ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ድግማ
ካብ 4 መስከረም ክሳዕ 18 ታሕሳስ 2000 ኣብ ዘሎ ሰሙናት ዝውሰድ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍልታት እተመርኰሰ ጽሑፋት ከይተወከስካ ዝግበር ድግማ። በቲ ተዋሂቡ ዘሎ ግዜ ብዝከኣለካ መጠን ናይቲ ሕቶታት መልሲ ንምጽሓፍ: መጽሓፊ ወረቐት ኣዳሉ።
[መተሓሳሰቢ:- ኣብ ግዜ እቲ ናይ ጽሑፍ ድግማ: ዝዀነ ይኹን ሕቶ ንምምላስ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢዩ ምጥቃም ዝከኣል። ደድሕሪ እቲ ሕቶታት ዝስዕብ መሐበሪታት: ናይ ብሕትኻ ምርምር ንምግባር ዝሕግዘካ ኢዩ። ኵሉ እቲ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ መሐበሪታት ቍጽሪ ናይ ገጽን ቍጽሪ ሕጡብ ጽሑፍን ዘይጠቅስ ክኸውን ይኽእል ኢዩ።]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ምሉኣት ሓሳባት ቅኑዕ ወይ ጌጋ ኢልካ መልስ:-
1. ኣቢሻይ ንሺምዒ ንኸይቀትሎ ዳዊት ዝኸልከሎ: በቲ ሺምዒ ዝኸሶ ዝነበረ ክስታት ዳዊት ተሓታቲ ስለ ዝነበረ ኢዩ። (2 ሳሙ. 16:5-13) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w99 1/5 ገጽ 32 ሕጡብ ጽሑፍ 3 ርአ።]
2. ጽሩይን ብግቡእ እተለማመደን ሕልና ምስ ኣምላኽ ምዉቕን ብሕታውን ዝምድና ንኽንምስርት ይመርሓና ጥራይ ዘይኰነስ ንድሕነትና እውን ዘድሊ ኢዩ። (እብ. 10:22፣ 1 ጴጥ. 1:15, 16) [w98 1/9 ገጽ 4 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
3. ካብቶም ድሕሪ ሞት ሰሎሞን ኣብ እስራኤልን ይሁዳን ዝነገሱ 14 ነገስታት 2 ጥራይ ኣብ ቅድሚ የሆዋ ቅኑዕ ስለ ዝገበሩ: እቲ ናይ 1 ነገስት ጸብጻብ ንክርስትያናት ታሪኽ ካብ ምዃን ሓሊፉ ምንም ኣይጠቕሞምን ኢዩ። [si ገጽ 64 ቍ. 1]
4. ሽሓዊ ግዝኣት የሱስ ምስቲ ሰሎሞን ን40 ዓመት ኣብ ዝገዝኣሉ እዋን ዝነበረ ሰላማውን ብልጽግና ዝመልኦ ኵነታትን ክመሳሰል ይኽእል ኢዩ። (1 ነገ. 4:24, 25, 29) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w90 1/6 (እንግሊዝኛ) ገጽ 6 ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ።]
5. እቲ ንኣቢያ እተገብረሉ ንቡር ስነ-ስርዓት ቀብሪ: ካብ ቤት የሮብዓም ንሱ በይኑ እሙን ኣምላኺ የሆዋ ምንባሩ ንጹር መርትዖ ዝህብ ኢዩ። (1 ነገ. 14:10, 13) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w95 1/4 ገጽ 12 ቍ. 11 ርአ።]
6. ክርስትያናዊ ጥምቀት ሓደ ሰብ ብሱል ኣገልጋሊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ ዝሕብር ስጕምቲ ኢዩ። [w98 1/10 ገጽ 28 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
7. የሆዋ ንኤልያስ ልዕለ-ባህርያዊ ዝዀነ ትብዓት ሂብዎ: ከም ዘይፈርህ እውን ገይርዎ ኢዩ። (1 ነገ. 18:17, 18, 21, 40, 46) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w98 1/1 ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ።]
8. እታ ሰሎሞን ዝሃነጻ ቤት መቕደስ ክብሪ ዝነበራን ብኣዝዩ ብሉጽ ነገራት ስለ እተሰርሐትን ጥራይ ዘይኰነስ ጽላሎት ናይታ ኣዝያ ዝኸበረት ናይ የሆዋ መንፈሳዊት ቤት መቕደስ ስለ ዝዀነት ኣቓልቦ ክግበረላ ይግባእ። [si ገጽ 69 ቍ. 26]
9. እቲ ብቓል ኤልሳእ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ሶርያ ዝወረደ ዑረት ናይ ኣእምሮ ዑረት ምንባሩ ዘየጠራጥር ኢዩ፣ ከመይሲ እቶም ሰራዊት ንኤልሳእ ይርእይዎ ነበሩ: እንተዀነ ግን መን ምዃኑ ከለልይዎ ኣይከኣሉን። (2 ነገ. 6:18, 19) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ si ገጽ 70-1 ቍ. 10 ርአ።]
10. እቲ ብዛዕባ ‘ምስክር’ ምሃብ ኣብ 2 ነገስት 11:12 ተጠቒሱ ዘሎ ሓሳብ እቲ ንጉስ ነቲ ቓል ኣምላኽ ዝህቦ ትርጕም ወሳንን ሰባት ክእዘዝዎ ዘለዎምን ምዃኑ ዝሕብር ኢዩ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w91 1/2 (እንግሊዝኛ) ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 6 ርአ።]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ሕቶታት መልሶም:-
11. ፍርሃት ኣምላኽ ዘለዎም ወለዲ ንደቆም ዝሰማማዕ ዓለማዊ ስራሕ ኣብ ምምራጽ ክሕግዝዎም ከለዉ ምስ 1 ዮሃንስ 2:15-17 ብምስምማዕ እንታይ ክገብሩ ኢዮም ከተባብዕዎም ዘለዎም፧ [w98 15/7 ገጽ 5 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
12. ካልኣይ ሳሙኤል 18:8 “ኻብቲ ሴፍ ዝወሐጦስ: እቲ ዱር ዝወሐጦ በዝሔ” ክትብል ከላ እንታይ ማለት ኢዩ፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w87 15/3 (እንግሊዝኛ) ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ።]
13. ሎሚ ምስቶም ራፋውያን ዝዀኑ ኣዝማድ ጐልያድ ዝመሳሰሉ መን ኢዮም: እንታይ ክገብሩኸ ኢዮም ዝጽዕሩ፧ (2 ሳሙ. 21:15-22) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ ግ/ዘ 1/1/110 ገጽ 11 ቍ. 8 ርአ።]
14. ካብ 2 ሳሙኤል 6:6, 7 እንታይ ጠቓሚ ዝዀነ መሰረታዊ ሕጊ መጽሓፍ ቅዱስ ኢና እንማሃር፧ [si ገጽ 63 ቍ. 30]
15. ካብቲ ሓደ ሰብኣይ ሕጊ ሰንበት ብምጥሓሱ ከም እተቐትለ ዝገልጽ ኣጋጣሚ እንታይ ኣገዳሲ መሰረታዊ ሕጊ ኢና ክንማሃር እንኽእል፧ (ዘሁ. 15:35) [w98 1/9 ገጽ 20 ሕጡብ ጽሑፍ 2]
16. ነታ ‘ጥበብ ሰሎሞን’ ክትሰምዕ ነዊሕ መገዲ እተጓዕዘት ንግስቲ ሳባ እንታይ ብምግባር ኢና ክንመስላ እንኽእል፧ (1 ነገ. 10:1-9) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w99 1/7 ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 1-2 ርአ።]
17. ብመሰረት 1 ነገስት 17:3, 4, 7-9, 17-24 ኤልያስ ብኸመይ ዝበለ ሰለስተ መገድታት ኢዩ ኣብ የሆዋ እምነት ከም ዘለዎ ዘርኣየ፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w92 1/4 (እንግሊዝኛ) ገጽ 19 ሕጡብ ጽሑፍ 5 ርአ።]
18. ናቦት ነቲ ኣታኽልቲ ወይኑ ንኣከኣብ ምሻጥ ምእባዩ ከም ንቕጽና ገይርካ ክርአ ዘይብሉ ስለምንታይ ኢዩ፧ (1 ነገ. 21:2, 3) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w97 1/8 ገጽ 13 ቍ. 18 ርአ።]
19. እተን ኣብ 2 ነገስት 6:16 ዝርከባ ቃላት ነዞም ሎሚ ዘለዉ ኣገልገልቲ የሆዋ ከተባብዓ ዝኽእላ ብኸመይ ኢየን፧ [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w98 15/6 ገጽ 18 ቍ. 5 ርአ።]
20. ሎሚ ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናት ካብ ስምኦናውነት ክጥንቀቑ ዝኽእሉ በየናይ መገድታት ኢዮም፧ [w98 15/11 ገጽ 28 ሕጡብ ጽሑፍ 5]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ነፍሲ ወከፍ ሓሳባት: ብቓል (ብቓላት) ወይ ብሓረግ ገይርካ ምልኣዮም:-
21. ሓደ ሓቀኛ ክርስትያን ን_________________________ ብምልምማጥ ኣብቲ ን_________________________ ባህ ዘየብል ልምድታት ክጽንበር የብሉን። (ምሳ. 29:25፣ ማቴ. 10:28) [w98 15/7 ገጽ 20 ሕጡብ ጽሑፍ 5]
22. ጳውሎስ ንንጉስ ኣግሪጳ ክምስክረሉ ኸሎ ነቲ ንዕኡን ንኣግሪጳን _________________________ ነጥብታት ብምጕላሑ _____________________________________ ተጠቒሙ ኢዩ። (ግብ. 26:2, 3, 26, 27) [w98 1/9 ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 3]
23. ገሊኦም ኣምላኽ ስለ _________________________: ኣካል ዘይብሉ ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ፣ ቀጻልን ዓሚቝን _____________________________________ ግን ንሓደ ሰብ ‘ነቲ ዘይርአ ንኽርእዮ’ የኽእሎ። (እብ. 11:27) [w98 15/9 ገጽ 21 ሕጡብ ጽሑፍ 3-4]
24. ከምቲ ኣብ _________________________ እተራእየ ሓድሓደ ግዜ ንእሽቶ _________________________ ብምርኣይ ጥራይ ብዙሕ በረኸታት ይርከብ ኢዩ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w99 1/2 ገጽ 3 ሕጡብ ጽሑፍ 6–ገጽ 4 ሕጡብ ጽሑፍ 1 ርአ።]
25. ልክዕ ከምቲ ልቢ ዮናዳብ ምስ ንጉስ የሁ ዝነበረ: ሎሚ እቶም _________________________ ነቲ ኣብ ምድሪ በቶም _________________________________________ እተወከለ ዝዓበየ የሁ ዝዀነ _________________________ ብምሉእ ልቦም ኣፍልጦ ይህብሉን ምስኡ ይተሓባበሩን ኢዮም። (2 ነገ. 10:15, 16) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w98 1/1 ገጽ 12 ቍ. 5–ገጽ 13 ቍ. 6 ርአ።]
ኣብዞም ቀጺሎም ዘለዉ ምሉኣት ሓሳባት ነቲ ቕኑዕ መልሲ ምረጽ:-
26. ንዳዊት: ‘ንእስራኤል ብምቝጻር’ ክሓጥእ ዝደፋፍኦ (ሰይጣን፣ የሆዋ፣ ዮኣብ) ነበረ። (2 ሳሙ. 24:1) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w92 15/7 (እንግሊዝኛ) ገጽ 5 ሕጡብ ጽሑፍ 2 ርአ።]
27. ምስ 1 ነገስት 8:1 ከምኡውን መክብብ 1:1 ብምስምማዕ: ሰሎሞን ነቶም ህዝቢ ዝኣከቦም (ነታ ቤት መቕደስ ንኽሃንጹ፣ ንጸላእቲ እስራኤል ንኽሰጉ፣ ንየሆዋ ንኸምልኹ) ኢዩ ነይሩ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ si ገጽ 112 ቍ. 3 ርአ።]
28. እቲ ሰሎሞን ኣብ የሩሳሌም ነታ ቤት መቕደስን ቤቱን ንኽሰርሕ ዝወሰደሉ 20 ዓመታት ምስቲ ብ(1919፣ 1923፣ 1931) ጀሚሩ ብ(1938፣ 1942፣ 1950) እተወድአ ንሰረተ-እምነትን ኣሰራርዓ ማሕበርን ዝምልከት ምትዕርራይ ዝመሳሰል ኢዩ። (1 ነገ. 9:10) [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w92 1/3 ገጽ 18 ሳጹን ርአ።]
29. እታ ኣብ 2 ነገስት 2:11 ዘላ “ሰማይ” እትብል ቃል ነቲ (ኣምላኽ ዝነብረሉ መንፈሳዊ ቦታ፣ ዝርአ ኣድማስ፣ ኣዕዋፍ ዝነፍራሉን ንፋስ ዝነፍሰሉን ኣብ ከባቢ ምድሪ ዘሎ ሃዋሁ) ኢያ እተመልክት። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w97 15/9 ገጽ 15 ሳጹን ርአ።]
30. ነቲ የሱስ ኣብ ናዝሬት ዘይኰነስ ኣብ ቤት-ልሄም ከም ዝውለድ ዝገበረ ቈጸራ ህዝቢ ዝኣዘዘ (ሄሮዶስ ዓቢ፣ ቄሳር ኣውጉስጦስ፣ ቄሳር ጢቤርዮስ) ነበረ። [w98 15/12 ገጽ 7 ሳጹን]
ነዞም ቀጺሎም ዘለዉ ጥቕስታት ምስቶም ኣብ ታሕቲ ዘለዉ ምሉኣት ሓሳባት ኣዛምዶም:-
መዝ. 15:4፣ 2 ሳሙ. 12:28፣ 2 ሳሙ. 15:18-22፣ 2 ነገ. 3:11፣ ቈሎ. 3:13
31. ኣብ ናይ የሆዋ ቲኦክራሲያዊ ስርዓት ርእስነት ክኽበር ኣለዎ። [si ገጽ 63 ቍ. 30]
32. ንማሕበር የሆዋን ወከልታን ተኣማንነት ከነርኢ ኣሎና። [si ገጽ 63 ቍ. 30]
33. ሓደ ሰብ ንምሕረት የሆዋ ዘማሱ እንተድኣ ዀይኑ ርእሱ ይገትእ: በደል ድማ ይሽፍን ኢዩ። [w98 1/11 ገጽ 6 ሕጡብ ጽሑፍ 4]
34. ነቶም ፍሉይ ኣገልግሎት ዝህቡ እሙናት ኣገልገልቲ የሆዋ ምእንጋድን ብትሕትና ምግልጋልን መሰል ኢዩ። [ሰሙናዊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ፣ w97 1/11 ገጽ 30 ሕጡብ ጽሑፍ 8 ርአ።]
35. ሓደ ንኣምላኽ ዝፈርህ ሰብ ዘይተሓስበ ኵነታት ኣጋጢምዎ ከምቲ እተጸበዮ እኳ እንተ ዘይኰነሉ: ዕድኡ ክኸፍል ዝኣተዎ ቃል ንምሕላው ዝከኣሎ ዅሉ ይገብር ኢዩ። [w98 15/11 ገጽ 27 ሕጡብ ጽሑፍ 1]