ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 12/00 ገጽ 1
  • ብትብዓትዶ ትሰብኽ ኢኻ፧

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ብትብዓትዶ ትሰብኽ ኢኻ፧
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንየሱስ ምሰሎ—ብትብዓት ስበኽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2009
  • ‘ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ተዛረብ’
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2010
  • ቃል ኣምላኽ ብትብዓት ምዝራብ ቀጽሉ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2005
  • መልሲ እዚ ሕቶታት እዚ ድለ፦
    መደብ ኣኼባ ወረዳ 2018-2019—ምስ ሓላው ወረዳ
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 12/00 ገጽ 1

ብትብዓትዶ ትሰብኽ ኢኻ፧

1 ጴጥሮስን ዮሃንስን ድሕሪ ምእሳሮምን እቶም ተጻረርቶም ምስ ኣፈራርህዎምን ነቲ መልእኽቲ መንግስቲ ኣምላኽ ብትብዓት ካብ ምስባኽ ኣየቋረጹን። (ግብ. 4:⁠17, 21, 31) ኣብዚ እዋን እዚ ብትብዓት ምስባኽ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ኢዩ፧

2 ብትብዓት ምምስካር:- ምስታ “ተባዕ” እትብል ቃል እትመሳሰል እታ “ደፋር” እትብል ቃል ኢያ: እዚኣ ድማ “ድምብርጽ ዘይምባል: ጽንዓት: ከምኡውን ሓቦ” ዝብል ትርጕም ኣለዋ። ንሓቀኛታት ክርስትያናት ብትብዓት ምስባኽ ክበሃል ከሎ እቲ ብስራት ንኻልኦት ንምክፋል ጽቡቕ ኣጋጣሚ ክፍጠር ከሎ ንኽትዛረብ ዘይምፍራህ ማለት ኢዩ። (ግብ. 4:⁠20፣ 1 ጴጥ. 3:⁠15) ብኻልእ ኣዘራርባ በቲ ብስራት ኣይንሓፍርን ኢና ማለት ኢዩ። (መዝ. 119:⁠46፣ ሮሜ 1:⁠16፣ 2 ጢሞ. 1:⁠8) ስለዚ እምበኣር ትብዓት ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ነቲ ብስራት ክንሰብኽ እተዋህበና መዝነት ንምፍጻም ዘድሊ ባህሪ ኢዩ። ኣብ ዝዀነ ይኹን ቦታ ንዝርከቡ ሰባት እቲ ብስራት ንኸነካፍሎም ይድርኸና።​—⁠ግብ. 4:⁠29፣ 1 ቈረ. 9:⁠23

3 ኣብ ቤት ትምህርቲ ዝርአ ትብዓት:- ፍርሂ ወይ ሕንኪ ንመማህርትኻ ንኸይትሰብኽ ዕንቅፋት ይዀነካዶ ኢዩ፧ ንመማህርትኻ ምስባኽ ሓድሓደ ግዜ ከቢድ: አረ በዳሂ እውን ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እንተ​ዀነ ግን: ንኻልኦት ንምስባኽ ትብዓት ክህበካ ናብ የሆዋ እንተ​ድኣ ጸሊኻ: ንሱ ከበርትዓካ ኢዩ። (መዝ. 138:⁠3) ትብዓት ናይ የሆዋ ምስክር ምዃንካ ንኸተፍልጥን ዝመጽእ ላግጺ ንኽትጻወርን ክሕግዘካ ኢዩ። ኣብ ቤት ትምህርቲ እትገብሮ ስብከት ከኣ ነቶም ዝሰምዑኻ ከድሕን ይኽእል ኢዩ።​—⁠1 ጢሞ. 4:⁠16

4 ኣብ ስራሕ ዝርአ ትብዓት:- ኣብ ስራሕካ ናይ የሆዋ ምስክር ከም ዝዀንካ ዲኻ እትፍለጥ፧ መሳርሕትኻ ነቲ ብስራት ክሰምዕሉ ዝኽእሉ እንኮ መገዲ ንስኻ እንተ ሰቢኽካሎም ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ተባዕ እንተ​ድኣ ዄንካ ኣብ ናይ ጉባኤን ዓበይትን ክርስትያናዊ ኣኼባታት ንኽትካፈል ፍቓድ ኣብ እትሓተሉ ግዜ እውን ክሕግዘካ ኢዩ።

5 ኣብ ትሕቲ ፈተና ተባዕ ምዃን:- ተቓውሞ ከጋጥመና ኸሎ ተባዓት ምዃን ኣዝዩ ኣድላዪ ኢዩ። (1 ተሰ. 2:⁠1, 2) ትብዓት እንተ​ሎና ምፍርራህ: ላግጺ: ወይ ብቐጥታ መስጐጕቲ ክወርደና ኸሎ እምነትና ኣጽኒዕና ንኽንሕዝ ይሕግዘና። (ፊል. 1:⁠27, 28) ካብቲ ኣብ ስርዓታት የሆዋ ኣምላኽና ዘሎና ኣቕዋም ንኽንለማመጥ ጸቕጢ ክወርደና ኸሎ ጸኒዕና ንኽንቅጽል የኽእለና። ካልኦት ክጻረሩና ኸለዉ ሰላማውያን ኴንና ንኽንቅጽል የበርትዓና።​—⁠ሮሜ 12:⁠18

6 ብብሕትና ዝዀነ ይኹን ጸገማት የጋጥመና ብዘየገድስ: ጸኒዕና ብትብዓት ነቲ ብስራት ንስበኽ።​—⁠ኤፌ. 6:⁠18-20

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ