ሚያዝያ 2000 እታ ዝበለጸት ወርሒ ክንገብራ ንኽእልዶ፧
1 ረቡዕ ምሸት: 19 ሚያዝያ ኣብዛ ዓመት ኣገልግሎት እዚኣ ጐሊሓ እትርአ መዓልቲ ኢያ። ኣብታ መዓልቲ እቲኣ ቀስ ብቐስ ጸሓይ ምስ ዓረበት: ኣብ መላእ ዓለም ዝርከባ ኵለን ጉባኤታትን ጕጅለታትን ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ከብዕላ ኢየን። ኣብ ዝዀነ ይኹን ዞባ ሰዓት ንሃሉ ብዘየገድስ: ንዝኽሪ መስዋእቲ የሱስ ክርስቶስ ምብዓል ናይዚ ዓመት እዚ ዓቢ ፍጻመ ክኸውን ኢዩ። እታ ዝኽሪ ዝኽበረላ መዓልቲ ኣብ ናይ 2000 ዓውደ-ኣዋርሕ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ዘላ ወርሒ ሚያዝያ ምልክት ተገይሩላ ኣሎ።
2 ወርሒ ሚያዝያ ብምልእታ ነቲ የሆዋ ብመስዋእቲ ወዱ ኣቢሉ ዘርኣየና ዘይንበቕዖ ሕያውነት ብምሉእ ነፍስና ከም እነማስወሉ ንምግላጽ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ትኸፍተልና ኢያ። ብኸመይ፧ ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ኢሉ ጸሓፈ:- “እምብኣርከ ሓደ በጃ ዅሉ ሞተ: ስለዚ ዅላቶም ሞቱ: ካብ እንብልሲ: ፍቕሪ ክርስቶስ ደሪኹና እዩ . . . ድሕሪ ሕጂ እቶም ዘለዉ ነቲ ምእንታኦም ዝሞተን ዝተንስኤን እምበር: ንርእሶም ምእንቲ ኸይነብሩ: ንሱ ኣብ ክንዲ ዅላቶም ሞተ።” (2 ቈረ. 5:14, 15) እወ: ከም ኣገልገልቲ ናይታ መንግስቲ መጠን ንወርሒ ሚያዝያ ዝበለጸት ወርሒ ብምግባር ንርእስና ዘይኰነስ ነቲ ዝሞተልና ንነብር ከም ዘሎና ከነርኢ ንኽእል ኢና!
3 ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓጋዚ ፓይነር ኩን:- ሃዋርያ ጳውሎስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል ዘነቓቕሕ ኣብነት ሓዲጉልና ኢዩ:- “ጕያይን ብጐይታና የሱስ እተቐበልክዋ መልእኽተይን ክፍጽም: ወንጌል ጸጋ ኣምላኽ እናመስከርኩ ህይወተይውን ብኣይሲ ኸም ክብርቲ ገይረ ኣይርእያን እየ።” (ግብ. 20:24) ንሕና እውን ብተመሳሳሊ ብዛዕባ የሆዋ ኣምላኽ ምስክርነት ናይ ምሃብ መሰል ኣሎና። ነዚ ንምፍጻም: ወርሒ ሚያዝያ ካብ ቅድሚ ሕጂ ብዝበለጸ ሓገዝቲ ፓይነራት ዝህልዉላ ወርሒ ክንገብራ ንደሊ ኢና!
4 ሚያዝያ 2000 ሓሙሽተ ቀዳመ-ሰናብቲ ስለ ዘለዋ: ብዙሓት ፓይነር ንኽዀኑ እትምችእ ወርሒ ኢያ። እቲ ካብ ፓይነራት ዝድለ ሰዓታት ስለ ዝጐደለ: እዚ ዓይነት ኣገልግሎት እዚ ኣብ ጉባኤ ንዘለዉ ብዙሓት ኣሕዋት ክፉት ኰይኑሎም ኣሎ። ነፍሲ ወከፍ እተጠምቀ ኣስፋሒ ኣብዛ ወርሒ እዚኣ ሓጋዚ ፓይነር ክኸውን ዝኽእል እንተ ዀይኑ ብጸሎት ክሓስበሉ ኣለዎ።
5 በታ ኣብ ናይ 2000 ዓውደ-ኣዋርሕ ዘላ ወርሒ ሚያዝያ ተጠቒምካ ነዛ ቀጺላ ዘላ ወርሒ ዝኸውን መደብ ሕጂ ኣውጽእ። ኣየኖት መዓልትታት ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክትካፈል ከም እትኽእል ወስን ከምኡውን ኣብታ ወርሒ እቲኣ ንስብከት ክትውፍዮ እትኽእል ሰዓታት ደምሮ። እቲ ብስርዓታውን ብናይ እግረ-መገድን ምስክርነት ከተሕልፎ እትኽእል ግዜ ኣብቲ ድምር ኣእትዎ። እቲ ድምር ምስቲ ካብ ሓጋዚ ፓይነር ዝድለ 50 ሰዓታት ዝቀራረብ ኰይኑዶ፧ ካብቲ ዝድለ ሰዓታት እንተ ጐዲሉ: ሓጋዚ ፓይነር ንኽትከውን ዘድልየካ ግዜ ንምዕዳግ ኣብ መደብካ ካልእ ምትዕርራይ ክትገብር ምኸኣልካዶ፧ ኣብ ወርሒ 50 ሰዓታት ንምምጻእ ኣብ መዓልቲ ብገምጋም ሓደ ሰዓትን 40 ደቒቕን ጥራይ ኢዩ ዘድልየካ።
6 ሕጂ ካብ ስርዓታውያን ፓይነራት ዝድለ ሰዓታት ስለ ዝጐደለ: ኣብ ናይ ምሉእ ግዜ ኣገልግሎት ክትሳተፍ ሓሲብካዶ ኣሎኻ፧ ንምንታይ ክሳዕ መስከረም እትጽበ፧ ወርሒ ሚያዝያ ስርዓታዊ ፓይነር ኴንካ ንምጅማር እትምችእ ወርሒ ኢያ! ነቲ ካብ ስርዓታውያን ፓይነራት ዝድለ 70 ሰዓታት ከተማልእ ዘይትኽእል ኰይኑ እንተድኣ ተሰሚዑካ: ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ሓጋዚ ኴንካ እናገልገልካ 70 ሰዓታት ንምምጻእ ንምንታይ ከም ሸቶኻ ገይርካ ዘይትሕዞ፧ ከተማልኦ ከም እትኽእል ምስ ተገንዘብካ: ብቕልጡፍ ስርዓታዊ ፓይነር ንምዃን ከተመልክት ትድረኽ ትኸውን።—ኣብታ ኣገልግሎትና እትበሃል መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 113-14 ርአ።
7 ከም ኣስፋሒ ናይቲ ብስራት መጠን ምሉእ ተሳትፎ ግበር:- ኣስፋሕቲ ንኹን ፓይነራት: ኵላትና ንኣምላኽን ንብጾትናን ዘላትና ናይ ሓቂ ፍቕሪ ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኵነታትና ብዝፈቕደልና መጠን ብምሉእ ነፍስና ንኽንዓዪ ትድርኸና ኢያ። (ሉቃ. 10:27) በዚ ኸምዚ ኸኣ: ‘በቲ ንዅሉ ሰብ: ምናዳ ንኣመንቲ: ዘድሕን ህያው ኣምላኽ ተስፋ ብምግባር ንዓዪን ንጽዕርን ከም ዘሎና’ ነርኢ። (1 ጢሞ. 4:10) ስለዚ ኸኣ ኢና ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ኣብ ዕዮ ናይታ መንግስቲ ምሉእ ብምሉእ ብምክፋል እቲ ተሳትፎ ሚእቲ ካብ ሚእቲ ክኸውን ኢዩ ኢልና ንጽበ ዘሎና።
8 ነቲ የሱስ ከምዚ ዝስዕብ ብምባል እተላበወና ኣይንረስዓዮ:- “እቲ እኽሊ ብዙሕ እዩ: ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእከሉ ለምንዎ።” የሱስ እዚ ምስ በለ ብኡንብኡ ነቶም 12 ሃዋርያቱ ጸዊዑ ክሰብኩ ለኣኾም። (ማቴ. 9:37, 38፣ 10:1, 5, 7) ድሕሪ ሓደ ዓመት ኣቢሉ ዝኸውን እቶም 12 ኣብ ዕዮ ስብከት ኣጸቢቖም ምስ ተለማመዱ የሱስ ‘ካልኦት ሰብዓ ሰሪዑ ለኣኸ:’ ከምዚ ብምባል ከኣ ተመሳሳሊ መምርሒ ሃቦም:- “እኽሊ ብዙሕ እዩ: . . . ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ: ለምንዎ።” (ሉቃ. 10:1, 2) እታ ክፍሊ መጽሓፍ ቅዱስ ዝዀነት መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት የሆዋ ነዚ ጸሎት እዚ ብኸመይ ከም ዝመለሶ ትሕብር ኢያ። ክሳዕ ጴንጠቆስጠ ናይ 33 ከ.ኣ.ዘ. ቍጽሪ ደቀ መዛሙርቲ ናብ 120 ኣቢሉ ወሰኽ ገይሩ ነበረ። ድሕርዚ: እቲ ዝለዓለ ቍጽሪ ደቀ መዛሙርቲ ናብ 3,000 ጸኒሑ ድማ ናብ 5,000 ደየበ። (ግብ. 1:15፣ 2:41፣ 4:4) ካብኡ ንነጀው “ቍጽሪ እቶም ደቀ መዛሙርቲ . . . ኣዝዩ እናበዝሔ ኸደ።” (ግብ. 6:7) ብተመሳሳሊ: ኣብዚ ግዜ እዚ ዝያዳ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ምእንቲ ክለኣኹ ነቲ ጐይታ ካብ ምልማን ከነቋርጽ የብልናን! ምስ ጸሎትና ብምስምማዕ ኵሉ ናይ ጉባኤ ኣስፋሒ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ኣብ ኣገልግሎት ንምስታፍ ንጹር ምድላዋት ክገብር ኣለዎ።
9 ነታ ኣብ ናይ 2000 ዓውደ-ኣዋርሕ ዘላ ወርሒ ሚያዝያ እስከ ጽቡቕ ገይርካ ተዓዘባ። እተን ናይታ ወርሒ ናይ መጀመርታ መዓልትታት ቀዳምን ሰንበትን ስለ ዝዀና: ኣብታ ወርሒ እቲኣ ኣገልግሎት ቀልጢፍካ ንምጅማር ኣብታ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ኣገልግሎት ንምክፋል መደብ ክትገብር ምኸኣልካዶ፧ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣብታ ወርሒ እቲኣ ዝህሉ “መዓልቲ መጽሔት” ምስታ ዘለኻያ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ ኴንካ ክትካፈልዶ ኢኻ፧ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰንበት ኣብ ኣገልግሎት ሓደ ሰዓት ወይ ካብኡ ንላዕሊ ብዛዕባ ምሕላፍከ እንታይ ትብል፧ እንተ ወሓደ ሓደ ህዝባዊ በዓል ስለ ዘሎ: ንኣገልግሎት ዝሰፍሐ ኣጋጣሚ ክርከብ ኢዩ። ኣብ ናይ ምሸት ምስክርነት ንምክፋል እውን ምድላዋት ክትገብር ምኸኣልካዶ፧ ኣብ ስራሕ: ትምህርቲ: ወይ ካልእ መዓልታዊ ንጥፈታትካ ክትገብር ከሎኻ ንዅሉ እቲ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ክትህብ እትኽእለሉ ኣጋጣሚታት ተጠቐመሉ። ነተን ኣብ ኣገልግሎት ገለ ሰዓታት ከተሕልፈለን እትኽእል መዓልትታት ምልክት ግበረለን: ነታ ዓውደ-ኣዋርሕ ኸኣ ኣብታ ወርሒ ኣብ ኣገልግሎት ዘሕለፍካዮ ግዜ ንምምዝጋብ ተጠቐመላ።
10 ወርሒ ሚያዝያ ንዅሎም እቶም ብቕዓት ዘለዎምን ብሽማግለታት እተፈቕደሎምን ሰባት ዘይተጠመቑ ኣስፋሕቲ ኰይኖም ንምጅማር እትምችእ እዋን ኢያ። ንሓደ ሰብ ጽንዓት ትመርሓሉ እንተድኣ ኣሊኻ: እቲ ሰብ ናብ ኣወሃሃዲ ተዓዛቢ ቀሪቡ ኣስፋሒ ናይቲ ብስራት ክኸውን ኢሉ ንኽሓትት ዘኽእሎ እኹል ዕቤት ገይሩዶ ኣሎ፧ ዘይተጠመቑ ውሉዳት እንተድኣ ኣልዮምኻ: ምስ ሽማግለታት ብዛዕባ መንፈሳዊ ዕቤቶም ተመያይጥካዶ፧ ኣስፋሕቲ ንኽዀኑ እዛ ወርሒ እዚኣ ምችእቲ ኣይትዀነሎምንዶ፧—ኣብታ ኣገልግሎትና እትበሃል መጽሓፍ ገጽ 97-100 ርአ።
11 ሚያዝያ 2000 እታ ዝበለጸት ወርሒ ንምግባር ኣብ እነካይዶ ጻዕሪ: ኵላትና ኣብ ኣገልግሎት ክንካፈል እሞ ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ ጸብጻብ ግራት ኣገልግሎት ክንህብ ኣሎና። (ምስ ማርቆስ 6:30 ኣረኣእዮ።) እቶም ንመጀመርታ ግዜኦም ኣብ ግራት ኣገልግሎት ዝካፈሉ ሓደስቲ ዘይተጠምቁ ኣስፋሕቲ ናይ ንጥፈታቶም ጸብጻብ ኣብ እዋኑ ምእንቲ ክህቡ ክተባብዑ ኣለዎም። አእጃምና ብምግባር ኣብቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ዝወሃብ ጸብጻብ ከምኡውን ኣብቲ ብዕዮ ምስክርነትና ኣቢሉ ናብ የሆዋ ዝቐርብ ናይ ውዳሰ ብርቱዕ ጭድርታ ሰናይ ኣበርክቶ ክንገብር ንኽእል ኢና።
12 ንኻልኦት ናብ በዓል ዝኽሪ ሒዝካዮም ምጻእ:- ኣብ ናይ 2000 በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ሓድሽ ዝለዓለ ቍጽሪ ተኣከብቲ ምርኣይስ ኣየሐጕሰናንዶ ኢዩ፧ እወ የሐጕሰና ኢዩ! እዚ ምስ ዝኸውን ካብቶም ናይ ቅድሚ ሕጂ ዝበዝሑ ሰባት ኣብቲ የሆዋን የሱስን ዘርኣዩና ዝዓበየ መግለጺ ፍቕሪ ዘለዎም ሞሳ ንምግላጽ ተኣኪቦም ማለት ኢዩ! (ዮሃ. 3:16፣ 15:13) ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ንስኻን ስድራቤትካን ካብ ምክፋል ምእንቲ ከይትተዓናቐፉ ዘድሊ ዘበለ ዅሉ ምድላዋት ግበር።
13 ካልኦት ናብቲ በዓል ዝኽሪ ንኽመጹ ምዕዳም እትጅምረሉ ግዜ እውን ሕጂ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ኣብኡ ክመጽእ እትደልዮ ሰብ ጽሓፎ። ንዅሎም እቶም ቀደም ጽንዓት ዝገብሩ ዝነበሩ: ሕጂ ጽንዓት ዝገብሩ ዘለዉ: ከምኡውን ተመላሊስካ ምብጻሕ እትገብረሎም ሰባት ጽሓፎም። ኣብ ስራሕ: ኣብ ቤት ትምህርቲ: ወይ ካብ ጐረባብትኻ ንእትቐርቦም ሰባት: ከምኡውን ብስራሕ ንእትራኸቦም ሰባት ኣብቲ ዝርዝር ኣእትዎም። ካልኦት እትፈልጦም ሰባትን ኣዝማድካን እውን ኣይትረስዓዮም። ነቲ ዝርዝር ጽሒፍካ ምስ ወዳእካ: ንነፍሲ ወከፎም ብብሕቲ ልባዊ ዕድመ ኣቕርበሎም። እቲ በዓል ዝኽሪ መዓስን ኣበይን ከም ዝግበር ብንጹር ግለጸሎም። 19 ሚያዝያ እናቐረበት ክትከይድ ከላ ነቶም ኣብቲ ዝርዝር መዝጊብካዮም ዘሎኻ ብኣካል ከይድካ ወይ ብቴለፎን ኣዘኻኽሮም። ናብቲ በዓል ዝኽሪ ብሓባር ንኽትከዱ ዓድሞም።
14 ምስቲ ማሕበር ኣቐድም ኣቢላ ዝለኣኸቶ መምርሒ ብምስምማዕ: ኣካል ሽማግለታት ንዅሎም እቶም ኣብቲ ዞባ ዝርከቡ ዝዛሕተሉ ኣስፋሕቲ ኣብቲ በዓል ዝኽሪ ምእንቲ ክእከቡ ከተባብዕዎም ፍሉይ ጻዕሪ ክገብሩ ኢዮም። (ማቴ. 18:12-14) እቶም ሽማግለታት ነቲ ማሕበር ብ2 ለካቲት 1999 ዝለኣኸቶ ደብዳበ ክርእይዎ ከድልዮም ኢዩ። እቲ ናይ ጉባኤ ጸሓፊ ንኣስማት ናይ ኵሎም እቶም ዝዛሕተሉ ኣስፋሕቲ ይጽሕፍ እሞ እቲ ናይ ኣገልግሎት ተዓዛቢ ድማ ሽማግለታት ንኽበጽሕዎምን ናብቲ በዓል ዝኽሪ ንኽዕድምዎምን ይምዝዝ። እዞም ዝዛሕተሉ ኣስፋሕቲ ብእተኻእለ መጠን ብቕልጡፍ ዘተባብዕ ጕስነት ብምርካቦም: ምናልባት እንደገና ኣብ ግራት ኣገልግሎት ንጡፋት ክዀኑ ይኽእሉ ኢዮም: አረ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እውን ኣብ ኣገልግሎት ክካፈሉ ይኽእሉ ይዀኑ። ምስ ሓደ ተመክሮ ዘለዎ ኣስፋሒ ኣብ ግራት ኣገልግሎት ክካፈሉ ምዕዳም ዝሃንጾም ክኸውን ኢዩ።
15 ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ጽቡቕ ምትሕግጋዝ ክህሉ ኣተባብዕ! ሚያዝያ 2000 እታ ዝበለጸት ወርሒ ንምግባር ናይ ኵሎም ሽማግለታትን ናይ ጉባኤ ኣገልገልትን ርእሲ ስድራቤታትን ጽቡቕ ምትሕብባር ይሓትት ኢዩ። ሽማግለታት ንዅሉ ነገር ብግቡእ ንምምሕዳርን መሪሕነት ንምውሳድን ብትግሃት ክዓዩ ኢዮም። (እብ. 13:7) ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ኣብ መንጎ ሰሙንን ኣብ ቀዳመ-ሰናብትን ንምግባር ተግባራዊ ምድላዋት ክዳሎ ኣለዎ። ኣብ ኣጋ ምሸት ናይ ግራት ኣገልግሎት ኣኼባታት ንምግባር ምድላዋት ክግበር ይከኣል ኢዩ። መደብ ናይቲ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ክግበር እተሓስበ ንጥፈታት ኣብ ናይ ሓበሬታ ሰሌዳ ክልጠፍ ኣለዎ። ንነፍሲ ወከፍ ንግራት ኣገልግሎት እተገብረ መደብ ዝመርሖ ሓው ክምዘዘሉ ኣለዎ። ንዅለን ጕጅለታት ዝኸውን እኹል ዞባ ክዳሎ ኣለዎ።
16 ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ክዕደል ኢዩ። ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምርካብ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ እታ ብቕዓት እትበሃል ብሮሹር ንዅሎም እቶም ተገዳስነት ዘርኣዩ ክትዕደል ኢያ። ስለዚ: እኹል መጽሔታትን ብሮሹራትን ክዳሎ ኣለዎ።
17 ኣብ መወዳእታ እታ ወርሒ ኵሎም መራሕቲ ትምህርቲ መጽሓፍን ሓገዝቶምን ንነፍሲ ወከፍ ኣብታ ጕጅለ ትምህርቲ መጽሓፍ ዝርከብ ኣስፋሒ: እታ ወርሒ ምስ ተወድአት ብኡንብኡ ጸብጻብ ኣገልግሎት ክህብ ከተባብዑ ከድልዮም ኢዩ። ምናልባት እዚ ኣብ ሰንበት 30 ሚያዝያ እውን ክግበር ይከኣል ኢዩ። ድሕርዚ እቲ ጸሓፊ ነቲ ጸብጻባት ምስ መዝገቦ ገለ ኣስፋሕቲ ገና ጸብጻብ ዘይሃቡ እንተድኣ ኣለዉ ኰይኖም: ቀቅድሚ እቲ ጸብጻብ እታ ጉባኤ ናብ ማሕበር ዝለኣኸሉ 6 ግንቦት ንኽህብዎ ብሕያውነት ከዘኻኽሮም ይኽእል ኢዩ። እቶም መራሕቲ ትምህርቲ መጽሓፍ ነቶም ኣስፋሕቲ ኣብ ምርካብ ክሕግዝዎ ክሓቶም ይኽእል ኢዩ።
18 ንህዝቢ ኣምላኽ እቲ በዓል ዝኽሪ ዝግበረሉ ወቕቲ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዋን ናይታ ዓመት ኢዩ። ኵላትና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ኣጸቢቕና ትሑዛት እንዀነሉ ግዜ ክኸውን ኣለዎ። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ናይቲ ብስራት ኣብ ኣገልግሎት ምሉእ ብምሉእ ንምክፋል ዝከኣሎ እንተድኣ ገይሩ: እቶም ዓቕሞም ዝፈቕደሎም ሓገዝቲ ፓይነራት እንተድኣ ዀይኖም: ከምኡውን ካልኦት ሰባት ናብ በዓል ዝኽሪ ሞት ክርስቶስ ከም ዝመጹ ኣብ ምግባር ትጉሃት እንተድኣ ኴንና ኣብ ኣገልግሎት የሆዋ ትሑዛት ክንከውን ኢና። ኵሉ ውዳሰን ክብርን ንኣምላኽ ብምሃብ ሚያዝያ 2000 ዝበለጸት ወርሒ ንምግባር እናጸዓርና: የሆዋ ኣብዚሑ ክባርኸና ልባዊ ጸሎት ነቕርብ!—እብ. 13:15