ናይ 1999 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ
መምርሒ
ኣብ 1999 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክካየድ ከሎ እዚ ዝስዕብ ምድላዋት ክህሉ ኢዩ።
እቲ ክፍልታት እተመስረተሉ ጽሑፍ:- መጽሓፍ ቅዱስ: ግምቢ ዘብዐኛ [w-E]: ንቕሑ! [g-E]: ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ ’ (1990 ሕታም) [si-E]: መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት [fy-TI]: ከምኡውን ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ [gt-TI] ነቲ ዝዋሃብ ክፍልታት መሰረት ክዀኑ ኢዮም።
እቲ ቤት ትምህርቲ ብመዝሙርን ብጸሎትን ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መግለጽን ኣብ ግዜኡ ክጅምር ኣለዎ: ብድሕሪኡ በዚ ዝስዕብ ይቕጽል:-
ክፍሊ ቍ. 1:- 15 ደቒቕ። እዚ ብሓደ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ክዋሃብ ይግብኦ: ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ: ንቕሑ!: ወይ ከኣ ኣብታ ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ ’ እትበሃል መጽሓፍ እተመስረተ ይኸውን። እዚ ክፍሊ እዚ ኣብ ግምቢ ዘብዐኛ ወይ ኣብ ንቕሑ! እተመስረተ ምስ ዝኸውን ከም ናይ 15 ደቒቕ ሃናጺ ዝርርብ ኰይኑ ብዘይ ናይ ቃል ድግማ ክቐርብ ይግብኦ፣ ኣብ መጽሓፍ “ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ ” እተመስረተ ምስ ዝኸውን ድማ ካብ 10 ክሳዕ 12 ደቒቕ ሃናጺ ዝርርብ ምስ ተዋህበ ካብ 3 ክሳዕ 5 ደቒቕ ድማ ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ ሕቶ ተጠቒምካ ናይ ቃል ድግማ ብምግባር ክቐርብ ይግብኦ። ዕላምኡ ነቲ ጽሑፍ ንምሽፋን ዘይኰነስ ነታ ጉባኤ ብዝበለጸ ዝጠቕማ እንታይ ምዃኑ እናኣጕላሕካ ኣብ ተግባራዊ ኣዋዓዕላ ናይቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ሓበሬታ ንምትኳር ክኸውን ኣለዎ። እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ኣርእስቲ ክዝውተር ኣለዎ።
እቶም ነዚ ዝርርብ እዚ ክህቡ እተመዘዙ ኣሕዋት ነቲ እተመደበሎም ግዜ ንኽሕልዉ ጥንቃቐ ክገብሩ ይግብኦም። ናይ ብሕቲ ምኽሪ እንተድኣ ተዋሂብዎም: ኣብቲ ናይ ዝርርብ ምኽሪ መውሃቢ ወረቐቶም ምልክት ክግበረሉ ኣለዎ።
ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሑ ሓሳባት:- 6 ደቒቕ። እዚ ብሓደ ነቲ ጽሑፍ ምስታ ጉባኤ ብዝሰማማዕ ስሉጥ መገዲ ገይሩ ከቕርብ ዝኽእል ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ክዋሃብ ይግባእ። እዚ ናይቲ እተመደበ ንባብ ድግማ ጥራይ ክኸውን የብሉን። ናይቲ እተመደበ ምዕራፋት ሓፈሻዊ ድግማ ካብ 30 ክሳዕ 60 ካልኢት ኣብ ዘሎ ግዜ ከጠቓልሎ ይኽእል ኢዩ። ይኹን እምበር: እቲ ቐንዲ ዕላማ: ሰማዕቲ እቲ ሓበሬታ ስለምንታይን ብኸመይን ከም ዝጠቕመና ምእንቲ ኽግንዘብዎ ንምሕጋዞም ኢዩ። ብድሕርዚ እቶም ተማሃሮ በቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ናብቲ እተፈላለየ ክፍልታቶም ይፋነዉ።
ክፍሊ ቍ. 2:- 5 ደቒቕ። እዚ ናይቲ እተመደበ ክፍሊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ ብሓደ ሓው ክዋሃብ ዘለዎ ኢዩ። እዚ ኣብቲ ቐንዲ ቤት ትምህርትን ኣብተን ተወሰኽቲ ጉጅለታትን ይውዕል ኢዩ። እቲ ተማሃራይ ኣብ መእተውን መደምደምታን ሕጽር ዝበለ መግለጺ ምእንቲ ኽህብ እቲ ናይ ንባብ ክፍሊ መብዛሕትኡ ግዜ ሕጽር ዝበለ ኢዩ። ናይ ታሪኽ መረጋገጺ: ትንቢታዊ ወይ ሰረተ-እምነታዊ ትርጕም: ከምኡውን ናይ መሰረታዊ ስርዓታት ኣወዓዕላ ክውሰኾ ይከኣል ኢዩ። ኵሎም እቶም እተመደቡ ጥቕስታት ኣብ መንጎ ከየቋረጽካ ክንበቡ ኣለዎም። ርግጽ ኢዩ: እቲ ዝንበብ ጥቕስታት ተኸታታሊ ምስ ዘይከውን እቲ ተማሃራይ ነታ ቐጺላ እትመጽእ ቍጽሪ ክጠቕሳ ይኽእል ኢዩ።
ክፍሊ ቍ. 3:- 5 ደቒቕ። እዚ ክፍሊ እዚ ንሓንቲ ሓብቲ ዝዋሃብ ኢዩ። ትሕዝቶ ናይዚ ኣቀራርባ እዚ ኣብታ “መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት” እተመስረተ ኢዩ። እቲ ኣቀራርባ ብናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት: ተመላሊስካ ምብጻሕ: ናይ ቤት ጽንዓት መጽሓፍ ቅዱስ: ወይ ብገለ ካልእ መዳይ ናይ ግራት ኣገልግሎት ዝቐርብ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። ሓድሓደ ግዜውን: ሓንቲ ኣደ ንሓንቲ (ንሓደ) ቘልዓ ሓሳባት ከተካፍላ(ሎ) ኸላ ዘርኢ ክኸውን ይኽእል ኢዩ። እተን ክፍሊ ዘቕርባ ኮፍ ኢለን ወይ ደው ኢለን ክህባ ይኽእላ ኢየን። እቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ: ብፍላይ ኣብቲ እታ ተማሃሪት ነታ በዓልቲ ቤት ወይ ነታ(ቲ) ቘልዓ ነቲ ጽሑፍ ክትገልጽን ቅዱሳት ጽሑፋት ድማ ብኸመይ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ንኸተረድእን እትጥቀመሉ መገዲ ከተኵር ኢዩ። እታ ነዚ ኽፍሊ እዚ እተመደበት ተማሃሪት ምንባብ እትኽእል ክትከውን ኣለዋ። በቲ ተዓዛቢ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ሓንቲ ሓጋዚት ይምደበላ ኢዩ: ተወሳኺ ሓጋዚት እውን ክግበር ይከኣል ኢዩ። እታ በዓልቲ ቤት ገለ ዓንቀጻት ከተንብብ ድያ ኣይከተንብብን እታ ተማሃሪት ክትውስን ትኽእል ኢያ። ብቐዳምነት ክሕሰበሉ ዝግባእ ፍረ ዘለዎ ኣጠቓቕማ ናይቲ ኽፍሊ ድኣ እምበር መልክዕ ኣቀራርብኡ ኣይኰነን።
ክፍሊ ቍ. 4:- 5 ደቒቕ። ንሓደ ሓው ወይ ንሓንቲ ሓብቲ ይዋሃብ። ንነፍሲ ወከፍ ክፍሊ ዝኸውን ኣርእስቲ ኣብቲ መደብ ተገሊጹ ኣሎ። ንሓደ ሓው ምስ ዝምደብ: ነቶም ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዘለዉ ሰማዕቲ ኣብ ግምት ብምእታው ብመልክዕ ዝርርብ ክወሃብ ይግባእ። ንሓንቲ ሓብቲ ምስ ዝዋሃብ ድማ: እቲ ኽፍሊ በቲ ኣብ ክፍሊ ቍ. 3 ዘሎ መልክዕ ክቐርብ ኣለዎ።
*ተወሳኺ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- እዚ ንነፍሲ ወከፍ ሰሙን ዝኸውን ንባብ ኣብ ሓጹር ኰይኑ ድሕሪ ናይ መዝሙር ቍጽሪ ተገሊጹ ይርከብ። ነዚ መደብ እዚ ብምስዓብ: ኣብ ሰሙን ዓሰርተ ገጽ ዝኣክል ብምንባብ ንምልእታ መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ሰለስተ ዓመት ምንባብ ይከኣል ኢዩ። እዚ ተወሳኺ መደብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ: ምስ ናይቲ ቤት ትምህርቲ መደብ ወይ ከኣ ምስ ናይ ጽሑፍ ድግማ ርክብ የብሉን።
ሓበሬታ:- ንምኽሪ: ግዜ: ናይ ጽሑፍ ድግማ ከምኡውን ንኽፍሊ ምድላው ዝምልከት ተወሳኺ ሓበሬታን መምርሕን ንምርካብ በጃኹም ናይ ጥቅምቲ 1996 ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና ኣብ ገጽ 3 ርኣዩ።
መደብ
4 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ራእይ 16-18
መዝሙር ቍ. 23 [*2 ነገስት 16-19]
ቍ. 1:- ኣምላኽ ንመጽሓፍ ቅዱስ ብመሪሕነት መንፈሱ ዘጽሓፈሉ መገዲ (w97 15/6 ገጽ 4-8)
ቍ. 2:- ራእይ 16:1-16
ቍ. 3:- ስድራቤት ኣብ ቅልውላው ኢዩ ዘሎ (fy ገጽ 1-9 ቍ. 1-14)
ቍ. 4:- ነቲ ኣብ ምድሪ ይነብሩ ካብ ዝነበሩ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ምልላዩ (gt መእ. ሕጡብ ጽሑፍ 1-4)
11 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ራእይ 19-22
መዝሙር ቍ. 126 [*2 ነገስት 20-25]
ቍ. 1:- ራእይ—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 268-9 ቍ. 28-34)
ቍ. 2:- ራእይ 22:1-15
ቍ. 3:- መፍትሕ ሓጐስ ስድራቤት (fy ገጽ 9-12 ቍ. 15-23)
ቍ. 4:- የሱስ ብሓቂ ይነብር ነይሩ ድዩ፧ (gt መእ. ሕጡብ ጽሑፍ 5-11)
18 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 1-3
መዝሙር ቍ. 84 [*1 ዜና መዋእል 1-6]
ቍ. 1:- መእተዊ ዘፍጥረት (si ገጽ 13-14 ቍ. 1-8)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 1:1-13
ቍ. 3:- ሓዳር ንምምስራት ድሉው ዲኻ፧ (fy ገጽ 13-15 ቍ. 1-6)
ቍ. 4:- ብሓቂ የሱስ መን ኢዩ ነይሩ፧ (gt መእ. ሕጡብ ጽሑፍ 12-15)
25 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 4-6
መዝሙር ቍ. 66 [*1 ዜና መዋእል 7-13]
ቍ. 1:- ካልኦት ሕማቕ ድራኸ ከም ዘለዎም ገይርካ ካብ ምሕሳብ ተሓሎ (w97 15/5 ገጽ 26-9)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 4:1-16
ቍ. 3:- ገዛእ ርእስኻ ክትፈልጥን ኣብ ክውንነት ክትምርኰስን ዘሎካ ምኽንያት (fy ገጽ 16-18 ቍ. 7-10)
ቍ. 4:- ንየሱስ እቲ ዝዓበየ ሰብኣይ ዘበሎ ነገር (gt መእ. ሕጡብ ጽሑፍ 16-19)
1 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 7-9
መዝሙር ቍ. 108 [*1 ዜና መዋእል 14-21]
ቍ. 1:- ክርስትያናት ጠላዕ ክጣልዑ ይኽእሉ ድዮም፧ (g94 8/8 ገጽ 14-5)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 7:1-16
ቍ. 3:- ኣብ ናይ መርዓ ብጻይ ክትርእይዎ ዘሎኩም ነገራት (fy ገጽ 18-22 ቍ. 11-15)
ቍ. 4:- ብዛዕባ የሱስ እንማሃረሉ ምኽንያትን ክንማሃረሉ እንኽእል መገድን (gt መእ. ሕጡብ ጽሑፍ 20-23)
8 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 10-12
መዝሙር ቍ. 132 [*1 ዜና መዋእል 22-29]
ቍ. 1:- ሓቀኛ እንታይነት ሓሶት (g97 22/2 ገጽ 17-19)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 12:1-20
ቍ. 3:- ነባሪ ዝዀነ ቃል ኪዳን ቅድሚ ምእሳርካ ክሕሰበሉ ዘለዎ ነገራት (fy ገጽ 22-3 ቍ. 16-19)
ቍ. 4:- ገብርኤል ንዘካርያስን ንማርያምን ይረኣዮም (gt ምዕ. 1)
15 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 13-15
መዝሙር ቍ. 49 [*2 ዜና መዋእል 1-8]
ቍ. 1:- ሰብኣዊ ድኻም ሓይሊ የሆዋ የጕልሕ (w97 1/6 ገጽ 24-7)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 14:8-20
ቍ. 3:- ነቲ እትገብርዎ ምልላይ ኣኽቢርኩም ሓዝዎ: ክንዮ እቲ ናይ መርዓ መዓልቲ ድማ ጠምቱ (fy ገጽ 24-6 ቍ. 20-3)
ቍ. 4:- የሱስ ከይተወልደ ኸሎ ክብሪ ተዋህቦ (gt ምዕ. 2)
22 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 16-19
መዝሙር ቍ. 188 [*2 ዜና መዋእል 9-17]
ቍ. 1:- ጸሎትካ እንታይ ከም ዝገልጽ (w97 1/7 ገጽ 27-30)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 18:1-15
ቍ. 3:- ዕዉት ሓዳር ንምምስራት ክትዳሎ ክሕግዘካ ዝኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ (fy ገጽ 26 ነቲ ሳጹን ኣቕርቦ)
ቍ. 4:- ምውላድ ዮሃንስ (gt ምዕ. 3)
1 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 20-23
መዝሙር ቍ. 54 [*2 ዜና መዋእል 18-24]
ቍ. 1:- ንሕልናኻ እተለማምደሉ መገዲ (w97 1/8 ገጽ 4-6)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 23:1-13
ቍ. 3:- ነባሪ ሓዳር ንምምስራት እትሕግዝ ቀዳመይቲ መፍትሕ (fy ገጽ 27-9 ቍ. 1-6)
ቍ. 4:- ዮሴፍ ነታ ጥንስቲ ማርያም ይምርዓዋ (gt ምዕ. 4)
8 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 24-25
መዝሙር ቍ. 121 [*2 ዜና መዋእል 25-31]
ቍ. 1:- ሓቂ ካብ ምንታይ ኢያ ሓራ ተውጽኣና፧ (w97 1/2 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 24:1-4, 10-21
ቍ. 3:- ነባሪ ሓዳር ንምምስራት እትሕግዝ ካልኣይቲ መፍትሕ (fy ገጽ 30-1 ቍ. 7-10)
ቍ. 4:- ምውላድ የሱስ—ኣበይን መዓስን፧ (gt ምዕ. 5)
15 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 26-28
መዝሙር ቍ. 197 [*2 ዜና መዋእል 32-36]
ቍ. 1:- ሙዚቃ ኣብ ዘመናዊ ኣምልኾ ዘለዎ ቦታ (w97 1/2 ገጽ 24-8)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 26:1-14
ቍ. 3:- ርእስነት ሰብኣይ ከም ናይ ክርስቶስ ክኸውን ኣለዎ (fy ገጽ 31-3 ቍ. 11-15)
ቍ. 4:- እቲ መብጽዓ እተገብሮ ቈልዓ (gt ምዕ. 6)
22 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 29-31
መዝሙር ቍ. 4 [*እዝራ 1-7]
ቍ. 1:- ካብ ጭንቀት ንኽትናገፍ እንታይ ክሕግዘካ ይኽእል፧ (g94 8/9 ገጽ 14-5)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 31:1-18
ቍ. 3:- ሰበይቲ መመላእታ ሰብኣያ እትዀነሉ መገዲ (fy ገጽ 34-5 ቍ. 16-19)
ቍ. 4:- የሱስን እቶም ቈጸርቲ ከዋኽብትን (gt ምዕ. 7)
29 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 32-35
ቍ. 1:- ኣምላኽ ዝገብሮ ተኣምራታዊ ምሕዋይ—መዓስ፧ (w97 1/7 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 35:1-15
ቍ. 3:- ጽቡቕ ዝዀነ ሓሳብ ንሓሳብ ምልውዋጥ ብሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ (fy ገጽ 35-8 ቍ. 20-6)
ቍ. 4:- ካብ ሓደ ጨቋኒ ገዛኢ ምህዳም (gt ምዕ. 8)
5 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 36-38
መዝሙር ቍ. 106 [*ነህምያ 5-11]
ቍ. 1:- ድሕነት ብሓቂ እንታይ ማለት ምዃኑ (w97 15/8 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 38:6-19, 24-26
ቍ. 3:- ነባርን ሓጐስ ዘለዎን ሓዳር ንኸተስተማቕር ክሕግዘካ ዝኽእል ስርዓታት መጽሓፍ ቅዱስ (fy ገጽ 38 ነቲ ሳጹን ኣቕርቦ)
ቍ. 4:- የሱስ ኣብ መጀመርታ ዘሕለፎ ናብራ ስድራቤት (gt ምዕ. 9)
12 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 39-41
ቍ. 1:- ሕማቕ ነገር ምስ ዝግበር ክንነግር ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (w97 15/8 ገጽ 26-9)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 40:1-15
ቍ. 3:- ከም ዓቕምኹም ንበሩ (fy ገጽ 39-41 ቍ. 1-6)
ቍ. 4:- ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ ኣብ የሩሳሌም (gt ምዕ. 10)
19 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 42-44
ቍ. 1:- ካብ ውርደት ንምድሓን ክሳዕ ኣበይ ኢኻ እትበጽሕ፧ (w98 15/2 ገጽ 29-31)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 42:1-17
ቍ. 3:- ንቤት ዘድሊ ነገራት ምሕላይ ናይ ስድራቤት ፕሮጀክት ኢዩ (fy ገጽ 42-4 ቍ. 7-11)
ቍ. 4:- ዮሃንስ ንየሱስ መገዲ ይጸርገሉ (gt ምዕ. 11)
26 ሚያ. ናይ ጽሑፍ ድግማ። ካብ ራእይ 16–ዘፍጥረት 44 ወድእዎ።
መዝሙር ቍ. 18 [*እዮብ 6-14]
3 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 45-47
መዝሙር ቍ. 90 [*እዮብ 15-23]
ቍ. 1:- ምስ ግዜ ዓጺድ እተተሓሓዘ በዓላት ንኣምላኽ የሐጕሶዶ ኢዩ፧ (w97 15/9 ገጽ 8-9)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 45:16–46:4
ቍ. 3:- የሆዋ ጽሩያት ክንከውን ዝደልየና ምኽንያት (fy ገጽ 45-9 ቍ. 12-20)
ቍ. 4:- የሱስ ምስ ተጠምቀ ዘጋጠመ ነገር (gt ምዕ. 12)
10 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘፍጥረት 48-50
መዝሙር ቍ. 76 [*እዮብ 24-33]
ቍ. 1:- ዘፍጥረት—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 17-19 ቍ. 30-5)
ቍ. 2:- ዘፍጥረት 49:13-28
ቍ. 3:- ቅኑዕ ናእዳን ምስጋናን ኣብ ሓንቲ ስድራቤት ከበርክቶ ዝኽእል ግደ (fy ገጽ 49-50 ቍ. 21-2)
ቍ. 4:- ካብ ናይ የሱስ ፈተናታት ምምሃር (gt ምዕ. 13)
17 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 1-4
መዝሙር ቍ. 2 [*እዮብ 34-42]
ቍ. 1:- መእተዊ ዘጸኣት (si ገጽ 19-20 ቍ. 1-8)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 4:1-17
ቍ. 3:- ብዛዕባ ቈልዑን ናይ ስድራቤት ሓላፍነትን ዝገልጽ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ኣረኣእያ (fy ገጽ 51-2 ቍ. 1-5)
ቍ. 4:- እቶም ናይ መጀመርታ ደቀ መዛሙርቲ የሱስ (gt ምዕ. 14)
24 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 5-8
መዝሙር ቍ. 42 [*መዝሙር 1-17]
ቍ. 1:- ድኻ ግናኸ ሃብታም—ከመይ ኢሉ ክኸውን ይኽእል፧ (w97 15/9 ገጽ 3-7)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 7:1-13
ቍ. 3:- ንሓደ ቘልዓ ዘድልዮ ነገራት ምምላእ ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ (fy ገጽ 53-5 ቍ. 6-9)
ቍ. 4:- ናይ መጀመርታ ተኣምራት የሱስ (gt ምዕ. 15)
31 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 9-12
መዝሙር ቍ. 24 [*መዝሙር 18-28]
ቍ. 1:- ክፍሊ ናይዛ ዓለም እዚኣ ዘይምዃን ክበሃል ከሎ እንታይ ማለት ምዃኑ (g97 8/9 ገጽ 12-13)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 12:21-36
ቍ. 3:- ሓቂ ኣብ ውሉዳትኩም ከም ዝሰርጽ ግበርዎ (fy ገጽ 55-7 ቍ. 10-15)
ቍ. 4:- ንኣምልኾ የሆዋ ምቕናእ (gt ምዕ. 16)
7 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 13-16
መዝሙር ቍ. 58 [*መዝሙር 29-38]
ቍ. 1:- ተስፋ ምቝራጽ ኣብ ዝመልኦ እዋን ብኸመይ ተስፋ ከም ዝርከብ (w97 15/5 ገጽ 22-5)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 15:1-13
ቍ. 3:- ንውሉዳትኩም መገድታት የሆዋ ምሃሩዎም (fy ገጽ 58-9 ቍ. 16-19)
ቍ. 4:- ንኒቆዲሞስ ምምሃር (gt ምዕ. 17)
14 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 17-20
መዝሙር ቍ. 115 [*መዝሙር 39-50]
ቍ. 1:- ክርስትያናት ብዕድመ ንዝደፍኡ ወለዲ ዘኽብርሉ መገዲ (w97 1/9 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 17:1-13
ቍ. 3:- ኣድላይነት ናይቲ እተፈላለየ መዳያት ዘለዎ ተግሳጽ (fy ገጽ 59-61 ቍ. 20-3)
ቍ. 4:- ዮሃንስ ይንእስ የሱስ ይዓቢ (gt ምዕ. 18)
21 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 21-24
መዝሙር ቍ. 5 [*መዝሙር 51-65]
ቍ. 1:- ይቕረ ምባልን ምርሳዕን—ብኸመይ ኢዩ ዝከኣል፧ (g95 8/6 ገጽ 9-11)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 21:1-15
ቍ. 3:- ንውሉዳትኩም ካብ ጕድኣት ተኸላኸሉሎም (fy ገጽ 61-3 ቍ. 24-8)
ቍ. 4:- ንሓንቲ ሳምራዊት ሰበይቲ ምምሃር (gt ምዕ. 19 ሕጡብ ጽሑፍ 1-14)
28 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 25-28
መዝሙር ቍ. 47 [*መዝሙር 66-74]
ቍ. 1:- ነቲ ህያው ኣምላኽ የሆዋ ፍለጦ (w97 1/10 ገጽ 4-8)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 25:17-30
ቍ. 3:- ወለዲ—ነቲ ሓሳብ ንሓሳብ ናይ ምልውዋጥ መትረብ ክፉት ገይርኩም ሓዝዎ (fy ገጽ 64-6 ቍ. 1-7)
ቍ. 4:- ብዙሓት ሳምራውያን ዝኣመንሉ ምኽንያት (gt ምዕ. 19 ሕጡብ ጽሑፍ 15-21)
5 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 29-32
መዝሙር ቍ. 174 [*መዝሙር 75-85]
ቍ. 1:- መንፈስ ዓለም ክምርዘካ ኣይተፍቅደሉ (w97 1/10 ገጽ 25-9)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 29:1-14
ቍ. 3:- ንውሉዳት ስነ-ምግባራውን መንፈሳውን ጥቕምታት ምሃሩዎም (fy ገጽ 67-70 ቍ. 8-14)
ቍ. 4:- ኣብ ቃና ዝገበሮ ካልኣይ ተኣምራት (gt ምዕ. 20)
12 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 33-36
መዝሙር ቍ. 214 [*መዝሙር 86-97]
ቍ. 1:- ሕድሪ እተጽንዕ ኩን: ንጽህናኻ ድማ ሓሉ (w97 1/5 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 34:17-28
ቍ. 3:- ተግሳጽን ኣኽብሮትን ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት (fy ገጽ 71-2 ቍ. 15-18)
ቍ. 4:- የሱስ ኣብታ ዝዓበየላ ዓዲ ይሰብኽ (gt ምዕ. 21)
19 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘጸኣት 37-40
መዝሙር ቍ. 38 [*መዝሙር 98-106]
ቍ. 1:- ዘጸኣት—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 24-5 ቍ. 26-31)
ቍ. 2:- ዘጸኣት 40:1-16
ቍ. 3:- ኣምላኽ ብዛዕባ ስራሕን ጸወታን ዘለዎ ኣረኣእያ እንታይ ምዃኑ ንውሉዳት ምሃሩዎም (fy ገጽ 72-5 ቍ. 19-25)
ቍ. 4:- ኣርባዕተ ደቀ መዛሙርቲ ተጸውዑ (gt ምዕ. 22)
26 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 1-4
መዝሙር ቍ. 26 [*መዝሙር 107-118]
ቍ. 1:- መእተዊ ዘሌዋውያን (si ገጽ 25-6 ቍ. 1-10)
ቍ. 2:- ዘሌዋውያን 2:1-13
ቍ. 3:- ናይ ቈልዓ ዕልወትን ጠንቁን (fy ገጽ 76-9 ቍ. 1-8)
ቍ. 4:- ኣብ ቅፍርናሆም እተገብረ ተወሳኺ ተኣምራት (gt ምዕ. 23)
2 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 5-7
መዝሙር ቍ. 9 [*መዝሙር 119-125]
ቍ. 1:- መፍትሕ ናይ ሓቂ ሓጐስ (w97 15/10 ገጽ 5-7)
ቍ. 2:- ዘሌዋውያን 6:1-13
ቍ. 3:- ሸለል በሃልቲ ወይ ቀይዲ እተብዝሑ ኣይትኹኑ (fy ገጽ 80-1 ቍ. 10-13)
ቍ. 4:- የሱስ ኣብ ምድሪ ዝመጸሉ ምኽንያት (gt ምዕ. 24)
9 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 8-10
መዝሙር ቍ. 210 [*መዝሙር 126-143]
ቍ. 1:- ነቲ መሰረታዊ ስርዓት ምስትውዓል ብስለት ኢዩ ዘንጸባርቕ (w97 15/10 ገጽ 28-30)
ቍ. 2:- ዘሌዋውያን 10:12-20
ቍ. 3:- ንናይ ሓደ ቘልዓ መሰረታዊ ድሌታት ምምላእ ዕልወት ክከላኸል ይኽእል ኢዩ (fy ገጽ 82-4 ቍ. 14-18)
ቍ. 4:- ንሓደ ለምጻም ድንጋጽ ምርኣይ (gt ምዕ. 25)
16 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 11-13
ቍ. 1:- “ኤጲቁሬዎሳውያን” ተጠንቀቐሎም (w97 1/11 ገጽ 23-5)
ቍ. 2:- ዘሌዋውያን 13:1-17
ቍ. 3:- ንሓደ ዝጋገ ቘልዓ እንሕግዘሉ መገድታት (fy ገጽ 85-7 ቍ. 19-23)
ቍ. 4:- የሱስ ሓጢኣት ይሓድግን የሕውን (gt ምዕ. 26)
23 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 14-15
መዝሙር ቍ. 137 [*ምሳሌ 6-14]
ቍ. 1:- እዚኣተን ብሓቂ እተን ዳሕሮት መዓልትታት ኢየን (w97 1/4 ገጽ 4-8)
ቍ. 2:- ዘሌዋውያን 14:33-47
ቍ. 3:- ክዓሉ ዝቘረጸ ውሉድ ምስ ዝህሉ እንታይ ክግበር ከም ዝከኣል (fy ገጽ 87-9 ቍ. 24-7)
ቍ. 4:- ማቴዎስ ይጽዋዕ: ድግስ ድማ የዳሉ (gt ምዕ. 27)
30 ነሓ. ናይ ጽሑፍ ድግማ። ካብ ዘፍጥረት 45—ዘሌዋውያን 15 ወድእዎ።
መዝሙር ቍ. 145 [*ምሳሌ 15-22]
6 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 16-18
መዝሙር ቍ. 222 [*ምሳሌ 23-31]
ቍ. 1:- ድሕሪ ደጊም ስቓይ ዘይህልወሉ ግዜ (w97 15/2 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- ዘሌዋውያን 16:20-31
ቍ. 3:- ንስድራቤትኩም ካብ ኣዕናዊ ጽልዋታት ኣዕቍብዋ (fy ገጽ 90-2 ቍ. 1-7)
ቍ. 4:- ብዛዕባ ጾም ሓተትዎ (gt ምዕ. 28)
13 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 19-21
መዝሙር ቍ. 122 [*መክብብ 1-12]
ቍ. 1:- ንምቝጣዕ ክንቈጻጸሮ ዘሎና ስለምንታይ ኢና፧ (g97 8/6 ገጽ 18-20)
ቍ. 2:- ዘሌዋውያን 19:16-18, 26-37
ቍ. 3:- ኣምላኽ ብዛዕባ ጾታ ዘለዎ ኣረኣእያ (fy ገጽ 92-4 ቍ. 8-13)
ቍ. 4:- ብመዓልቲ ሰንበት ሰናይ ምግባር (gt ምዕ. 29)
20 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 22-24
መዝሙር ቍ. 8 [*መሃልየ መሃልይ 1–ኢሳይያስ 5]
ቍ. 1:- ምምራር ዘበለ ዅሉ ጌጋ ድዩ፧ (w97 1/12 ገጽ 29-31)
ቍ. 2:- ዘሌዋውያን 23:15-25
ቍ. 3:- ውሉዳትኩም ንፉዓት መሓዙት ክመርጹ ሓግዙዎም (fy ገጽ 95-7 ቍ. 14-18)
ቍ. 4:- የሱስ ንኸሰስቱ ይምልሰሎም (gt ምዕ. 30)
27 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሌዋውያን 25-27
መዝሙር ቍ. 120 [*ኢሳይያስ 6-14]
ቍ. 1:- ዘሌዋውያን—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 28-30 ቍ. 28-39)
ቍ. 2:- ዘሌዋውያን 25:13-28
ቍ. 3:- ጥዑይ ዝዀነ ናይ ስድራቤት መዘናግዒ ምምራጽ (fy ገጽ 97-102 ቍ. 19-27)
ቍ. 4:- ኣብ መዓልቲ ሰንበት ሸዊት ምቕንጣብ ግቡእ ድዩ፧ (gt ምዕ. 31)
4 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 1-3
መዝሙር ቍ. 30 [*ኢሳይያስ 15-25]
ቍ. 1:- መእተዊ ዘሁልቍ (si ገጽ 30-1 ቍ. 1-10)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 1:44-54
ቍ. 3:- ንጽል ወላዲ ንዘለወን ስድራቤታት ዝኸውን ቅዱስ ጽሑፋዊ ምስትውዓል (fy ገጽ 103-5 ቍ. 1-8)
ቍ. 4:- ኣብ መዓልቲ ሰንበት ክግበር ግቡእ ዝኸውን እንታይ ኢዩ፧ (gt ምዕ. 32)
11 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 4-6
መዝሙር ቍ. 97 [*ኢሳይያስ 26-33]
ቍ. 1:- የሆዋ ብድንጋጽ ኢዩ ዝመርሕ (w97 15/12 ገጽ 28-9)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 4:17-33
ቍ. 3:- ከም ንጽል ወላዲ መጠን መነባብሮ ኣብ ምጥጣእ ዘሎ ብድሆ (fy ገጽ 105-7 ቍ. 9-12)
ቍ. 4:- መፈጸምታ ትንቢት ኢሳይያስ (gt ምዕ. 33)
18 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 7-9
መዝሙር ቍ. 96 [*ኢሳይያስ 34-41]
ቍ. 1:- ናይ ሓቂ ሓጐስ ኣበይ ክርከብ ከም ዝከኣል (w97 15/3 ገጽ 23)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 9:1-14
ቍ. 3:- ንጽል ወላዲ ኣብ ዘለዎ ስድራቤት ተግሳጽ ምሃብ (fy ገጽ 107-10 ቍ. 13-17)
ቍ. 4:- ሃዋርያት ዝዀንዎ ይመርጽ (gt ምዕ. 34)
25 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 10-12
መዝሙር ቍ. 125 [*ኢሳይያስ 42-49]
ቍ. 1:- የሆዋ ነቶም ውጹዓት ይግደሰሎም ኢዩ (w97 15/4 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 10:11-13, 29-36
ቍ. 3:- ኣብቲ ምስ ጽምዋ ዝግበር ቃልሲ ምዕዋት (fy ገጽ 110-13 ቍ. 18-22)
ቍ. 4:- እቲ ኣዝዩ ፍሉጥ ስብከት (gt ምዕ. 35 ሕጡብ ጽሑፍ 1-6)
1 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 13-15
መዝሙር ቍ. 64 [*ኢሳይያስ 50-58]
ቍ. 1:- ተኣምራት ንበይኑ እምነት ዘይሃንጸሉ ምኽንያት (w97 15/3 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 14:13-25
ቍ. 3:- ንጽል ወላዲ ንዘለወን ስድራቤታት እንሕግዘሉ መገዲ (fy ገጽ 113-15 ቍ. 23-7)
ቍ. 4:- ብሓቂ ሕጉሳት መን ኢዮም፧ (gt ምዕ. 35 ሕጡብ ጽሑፍ 7-17)
8 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 16-19
መዝሙር ቍ. 78 [*ኢሳይያስ 59-66]
ቍ. 1:- ድኽነት ንኽትሰርቕ ምኽንያት ዘይከውን ስለምንታይ ምዃኑ (g97 8/11 ገጽ 18-19)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 18:1-14
ቍ. 3:- ንሕማም ብኣምላኻዊ ኣረኣእያ ምግጣሙ ዘምጽኦ ጥቕሚ (fy ገጽ 116-19 ቍ. 1-9)
ቍ. 4:- ንሰዓብቱ ዝኸውን ክብ ዝበለ መዐቀኒ (gt ምዕ. 35 ሕጡብ ጽሑፍ 18-27)
15 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 20-22
መዝሙር ቍ. 46 [*ኤርምያስ 1-6]
ቍ. 1:- መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድና ዝበጽሓሉ መገድታት—ክፍሊ 1 (w97 15/8 ገጽ 8-11)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 20:14-26
ቍ. 3:- ናይ ምሕዋይ መንፈስ ዘለዎ ጥቕሚ (fy ገጽ 120-1 ቍ. 10-13)
ቍ. 4:- ጸሎትን ኣብ ኣምላኽ ምውካልን (gt ምዕ. 35 ሕጡብ ጽሑፍ 28-37)
22 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 23-26
መዝሙር ቍ. 59 [*ኤርምያስ 7-13]
ቍ. 1:- መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድና ዝበጽሓሉ መገድታት—ክፍሊ 2 (w97 15/9 ገጽ 25-9)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 23:1-12
ቍ. 3:- ቀዳምነት ክወሃቦ ዘለዎ ነገራት ምስራዕን ቈልዑ ነቲ ኣብታ ስድራቤት ዘጋጥም ሕማም ንኽዋጽእሉ ምሕጋዝን (fy ገጽ 122-3 ቍ. 14-18)
ቍ. 4:- መገዲ ህይወት (gt ምዕ. 35 ሕጡብ ጽሑፍ 38-49)
29 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 27-30
መዝሙር ቍ. 180 [*ኤርምያስ 14-21]
ቍ. 1:- መጽሓፍ ቅዱስ ኣብ ኢድና ዝበጽሓሉ መገድታት—ክፍሊ 3 (w97 15/10 ገጽ 8-12)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 27:1-11
ቍ. 3:- ሕክምና ብኸመይ ክርአ ከም ዘለዎ (fy ገጽ 124-7 ቍ. 19-23)
ቍ. 4:- ዓባይ እምነት ናይ ሓደ ሓለቓ ሰራዊት (gt ምዕ. 36)
6 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 31-32
መዝሙር ቍ. 170 [*ኤርምያስ 22-28]
ቍ. 1:- ምንጭታት ዘመናዊ ልደት (w97 15/12 ገጽ 4-7)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 31:13-24
ቍ. 3:- ሓንቲ ኣማኒት በዓልቲ ቤት ኣብ ሓንቲ እተኸፋፈለት ስድራቤት ሰላም ከም ዝህሉ ክትገብር እትኽእል ብኸመይ ኢያ፧ (fy ገጽ 128-32 ቍ. 1-9)
ቍ. 4:- የሱስ ንሓንቲ መበለት ካብ ጓሂ ኣድሓና (gt ምዕ. 37)
13 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘሁልቍ 33-36
መዝሙር ቍ. 51 [*ኤርምያስ 29-34]
ቍ. 1:- ዘሁልቍ—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 34-5 ቍ. 32-8)
ቍ. 2:- ዘሁልቍ 36:1-13
ቍ. 3:- ሓደ ኣማኒ በዓል ቤት ኣብ ሓንቲ እተኸፋፈለት ስድራቤት ሰላም ከም ዝህሉ ክገብር ዝኽእል ብኸመይ ኢዩ፧ (fy ገጽ 132-3 ቍ. 10-11)
ቍ. 4:- ዮሃንስ እምነት ኣጕዲሉ ድዩ፧ (gt ምዕ. 38)
20 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘዳግም 1-3
መዝሙር ቍ. 159 [*ኤርምያስ 35-41]
ቍ. 1:- መእተዊ ዘዳግም (si ገጽ 36-7 ቍ. 1-9)
ቍ. 2:- ዘዳግም 2:1-15
ቍ. 3:- ኣብ ሓንቲ እተኸፋፈለት ስድራቤት ንውሉዳት ዝዋሃብ ቅዱስ ጽሑፋዊ ልምምድ (fy ገጽ 133-4 ቍ. 12-15)
ቍ. 4:- እቶም ዕቡያትን እቶም ትሑታትን (gt ምዕ. 39)
27 ታሕ. ናይ ጽሑፍ ድግማ። ካብ ዘሌዋውያን 16–ዘዳግም 3 ወድእዎ።
መዝሙር ቍ. 192 [*ኤርምያስ 42-48]