ንልቦናኻ ኣዕብዮ
1 እዚ ዘለናሉ ዘጨንቕ እዋን ናይዘን ዳሕሮት መዓልትታት: ኣብ ብዘላ ዓለም ንዝርከቡ ህዝቢ ኣምላኽ ተወሳኺ ጸቕጥታትን ከቢድ ፈተናታትን ኣምጺእሎም ኢዩ። (2 ጢሞ. 3:1-5) ኵላትና ኣብ እምነትና ንኽንጸንዕ ምትብባዕ የድልየና ኢዩ። (1 ቈረ. 16:13) ነዚውን ስርዓታዊ ዄንና ቃል ኣምላኽ ብምምጋብ: ኣብ መንፈሱ ብምውካል: ከምኡውን ምስ ማሕበሩ ጠቢቕና ብምምልላስ ብሓገዝ የሆዋ ኽንገብሮ ንኽእል ኢና።—መዝ. 37:28፣ ሮሜ 8:38, 39፣ ራእ. 2:10
2 ስለዚ ኸኣ ኢዩ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝወሰድናዮ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም “በእምሮ ሰብኡት ኩኑ” ዝብል ቀንዲ ኣርእስቲ ዝነበሮ። ኣብቲ ኣብ 1 ቈረንቶስ 14:20 ዝርከብ “ኣሕዋተየ: በእምሮ ሰብኡት ኩኑ: ብኽፍኣት ደኣ ሕጻናት ኩኑ እምበር: ብዛዕባ ኣእምሮስ ቈልዑ ኣይትኹኑ” ዝብል ቃላት ሃዋርያ ጳውሎስ እተመስረተ ኸኣ ኢዩ ነይሩ። ብዛዕባ እቲ ፕሮግራም ከመይ ተሰሚዑካ፧
3 “ክሳዕ ክንደይ ዘተባብዕ ኰን ኢዩ!” “ናይ ብሓቂ ዘድልየና ትምህርቲ ኢዩ!” እዚ ገለ ኻብቲ እተዋህበ ርእይቶታት ኢዩ። ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ዝዕድሜኣ ጓሉ ኽትጥመቕ ከላ ንኽርኢ ኣብዚ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ እተኻፈለ ሓደ ናይ የሆዋ ምስክር ዘይኰነ ሰብኣይ እውን በቲ ፕሮግራም ኣዝዩ ኸም እተመሰጠን ንስድራቤቱ ብኸመይ ከም ዝጠቕሞም ክግንዘብ ምኽኣሉን ገሊጹ ኢዩ። ከምኡ ድዩ ዝስምዓካ፧ ገለ ኻብቲ ኣብቲ ፕሮግራም ጐሊሑ ዝነበረ ነጥብታት እስከ ንርአ።
4 ልቦና ንምዕባይ ርጡብ ፍልጠት የድሊ:- “ኣብዚ ዘለናዮ ግዜ ኣእምሮኹም ከም ዝሰፍሕ ግበሩ” ዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝነበሮ መኽፈቲ ዝርርብ: እቲ ተዛራባይ ነዚ ሎሚ ዘጋጥም ብድሆታት ንምስጋር እንታይ ከም ዘድሊ ኢዩ ዘጕልሐ፧ ናይ ኣእምሮ ብልሒ ንበይኑ ኣኻሊ ኸም ዘይኰነ ኢዩ ገሊጹ። በቲ ኸቢቡና ዘሎ ኽፍኣት ምእንቲ ኸይንስነፍ: ንመጽሓፍ ቅዱስ ዘሎና ምርዳእ ከነስፍሖን ከነዕምቖን ኣሎና። ከምዚ ንምግባር ከኣ መለኮታዊ መምርሒ የድልየና ኢዩ። ንየሆዋ ብምሉእ ልብና ምእንቲ ኸነገልግሎ ብዛዕባ ትእዛዛቱን ሕግታቱን መዘኻኸሪታቱን ምርዳእ ንኽህበና ልክዕ ከምቲ ጸሓፍ መዝሙር ብጸሎት ክንሓቶ ኣሎና።—መዝ. 119:1, 2, 34
5 ኣብቲ ቐጺሉ ዝነበረ ኽፍሊ: የሆዋ ብቓሉን ማሕበሩን ኣቢሉ “ንመጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ ምርድኡ ዝመጸ ሰብኡት ንምዃን ዝሕግዙ ነገራት” ከም ዘዳለወልና: እቲ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ገሊጹልና ኢዩ። ምርዳእ ክበሃል ከሎ “ውሽጣዊ ትሕዝቶኡን ኵልንትናዊ ምትእስሳሩን ብምዕዛብ ሓፈሻዊ መልክዑ ኣለሊኻ ንሓደ ነገር ናይ ምግንዛብ ክእለት” ምዃኑ ተገሊጹ ኢዩ። ነዚ ኽእለት እዚ ንኸነማዕብሎ ኽሕግዘና ዝኽእል መን ኢዩ፧ የሆዋ መንፈሳዊ ዕቤት ንኽንገብር ዝሕግዙና ውህበት ሰብኡት ሂቡና ኣሎ። (ኤፌ. 4:11, 12 NW ) እታ ምድራዊት ማሕበሩ ንቓል ኣምላኽ መዓልቲ መዓልቲ ኸነንብብን ስርዓታውያን ኴንና ኣብ ኵሉ ኣኼባታት ክንካፈልን ተተባብዓና ኢያ። (መዝ. 1:2) ኣብ ናይ ብሕትን ናይ ስድራቤትን መጽናዕቲ ከምኡውን ንኣኼባታት ኣብ እንገብሮ ምድላዋትን ኣብ ግራት ኣገልግሎትን ብኸመይ ንመጽሓፍ ቅዱስን ንክርስትያናዊ ጽሑፋትን ክንጥቀመሉ ኸም እንኽእል ተማሂርና ኢና። ንዅሉ እዚ ምድላዋት እዝስ ትጥቀመሉዶ ኣሎኻ፧ ስሩዕ ናይ ብሕቲ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎካዶ፧ ካብ ዓለማዊ ዝንባለታት: ቅድታት: ፍልስፍናታት: ከምኡውን መታለሊ ጽልዋታት ክንዕቈብ እንተድኣ ዄንና እዚ ግድን ኣድላዪ ኢዩ።—ቈሎ. 2:6-8
6 ንልቦናና ኸነላምዶ ኣሎና:- እቲ በጻሒ ተዛራባይ ኣብታ “ልቦናኹም ብምልምማድ መንፈሳውነትኩም ሓልዉ” ዘርእስታ ናይ መጀመርታ ዝርርቡ: እቶም ኣብ ዓለም ዘለዉ ሰባት ጽቡቕን ክፉእን ክፈልዩ ኸም ዘይክእሉ ገለጸ። (ኢሳ. 5:20, 21) ከምዚ ዝዀነ ድማ ሰባት ነቲ ጽድቃዊ መዐቀኒታት ኣምላኽ ኣፍልጦ ምሃብን ምሕላውን ብምእባዮም ኢዩ። ንሕና ግን በንጻሩ ነቲ ኣብ ንጥፈታትናን ምምልላስናን ዝመርሓና ብማሕበር የሆዋ እተዋህበና መንፈሳዊ ስልጠናን ንመለኮታዊ መዐቀኒታትን ተቐቢልናዮ ኢና። ስለዚ እቲ ሰናይን ኣብ ቅድሚ ኣዒንቲ የሆዋ ቕቡልን ምስቲ ፍጹም ፍቓዱ ዝሰማማዕን ነገራት እንታይ ምዃኑ ኽንፈልየሉ ኣብ እንኽእል ደረጃ ኢና ዘሎና።—ሮሜ 12:2
7 ካብቲ ናይ ዓለም ዘደናግር ኣተሓሳስባን ሕማቕ ሳዕቤናቱን ምእንቲ ኽንርሕቕ: ከየባተኽና ልቦናና ኸነላምድ ይግብኣና። እዚ ብኸመይ ኢዩ ኽግበር ዝከኣል፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ካብቲ ቓል ‘ጸጸባኡ’ ጥራይ ካብ ምምጋብ ንላዕሊ ኸም ዘድሊ ኣብ እብራውያን 5:12-14 ኣጕሊሑ ኣሎ። ከምቲ ኣብ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝወሰድናዮ ብዛዕባ ትንቢት ዳንኤል ዝገልጽ ትምህርቲ ዝኣመሰለ ዕጹም መንፈሳዊ መግቢ ክንወስድ የድልየና። ድሕርዚ ነቲ እንማሃሮ ብዘይ ዕጻይ ምጻጻይ ኣብ ግብሪ ኸነውዕሎ ይግብኣና። ከምዚ ምስ እንገብር: ስርዓታትን መዐቀኒታትን የሆዋ ክሳዕ ክንደይ ቅኑዕ ምዃኑ ኣርጊጽና ኽንፈልጥ ኢና። እዚ ኸኣ ልቦናና ጽቡቕን ክፉእን ኣነጺሩ ንኽፈሊ ኸም ዝለማመድ ይገብሮ።
8 እቲ ዘሕዝን ግን: ገሊኣቶም ብመንፈሳዊ መዳይ ሰንከልከል ምባሎም ኢዩ። ስለምንታይ፧ ኣብቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ሰናይን ቅኑዕን ዝዀነ ነገራት ስለ ዘየተኰሩ ኢዩ። ከም ውጽኢት ናይዚ ኸኣ: ኣብ መፈንጠራ ናይቲ ብረድዮን ተለቪዥንን ዝፍኖ ብመንፈሳዊ ዓይኒ ኽርአ ኸሎ ባህ ዘየብል ዘተ: ብዕሉግ ሙዚቃ: ወይ ኣብ መፈንጠራ ናይቲ ብኮምፕዩተር ዝግበር ዕላል ዘሕድሮ ሕማቕ ጽልዋ ወዲቖም ኢዮም። ብጥበብ ምስ እንመላለስ: በቶም ብዕሉጋት: ዓያሱ: ወይ እኩያት ሰባት ኣይክንጽሎን ኢና።—ምሳ. 13:20፣ ገላ. 5:7፣ 1 ጢሞ. 6:20, 21
9 መንእሰያት ‘ብኽፍኣት ሕጻናት ክዀኑ’ ኣለዎም:- እቲ ፕሮግራም ብፍላይ ንመንእሰያት ልቦናኦም ከዕብዩ ዘተባብዕ ክልተ ኽፍልታት ነይርዎ ኢዩ። ‘ብኽፍኣት ሕጻን ምዃን’ ክበሃል ከሎ ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ርኹስ ዝዀነ ነገራት: ልክዕ ከም ሕጻን እከይ ዘይትፈልጥ ምዃን ማለት ምዃኑ እቲ ተዛራባይ ገሊጹ ኢዩ። (1 ቈረ. 14:20) ኵላትና ንእተፈላለየ ዓይነት ክፍኣት ከቃልዓና ዝኽእል ነገራት ምእንቲ ኽንቃወሞን ብእኡ ምእንቲ ኸይንብከልን ንግዜና ብኸመይ ከም እንጥቀመሉ ኽንጥንቀቕ ከም ዝግብኣና ተተባቢዕና ኢና። (ኤፌ. 5:15-17) ንመንፈሳዊ ነገራት ዘሎና ምርዳእ ኣብ ምስፋሕ ቀጥታዊ ኣበርክቶ ዘይገብር ጽሑፍ ኣብ ምንባብ ንእነጥፍኦ ግዜ ኽንጽብጽቦ ተተባቢዕና ኢና። ከምኡዶ ገይርካ፧ ዝረኸብካዮ ውጽኢት እንታይ ኢዩ ዘርኢ፧ ኣብ ርእሲ እቲ መዓልታዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: ነቲ ማሕበር እተዳልዎ ጽሑፋት ብግዜኡ ንምንባብ ቈራጽነት ግበር። ከምዚ ምስ እንገብር ንመንእሰያትና እውን ሓዊስካ ዅላትና ‘ምስትውዓል ንኸነጥሪ’ ኽንሕገዝ ኢና።—ምሳ. 4:7-9
10 “ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ተረዲእኩም ኣብ ግብሪ ብምውዓል ተጠቐሙ”:- እዚ: ኣርእስቲ ናይቲ መዕጸዊ ዝርርብ ኢዩ ነይሩ። እቲ በጻሒ ተዛራባይ: የሆዋ ምንጪ ናይቲ ህይወት ዝህብ ምርዳእ ምዃኑ ገለጸ: እዚውን ካብ ናይ ኵሎም ደቅሰብ ፍልጠት ኣጸቢቑ ኸም ዝበልጽ ዘርኢ ኢዩ። ከም ናይ የሆዋ ዝበለ ምርዳእ ክንረክብሲ ክሳዕ ክንደይ ዓቢ ኣጋጣሚ ምዃኑ እሞ ሕስብ ኣብሎ! ነቶም ብሓቂ ምርዳእ ንምርካብ ሃለው ዝብሉን ብእምነት ዝልምኑን ብልግሲ ይህቦም ኢዩ። (ምሳ. 2:3-5, 9፣ 28:5) ነዚ ኣጋጣሚ እዚ ምሉእ ብምሉእ ትጥቀመሉዶ ኣሎኻ፧
11 መጽሓፍ ቅዱስ ከነንብብ ከሎና ነቲ ኣብኡ ዘሎ ስርዓታት ናይ ምግንዛብ ክእለት ክህልወና ተተባቢዕና ኢና። (2 ጢሞ. 3:16, 17) ነቲ የሆዋ ዝብሎ ዘሎ ብትኽክል ንኽትርድኦ ተጠንቂቕካ ነቲ ስርዓታት ኣጽንዓዮ። ግዜ ወሲድካ ኣስተንትነሉ: ኣብ ኣእምሮኻን ልብኻን ድማ ትኸሎ። እዚ ንልቦናኻ ስለ ዘላምዶ: ኣብ ህይወትካ ውሳነታት ክትገብር ከሎኻ ዕዉት ክትከውን ኢኻ። (እያ. 1:8) ንብዙሓት ሰባት ዘጋጥሞም ውሳነ ዘድልዮ ዅነታትን ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ግብሪ ምውዓል ዕዉታት ንኽንከውን ብኸመይ ከም ዝሕግዘና ዘርእን ገለ ነጥብታት እስከ ንርአ።
12 ‘ገሊኡ ዓይነት ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን ክስዕብዶ፧’ ዓለም እትስዕቦ ኣከዳድናን ኵለንትናዊ ኣቃውማን ናይ ዕልወት መንፈስ ዘንጸባርቕ ኢዩ። ከምዚ ዝኣመሰለ መንፈስ: ሰባት ወጅሃላይን ዘይምዕሩግን ክዳን ከም ዝኽደኑ ወይ ጾታዊ ስምዒት ዘለዓዕል ነገር ከም ዘንጸባርቑ ገይርዎም ኢዩ። ነዚ ዝንባለታት እዚ ንኸነወግዶ ዝሕግዘና እንታይ ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ኣሎ፧ ዝለመደ ልቦና እንተ ሃልዩና: ነቲ ኣብ 1 ጢሞቴዎስ 2:9, 10 ዝርከብ ‘ፍርሃት እግዚኣብሄር ንዘለዎ ሰብ ከም ዝግባእ ብሕንክን ብምቕጻዕ ነፍስናን’ ክንክደን ዝገልጽ ስርዓት ኣብ ግምት ነእትዎ ኢና። ኣብ 2 ቈረንቶስ 6:3 ከምኡውን ኣብ ቈሎሴ 3:18, 20 ዝርከብ ስርዓታት እውን ኣብዚ ኽንጥቀመሉ ንኽእል ኢና።
13 ‘ኣብ ስድራቤትና ዘሎ ማእሰር ድልዱል ኰይኑ ንኽቕጽል እንታይ ክገብር እኽእል፧’ ኣብ መንጎ ኣባላት ስድራቤት ጽቡቕ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ናይ ግድን ክህሉ ኣለዎ። ያእቆብ 1:19 “ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንምስማዕ ቅልጡፍ: ንምዝራብ ደንጓዪ: ንዅራ ደንጓዪ ይኹን” ኢያ እትብለና። ኣብ ስድራቤት ክልትኣዊ ርክብ ክህሉ ስለ ዘለዎ: ሓደ ነቲ ሓደ ኽሰምዖን ክዛረቦን ኣለዎ። እንብሎ ነገራት ሓቂ እውን እንተዀነ ብተሪር: ትዕቢት ብዘንጸባርቕ: ወይ ሓልዮት ብዘየርኢ ቓላት ገይርና እንተ ተዛሪብናዮ: ካብ ጥቕሙ ጕድኣቱ ኽበዝሕ ኢዩ። ስለዚ: ሰብኡት ንኹን ኣንስቲ ከምኡውን ወለዲ ንኹን ውሉዳት: ‘ዘረባና ብጨው እተቓመመ ዅሉ ሳዕ ብጸጋ’ ይኹን።—ቈሎ. 4:6
14 ‘ብፍቕረ-ንዋይ ተጸልየ ድየ፧’ ፍቕረ-ንዋይ ንህይወት ሰባት ዝሓላልኽ ዓለማዊ ጸቕጢ ኢዩ። ናብ ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣይመርሕን ኢዩ። (መክ. 5:10፣ ሉቃ. 12:15፣ 1 ጢሞ. 6:9, 10) የሱስ ካብ መፈንጠራ ፍቕረ-ንዋይ ክንርሕቐሉ እንኽእል ኣገዳሲ ስርዓት ምሂሩና ኢዩ: እዚ ኸኣ ዓይኒ ዘይምግፋሕ ኢዩ። ሚዛናውን ዘይተሓላለኸን ናብራ ምንባር ክበሃል ከሎ ኣብ ረብሓታት መንግስቲ ኣምላኽ ምትኳርን ንዝተረፈ ነገራት ኻልኣይ ቦታ ምሃብን ዘጠቓልል ኢዩ።—ማቴ. 6:22, 23, 33
15 ሸቶና እንታይ ክኸውን ከም ዝግባእ:- ውሳነታት ንምግባር ክንተኣማመነሉ እንኽእል ጽድቃዊ ስርዓታት ካብ ቃል ኣምላኽ ክንረክብ ንኽእል ኢና። ነዚ ስርዓታት እዚ ኽንፈልጦ: ከነስተንትነሉ: ኣብ ህይወትና ብኸመይ ኣብ ግብሪ ኸም እነውዕሎ ክንርዳእ ኣሎና። በዚ ኸምዚ ‘ጽቡቕን ክፉእን ንምፍላይ ንልቦናና ምስ እነላምድ:’ ኽንጥቀምን ንየሆዋ ኸነኽብሮን ኢና።—እብ. 5:14