ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
8 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 29
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።
17 ደቒቕ:- “ብርሃንኩም ይብራህ።” ሕቶን መልስን። ካብ ናይ 1 ሰነ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 15 ቍ. 12-13 ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ። ኵሎም ኣስፋሕቲ ንዝረኽብዎ ኵሉ ኣጋጣሚታት ምስክርነት ንምሃብ ክጥቀሙሉ ኣተባብዕ።
18 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
መዝሙር 1ን መዕጸዊ ጸሎትን
15 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 51
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።
15 ደቒቕ:- “ ‘እዙዝ ልቢ’ ድዩ ዘሎካ፧” ኣብ ናይ 15 ሓምለ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 29-31 ተመርኲሱ ዝቐርብ ዝርርብ።
20 ደቒቕ:- ንቕዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ትምርምርዶ ኣሎኻ፧ ዝርርብን ቃለ-መጠይቓትን። ናይ 15 ታሕሳስ 1996 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 17-18 ቍጽሪ 12-14 ኣቕርብ: ብስድራቤት መልክዕ ንዕለት ጥቕሲ ምይይጥ ምግባር ጥበባዊ ምዃኑ ኣጕልሕ። ኣባላት ስድራቤት ቅድሚ ሒደት መዓልትታት ዝገበርዎ ናይ ዕለት ጥቕሲ ምይይጥ ብፍላይ ጠቓሚ ከም ዝዀነሎምን ስለምንታይ ከምኡ ከም ዝዀነን ንኽገልጹ ቃለ-መጠይቕ ግበረሎም። ስድራቤታት ድልዱላት: ኣብ ኣገልግሎት ከኣ ንጡፋት ምእንቲ ክዀና: ከምዚ ዝኣመሰለ ምይይጥ ኣብ ናይ ስድራቤት መጽናዕቲ ስሩዕ ፕሮግራም ክህልዎ ከም ዝግባእ ኣጕልሕ።
መዝሙር 67ን መዕጸዊ ጸሎትን
22 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 90
7 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
18 ደቒቕ:- መእተዊታት ብኸመይ ከም እትዳሎ። ዝርርብን መርኣያታትን። ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን እትበሃል ጽሕፍቲ ኣብ ገጽ 2 ዘሎ ነጥብታት ኣቕርብ። ምስ ኣቀራርባና: ውልቃዊ ባህርይና: ከምኡውን ዞባና ዝሰማማዕ መእተዊታት ብኸመይ ክንመርጽ ከም እንኽእል ግለጽ። ከም “ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና ከነዘራርበካ መጺእና” ወይ “ብስራት ክንነግረካ ኢና መጺእና” ዝኣመሰለ መእተዊታት ንኸይጥቀሙ ኣተባብዕ። ነታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ከተበርክት ከሎኻ ክትጥቀመሉ እትኽእል ገለ መእተዊታት ግለጽ: ካብዚ ድማ ሓደ ወይ ክልተ ብመርኣያ ኣቕርብ። (ናይ ሚያዝያ 1997 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ገጽ 8 ርአ።) ኵላቶም ነቲ ኣብታ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ምይይጥ ብኸመይ ከም እትጅምርን እትቕጽልን እትበሃል ጽሕፍቲ ከምኡውን ኣብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ዘሎ ሓሳባት ክጥቀምሉ ኣተባብዕ።
20 ደቒቕ:- “ጽን ኢልካ ስማዕ።” ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። ካብ ናይ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 27-8 ቍጽሪ 15-17 ኣቕርብ። ጽን ኢልና ከም እንሰምዕ ወይ ዘይንሰምዕ ክንፈልጠሉ እንኽእል ዝበለጸ መገዲ ክሳዕ ክንደይ ከም እንዝክር ምርኣይ ኢዩ። ነቶም ተኣከብቲ ሎሚ ኣብ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ካብ ዝቐረበ ጐሊሑ ዝርአ ነጥብታት ንኽዝክሩ ዓድሞም።
መዝሙር 96ን መዕጸዊ ጸሎትን
29 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 139
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ጥሪ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ኣብ ለካቲት ዝዕደል ጽሑፋትን እታ ጉባኤ ኣብ መኽዘን ዘለዋ መጻሕፍትን ሓብር።
15 ደቒቕ:- ካብታ ሓድነት ኣምልኾ ናይቲ ሓደ በይኑ ሓቀኛ ዝዀነ ኣምላኽ እተባህለት መጽሓፍ ኣብታ “ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ምዝራብ ቀጽሉ” ዘርእስታ ምዕራፍ 22 ተመርኲሱ ብሕቶን መልስን ዝቐርብ ምይይጥ።
20 ደቒቕ:- “ወለዲ—ንደቅኹም ጠቓሚ ልማዳት ስረጹሎም።” ዝርርብ ከምኡውን ደቆም ብመንፈሳዊ መዳይ ንጡፋት ንዝዀኑ ወለዲ ዝግበረሎም ቃለ-መጠይቕ። እቶም ወለዲ: ደቆም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንኽካፈሉ ኢሎም ዝገበርዎ ኣወንታዊ ነገራት ይሕብሩ። ግዜ ከም ዝፈቕዶ: ካብታ ሓጐስ ስድራቤት እትበሃል መጽሓፍ ካብ ገጽ 55-9 ዘሎ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ።
መዝሙር 149ን መዕጸዊ ጸሎትን
5 ለካቲት እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 168
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።
15 ደቒቕ:- “ሕጉስ ገባሪ ኹን።” ሕቶን መልስን። በቲ ኣብታ ኢንሳይት እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ጥራዝ 2 ገጽ 120 ሕጡብ ጽሑፍ 6-8 ዘሎ ሓሳባት ገይርካ ንኣምላኽ ከነገልግል ከሎና ንምንታይ ዝያዳ ሓጐስ ከም እንረክብ ግለጽ።
20 ደቒቕ:- ጥዑይ መዘናግዒ ክትረክብ ትኽእል ኢኻ። ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት ነቲ ኣብ ናይ 22 ግንቦት 1997 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) እተዋህበ ምኽሪ ይመያየጡሉ። እቲ ኣቦ ብዛዕባ እታ ስድራቤት እትገብሮ ምዝንጋዕ ከም ዘተሓሳሰቦ ይገልጽ። ፈልዩ ኣርእስቲ ከይጠቐሰ: ሶፕ-ኦፔራ ዝበሃል ዓይነት ተኸታታሊ ናይ ተሌቪዥን ፕሮግራም ምርኣይ ከምኡውን ሙዚቃ ኰነ ናይ ራድዮ ፕሮግራማት ከይመረጽካ ምስማዕ ዘስዕቦ ጸገማት ይገልጽ። ነታ “እንታይ ዓይነት መዘናግዒታት ኢዩ ዝቐርብ ዘሎ፧” (ገጽ 4-7) ዘርእስታ ዓንቀጽ ኣሕጽር ኣቢሎም ድሕሪ ምምይያጥ: ኣብቲ ጥዑይን ጠቓምን ክኸውን ዝኽእል ዓይነት መዘናግዒታት የተኵሩ። ነቲ ኣብታ ኣገልግሎትና እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ኣብ ገጽ 131-2 “ምዝንጋዕ:” ገጽ 135-6 ኸኣ “ኵሉ ንኽብሪ ኣምላኽ ግበርዎ” ኣብ ትሕቲ ዝብል ኣርእስትታት ዘሎ ትሕዝቶ ኣቕርብ። ወለዲ መሪሕነት ክወስዱ ከም ዝግባእን ኵሎም ኣባላት ስድራቤት ንጥቕሚ እታ ስድራቤት ኢሎም ክተሓባበሩ ከም ዘለዎምን ኣጕልሕ።
መዝሙር 190ን መዕጸዊ ጸሎትን