ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥቅምቲ:- መጽሔታት ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ!። ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝግበረሎም ሰባት ተገዳስነት ከም ዘለዎም እንተ ኣርእዮም: ኵንትራት ክኣትዉ ዕድመ ክቐርበሎም ይኽእል ኢዩ። ሕዳር:- እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ወይ መጽሓፍ ፍልጠት። እቶም እንረኽቦም ሰባት እዚ ጽሑፋት እዚ እንተልይዎም ንዘለኣለም ምንባር ወይ ክሪኤሽን (እንግሊዝኛ) ዝበሃላ መጻሕፍቲ ክንጥቀም ንኽእል ኢና። ታሕሳስ:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት ወይ ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ጥሪ:- ዝዀነ ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ዝርከብ ቅድሚ 1986 እተሓትመ 192 ገጻት ዘሎዎ መጻሕፍቲ። ማን ካይንድ ሰርች ፎር ጎድ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ዘለወን ጉባኤታትውን ከበርክትኦ ይኽእላ ኢየን።
◼ ኣብዛ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ሕታም ዘሎ እታው: “ናይ 2001 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ” ኢዩ: ኣብ 2001 ብምልኡ ከም መወከሲ ዀይኑ ምእንቲ ኸገልግል ከኣ ብግቡእ ክተሓዝ ኣለዎ።
◼ እቲ ናይ ጉባኤኹም ናይ አኼባ ግዜ ካብ 1 ጥሪ ጀሚሩ ክቕየር እንተድኣ ዀይኑ: እቲ ናይ ጉባኤ ጸሓፊ ብዛዕባ ናይ ጉባኤ ኣኼባ ዝገልጽ ሓበሬታ ከምኡውን ናይ ዕድመ ወረቐት መሕተቲ ቅጥዒ (s-5) ብምምላእ ከፍልጥ ኣሎዎ። ኣድላዪ እንተድኣ ዀይኑ እውን: ሓድሽ ናይ ዕድመ ወረቐት ኣብቲ ቅጥዒ እቲ ክእዘዝ ይክኣል ኢዩ። እቲ ናይ ዕድመ ወረቐት ካብቲ ክመጸካ እትደልዮ ግዜ እንተ ወሓደ ቅድሚ ሸሞንተ ሰሙናት ክለኣኽ ኣለዎ።
◼ ወርሓዊ ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብኩም ካብ መጀመርታ ወርሒ ክሳዕ መወዳእታ ናይታ ወርሒ እተገብረ ናይ ኣገልግሎት ንጥፈታት ጥራይ ከጠቓልል ከም ዘለዎ ክንሕብረኩም ንፈቱ። ጸብጻብ ኣገልግሎትኩም ካብ መወዳእታ ናይታ ወርሒ ገለ መዓልትታት ኣቐዲምኩም ወይ ድሒርኩም እውን እንተሃብኩም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘሕለፍኩምዎ ግዜ ካብ ሓደ ወርሒ ናብ ካልእ ወርሒ ክመሓላለፍ የብሉን። ንኣብነት: መጨረሽታ ናይታ ወርሒ ሓሙስ ዝውድእ እንተድኣ ኰይኑ ጸብጻብኩም ግን ኣብ ናይ ሰንበት ኣኼባ እንተድኣ ክትህቡ ዄንኩም ናይ ዓርብን ናይ ቀዳምን ጸብጻብ ዝጽንብር ክኸውን የብሉን። ኣብታ ቀጺላ ዘላ ወርሒ ኢዩ ክጽንበር ዘለዎ። እዚ ንፓይነራትን ኣስፋሕትን ዝምልከት ኢዩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዋላ ሒደት እውን ይኹን—ክትገሹ ከለኹም እውን ከይተረፈ—ኣብ ግዚኡ ጸብጻብ ክትህቡ ነተባብዓኩም።
◼ ጉባኤታት በቲ ናይ ጥቅምቲ ናይ ጽሑፋት መሕተቲ ገይረን ቅዱሳት ጽሑፋት መዓልቲ መዓልቲ ምምርማር—2001 ምእዛዝ ክጅምራ ኣለወን።