ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 11/01 ገጽ 1
  • “ካበይ ኢየ ግዜ ዝረክብ፧”

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • “ካበይ ኢየ ግዜ ዝረክብ፧”
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንንባብን መጽናዕትን ዝኸውን ግዜ ምዕዳግ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2000
  • ብመንፈስ ኣጸቢቕካ ትምገብዶ ኢኻ፧
    መንግስቲ የሆዋ ይእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—1997
  • ምቹእ ግዜ ብኸመይ ከም ዝዕደግ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1996
  • ህይወትኩም ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ከም እተተኵር ግበርዋ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2001
km 11/01 ገጽ 1

“ካበይ ኢየ ግዜ ዝረክብ፧”

1 ናብራና ብእተፈላለየ ጕዳያት እተዋጠረ ስለ ዝዀነ: ብዙሓት ሰባት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዘሎ ኢሎም የማርሩ ኢዮም። ግዜ ካብ ኵሉ ንላዕሊ ዝኸበረን ቀልጢፉ ዝሓልፍን ጥሪት ምዃኑ ይዝረበሉ ኢዩ። ስለዚ: ነቲ ኸም ቃል ኣምላኽ ምንባብን ምጽናዕን ዝኣመሰለ ብሓቂ ኣገዳሲ ዝዀነ ነገራት ዘድሊ ግዜ ኻበይ ኢና ኽንረክብ እንኽእል፧​—⁠ፊል. 1:⁠10

2 መፍትሒኡ ዝያዳ ግዜ ንኽትረክብ ምጽዓር ዘይኰነስ: ኣብታ ዘላትና ግዜ እንታይ ኽንገብር ከም ዘሎና ምውሳን ኢዩ። ኵላትና ኣብ ሰሙን 168 ሰዓታት ኣሎና: ካብዚ እቲ 100 ዝኸውን ኣብ ድቃስን ስራሕን ኢና እነሕልፎ። ስለዚ ነቲ ተሪፉ ዘሎ ሰዓታት ብኸመይ ኣብ ጽቡቕ መዓላ ኸነውዕሎ ንኽእል፧ ኤፌሶን 5:⁠15-17 ‘ፍቓድ ጐይታ እንታይ ምዃኑ እናስተውዓልና ግዜ ብምዕዳግ: ከም ለባማት እምበር: ከም ዓያሱ ዘይኰነ’ ብጥንቃቐ ኽንመላለስ ትላበወና። እዚ ኸኣ ነቲ የሆዋ ኣድላዪ ኢዩ ዝብሎ ነገራት ንምግባር ንዅሉ ኣጋጣሚታት ምሉእ ብምሉእ ኽንጥቀመሉ ኸም ዘሎና ዝሕብር ኢዩ።

3 የሱስ ንግዜና ምስ ግዜ ኖህ ኣመሳሲልዎ ኢዩ። (ሉቃ. 17:⁠26, 27) ኣብቲ ግዜ እቲ ዝነበሩ ሰባት በቲ ኣብ መዓልታዊ ናብርኦም ዝገብርዎ ንጥፈታት ተዋሒጦም ነበሩ። ይኹን እምበር: ኖህ ሓንቲ ዓባይ መርከብ ንኽሰርሕን ጽድቂ ንኽሰብኽን ግዜ ረኺቡ ኢዩ። (እብ. 11:⁠7፣ 2 ጴጥ. 2:⁠5) ብኸመይ፧ ንፍቓድ ኣምላኽ ቀዳምነት ብምሃብን ከምቲ እተኣዘዞ ‘ከምኡ ብምግባርን’ ኢዩ።​—⁠ዘፍ. 6:⁠22

4 ቀዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ እንታይ ኢዩ፧ የሱስ “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ ኵሉ ቓል እምበር: ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን” ኢሉ ኢዩ። (ማቴ. 4:⁠4) ኣብ ሰሰሙን: መንፈሳዊ ‘ቐለብና በብግዜኡ’ ይወሃበና ኢዩ። (ሉቃ. 12:⁠42) ካብዚ ብሓቂ ኽንጥቀም እንተድኣ ዄንና: ንዅሉ እቲ ትምህርቲ ኣብ ልብና ምእንቲ ኽሰርጽ ናይ ብሕቲ ስሩዕ መደብ ንባብን መጽ​ናዕትን ምግባር ይሓተና ኢዩ። ንመንፈሳዊ መግቢ ሞሳ ስለ ዘሎና: ከምቲ ንእግረ መገድኻ ዝብላዕ ዓይነት ስጋዊ መግቢ ብሃታ​ሃታ ኽንምገቦ ኣይንደልን ኢና። ኣብ ክንድኡስ: እቲ ዘሎና ሞሳ ንመንፈሳዊ ነገራት ግዜ ወሲድና ንኸነጽንዖን ንኸነስተማቕሮን ይድርኸና ኢዩ።

5 መንፈሳዊ መግቢ ምምጋብ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ክመርሕ ይኽእል ኢዩ። (ዮሃ. 17:⁠3) ኣብ መዓልታዊ መደባትና ቐዳምነት ክወሃቦ ዝግባእ ኢዩ። ንመዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስን ንክርስትያናዊ ኣኼባታት ንምድላውን ግዜ ኽንረክብ ንኽእል ዲና፧ እወ: ንኽእል ኢና። ከምዚ እንተ​ድኣ ገይርና: ፍቓድ ኣምላኽ ካብ ምፍላጥን ምግባርን ዝመጽእ “ዓብዪ ኻሕሳ” ኽንረክብ ኢና።​—⁠መዝ. 19:⁠7-11

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ