ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ሓምለን ነሓሰን:- ካብዘን ዝስዕባ 32 ገጽ ዘለወን ብሮሹራት ዝዀነት ትኹን ምጥቃም ይከኣል ኢዩ:- ኣምላኽ ብዛዕባና ብሓቂ ይግደስዶ ኢዩ፧፣ ንዘልኣለም አብ ምድሪ ብምንባር ተሐጎሱ!፣ ኣብ ስላሴ ክትኣምን ይግብኣካዶ ኢዩ፧፣ እቲ ንዘለኣለም ጸኒዑ ዝነብር መለኮታዊ ስም፣ ምስ ሞትና እንታይ ኢና እንኸውን፧፣ ዕላማ ህይወት እንታይ ኢዩ—ብኸመይ ክትረኽቦ ትኽእል፧፣ እተፍቅሮ ሰብ ምስ ዝመውት፣ ከምኡውን ንዅሎም ሰባት ዝኸውን መጽሓፍ። መስከረም:- ኣብ ገነት ኣብ ምድሪ ንዘለኣለም ምንባር ትኽእል ኢኻ። ጥቅምቲ:- ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንጽል ቅዳሓት። ተመላሊስካ ምብጻሕ ዝግበረሎም ሰባት ተገዳስነት ከም ዘለዎም እንተ ኣርእዮም: ኵንትራት ክኣትዉ ዕድመ ክቐርበሎም ይኽእል ኢዩ።
◼ ናይ ወረዳ ተዓዘብቲ ካብ ወርሒ መስከረም ጀሚሮም “ሰብኣዊ ኣገዛዝኣ ኣብ ሚዛን ተመዚኑ” ዘርእስቱ ህዝባዊ ዝርርብ ክህቡ ኢዮም።