ጽን ኢልካ ስማዕ
1 ጽን ኢልካ ንምስማዕ ርእስኻ ምግሳጽ ይሓትት። እቲ ሰማዒ ካብቲ ዝሰምዖ ንኽማሃርን ንኽጥቀምን ባህጊ ዘለዎ እውን ክኸውን ኣለዎ። ስለዚ: የሱስ “ኸመይ ጌርኩም ከም እትሰምዑ ተጠንቀቑ” ብምባል እዚ ኣድላዪ ምዃኑ ኣጕልሐ።—ሉቃ. 8:18 ሰያፍ ዝገበርናዮ ንሕና ኢና።
2 ብፍላይ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት: ኣሰምብሊታት: ከምኡውን ኣብ ዓበይቲ ኣኼባታት ኣብ እንካፈለሉ እዋን ጽን ኢልና ክንሰምዕ የድልየና ኢዩ። ኣብዚ ኣጋጣሚታት እዚ ተጠንቂቕና ክንሰምዕ ኣሎና። (እብ. 2:1) ኣብዚ ክርስትያናዊ ኣኼባታት እዚ ጽን ኢልካ ንኽትሰምዕ ዝሕግዘካ ገለ ነጥብታት እንሆ።
◼ ንኣኼባታት ኣማስወሉ። ‘በቲ እሙንን ኣስተውዓልን መጋቢ’ ኣቢልና ‘ብእግዚኣብሄር እንማሃረሉ’ ቀንዲ መገዲ ኢዩ።—ሉቃ. 12:42፣ ኢሳ. 54:13
◼ ኣቐዲምካ ተዳሎ። ነቲ ዝጽናዕ ጽሑፍ ተዳለወሉ: መጽሓፍ ቅዱስካን ናይ ብሕትኻ ቅዳሕ ናይቲ ዝጽናዕ ጽሑፍን ምምላእ ድማ ኣይትረስዕ።
◼ ኣብ ኣኼባታት ብኣትኵሮ ንኽትከታተል ፍሉይ ጻዕሪ ግበር። ምስቶም ምሳኻ ኮፍ ኢሎም ዘለዉ ምሕሹዅሻዅ ከምኡውን ካልኦት ተኣከብቲ እንታይ ይገብሩ ከም ዘለዉ ምጥማት ክውገድ ዘለዎ ኢዩ። ድሕሪ እቲ ኣኼባ እንታይ ከም እትገብር ብምሕሳብ ወይ ብኻልእ ብሕታዊ ጕዳያት ከይተስግል ጽዓር።
◼ ነቲ ዝቐርብ ትምህርቲ ሕሰበሉ። ንርእስኻ ‘እዚ ንዓይ ብኸመይ ይምልከተኒ፧ መዓስ ኢየ ኣብ ግብሪ ከውዕሎ፧’ ኢልካ ሕተት።
◼ ካብቲ ቐንዲ ነጥብታትን ጥቕስታትን ሓጺር መዘኻኸሪታት ውሰድ። እዚ ድማ ኣብቲ ዝቐርብ ትምህርቲ ንኸተተኵርን ድሓር ነቲ ቐንዲ ነጥብታት ንኽትዝክሮን ክሕግዘካ ኢዩ።
3 ንደቅኻ ጽን ኢሎም ክሰምዑ ማሃሮም:- ቈልዑ መንፈሳዊ ትምህርቲ የድልዮም ኢዩ። (ዘዳ. 31:12) ኣብ ግዜ ጥንቲ ‘ክሰምዑ ምስትውዓል ዝነበሮም ኵላቶም’ ህዝቢ ኣምላኽ: እቲ ሕጊ ክንበበሎም ከሎ ጽን ኢሎም ክሰምዑ ነበሮም። (ነህ. 8:1-3) ወለዲ ኣብ ኣኼባታት ዝሳተፉን ጽን ኢሎም ዝሰምዑን እንተድኣ ዀይኖም: መብዛሕትኡ ግዜ ውሉዳቶም ኣሰሮም ኢዮም ዝስዕቡ። ነቶም ቈልዑ ንምዝንጋዕ ተባሂሉ መጻወቲ ወይ ሕብርታት ዝልከ መጻሕፍቲ ሒዝካ ምኻድ ጥበባዊ ኣይኰነን። ብዘይጠቅም ምኽንያት ናብ ዓይኒ ምድሪ ምኻድ እውን ጽን ኢሎም ንኸይሰምዑ ይዓናቕፎም ኢዩ። “ንልቢ ቘልዓ ዕሽነት ተቘራንይዎ” ስለ ዘሎ: ወለዲ ንደቆም ኣብ ኣኼባታት ሰጥ ኢሎም ኮፍ ክብሉን ጽን ኢሎም ክሰምዑን ንኽቈጻጸርዎም ክጽዕሩ ኣለዎም።—ምሳ. 22:15
4 ጽን ኢልና ብምስማዕ: ብሓቂ ጥበበኛታት ከም ዝዀንናን ‘ፍልጠትና ክንውስኽ’ ከም እንደልን ነርኢ።—ምሳ. 1:5