ናይ 2001 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ መምርሒ
ኣብ 2001 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክካየድ ከሎ እዚ ዝስዕብ ምድላዋት ክህሉ ኢዩ።
እቲ ክፍልታት ዝምስረተሉ ጽሑፍ:- መጽሓፍ ቅዱስ: ግምቢ ዘብዐኛ [w]: ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ ’ (ናይ 1990 ሕታም) [si-E]: ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ [gt ]: ከምኡውን ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር [rs -E] ነቲ ዝወሃብ ክፍልታት መሰረት ክዀኑ ኢዮም።
እቲ ቤት ትምህርቲ ብመዝሙርን ብጸሎትን ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መግለጽን ኣብ ግዜኡ ክጅምር ኣለዎ። ትሕዝቶ ናይቲ ፕሮግራም ኣቐዲምካ ከተፋልጥ ኣየድልን ኢዩ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ከፋልጥ ከሎ ብዛዕባ እቲ ብሰፊሑ ዝዝረበሉ ኣርእስቲ ክጠቅስ ኢዩ። ብድሕሪኡ በዚ ዝስዕብ ይቕጽል:-
ክፍሊ ቍ. 1:- 15 ደቒቕ። እዚ ብሓደ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ክወሃብ ይግብኦ: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ከኣ ኣብታ ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ ’ እትበሃል መጽሓፍ እተመስረተ ይኸውን። እዚ ክፍሊ እዚ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ እተመስረተ ምስ ዝኸውን ከም ናይ 15 ደቒቕ ሃናጺ ዝርርብ ኰይኑ ብዘይ ናይ ቃል ድግማ ክቐርብ ይግብኦ፣ ኣብ መጽሓፍ “ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ ” እተመስረተ ምስ ዝኸውን ድማ ካብ 10 ክሳዕ 12 ደቒቕ ሃናጺ ዝርርብ ምስ ተዋህበ ካብ 3 ክሳዕ 5 ደቒቕ ድማ ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ ሕቶ ተጠቒምካ ናይ ቃል ድግማ ብምግባር ክቐርብ ይግብኦ። ዕላምኡ ነቲ ጽሑፍ ንምሽፋን ዘይኰነስ ነታ ጉባኤ ብዝበለጸ ዝጠቕማ እንታይ ምዃኑ እናኣጕላሕካ ኣብ ተግባራዊ ኣወዓዕላ ናይቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ሓበሬታ ንምትኳር ክኸውን ኣለዎ። እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ኣርእስቲ ክዝውተር ኣለዎ።
እቶም ነዚ ዝርርብ እዚ ክህቡ እተመዘዙ ኣሕዋት ነቲ እተመደበሎም ግዜ ንኽሕልዉ ጥንቃቐ ክገብሩ ይግብኦም። ኣድላዪ ምስ ዝኸውን ወይ እቲ ተዛራቢ ምስ ዝሓትት ብብሕቲ ምኽሪ ክወሃብ ይኽእል ኢዩ።
ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሑ ሓሳባት:- 6 ደቒቕ። እዚ ብሓደ ነቲ ኽፍሊ ምስታ ጉባኤ ብዝሰማማዕ ስሉጥ መገዲ ገይሩ ከቕርብ ዝኽእል ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ክወሃብ ይግባእ። ኣርእስቲ ምግባር ኣድላዪ ኣይኰነን። እዚ ናይቲ እተመደበ ንባብ ድግማ ጥራይ ክኸውን የብሉን። ናይቲ ክንበብ እተመደበ ምዕራፋት ሓፈሻዊ ድግማ ካብ 30 ክሳዕ 60 ካልኢት ኣብ ዘሎ ግዜ ከጠቓልሎ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ቐንዲ ዕላማ: ሰማዕቲ እቲ ሓበሬታ ስለምንታይን ብኸመይን ከም ዝጠቕመና ምእንቲ ኽግንዘብዎ ንምሕጋዞም ኢዩ። ብድሕርዚ እቶም ተማሃሮ በቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ናብቲ እተፈላለየ ክፍልታቶም ይፋነዉ።
ክፍሊ ቍ. 2:- 5 ደቒቕ። እዚ ካብቲ ክንበብ እተመደበ ክፍሊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ እተወስደ ዀይኑ ብሓደ ሓው ክወሃብ ዘለዎ ኢዩ። እዚ ኣብቲ ቐንዲ ኣደራሽን ኣብተን ተወሰኽቲ ጉጅለታትን ይውዕል ኢዩ። እቲ ተማሃራይ ኣብ መእተውን መደምደምታን ሕጽር ዝበለ መግለጺ ምእንቲ ኽህብ እቲ ናይ ንባብ ክፍሊ መብዛሕትኡ ግዜ ሕጽር ዝበለ ኢዩ። ታሪኻዊ ድሕረ ባይታ: ትንቢታዊ ወይ ሰረተ-እምነታዊ ትርጕም: ከምኡውን ናይቲ መሰረታዊ ስርዓታት ኣወዓዕላ ክውሰኾ ይከኣል ኢዩ። ኵሉ እቲ ክንበብ እተመደበ ጥቕስታት ከየቋረጽካ ክንበብ ኣለዎ። ርግጽ ኢዩ: እቲ ዝንበብ ጥቕስታት ተኸታታሊ ምስ ዘይከውን እቲ ተማሃራይ ነታ ቐጺላ እትመጽእ ቍጽሪ ክጠቕሳ ይኽእል ኢዩ።
ክፍሊ ቍ. 3:- 5 ደቒቕ። እዚ ክፍሊ እዚ ንሓንቲ ሓብቲ ዝወሃብ ኢዩ። ትሕዝቶ ናይዚ ኣቀራርባ እዚ ኣብታ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ እተባህለት መጽሓፍ እተመስረተ ኢዩ። እቲ ኣቀራርባ ብናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት: ተመላሊስካ ምብጻሕ: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ: ወይ ብገለ ካልእ መዳይ ናይ ግራት ኣገልግሎት ዝቐርብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እተን ክፍሊ ዘቕርባ ኮፍ ኢለን ወይ ደው ኢለን ክህባ ይኽእላ ኢየን። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ: ብፍላይ ኣብቲ እታ ተማሃሪት ነታ በዓልቲ ቤት ነቲ ጽሑፍ ክትገልጽን ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ንኸተረድእን እትጥቀመሉ መገዲ ከተኵር ኢዩ። እታ ነዚ ኽፍሊ እዚ እተመደበት ተማሃሪት ምንባብ እትኽእል ክትከውን ኣለዋ። በቲ ተዓዛቢ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ሓንቲ ሓጋዚት ይምደበላ ኢዩ: ተወሳኺ ሓጋዚት እውን ክግበር ይከኣል ኢዩ። ብቐዳምነት ክሕሰበሉ ዝግባእ ፍረ ዘለዎ ኣጠቓቕማ ናይቲ ኽፍሊ ድኣ እምበር መልክዕ ኣቀራርብኡ ኣይኰነን።
ክፍሊ ቍ. 4:- 5 ደቒቕ። ትሕዝቶ ናይዚ ኽፍሊ እዚ ኣብታ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር እትበሃል መጽሓፍ እተመስረተ ኢዩ። ክፍሊ ቍጽሪ 4 ንሓደ ሓው ወይ ንሓንቲ ሓብቲ ክወሃብ ይከኣል ኢዩ። ንሓደ ሓው ምስ ዝምደብ ኵሉ ግዜ ብመልክዕ ዝርርብ ክወሃብ ይግባእ። ንሓንቲ ሓብቲ ምስ ዝወሃብ ድማ: እቲ ኽፍሊ በቲ ኣብ ክፍሊ ቍ. 3 ዘሎ መልክዕ ክቐርብ ኣለዎ።
መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጉባኤ ዘሎ ነቲ ሰሙናዊ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ክከታተሎ ኢዩ ዝተባባዕ። ኣብ መዓልቲ ሓንቲ ገጽ ምንባብ ከኣ ኢዩ ዝሓትት።
መዘኻኸሪ:- ንምኽሪ: ግዜ: ናይ ጽሑፍ ድግማ ከምኡውን ንኽፍልኻ ምድላው ብዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታን መምርሕን ንምርካብ በጃኻ ናይ ጥቅምቲ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ገጽ 3 ርአ።
መደብ
1 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ነገስት 13-16
መዝሙር ቍ. 62
ቍ. 1:- ምሕረት መገዲ ድሕነት ይኸፍት (w99 1/1 ገጽ 30-1)
ቍ. 2:- 2 ነገስት 14:1-14
ቍ. 3:- ስምረት ኣምላኽ ዘውህብ ነገራት ምግባር (gt ምዕ. 83)
ቍ. 4:- ‘ብዛዕባ ገዛእ ርእሰይ ንኽውስን መሰል ኣሎኒ’ ንዝብል ሰብ ምላሽ ምሃብ (rs ገጽ 26 ሕጡብ ጽሑፍ 5)
8 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ነገስት 17-20
መዝሙር ቍ. 116
ቍ. 1:- ንምቕባሉ ቀሊል ዝዀነ ምኽሪ (w99 15/1 ገጽ 21-4)
ቍ. 2:- 2 ነገስት 18:1-16
ቍ. 3:- ወደ መዝሙር ምዃን ዘምጽኦ ሓላፍነት (gt ምዕ. 84)
ቍ. 4:- ‘ሓጢኣት ኣዳም: ፍቓድን መደብን ኣምላኽ ኢዩ ነይሩ’ ንዝብል ሰብ ምላሽ ምሃብ (rs ገጽ 29 ሕጡብ ጽሑፍ 1-2)
15 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ነገስት 21-25
መዝሙር ቍ. 61
ቍ. 1:- 2 ነገስት—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 74 ቍ. 33-6)
ቍ. 2:- 2 ነገስት 21:1-16
ቍ. 3:- ርእስኻ ካብ ምጽዳቕ ተሓሎ: ትሕትና ድማ ኣማዕብል (gt ምዕ. 85)
ቍ. 4:- ንዝሞቱ ኣባሓጎታት ምምላኽ: የሆዋ ዘይሕጐሰሉ ምኽንያት (rs ገጽ 31 ሕጡብ ጽሑፍ 4–ገጽ 32 ሕጡብ ጽሑፍ 1)
22 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ዜና መዋእል 1-5
መዝሙር ቍ. 16
ቍ. 1:- መእተዊ 1 ዜና መዋእል (si ገጽ 75-6 ቍ. 1-7)
ቍ. 2:- 1 ዜና መዋእል 1:1-27
ቍ. 3:- እቲ ጥፉእ ወድን እቲ ፈቃር ኣቦኡን (gt ምዕ. 86 ሕጡብ ጽሑፍ 1-9)
ቍ. 4:- ንኸሓድቲ ምልላዮም (rs ገጽ 34-6 ሕጡብ ጽሑፍ 1)
29 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ዜና መዋእል 6-10
መዝሙር ቍ. 73
ቍ. 1:- ሓቀኛ ትሕትና ብኸመይ ክርአ ከም ዝከኣል (w99 1/2 ገጽ 6-7)
ቍ. 2:- 1 ዜና መዋእል 9:1-21
ቍ. 3:- ምምላስ ናይቲ ጥፉእ ወዲ ንኻልኦት ይትንክፎም (gt ምዕ. 86 ሕጡብ ጽሑፍ 10-20)
ቍ. 4:- ክርስቶስ ኣብ ጴጥሮስ ቤተ-ክርስትያን ኣይሃነጸን (rs ገጽ 37-9 ሕጡብ ጽሑፍ 3)
5 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ዜና መዋእል 11-16
መዝሙር ቍ. 65
ቍ. 1:- ምንጪ ምትብባዕ ኩን (w99 15/2 ገጽ 26-9)
ቍ. 2:- 1 ዜና መዋእል 11:1-19
ቍ. 3:- ብልቦና ንመጻኢ ግዜ ምድላው (gt ምዕ. 87)
ቍ. 4:- እቶም “ወረስቲ ሃዋርያት” ዝበሃሉ ናይ ሓቂ ክርስትያናት ኣይኰኑን (rs ገጽ 42 ሕጡብ ጽሑፍ 1–ገጽ 44 ሕጡብ ጽሑፍ 3)
12 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ዜና መዋእል 17-23
መዝሙር ቍ. 122
ቍ. 1:- ትሕትና ተዓጠቑ (w99 1/3 ገጽ 30-1)
ቍ. 2:- 1 ዜና መዋእል 18:1-17
ቍ. 3:- እቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን (gt ምዕ. 88 ሕጡብ ጽሑፍ 1-10)
ቍ. 4:- ኣብ ኣርማጌዶን መን ኢዩ ዝጠፍእ፧ (rs ገጽ 46 ሕጡብ ጽሑፍ 4–ገጽ 47 ሕጡብ ጽሑፍ 2)
19 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 1 ዜና መዋእል 24-29
መዝሙር ቍ. 119
ቍ. 1:- 1 ዜና መዋእል—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 78-9 ቍ. 22-5)
ቍ. 2:- 1 ዜና መዋእል 29:1-13
ቍ. 3:- ምሳሌ ናይቲ ሃብታም ሰብኣይን ኣልኣዛርን እንታይ ማለት ምዃኑ (gt ምዕ. 88 ሕጡብ ጽሑፍ 11-21)
ቍ. 4:- ኣርማጌዶን—ፍቕሪ ኣምላኽ ምግሃስ ኣይኰነን (rs ገጽ 48 ሕጡብ ጽሑፍ 1-3)
26 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 1-5
መዝሙር ቍ. 168
ቍ. 1:- መእተዊ 2 ዜና መዋእል (si ገጽ 79-80 ቍ. 1-6)
ቍ. 2:- 2 ዜና መዋእል 1:1-17
ቍ. 3:- ናብ ይሁዳ ናይ ምሕረት መልእኽቲ ምብጻሕ (gt ምዕ. 89)
ቍ. 4:- ንሃገራት ናብ ኣርማጌዶን ገጾም ከም ዝዅብከቡ ዝገብሮም ናይ መን ጽልዋ ኢዩ፧ (rs ገጽ 48 ሕጡብ ጽሑፍ 8–ገጽ 49 ሕጡብ ጽሑፍ 1)
5 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 6-9
መዝሙር ቍ. 103
ቍ. 1:- ብጭንቀት ኣይትወሓጥ (w99 15/3 ገጽ 21-3)
ቍ. 2:- 2 ዜና መዋእል 8:1-16
ቍ. 3:- የሱስ ብዛዕባ ተስፋ ትንሳኤ ይዛረብ (gt ምዕ. 90)
ቍ. 4:- ጥንታዊት ባቢሎን ብምንታይ ኢያ ዕልልቲ ዝነበረት፧ (rs ገጽ 50 ሕጡብ ጽሑፍ 1–ገጽ 51 ሕጡብ ጽሑፍ 5)
12 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 10-15
መዝሙር ቍ. 59
ቍ. 1:- ንኣተሓሳስባኻ ዝቐርጾ መን ኢዩ፧ (w99 1/4 ገጽ 20-2)
ቍ. 2:- 2 ዜና መዋእል 10:1-16
ቍ. 3:- የሱስ ንኣልኣዛር የተንስኦ (gt ምዕ. 91)
ቍ. 4:- ካብ ዓባይ ባቢሎን ምውጻእ ህጹጽ ዝዀነሉ ምኽንያት (rs ገጽ 53 ሕጡብ ጽሑፍ 2-7)
19 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 16-20
መዝሙር ቍ. 69
ቍ. 1:- ንልብኹም ካብ መንፈስ ኣምልኾ በዓል ሓልውዎ (w99 1/4 ገጽ 28-31)
ቍ. 2:- 2 ዜና መዋእል 16:1-14
ቍ. 3:- ነቲ ኣምላኽ ዝገበሮ ሰናይ ሞሳኻ ግለጽ (gt ምዕ. 92)
ቍ. 4:- ናይ ክርስትያን ጥምቀት—ማይ ብምንጻግ ዝግበር ከምኡውን ንህጻናት ዝምልከት ኣይኰነን (rs ገጽ 54 ሕጡብ ጽሑፍ 5–ገጽ 55 ሕጡብ ጽሑፍ 4)
26 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 21-25
መዝሙር ቍ. 212
ቍ. 1:- ሞሳኹም ካብ ምግላጽ ድሕር ኣይትበሉ (w99 15/4 ገጽ 15-17)
ቍ. 2:- 2 ዜና መዋእል 22:1-12
ቍ. 3:- ወዲ ሰብ ክግለጽ ከሎ (gt ምዕ. 93)
ቍ. 4:- ብመንፈስ ቅዱስ እተጠምቀ መን ኢዩ፧ (rs ገጽ 56 ሕጡብ ጽሑፍ 2–ገጽ 57 ሕጡብ ጽሑፍ 3)
2 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 26-29
መዝሙር ቍ. 49
ቍ. 1:- ኣምላኽ “ብቔናን” መገዲ ይሰርሕዶ ኢዩ፧ (w99 1/5 ገጽ 28-9)
ቍ. 2:- 2 ዜና መዋእል 28:1-15
ቍ. 3:- ኣድላይነት ጸሎትን ትሕትናን (gt ምዕ. 94)
ቍ. 4:- መጽሓፍ ቅዱስ እንምርምረሉ ምኽንያታት (rs ገጽ 58-60 ሕጡብ ጽሑፍ 2)
9 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 30-33
መዝሙር ቍ. 1
ቍ. 1:- ሰባት ንየሆዋ ኣምላኽ ክባርኽዎ ዝኽእሉ ብኸመይ ኢዮም፧ (w99 15/5 ገጽ 21-4)
ቍ. 2:- 2 ዜና መዋእል 33:1-13
ቍ. 3:- ብዛዕባ ፍትሕን ቈልዑ ምፍቃርን እተዋህበ ትምህርቲ (gt ምዕ. 95)
ቍ. 4:- ፍጻሜ ናይቲ የሱስ እተነበዮ ትንቢት: መጽሓፍ ቅዱስ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ምዃኑ የረጋግጽ (rs ገጽ 61 ሕጡብ ጽሑፍ 4–ገጽ 62 ሕጡብ ጽሑፍ 1)
16 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- 2 ዜና መዋእል 34-36
መዝሙር ቍ. 144
ቍ. 1:- 2 ዜና መዋእል—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 84 ቍ. 34-6)
ቍ. 2:- 2 ዜና መዋእል 36:1-16
ቍ. 3:- የሱስን ሓደ ሃብታም መንእሰይ መራሕን (gt ምዕ. 96)
ቍ. 4:- * ኣንጻር መጽሓፍ ቅዱስ ንዝቐርብ ክርክር ምላሽ ምሃብ (rs ገጽ 64 ሕጡብ ጽሑፍ 4–ገጽ 68 ሕጡብ ጽሑፍ 1)
23 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዝራ 1-6
መዝሙር ቍ. 90
ቍ. 1:- መእተዊ እዝራ ከምኡውን ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 85 ቍ. 1-7፣ ገጽ 87 ቍ. 14-18)
ቍ. 2:- እዝራ 4:1-16
ቍ. 3:- የሱስ እተጠቕመሉ ምሳሌ ኣታኽልቲ ወይኒ (gt ምዕ. 97)
ቍ. 4:- ክርስትያናት ካብ ደም ዝኽልከልሉ ምኽንያት (rs ገጽ 70-2 ሕጡብ ጽሑፍ 3)
30 ሚያ. ናይ ጽሑፍ ድግማ። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዝራ 7-10
መዝሙር ቍ. 203
7 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ነህምያ 1-5
መዝሙር ቍ. 56
ቍ. 1:- መእተዊ ነህምያ (si ገጽ 88 ቍ. 1-5)
ቍ. 2:- ነህምያ 1:1-11
ቍ. 3:- የሱስ ንደቀ መዛሙርቲ ብዛዕባ ዝመጽእ ኵነታት የዳልዎም (gt ምዕ. 98)
ቍ. 4: aብዛዕባ ምትሕልላፍ ደም ንዝቐርብ ክርክር ምላሽ ምሃብ (rs ገጽ 74 ሕጡብ ጽሑፍ 1–ገጽ 76 ሕጡብ ጽሑፍ 2)
14 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ነህምያ 6-9
መዝሙር ቍ. 155
ቍ. 1:- ክርስትያናዊት ጉባኤ ምንጪ ዘሐይል ደገፍ ኢያ (w99 15/5 ገጽ 25-8)
ቍ. 2:- ነህምያ 9:1-15
ቍ. 3:- የሱስ ንሓደ ጥፉእ ወዲ ኣብርሃም ይመልሶ (gt ምዕ. 99)
ቍ. 4:- ድሕነት ኣብ “እንደገና ምውላድ” እተመርኰሰ ኣይኰነን (rs ገጽ 77 ሕጡብ ጽሑፍ 8–ገጽ 79 ሕጡብ ጽሑፍ 1)
21 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ነህምያ 10-13
መዝሙር ቍ. 46
ቍ. 1:- ነህምያ—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 90-1 ቍ. 16-19)
ቍ. 2:- ነህምያ 12:27-43
ቍ. 3:- ምሳሌ ናይተን ምና (gt ምዕ. 100)
ቍ. 4:- ንኣቕሽሽቲ ምንዛዝ—ቅዱስ ጽሑፋዊ ዘይኰነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (rs ገጽ 80-1 ሕጡብ ጽሑፍ 9)
28 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኣስቴር 1-4
መዝሙር ቍ. 38
ቍ. 1:- መእተዊ ኣስቴር (si ገጽ 91-2 ቍ. 1-6)
ቍ. 2:- ኣስቴር 1:1-15
ቍ. 3:- የሱስ ንማርያም ስለቲ ዝገበረቶ ሰናይ ግብሪ ይከላኸለላ (gt ምዕ. 101)
ቍ. 4:- ከቢድ ሓጢኣት ንሽማግለታት ምንዛዝ ዘድሊ ስለምንታይ ኢዩ፧ (rs ገጽ 83 ሕጡብ ጽሑፍ 9–ገጽ 84 ሕጡብ ጽሑፍ 4)
4 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ኣስቴር 5-10
መዝሙር ቍ. 37
ቍ. 1:- ኣስቴር—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 94 ቍ. 16-18)
ቍ. 2:- ኣስቴር 5:1-14
ቍ. 3:- ክርስቶስ ብዓወት ናብ የሩሳሌም ኣተወ (gt ምዕ. 102)
ቍ. 4:- ነቲ ብዛዕባ ፍጥረት ዝገልጽ ጸብጻብ መጽሓፍ ቅዱስ ምርድኡ (rs ገጽ 86 ሕጡብ ጽሑፍ 3–ገጽ 88 ሕጡብ ጽሑፍ 4)
11 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዮብ 1-7
መዝሙር ቍ. 84
ቍ. 1:- መእተዊ እዮብ (si ገጽ 95-6 ቍ. 1-6)
ቍ. 2:- እዮብ 1:6-22
ቍ. 3:- የሱስ ነቶም ንቤት መቕደስ ኣምላኽ ዘርከስዎ ይዅንኖም (gt ምዕ. 103)
ቍ. 4:- ሰባት ዝሞቱ ስለምንታይ ኢዮም፧ (rs ገጽ 98-9 ሕጡብ ጽሑፍ 6)
18 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዮብ 8-14
መዝሙር ቍ. 192
ቍ. 1:- ሳውል—ንጐይታ ሕሩይ ኣቕሓ (w99 15/5 ገጽ 29-31)
ቍ. 2:- እዮብ 8:1-22
ቍ. 3:- ድምጺ ኣምላኽ ንሳልሳይ ግዜ ተሰምዐ (gt ምዕ. 104)
ቍ. 4:- ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ ባህላዊ ኣገባብ ሓዘን ዘይካፈሉ ስለምንታይ ኢዮም፧ (rs ገጽ 102 ሕጡብ ጽሑፍ 1–ገጽ 103 ሕጡብ ጽሑፍ 2)
25 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዮብ 15-21
መዝሙር ቍ. 81
ቍ. 1:- ንመብጽዕኡ ብዝምልከት ኣምላኽ ደንጓዪ ኣይኰነን (w99 1/6 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- እዮብ 17:1-16
ቍ. 3:- እታ እተረግመት ኦም በለስ እንታይ ከም እተመልክት (gt ምዕ. 105)
ቍ. 4:- ሕልምታት:- መለኮታዊ መሪሕነት ዘለዎን ዘይብሉን (rs ገጽ 104-6 ሕጡብ ጽሑፍ 3)
2 ሓምለ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዮብ 22-29
መዝሙር ቍ. 173
ቍ. 1:- ኣረኣእያኻ ከተስፍሕ ኣሎካዶ ኢዩ፧ (w99 15/6 ገጽ 10-13)
ቍ. 2:- እዮብ 27:1-23
ቍ. 3:- እቶም መራሕቲ ሃይማኖት ብኸመይ ከም እተቓልዑ (gt ምዕ. 106)
ቍ. 4:- ክርስትያናት ማሪዋና ዘይወስድሉ ምኽንያት (rs ገጽ 108 ሕጡብ ጽሑፍ 2–ገጽ 109 ሕጡብ ጽሑፍ 2)
9 ሓምለ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዮብ 30-35
መዝሙር ቍ. 108
ቍ. 1:- ንትንቢታት መጽሓፍ ቅዱስ ትውክልቲ እትገብረሉ ምኽንያት (w99 15/7 ገጽ 4-8)
ቍ. 2:- እዮብ 31:1-22
ቍ. 3:- እቲ ብዛዕባ ናይ መርዓ ድግስ እተዋህበ ምሳሌ ንምንታይ ከም ዘመልክት (gt ምዕ. 107)
ቍ. 4:- ሕማቕ ኣመላት ምስናፍ ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧ (rs ገጽ 111 ሕጡብ ጽሑፍ 4–ገጽ 112 ሕጡብ ጽሑፍ 3)
16 ሓምለ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዮብ 36-42
መዝሙር ቍ. 160
ቍ. 1:- እዮብ—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 100 ቍ. 39-43)
ቍ. 2:- እዮብ 36:1-22
ቍ. 3:- ንየሱስ ኣብ መጻወድያ ከእትውዎ ኣይክኣሉን (gt ምዕ. 108)
ቍ. 4:- የሆዋ ንምድሪ ብሓዊ ከጥፍኣዶ ኢዩ፧ (rs ገጽ 113 ሕጡብ ጽሑፍ 6–ገጽ 115 ሕጡብ ጽሑፍ 1)
23 ሓምለ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 1-10
መዝሙር ቍ. 5
ቍ. 1:- መእተዊ መዝሙር—1ይ ክፋል (si ገጽ 101 ቍ. 1-5)
ቍ. 2:- መዝሙር 3:1–4:8
ቍ. 3:- የሱስ ነቶም ተጻረርቱ ይዅንኖም (gt ምዕ. 109)
ቍ. 4:- እቲ ኣምላኽ ብዛዕባ ምድሪ ዝነበሮ ናይ መጀመርታ ዕላማ ተለዊጡ ድዩ፧ (rs ገጽ 116 ሕጡብ ጽሑፍ 2–ገጽ 117 ሕጡብ ጽሑፍ 2)
30 ሓምለ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 11-18
መዝሙር ቍ. 48
ቍ. 1:- መእተዊ መዝሙር—2ይ ክፋል (si ገጽ 102 ቍ. 6-11)
ቍ. 2:- መዝሙር 11:1–13:6
ቍ. 3:- የሱስ ኣብ ቤት መቕደስ ዝገብሮ ኣገልግሎት ተወድአ (gt ምዕ. 110)
ቍ. 4:- ነቶም ሕዙናት ከተተባብዓሉ እትኽእል መገዲ (rs ገጽ 118 ሕጡብ ጽሑፍ 2-6)
6 ነሓሰ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 19-26
መዝሙር ቍ. 117
ቍ. 1:- ጥዑይ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ—ንጽቡቕ ሓዳር ዝኸውን መፍትሕ (w99 15/7 ገጽ 21-3)
ቍ. 2:- መዝሙር 20:1–21:13
ቍ. 3:- የሱስ ምልክት ናይተን ዳሕሮት መዓልትታት ይህብ (gt ምዕ. 111 ሕጡብ ጽሑፍ 1-11)
ቍ. 4:- ነቶም ብምኽንያት ዘይፍትሓዊ ተግባራት ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ብኸመይ ከተተባብዖም ትኽእል፧ (rs ገጽ 119 ሕጡብ ጽሑፍ 5–ገጽ 120 ሕጡብ ጽሑፍ 2)
13 ነሓሰ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 27-34
መዝሙር ቍ. 130
ቍ. 1:- ፊልጶስ—ቀናእ ወንጌላዊ (w99 15/7 ገጽ 24-5)
ቍ. 2:- መዝሙር 28:1–29:11
ቍ. 3:- የሱስ ብዛዕባ እተን ዳሕሮት መዓልትታት ተወሳኺ መግለጺ ይህብ (gt ምዕ. 111 ሕጡብ ጽሑፍ 12-19)
ቍ. 4:- ነቶም ብምኽንያት ጕድለታቶም ተስፋ ዝቘረጹ ሰባት ዝኸውን መተባብዒ (rs ገጽ 120 ሕጡብ ጽሑፍ 8–ገጽ 121 ሕጡብ ጽሑፍ 3)
20 ነሓሰ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 35-39
መዝሙር ቍ. 18
ቍ. 1:- ናይ መዛኑ ጸቕጢ ክጠቕመካዶ ይኽእል ኢዩ፧ (w99 1/8 ገጽ 22-5)
ቍ. 2:- መዝሙር 38:1-22
ቍ. 3:- እተን ለባማትን ዓያሱን ደናግል (gt ምዕ. 111 ሕጡብ ጽሑፍ 20-8)
ቍ. 4:- ፍልቀት: መዝገብ ኣሰረ-ህይወት: ከምኡውን ምኽንያታውነት (rs ገጽ 123 ሕጡብ ጽሑፍ 2–ገጽ 126 ሕጡብ ጽሑፍ 2)
27 ነሓሰ ናይ ጽሑፍ ድግማ። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 40-47
መዝሙር ቍ. 91
3 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 48-55
መዝሙር ቍ. 36
ቍ. 1:- ምእንቲ ከይትሓጥእ ቍጥዓኻ ተቘጻጸር (w99 15/8 ገጽ 8-9)
ቍ. 2:- መዝሙር 49:1-20
ቍ. 3:- ናይ መክሊት ምሳሌ (gt ምዕ. 111 ሕጡብ ጽሑፍ 29-37)
ቍ. 4:- ብዙሓት ሰባት ጕድለት እምነት ዘለዎም ስለምንታይ ኢዩ፧ (rs ገጽ 129-30 ሕጡብ ጽሑፍ 2)
10 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 56-65
መዝሙር ቍ. 44
ቍ. 1:- ሕማም ዘውርደልና ድያብሎስ ድዩ፧ (w99 1/9 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- መዝሙር 59:1-17
ቍ. 3:- ክርስቶስ ብመንግስታዊ ስልጣኑ ክመጽእ ከሎ (gt ምዕ. 111 ሕጡብ ጽሑፍ 38-46)
ቍ. 4:- ኣብቲ ጽድቃዊ ሓድሽ ኣገባብ ተስፋ ብምግባር እትርአ እምነት ብግብሪ ኢያ እትረጋገጽ (rs ገጽ 131 ሕጡብ ጽሑፍ 5–ገጽ 132 ሕጡብ ጽሑፍ 2)
17 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 66-71
መዝሙር ቍ. 210
ቍ. 1:- ‘ጽቡቕ ግደ’ ሕረዩ (w99 1/9 ገጽ 30-1)
ቍ. 2:- መዝሙር 69:1-19
ቍ. 3:- እቲ የሱስ ንመወዳእታ ግዜ ዘብዕሎ ፋስጋ ቀሪቡ (gt ምዕ. 112)
ቍ. 4:- እቶም ናይ ሓቂ ነብያት እቲ እተነበይዎ ነገራት መዓስን ብኸመይን ከም ዝፍጸም ኵሉ ግዜ ኣይኰኑን ዝፈልጥዎ ነይሮም (rs ገጽ 134 ሕጡብ ጽሑፍ 3-8)
24 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 72-77
መዝሙር ቍ. 217
ቍ. 1:- መብጽዓታትካ ክትሕሉ ዘሎካ ስለምንታይ ኢዩ፧ (w99 15/9 ገጽ 8-11)
ቍ. 2:- መዝሙር 73:1-24
ቍ. 3:- የሱስ ንትሕትና ዝምልከት ትምህርቲ ይህብ (gt ምዕ. 113)
ቍ. 4:- ናይ ሓቂ ነብያት ብፍሪኦም ይልለዩ (rs ገጽ 135 ሕጡብ ጽሑፍ 3–ገጽ 137 ሕጡብ ጽሑፍ 1)
1 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 78-81
መዝሙር ቍ. 88
ቍ. 1:- ጥበብ ኣጥሪ ተግሳጽ እውን ተቐበል (w99 15/9 ገጽ 12-15)
ቍ. 2:- መዝሙር 78:1-22
ቍ. 3:- የሱስ ዝኽሪ በዓል የቕውም (gt ምዕ. 114)
ቍ. 4:- ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝሞተሉ ዕለት መዓስ ምዃኑ ኣምላኽ ኣይወሰነሉን (rs ገጽ 138 ሕጡብ ጽሑፍ 1-3)
8 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 82-89
መዝሙር ቍ. 221
ቍ. 1:- ጢሞቴዎስ—‘ብእምነት ናይ ሓቂ ውሉድ’ (w99 15/9 ገጽ 29-31)
ቍ. 2:- መዝሙር 88:1-18
ቍ. 3:- የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብትዕግስቲ ብዛዕባ ፍቕርን ትሕትናን ይምህሮም (gt ምዕ. 115)
ቍ. 4:- ኣምላኽ ኣቐዲሙ ዝፈልጦ ወይ ዝውስኖ ንዅሉ ነገራት ኣይኰነን (rs ገጽ 140 ሕጡብ ጽሑፍ 3-5)
15 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 90-98
መዝሙር ቍ. 134
ቍ. 1:- እከይ ኣይገብርን ንምባል ዕጡቕ ምዃን (w99 1/10 ገጽ 28-31)
ቍ. 2:- መዝሙር 90:1-17
ቍ. 3:- የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባ ምኻዱ የዳልዎም (gt ምዕ. 116 ሕጡብ ጽሑፍ 1-14)
ቍ. 4:- ኣምላኽ ነቲ ኣቐዲካ ናይ ምፍላጥ ክእለቱ ኣብ ኣዳም ዘይተጠቕመሉ ምኽንያት (rs ገጽ 142 ሕጡብ ጽሑፍ 1-3)
22 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 99-105
መዝሙር ቍ. 89
ቍ. 1:- ነታ ሓለፍ ዝበለት ፍቕሪ ንማሃራ (w99 15/10 ገጽ 8-11)
ቍ. 2:- መዝሙር 103:1-22
ቍ. 3:- እቶም ናይ ሓቂ ፈተውቲ የሱስ መን ምዃኖም (gt ምዕ. 116 ሕጡብ ጽሑፍ 15-25)
ቍ. 4:- እታ ክርስትያናዊት ጉባኤ ኣቐዲሙ ተወሲኑላ ነይሩ ኢዩ ክበሃል ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧ (rs ገጽ 143 ሕጡብ ጽሑፍ 3–ገጽ 144 ሕጡብ ጽሑፍ 1)
29 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 106-109
መዝሙር ቍ. 214
ቍ. 1:- “እግዚኣብሄር ጥበብ ይህብ” (w99 15/11 ገጽ 24-7)
ቍ. 2:- መዝሙር 107:1-19
ቍ. 3:- የሱስ ንደቀ መዛሙርቱ የዳልዎምን የተባብዖምን (gt ምዕ. 116 ሕጡብ ጽሑፍ 26-37)
ቍ. 4:- ኣብ ኣምላኽ ከም እንኣምን ዝገብረና ገለ ርጡብ መርትዖታት እንታይ ኢዩ፧ (rs ገጽ 145-6 ሕጡብ ጽሑፍ 5)
5 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 110-118
መዝሙር ቍ. 14
ቍ. 1:- ኣፖካሊፕስ—ክፍራህ ድዩ ዘለዎ ወይስ ተስፋ ክግበሮ፧ (w99 1/12 ገጽ 5-8)
ቍ. 2:- መዝሙር 112:1–113:9
ቍ. 3:- የሱስ ኣብ ክፍሊ ናይቲ ላዕላይ ደርቢ ዝገበሮ መዕጸዊ ጸሎት (gt ምዕ. 116 ሕጡብ ጽሑፍ 38-51)
ቍ. 4:- ኣምላኽ ስምዒታት ዘለዎ ናይ ሓቂ ኣካል ኢዩ (rs ገጽ 147 ሕጡብ ጽሑፍ 2–ገጽ 148 ሕጡብ ጽሑፍ 3)
12 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 119
መዝሙር ቍ. 35
ቍ. 1:- እቲ ጽቡቕ ባህርያትካ ድኽመትካ ክኸውን ኣይተፍቅደሉ (w99 1/12 ገጽ 26-9)
ቍ. 2:- መዝሙር 119:1-24
ቍ. 3:- ስቅያት ኣብቲ ስፍራ ኣታኽልቲ (gt ምዕ. 117)
ቍ. 4:- ስም ኣምላኽ ምዝውታር ንድሕነት ኣድላዪ ኢዩ (rs ገጽ 149 ሕጡብ ጽሑፍ 1-4)
19 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 120-137
መዝሙር ቍ. 175
ቍ. 1:- መዝሙር—ስለምንታይ ጠቓሚት—1ይ ክፋል (si ገጽ 104-5 ቍ. 23-7)
ቍ. 2:- መዝሙር 120:1–122:9
ቍ. 3:- የሱስ ተኻሕደን ተኣስረን (gt ምዕ. 118)
ቍ. 4:- የሱስ እንታይ ዓይነት “ኣምላኽ” ኢዩ፧ (rs p. 150 ሕጡብ ጽሑፍ. 1-2)
26 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- መዝሙር 138-150
መዝሙር ቍ. 135
ቍ. 1:- መዝሙር—ስለምንታይ ጠቓሚት—2ይ ክፋል (si ገጽ 105-6 ቍ. 28-32)
ቍ. 2:- መዝሙር 139:1-24
ቍ. 3:- የሱስ ይግፋዕ ሕጋዊ ብዘይኰነ መገዲ ኸኣ ይምርመር (gt ምዕ. 119)
ቍ. 4:- ሰባት ቅኑዕ ምምሕዳር ክምስርቱ ዘይከኣልሉ ምኽንያት (rs ገጽ 152-3 ሕጡብ ጽሑፍ 1)
3 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ምሳሌ 1-7
መዝሙር ቍ. 132
ቍ. 1:- መእተዊ ምሳሌ—1ይ ክፋል (si ገጽ 106-7 ቍ. 1-5)
ቍ. 2:- ምሳሌ 4:1-27
ቍ. 3:- ጴጥሮስ ካብ ፍርሂ ሰብ እተላዕለ ንየሱስ ይኽሕዶ (gt ምዕ. 120)
ቍ. 4:- ነቲ ንደቅሰብ ብሓቂ ዘድልዮም ነገራት እትፈትሖ መንግስቲ ኣምላኽ ጥራይ ኢያ (rs ገጽ 154 ሕጡብ ጽሑፍ 3–ገጽ 155 ሕጡብ ጽሑፍ 1)
10 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ምሳሌ 8-13
መዝሙር ቍ. 51
ቍ. 1:- መእተዊ ምሳሌ—2ይ ክፋል (si ገጽ 107-8 ቍ. 6-11)
ቍ. 2:- ምሳሌ 13:1-25
ቍ. 3:- የሱስ ኣብ ቅድሚ ሳንሄድሪንን ጲላጦስን ብትብዓት ይዛረብ (gt ምዕ. 121)
ቍ. 4:- ሎሚ ዘሎ ተኣምራታዊ ምሕዋይ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝግበር ኣይኰነን (rs ገጽ 156-7 ሕጡብ ጽሑፍ 3)
17 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ምሳሌ 14-19
መዝሙር ቍ. 111
ቍ. 1:- ምሳሌ—ስለምንታይ ጠቓሚት—1ይ ክፋል (si ገጽ 109-10 ቍ. 19-28)
ቍ. 2:- ምሳሌ 16:1-25
ቍ. 3:- ጲላጦስ ይኹን ሄሮዶስ ንየሱስ ጉድለት ክረኽብሉ ኣይከኣሉን (gt ምዕ. 122)
ቍ. 4:- ሎሚ ዘለዉ ሓቀኛታት ክርስትያናት ክልለይሉ ዝኽእሉ መገዲ (rs ገጽ 158 ሕጡብ ጽሑፍ 3–ገጽ 159 ሕጡብ ጽሑፍ 1)
24 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ምሳሌ 20-25
መዝሙር ቍ. 9
ቍ. 1:- ምሳሌ—ስለምንታይ ጠቓሚት—2ይ ክፋል (si ገጽ 110-11 ቍ. 29-38)
ቍ. 2:- ምሳሌ 20:1-30
ቍ. 3:- የሱስ “እቲ ሰብኣይ” እተባህለሉ ምኽንያት (gt ምዕ. 123)
ቍ. 4:- ኵሎም ደቅሰብ ናይ ሓቂ ምሕዋይ ክረኽቡ ምዃኖም እንታይ ተስፋ ኣሎ፧ (rs ገጽ 160 ሕጡብ ጽሑፍ 3-5)
31 ታሕ. ናይ ጽሑፍ ድግማ። ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ምሳሌ 26-31
መዝሙር ቍ. 180
[እግረ-ጽሑፍ]
a ግዜ ከም ዘፍቅደልካ: ነቲ ዝያዳ ምስ ዞባኻ ዝሰማማዕ እትብሎ ንዝቐርብ ክርክራትን ተቓውሞታትን ዝወሃብ መልሲ ኣትኵረሉ