ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥሪ:- ዝዀነ ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ዝርከብ ቅድሚ 1986 እተሓትመ 192 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ። ማንካይንድስ ሰርች ፎር ጎድ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዘለወን ጉባኤታት እውን ከበርክትኣ ይኽእላ ኢየን። እታ ኣምልኾ እትበሃል መጽሓፍ ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምምራሕ ክትጥቀሙላ ትኽእሉ ኢኹም። ለካቲት:- ላይፍ—ሃው ዲድ ኢት ጌት ሂር፧ ባይ ኢቮሉሽን ኦር ባይ ክሪኤሽን፧ (እንግሊዝኛ)፣ ራእይ—እቲ ዓቢ ፍጻሜኡ ቀሪቡ!፣ ወይ ዝዀነ ኣብቲ ናይ ጉባኤ መኽዘን ዝርከብ 192 ገጽ ዘለዎ መጽሓፍ። መጋቢት:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ፍሉይ ጻዕሪ ይግበር። ሚያዝያ:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝግበረሎም ሰባት ተገዳስነት ከም ዘለዎም እንተ ኣርእዮም: ኵንትራት ክኣትዉ ዕድመ ክቐርበሎም ይኽእል ኢዩ። ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ነታ ፍልጠት እትበሃል መጽሓፍ ወይ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ምጥቃም ይከኣል ኢዩ።
◼ ኣብዛ ዓመት እዚኣ ናይ ሕክምና መምርሒ ካርድ ቅንይ ኢሉ ኽለኣኽ ኢዩ። ክሳዕ ሽዑ በጃኹም በዚ ሕጂ ምሳኻትኩም ዘሎ ካርድ ክትጥቀሙ ጽንሑ።
◼ ካብ መጋቢት ጀሚሩ ብናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ዝወሃብ ሓድሽ ህዝባዊ ዝርርብ “መዓልቲ ፍርዲ—እዋን ፍርሂ ድያ ወይስ እዋን ተስፋ፧” ዝብል ክኸውን ኢዩ።
◼ ጉባኤታት ነቲ ሰንበት 8 ሚያዝያ ጸሓይ ድሕሪ ምዕራባ ዝግበር በዓል ዝኽሪ ንምብዓል ምድላዋት ክገብራ ኣለወን። እቲ ዝርርብ ኣቐዲሙ ክጅመር ዝከኣል እኳ እንተዀነ: እቲ ናይ ዝኽሪ ምሳልያዊ ቕጫን ወይንን ምዛር ግን ጸሓይ ቅድሚ ምዕራባ ክጅመር የብሉን። ኣብ ከባቢኹም ጸሓይ እትዓርበሉ ሰዓት ንምፍላጥ ናይቲ ከባቢ ምንጭታት ሕተቱ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ብጀካ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባ ካልእ ኣኼባታት ስለ ዘይግበር: ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ካልእ ግዜ ምእንቲ ክውሰድ እቲ ዘድሊ ምትዕርራያት ክግበር ይግባእ። ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ብመሰረት ናይቲ ከባቢ ኵነታት ናይ ኣኼባታቶም መደብ ከተዓራርዩ ከድልዮም ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ጉባኤ ናይ ገዛእ ርእሳ በዓል ዝኽሪ እንተ ገበረት ዝሓሸ ኢዩ። ፍሉይ ምኽንያት ስለ ዘለወን ክልተ ጉባኤታት ብሓንሳእ ኰይነን በዓል ዝኽሪ ዘብዕላ እንተድኣ ዀይነን: ዓመት ዓመት ከምዚ ክገብራ የብለንን። ብዝሕ ዝበላ ጉባኤታት ሓንቲ ኣደራሽ መንግስቲ ዝጥቀማ ምስ ዝዀና: ምናልባት ሓንቲ ወይ ካብኡ ንላዕሊ ጉባኤታት ነታ ምሸት እቲኣ ካልእ መኣከቢ ቦታ ክደልያ ይኽእላ ኢየን። ዝከኣል እንተ ዀይኑ: ካብቲ ኣጋጣሚ ምሉእ ብምሉእ ምእንቲ ክትጥቀሙ: ነቶም በጻሕቲ ሰላም ክትብሉ: ከምኡውን ሓደስቲ ተገደስቲ ሰባት ከተታባብዑ ኣብ መንጎ ናይ ክልተ ጉባኤታት ፕሮግራም እንተ ወሓደ ናይ 30 ደቒቕ ፍልልይ ክትገብሩ ጽቡቕ ኢዩ። ናይ ትራፊክ ኵነታት: ናይ ማካይን ደው መበሊ: ከምኡውን ነቶም ሓደስቲ ሰባት ከነምጽኦምን ክንመልሶምን ከሎና እተን ማካይን ኣበይ ደው ኢለን ከም ዘውርድኦም ክሕሰበሉ ኣለዎ። ኣካል ሽማግለታት ኣብቲ ከባቢ እንታይ ምድላው እንተ ገበሩ ዝበለጸ ከም ዝኸውን ክውስኑ ይግባእ።
◼ እቲ ናይ 2001 በዓል ዝኽሪ ኣብ ዝግበረሉ ወቕቲ ዝወሃብ ፍሉይ ህዝባዊ ዝርርብ ሰንበት 1 ሚያዝያ ክኸውን ኢዩ። ኣርእስቲ ናይቲ ዝርርብ “መን ኢዩ ክድሕን ዝኽእል፧” ዝብል ኢዩ። እተዋጽአ ጽሑፍ ክለኣኽ ኢዩ። እተን ኣብ ቀዳመ-ሰናብቲ ናይታ ሰሙን እቲኣ ናይ ወረዳ ተዓዛቢ ምብጻሕ: ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ: ወይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ዘለወን ጉባኤታት እቲ ፍሉይ ዝርርብ 9 ሚያዝያ ኣብ እትጅምር ሰሙን ክወሃበን ኢዩ። ዝዀነት ትኹን ጉባኤ ነዚ ፍሉይ ዝርርብ እዚ ቅድሚ 1 ሚያዝያ 2001 ክትወስዶ ኣይግባእን ኢዩ።
◼ ኣብ መኽዘን ዘሎ ሓደስቲ ጽሑፋት:- ኣምሓርኛ:- ኣይዛያስ ፕሮፌሲ—ላይት ፎር ኦል ማንካይንድ፣ ሉክ! ኣይ ኣም ሜኪን ኦል ቲንግስ ኒው፣ ዩ ካን ቢ ጎድስ ፍሬንድ፣ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር 2001፣ T-22 (ሁ ሩልስ ዘ ዎርልድ፧)፣ ዓረብኛ:- ዩ ካን ቢ ጎድስ ፍሬንድ፣ እንግሊዝኛ:- ኣይዛያስ ፕሮፌሲ—ላይት ፎር ኦል ማንካይንድ፣ ዩ ካን ቢ ጎድስ ፍሬንድ፣ ጂሆቫስ ዊትነስስ—ሁ ኣር ዘይ፧ (ብሮሹር)፣ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር 2001፣ ኣውድዮ ካሴታት:- ዎርኒን ኤግዛምፕልስ ፎር ኣዋር ደይ (ድራማ ናይ 2000 ኣውራጃዊ ኣኼባ)፣ ኪንግደም ሜሎዲስ ቍ. 9፣ ፈረንሳይኛ:- ኣይዛያስ ፕሮፌሲ—ላይት ፎር ኦል ማንካይንድ፣ ዩ ካን ቢ ጎድስ ፍሬንድ፣ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር 2001፣ ኦሮምኛ:- ዩ ካን ቢ ጎድስ ፍሬንድ፣ ትግርኛ:- ንትንቢት ዳንኤል ኣቕልበሉ!፣ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ፣ ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር 2001።
◼ እንደገና ናብ መኽዘን ክመጽእ እንጽበዮ:- እንግሊዝኛ:- ቪድዮታት:- ቱ ዘ ኤንድስ ኦፍ ዘ አርዝ፣ ዩናይትድ ባይ ዲቫይን ቲቺን፣ ያንግ ፒፕል ኣስክ . . . ሃው ካን ኣይ ሜክ ሪል ፍሬንድስ፧