስያመ ተዋሂብዎ ዘሎ ትርጕም፣ ስም ኣምላኽ (ገጽ 191-3) ወይ ሲኦል (ገጽ 169-70) ኣብ እተፈላለየ ትርጕማት መጽሓፍ ቅዱስ ኣበይን ብኸመይን ተጠቒሱ ኸም ዘሎ፣ ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ብዛዕባ ዝፈልየና እምነታት (ገጽ 199-201) ወይ ሓደ ሰብ ብኸመይ ቅኑዕ ሃይማኖት ክረክብ ከም ዝኽእል ዝገልጽ (ገጽ 328-30) ዝርዝር ነጥብታት፣ ብዛዕባ መበቈል በዓል ልደት (ገጽ 176-8) ወይ ብዛዕባ ገለልትነት ቀዳሞት ክርስትያናት ዝገልጽ (ገጽ 273-5) ታሪኻዊ ድሕረ⁠-​ባይታ፣ ብፍጥረት ከም ዝመጻእና ዝድግፍ (ገጽ 85-6) ወይ ማሪዋናን ትምባኾን ጐዳኢ ምዃኑ ዝገልጽ (ገጽ 108-11) ስነ⁠-​ፍልጠታዊ መርትዖ። ኣስፋሕቲ ነዚ ንምምሃር ዝሕግዝ ጠቓሚ መሳርሒ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ኣጋጣሚ ኣብ ዝረኸቡሉ ዘበለ ንኽጥቀሙሉ ኣተባብዕ።

20 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

መዝሙር 25 (204)ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ