ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 3/00 ገጽ 1
  • ‘እንታይ ክገብር እኽእል፧’

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ‘እንታይ ክገብር እኽእል፧’
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
  • ተመሳሳሊ ጽሑፍ
  • ንጉባኤኻ ደግፋ
    ንዘለኣለም ብህይወት ንበር!—ኣሳታፊ ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ
  • ንዅሉ ሰናይ ዕዮ ገዛእ ርእስና ብፍታው ምቕራብ
    ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1995
  • ክርስትያናዊ ሓድነትና ንምድልዳል፡ እጃምካ ኸተበርክት ትኽእል ኢኻ—ብኸመይ፧
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ (ሕታም መጽናዕቲ)—2016
  • እታ ጉባኤ ትተሃነጽ
    መንግስቲ የሆዋ እትእውጅ ግምቢ ዘብዐኛ—2007
ዝያዳ ርአ
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—2000
km 3/00 ገጽ 1

‘እንታይ ክገብር እኽእል፧’

1 ‘እንታይ ክገብር እኽእል፧’ እዛ ሕቶ እዚኣ ኣብ ኣእምሮ ኣባላት ናይታ ብ1870ታት ቻርለስ ቴዝ ራስል ዘቘማ መጽሓፍ ቅዱስ እተጽንዕ ንእሽቶ ጕጅለ ከም ዝነበረ ኣየጠራጥርን ኢዩ። እቶም ቀዳሞት ተማሃሮ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ እቲ ኣብ ፍቓድ ኣምላኽ ዘለዎም ምርዳእ እናዓበየ ክኸይድ ከሎ: ካልኦት ዕላማ ኣምላኽ ክፈልጡ ንኽሕግዝዎም እንታይ ክገብሩ ከም ዘለዎም ሓሲቦም ክዀኑ ኣለዎም። ነቲ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፍልጠት ኣብ መላእ ዓለም ምብጻሕ ኣዝዩ ዓቢ ዕማም ከም ዝዀነ እተረጋገጸ ኢዩ።

2 እቲ ዘሐጕስ ግን: ነቲ ብድሆ ተዋጺኦምሉ ኢዮም። ብኸመይ፧ ነፍሲ ወከፍ ውልቀ⁠-​ሰብ ነታ ዋጋ ዘይብላ እትመስል እጃሙ ስለ ዝገበረ: ሎሚ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣብ መላእ ዓለም ፍሉጣት ኢዮም። እዛ ማሕበር እዚኣ ኣብ 234 ሃገራትን ደሴታትን ኣብ ዝርከባ 90,000 ዝዀና ጉባኤታት ዳርጋ ሽዱሽተ ሚልዮን ዝዀኑ ኣወጅቲ መንግስቲ ኣምላኽ ኣለዉዋ!​—⁠ኢሳ. 60:⁠22

3 ምሉእ ደገፍካ ሃብ:- ነፍሲ ወከፍና ኣብቲ የሱስ ኣብዚ ግዜ መወዳእታ ክህሉ ምዃኑ እተነበየሉ ዓቢ ዕዮ እጃም ክህልወና ኣገዳሲ ኢዩ። (ማር. 13:⁠10) እዚ ዕዮ እዚ ነቶም ውሱን ቍጽሪ ዘለዎም ሽማግለታት ጥራይ ክግደፍ ኣይከኣልን ኢዩ፣ እቲ ዕዮ ስብከት እውን ኣብ እንግድዓ ፓይነራት ጥራይ ክወድቕ የብሉን። ከም ሓቂ እንተ ዀይኑ: ነፍሲ ወከፍ ህይወቱ ዝወፈየ ክርስትያን ኣገዳሲ እጃም ከበርክት ይኽእል ኢዩ። ኵላትና ኣብ ገሊኡ መዳይ ዕዮ ስብከት ክንካፈል ንኽእል ኢና። (1 ጢሞ. 1:⁠12) ብእተኻእለና መጠን ኣብዚ ዕዮ እዚ እንተ​ድኣ ተኻፊልና: ንገዛእ ርእስናን ንኻልኦትን ኢና እንጠቅም።​—⁠1 ጢሞ. 4:⁠16

4 ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ብኻልእ ኣገዳሲ መገድታት እውን ነቲ ክርስትያናዊ ሕውነትና ምሉእ ሓገዝ ክህብ ይኽእል ኢዩ። ኣብ ናይ ጉባኤ ኣኼባታት ስርዓታውያን ኴንና ብምክፋልን ብውዕዉዕ ስምዒት ብምስታፍን ደገፍ ክንህብ ንኽእል ኢና። (መዝ. 122:⁠1, 8, 9) ጉባኤና ብስነ⁠-​ምግባር ጽፍፍቲ ንኽትከውን እጃምና ክንገብር ንኽእል ኢና። ነቲ ዓለምለኻዊ ዕዮ ከከም ዓቕምና ገንዘባዊ ሓገዝ ክንገብር ንኽእል ኢና። ኣደራሽ መንግስቲ ኣብ ምጽራይ ክንካፈል ንኽእል ኢና። ነፍሲ ወከፍ ኣስፋሒ ንሓደስቲ ሰባት: ንመንእሰያት: ከምኡውን ንኣረገውቲ ብምሕጋዝ ኣብ ጉባኤ ውዕዉዕ መንፈስ ናይ ፍቕርን ሓድነትን ከም ዘስፋሕፍሕ ክገብር ይኽእል ኢዩ።​—⁠ቈሎ. 3:⁠12, 14

5 ስለዚ ‘እንታይ ክገብር እኽእል፧’ ኢልካ ንርእስኻ ትሓትት ትኸውን። ብብሕትኻ እትገብሮ ጻዕሪ ኣብ ግምት ዘይኣቱ ክመስል ዝኽእል እኳ እንተ​ዀነ: እጃምካ ብምግባር ድልድልቲ: ንጥፍቲ: ከምኡውን ጥዕይቲ ጉባኤ ንኽትህሉ ኣበርክቶ ትገብር ኢኻ። ስለዚ ኵላትና ንስም የሆዋ ኣብ ምኽባር ኣገዳሲ እጃም ኣለና!

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ