ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/00 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 16 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
  • 23 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
  • 30 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን
  • 6 ሕዳር እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 10/00 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

9 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 11

8 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።

12 ደቒቕ:- “ሓድሽ ናይ መዓልቲ ፍሉይ ኣሰምብሊ ፕሮግራም።” ዝርርብ። እታ ፍሉይ ኣሰምብሊ ዝግበረላ መዓልቲ ትፍለጥ እንተ​ድኣ ዀይና ንገር: ኵሎም ምሉእ መዓልቲ ንኽካፈሉ ድማ ኣተባብዕ። ኣስፋሕቲ ንተገዳስነት ዘለዎም ሓደስቲ ሰባትን ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ክዕድሙ ኣተባብዓዮም።

25 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

መዝሙር 53ን መዕጸዊ ጸሎትን

16 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 104

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

15 ደቒቕ:- “ዝምህር: ዝድርኽ: ከምኡውን ዘበራትዕ መሳርሒታት።” (ቍጽሪ 1ን 2ን ጥራይ) ዝርርብ። ማሕበር ብኸመይ ቪድዮ ከተዳሉ ከም ዝጀመረት ኣሕጽር ኣቢልካ ግለጽ። (ኣብታ ፕሮክለይመርስ እትበሃል መጽሓፍ [እንግሊዝኛ] ኣብ ገጽ 600-601 ርአ።) ነቲ ኣብ 30 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ ዝግበር ምይይጥ ንምድላው ነፍሲ ወከፍ ሰብ ነታ ጂሆቫስ ዊትነስስ​—⁠ዘ ኦርጋናይዜሽን ቢሃይንድ ዘ ኔም ዘርእስታ ቪድዮ (እንግሊዝኛ) ርእዩ ክመጽእ ኣተባብዕ። እቶም እዛ ቪድዮ እዚኣ ዘላቶም ነቶም ዘይብሎም ከለቅሕዎም ወይ ድማ ብሓባር ኰይኖም ክርእይዋ ይኽእሉ ኢዮም።

20 ደቒቕ:- ኵላትና ናይ ፓይነር መንፈስ ከነንጸባርቕ ንኽእል ኢና። መራሒ ትምህርቲ መጽሓፍ ምስ ሓጋዚኡ ዝገብሮ ኣብ ናይ 15 ጥቅምቲ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 22-3 እተመርኰሰ ምይይጥ። ኣብ ጉባኤ ብዙሓት ፓይነራት ምስ ዝህልዉ ዘበራትዕ ዝዀነሉ ምኽንያትን ነዚ ሸቶ እዚ ንምብጻሕ ኵሉ ኣስፋሒ ኣበርክቶ ክገብረሉ ዝኽእል መገድታትን ግለጹ። ነቶም ሕጂ ፓይነራት ኰይኖም ዘገልግሉ ዘለዉ ንኸየቋርጹ እተተባብዓሉ መገድታትን ኵሎም ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ኣስፋሕቲ ብኸመይ ንኣገልግሎት ቅንኢ ክሓድሮም ከም ዝኽእልን ተመያየጡ።

መዝሙር 131ን መዕጸዊ ጸሎትን

23 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 150

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

20 ደቒቕ:- ንኣኼባታት ጽቡቕ ገይርካ ተዳሎ። ዝርርብን ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥን። እቲ ካብ ኣኼባታት እንረኽቦ ጥቕሚ ብዓቢኡ ኣብቲ ንምድላው እንገብሮ ጻዕሪ እተመርኰሰ ኢዩ። ኣብታ ናይ 1 መጋቢት 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 15-16 ቍጽሪ 8-11 ዝርከብ ተግባራዊ ሓሳባት ግለጽ። ተኣከብቲ ጽቡቕ ገይሮም ንምድላው ብኸመይ ዘድሊ ተበግሶ ከም ዝወሰዱን ግዜ ከም ዝረኸቡን ሓሳብ ንኽህቡ ዓድሞም።

መዝሙር 211ን መዕጸዊ ጸሎትን

30 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 167

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣስፋሕቲ ናይ ጥቅምቲ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክህቡ ኣዘኻኽሮም።

10 ደቒቕ:- “ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም።” ዝርርብ። እተን ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ዝግበረለን መዓልትታት ዝፍለጣ እንተ​ድኣ ዀይነን ንገር: ኵሎም ምሉእ መዓልቲ ንኽካፈሉ ድማ ኣተባብዕ። ኣስፋሕቲ ንተገዳስነት ዘለዎም ሓደስቲ ሰባትን ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስን ክዕድሙ ኣተባብዓዮም።

25 ደቒቕ:- ጂሆቫስ ዊትነስስ​—⁠ዘ ኦርጋናይዜሽን ቢሃይንድ ዘ ኔም። ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ነቲ ኣብ ቍጽሪ 3 ናይታ “ዝምህር: ዝድርኽ: ከምኡውን ዘበራትዕ መሳርሒታት” ዘርእስታ ዓንቀጽ ዘሎ ሕቶታት ተመያየጥሉ። እታ ቪድዮ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ምስ ማሕበርና ኣጸቢቖም ንኽላለዩ ብኸመይ ከም እትሕግዞም ሓሳባት ሃብ። ሓደ ወይ ክልተ ሓጸርቲ ተመክሮታት ኣቕርብ።​—⁠ናይ 1 ጥቅምቲ 1992 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 30-1 ርአ።

መዝሙር 15ን መዕጸዊ ጸሎትን

6 ሕዳር እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 198

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት።

25 ደቒቕ:- እንታይ ኢና እንኣምን፧ ሓደ ሓው ንሓደ “ናይ የሆዋ መሰኻኽር ከመይ ዝበለ ካብ ካልኦት ሃይማኖታት ፍልይ ዘብሎም ትምህርታት ኢዮም ዝምህሩ፧” ኢሉ ዝሓተቶ ውልቀ⁠-​ሰብ ተመላሊስካ ምብጻሕ ይገብረሉ። ነቲ ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ኣብ ገጽ 6 ዘሎ ሳጹን ዝርከብ ነጥብታት ግለጽ። ካልኦት ሃይማኖታት ነቲ ሰብ ዝሰርዖ ትምህርትታት ክብላ ነዚ መሰረታዊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ሓቂ ብኸመይ ዕሽሽ ከም ዝበላኦ ወይ ዝነጸጋኦ ግለጽ።

15 ደቒቕ:- መዝሙር ኣገዳሲ ክፍሊ ኣምልኾና ኢዩ። ሓደ መራሒ ትምህርቲ መጽሓፍ ምስ ክልተ ኣስፋሕቲ ብዛዕባ ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ምዝማር ይዘራረብ። ክዝምሩ ከለዉ ውዕዉዕ መንፈስ ከም ዘይብሎም ተዓዚብዎም ኢዩ። ካብታ ናይ 1 ለካቲት 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 27-8 ገለ ነጥብታት የካፍሎም። ከምቲ ኣብ ናይ 1 ሓምለ 1999 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 20 ቍጽሪ 12 ተገሊጹ ዘሎ: ንቓላት ናይ ሓደ ኣብታ ሰሙን እቲኣ ኣብ ዝውሰድ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝዝመር መዝሙር ይምርምርዎ። ንመዝሙር ኣርዚንና ብምርኣይ: ንየሆዋ እነቕርቦ ልባዊ ውዳሰ ህያው ንገብሮ።

መዝሙር 223ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ