ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
11 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 50
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት። እታ ጉባኤ ኣብ መኽዘን ዝዓበየ ሰብኣይ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) እንተለዋ: ነዛ መጽሓፍ እዚኣ ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ክጥቀሙላ ከም ዝኽእሉ ኣርእዮም።
15 ደቒቕ:- “ወትሩ ንየሆዋ ፍርሃዮ።” ነቲ ኣብ ናይ 8 ጥሪ 1998 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 26 ብዛዕባ ኣምላኻዊ ፍርሂ እተገልጸ ሓሳባት ወሲኽካ ኣቕርብ። ንየሆዋ ምፍራህ ዘለዎ ረብሓታት ኣጕልሕ።
22 ደቒቕ:- “ናይ መዛኑ ጸቕጥን ንኽትሰብኽ ዘሎካ መሰልን።” ዝርርብን ቃለ-መጠይቓትን። ነቶም ኣስፋሕቲ ናይ መዛኑ ጸቕጢ ኣጋጢምዎም ክነሱ ብኸመይ ኣብ ዕዮ ስብከት ንጡፋት ኰይኖም ክቕጽሉ ከም ዝኸኣሉ ንኸዘንትዉ ዓድሞም።
መዝሙር 78ን መዕጸዊ ጸሎትን
18 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 94
15 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ። ነዛ ሕቶ እዚኣ መልሳ:- ንሃይማኖታዊ ምኽንያት ተባሂሉ ክሳዕ ዘይተባዕለ ዘይክርስትያናዊ መበቈል ኣብ ዘለዎ ጽምብላት ምክፋልዶ ግጉይ ኢዩ፧—መጽሓፍ ምምርማር (እንግሊዝኛ) ገጽ 178-80 ርአ።
12 ደቒቕ:- “ናይ 2001 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ።” ብናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ዝቐርብ ዝርርብ። ኵሎም ነቲ ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክከታተሉ ከምኡውን ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ዝወሃቦም ክፍሊ ንምቕራብ ትጉሃት ክዀኑ ኣተባብዓዮም።
18 ደቒቕ:- “ብትብዓትዶ ትሰብኽ ኢኻ፧” ኣብቲ ኣብዛ ዓንቀጽ ዘሎ ጥቕስታት ተመርኲስካ ሓሳባት ሃብ። ኣብቲ ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና (እንግሊዝኛ) ገጽ 86 ዘሎ ሓሳባት ተመርኲስካ ብኸመይ ዝያዳ ትብዓት ከነጥርን ኣብ ኣገልግሎት ዝያዳ ኣስለጥቲ ክንከውንን ከም እንኽእል ግለጽ።
መዝሙር 124ን መዕጸዊ ጸሎትን
25 ታሕሳስ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 126
10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ነቶም ተኣከብቲ ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣብ ኣገልግሎቶም ዘጋጠሞም ዝዀነ ይኹን ተመክሮ ከዘንትዉ ዓድሞም። ኣብ ጥሪ ዝዕደል ጽሑፋት ሓብር።
10 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።
25 ደቒቕ:- እታ “ንኣደራሽ መንግስትኹም ኣብ ምክንኻን ዘሎካ ግደ” ዘርእስታ ዓንቀጽ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ይግበረላ።
መዝሙር 151ን መዕጸዊ ጸሎትን
1 ጥሪ እትጅምር ሰሙን
መዝሙር 171
8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ጉባኤኹም ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ናይ ኣኼባ ሰዓታት ክትልውጥ እንተድኣ ዀይና: ኵሎም ነዚ ሓድሽ ናይ ጉባኤ ሰዓታት ዘኽብሩ ስርዓታውያን ተኣከብቲ ክዀኑ ብምምሕጻን ሕያውነት ዘለዎ ምትብባዕ ሃብ። ነቶም ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ዝገብሩን ካልኦት ተገደስትን እቲ እተገብረ ዝዀነ ይኹን ለውጢ ሓብርዎም: ከምኡውን ነቲ ሓድሽ መደብ ዘለዎ ናይ ዕድመ ወረቐት ተጠቐሙ። ብዛዕባ ናይታ ጉባኤ ናይ መስከረም ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ሓሳባት ሃብ። ኣስፋሕቲ ናይ ታሕሳስ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም።
17 ደቒቕ:- ንተመላሊስካ ምብጻሕ ብኸመይ ከም እትዳሎ። ሓደ ኣቦ ምስ ኣባላት ስድራቤቱ ኣብ ኣገልግሎት ብኸመይ ዝያዳ ፍረ ዘለዎም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይመያየጥ። ንዅሎም ዝረኽብዎም ተገዳስነት ዘለዎም ሰባት ንምንታይ ክከታተሉ ከም ዘለዎም ቅዱስ ጽሑፋዊ ምኽንያት ብምጥቃስ የጕልሕ። እቶም ኣባላት ስድራቤት በቲ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 22 ቍጽሪ 18 ተገሊጹ ዘሎ መምርሒ ብምጥቃም ገለ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንምግባር ይዳለዉ። ኵሎም ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበረሎም ዝግባእ ሰባት ከም ዝረኸቡ ይእመኑ። ነፍሲ ወከፍ ኣባል ናይታ ስድራቤት ኣብ መጀመርታ ምብጻሕ እንታይ ተቐባልነት ከም ዝረኸበ ምስ ገለጸ: እቶም ዝተረፉ ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብር ከሎ እንታይ ክብል ከም ዘለዎን እንታይ ጥቕሲ ከም ዘንብብን ሓሳባት ይህብዎ። ገሊኣቶም ጽቡቕ መዘኻኸሪ ምሓዝ ክሳዕ ክንደይ ኣድላዪ ምዃኑ የጕልሑ: እቲ መዘኻኸሪታት ንኸይጠፍኦም እንታይ ከም ዝገብሩ ኸኣ ይገልጹ። ካልኦት ከኣ ንመዘኻኸሪታቶም ከመይ ገይሮም ስሩዕ ብዝዀነ መገዲ ምልስ ኢሎም ከም ዝርእይዎን ብኸመይ ንተመላሊስካ ምብጻሕ ግዜ ከም ዝምድቡን ይገልጹ። ኣብታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ኣስላጢ ብዝዀነ መገዲ ክጥቀሙሉ ዝኽእሉ ነጥብታት ይረኽቡ። እቶም ወለዲ ንሓደ ኻብቶም ደቆም ተመላሊስካ ምብጻሕ ክገብር ከሎ እንታይ ከም ዝብል የለማምድዎ። ኣብታ ሰሙን እቲኣ ተመላሊስካ ምብጻሕ ንኽገብሩ ውሱን ግዜ ይምድቡ።
20 ደቒቕ:- ኣብታ “የሆዋ ዝኸብረሉ ዘሐጕስ መርዓ” ዘርእስታ ኣብ ናይ 1 ግንቦት 2000 ግምቢ ዘብዐኛ ዘላ ዓንቀጽ ተመርኲስካ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ግቡእ ኣብ ዝዀነሉ እዋን ኣጕልሓዮ:- 1) ናይ ዕድመ ወረቐት ዝዳሎ እንተድኣ ዀይኑ: ካብቲ ድግስ ንላዕሊ ብቐዳምነት እቲ ናይ መርዓ ዝርርብ ዝግበረሉ ግዜን ቦታን ክጠቅስ ኣለዎ። ‘ስለምንታይ፧’ ኢልካ ሕተቶም። ኣባላት ስድራቤት ብፍላይ ከኣ እቶም ህይወቶም ንየሆዋ ዝወፈዩ: ናይ መርዓ ዝርርብ ኣብ ዝግበረሉ እዋን መግቢ ወይ ካልእ ነገራት ንምድላው ኣብ ክንዲ ዘሕልፍዎ ኣብቲ ዝርርብ ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ንኽካፈሉ ጻዕሪ ክገብሩ ኣለዎም። 2) ነቶም ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘይኰኑ እሞ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ናይ መርዓ ዝርርብ ንኽሰምዑ እተዓደሙ ሰባት ኣብቲ ኣጋጣሚ እቲ ግቡእ ክዳን ክኽደኑ ትጽቢት ከም ዝግበረሎም ምንጋር ሕያውነት ኢዩ። እዚ ንሰኣልቲ እውን ዘጠቓልል ኢዩ። 3) ከምቲ ኣቐዲሙ እተጠቕሰ ሰኣልቲ ግቡእ ክዳን ክኽደኑ ኣለዎም። እቲ ሰኣሊ ወዲ ተባዕታይ እንተድኣ ዀይኑ ክራባታ ክገብር ኣለዎ: ጅንስ ግን ክኽደን የብሉን። እቶም ሰኣልቲ ንኻልኦት ሰባት ንኸይክልክሉን ነቶም ተኣከብቲ ንኸይርብሹን (ንኣብነት ንነዊሕ እዋን ብባውዛ ገይሮም ብምድጓሕ) ካብ ተቐበልቲ ኣጋይሽ ዝወሃቦም መምርሒ ክስዕቡ ኣለዎም። 4) ናይ መንግስቲ ኣምላኽ ሙዚቃ ኣብ መርዓና ክንጥቀመሉ ኣሎና። እዚ ሙዚቃ ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ድግስ እውን ምስ እንጥቀመሉ ሰናይ ኢዩ። ድምጺ ናይቲ ሙዚቃ ሰባት ምዕላል ክሳዕ ዝኸልኦም ዓው ክብል የብሉን። ብዛዕባ መርዓ ዝገልጽ ካልእ መወከሲ ጽሑፋት ኣብ ናይ 15 ሚያዝያ 1984 ከምኡውን 15 ሕዳር 1986 ሕታማት ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ክርከብ ይከኣል ኢዩ።
መዝሙር 212ን መዕጸዊ ጸሎትን