ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/00 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ንኡስ ኣርእስትታት
  • 13 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
  • 20 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
  • 27 መጋቢት እትጅምር ሰሙን
  • 3 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 3/00 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ መደብ

13 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 118

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- “ብስራት ኢና እንሰብኽ።” ኣብ ውሽጢ ሓደ ደቒቕ መእተዊ ሓሳባት ሃብ: ድሕሪኡ ብሕቶን መልስን ምይይጥ ግበር። ኣብ መጽሓፍ ፍልጠት ዝርከብ: ነታ መጽሓፍ ኣብ ኣገልግሎት ከነበርክታ ከሎና ድማ ክንጥቀመሉ እንኽእል ኣብነታት ናይ ኣወንታዊ ዝዀነ ቅዱስ ጽሑፋዊ ነጥብታት ሃብ።

20 ደቒቕ:- “ሚያዝያ 2000 እታ ዝበለጸት ወርሒ ክንገብራ ንኽእልዶ፧” (ቍጽሪ 1-11) ሕቶን መልስን። ኣብታ ጉባኤ ኣብ ቀረባ ግዜ እተበጽሐ ዝለዓለ ቍጽሪ ሓገዝቲ ፓይነራት ጥቐስ። ገለ ካብቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ዝዀኑ ናይ ኣገልግሎት ንጥፈታት ብምውሳኾም ብብሕቶም ዝረኸብዎ ረብሓታት ከም ዝነግሩ ግበር። እታ ጉባኤ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ሓገዝቲ ፓይነራት ንምብጻሕ ክትጽዕር ኣተባብዕ። ኣብ መጽሓፍ ኣገልግሎትና ገጽ 113-14 ተጠቒሱ ዘሎ ብቕዓታት ግለጾ። እቶም ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ዝደልዩ ኣስፋሕቲ ድሕሪ እቲ ኣኼባ ምውድኡ መሕተቲ ቅጥዒ ክወስዱ ይኽእሉ ኢዮም።

መዝሙር 187ን መዕጸዊ ጸሎትን

20 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 21

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

15 ደቒቕ:- “እንታይ ክገብር እኽእል፧” ሓደ መራሒ ትምህርቲ መጽሓፍ ነታ ዓንቀጽ ምስ ሓደ ወይ ክልተ ኣገልገልቲ ጉባኤ ይመያየጠላ። ገለ ኣስፋሕቲ ዓቕሞም ብእተፈላለየ መገዲ ድሩት ስለ ዝዀነ ኣብ ጉባኤ ከበርክትዎ ዝኽእሉ ንጥፈታት ሒደት ጥራይ ኰይኑ ክስምዖም ይኽእል ኢዩ። ኵላትና ንጉባኤ ንምድልዳልን ዕዮ መንግስቲ ኣምላኽ ንምድንፋዕን ከነበርክቶ ካብ እንኽእል ብዙሕ ኣገዳሲ መገድታት ገለ ግለጽ። ነፍሲ ወከፍ ሰብ ብኸመይ “ኣብ ናይ መወዳእታ ጸብጻብ ምክፋል” ከም ዝኽእል ብምግላጽ መደምደምታ ግበር።​—⁠ኣገልግሎትና ገጽ 108-10 ርአ።

20 ደቒቕ:- “ሚያዝያ 2000 እታ ዝበለጸት ወርሒ ክንገብራ ንኽእልዶ፧” (ቍጽሪ 12-18) ሕቶን መልስን። ነቶም እንፈልጦም ሰባት ብኸመይ ናብ በዓል ዝኽሪ ክንዕድሞም ከም እንኽእል ዝገልጽ ሓጺር መርኣያ ኣቕርብ። ነታ ኣብ ናይ 2000 ዓውደ⁠-​ኣዋርሕ ዘላ ወርሒ ሚያዝያ ግለጻ ከምኡውን እቲ ኣብታ ጉባኤ ተመዲቡ ዘሎ ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ሓብር። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ዓቕሙ ብዝፈቕደሉ መጠን ኣብ ኣገልግሎት ንኽካፈል ተግባራዊ መደብ ክገብር ኣዘኻኽር: በዚ ኸምዚ እታ ጉባኤ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ኣብ ኣገልግሎት ንኽትሳተፍ ዕላማ ትገብር። ኵሎም እቶም ሓጋዚ ፓይነር ክዀኑ ዝኽእሉ እቲ ኣኼባ ምስ ተወድአ ናይ መሕተቲ ቅጥዒ ክወስዱ ኣተባብዓዮም።

መዝሙር 65ን መዕጸዊ ጸሎትን

27 መጋቢት እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 119

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ መጋቢት ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ኵሎም ክህቡ ኣዘኻኽሮም። ኣስማት ናይቶም ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓገዝቲ ፓይነራት ክዀኑ ዝመደቡ ንገር። ሓጋዚ ፓይነር ንምዃን ሕጂውን ክሕተት ከም ዝከኣል ግለጽ። ኣብ ብምልእታ ወርሒ ሚያዝያ ክግበር ተመዲቡ ዘሎ ናይ ግራት ኣገልግሎት መደብ ግለጽ። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ካብ መጀመርታ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ኣብ ኣገልግሎት ንኽካፈል ኣተባብዕ። ኣብታ ወርሒ እቲኣ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንጽል ቅዳሓት ክንዕድል ኢና። ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋናዊ ሕታም ኣብ ኣገልግሎት ኣስላጢ ኣቀራርባ ንምግባር ዘኽእል ሓንቲ ዓንቀጽ ከምኡውን ከዘራርብ ዝኽእል ነጥቢ ኣጕልሕ። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ቅዳሕ ናይታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ክሕዝ ኣለዎ: ብእኣ ገይሩ ድማ ተገዳስነት ንዘለዎም ሰባት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ ንኽጅምረሎም ክጽዕር ኣለዎ።

12 ደቒቕ:- “ሓገዝ ሕተት።” ብሓደ ሽማግለ ዝቐርብ ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ኵላትና ብተደጋጋሚ ገለ ዓይነት ሓገዝ ዘድልየና ብኸመይ ምዃኑ ግለጽ። ርግጽ ኢዩ: ነፍሲ ወከፍ ሰብ ጸጾሩ ክጸውር ኣለዎ። (ገላ. 6:⁠5) እንተ​ዀነ ግን: ምጽዋሩ ምስ ዝኸብደና: ካብቶም ብመንፈስ ብሱላት ዝዀኑ ኣባላት ናይ ጉባኤ ሓገዝ ንምሕታት ድሕርሕር ክንብል የብልናን። ብሕያውነት እተዋህበ ሓገዝ ብኸመይ ከም ዘተባብዖም ዝሕብር ተመክሮ ንኸዘንትዉ ነቶም ሰማዕቲ ዓድሞም።

8 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

15 ደቒቕ:- “ውዳሰ ድዩ ወይስ ሻሕራ፧” ኣብ ናይ 1 ለካቲት 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 29-31 ብምምርኳስ ምስቲ ከባቢ ዝሰማማዕ ኰይኑ ዝቐርብ ዝርርብ።

መዝሙር 195ን መዕጸዊ ጸሎትን

3 ሚያዝያ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 72

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታትን ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዘጋጠመ ተመክሮታትን። ካልኦት ኣብ ኣገልግሎት ንኽካፈሉ ዘተባብዖም ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ተመክሮ ኣቕርብ።

17 ደቒቕ:- “መንፈሳዊ ዕቤት ምግባር ቀጽል!” ኣብ መንጎ ሕቶታት እናሓተትካን ኣብታ ጉባኤ ብኸመይ ተግባራዊ ክኸውን ከም ዝኽእል እናገለጽካን ኣብ ናይ 1 ጥቅምቲ 1998 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28-31 እትርከብ ዓንቀጽ ተመርኲስካ ዝቐርብ ዝርርብ።

18 ደቒቕ:- ከቢድ ሓጢኣት እንተ ርእየ ክነግርዶ ኣሎኒ ኢዩ፧ ኣብ መንእሰያት ዘተኰረ ብሓደ ሽማግለ ዝቐርብ ረዚን ዝርርብ። ኣብዚ ዘመናዊ ሕብረተሰብ ንመንእሰያት ዝሃሲ ብዙሕ ጸገማት ማዕቢሉ ኣሎ:- እናተባላሸወ ዝኸይድ ዘሎ ስነ⁠-​ምግባራዊ ስርዓታት: እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ዓመጽ: ወልፊ ሓሽሽ: ከምኡውን ንሰበ⁠-​ስልጣን ኣኽብሮት ዘይምርኣይ። ገለ ኰተቴታት ነቲ ዘይእዱብ ጠባዮም ብምሕባእ ክልተ መልክዕ ዘለዎ ናብራ ይነብሩ ኢዮም። እዚ ንመንፈሳዊ ጥዕና ናይ ምሉእ ጉባኤ ብሓቂ ዘስግእ ኢዩ። ገሊኣቶም ከቢድ ሓጢኣት ይፍጽሙ እሞ ክሓብእዎ ይፍትኑ። ሓደ ኣብ ጉባኤኻ ዘሎ ሓው ወይ ሓብቲ ንሕጊ ኣምላኽ ብምጥሓስ ከቢድ ሓጢኣት ከም ዝፈጸመ እንተ​ድኣ ፈሊጥካ እንታይ ክትገብር ኣሎካ፧ እዚ ንሽማግለታት: ኣድላዪ እንተ ዀይኑ እውን ንናይ ወረዳ ተዓዛቢ ክንገር ኣለዎ። እዚ ጕዳይ እዚ ንክርስትያናዊ ተኣማንነት ዝትንክፍ ኢዩ። ኣብ ጉባኤ ዝመላለሱ ደቂ ተባዕትዮ ንኣሓት እንተ​ድኣ ኣሸጊሮምወን እውን ክነግራሎም ኣለወን። ከምዚ ዝኣመሰለ ሽግር ዘጋጠመን ኣሓት ነቲ ነገር ኣብ ውሽጠን ሒዘን ክሳቐያ የብለንን: የግዳስ እቶም ዝምልከቶም ኣሕዋት ነቲ ግጉይ ጠባይ ከም ዝፈልጥዎ ክገብራ ኣለወን። ኣብ ጉባኤ ዘሎ ዝዀነ ይኹን ወዲ ተባዕታይ ዘይስነ⁠-​ምግባራዊ ነገር ንምግባር ሕቶ እንተ​ድኣ ኣቕሪቡ እውን ከይተረፈ ክነግራሉ ኣለወን። እቲ ኣብ ዘሌዋውያን 5:⁠1 ዘሎ ስርዓት ሕሰቡሉ። (ናይ 15 ነሓሰ 1997 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 27-​30 ርአ።) ነታ መንእሰያት ዝሓትዎ እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 68-9 እውን ርአ።

መዝሙር 68ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ