ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት ግምቢ ዘብዐኛ
ቤተ መጻሕፍቲ ኢንተርነት
ግምቢ ዘብዐኛ
ትግርኛ
  • መጽሓፍ ቅዱስ
  • ሕታማት
  • ኣኼባታት
  • km 10/98 ገጽ 2
  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንጥቅምቲ

ኣብዚ ዝመረጽካዮ፡ ቪድዮ ኣይተረኽበን።

እቲ ቪድዮ ኪኽፈት ኣይከኣለን።

  • ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንጥቅምቲ
  • ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና—1998
km 10/98 ገጽ 2

ናይ ኣገልግሎት ኣኼባ ንጥቅምቲ

5 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 199

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ካብ ናይ መንግስቲ ኣገልግሎትና እተመርጹ ምልክታታት።

15 ደቒቕ:- ናይ ኣኼባታት ሰዓት ምሕላው። ክልተ ወይ ሰለስተ ናይ ጉባኤ ትምህርቲ መጽሓፍ መራሕቲ ወይ ኣገልገልቲ ጉባኤ ናብ ኣኼባታት ደንጒኻ ምምጻእ ዘስዕቦ ሽግራት ይመያየጥሉ። ሃንደበት ዘጋጥም ነገራት ሓዊስካ ናይ ኣየር ኵነታትን ኣብ መገዲ ዘጋጥም ጻዕቂ መካይንን ንምድንጓይ ምኽንያት ክኸውን ከም ዝኽእል ኣፍልጦ ይህቡ። ንገሊኣቶም ግን ምድንጓይ ኣመሎም ኢዩ። ሰዓትካ ንምሕላው እንታይ ከም ዘድሊ ንምግላጽ ኣወንታዊ ብዝዀነ መገዲ ነዚ ዝስዕብ ነጥብታት ይመያየጥሉ:- (1) ነቲ ረኺብናዮ ዘሎና ናይ ምእካብ መሰል ከምኡውን ነቲ ኣብኡ እንረኽቦ መንፈሳዊ መግብን ሕብረትን ልባዊ ሞሳ ምርኣይ (2) ኣቐዲምካ ጽቡቕ መደብ ምግባርን ብሕታዊ ነገራትካ ምምሕዳርን (3) ኣብ መንጎ እቶም ኣባላት ስድራቤት ናይ ምትሕብባር መንፈስ ከም ዝህሉ ምግባር (4) ቀልጢፍካ ምብጋስን ንኸጋጥም ዝኽእል ዘይተሓስበ ነገራት ግዜ ምምዳብን (5) ነቶም ኣብ ጉባኤ ዘለዉ ካልኦት ንዘይምርባሽ ብሓቂ ምሕላይ። ንኽትመሓየሽ ኢልካ ብቐጻሊ ብምጽዓር እዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ናይ ምድንጓይ ጸገማት ክዕረ ከም ዝኽእል እቶም ዝመያየጡ ዘለዉ ኵላቶም ይሰማምዑ።

20 ደቒቕ:- “ምብጽጻሕ መጽሔት ክትገብር ከሎኻ ‘ዘርኢ ናይታ መንግስቲ ምዝራእ።’ ” ምስ ሰማዕቲ ዝግበር ምይይጥ። ገሊኣቶም ምብጽጻሕ መጽሔት ብኸመይ ከም ዝጀመሩን ዝዓቀብዎን ይግለጹ። ናይ መጽሔት ኣቀራርባ ዝገልጽ መርኣያ ኣዳሉ። እቲ መርኣያ እታ ቀጺላ ዘላ ሕታም ናይ መጽሔት ምስ ወጸት ንኸተምጽኣሉ ምስቲ ሰብ መደብ ከም ዝገበርካ ዘርኢ ይኹን።

መዝሙር 133ን መዕጸዊ ጸሎትን

12 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 42

5 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ናይ ሕሳብ ጸብጻብ።

10 ደቒቕ:- “መርሒነት ዝወስዱ ተዓዘብቲ​—⁠ጸሓፊ።” ነቲ ዝፍጽሞ ዕዮታት ብምዝርዛር ብናይታ ጉባኤ ጸሓፊ ዝቐርብ ዝርርብ። ናይ ግራት ኣገልግሎት ጸብጻብ ብትግሃት ብምሃብ ኵላቶም ክተሓባበሩ ከም ዝኽእሉ የጕልሕ።

10 ደቒቕ:- ውዕዉዕ ዝዀነ ናይ ፓይነር መንፈስ ኣለዎም። ብመሰረት ናይ 1998 ዓመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 104-7 ዝወሃብ ዘተባብዕ ዝርርብ። ኣብ ጃፓን ብዙሓት ፓይነራት ዘለዉ ስለምንታይ ምዃኑ: እተን ኣብኡ ዘለዋ ሰብ ሓዳር ኣንስቲ ንመንፈሳዊ ነገራት ቀዳምነት ከም ዝህብኦ ዝገበረን እንታይ ምዃኑ: ፓይነር ንምዃን ኣብ ምሕታት ዘሎ ድራኸ እንታይ ኢዩ: መብዛሕትኦም እቶም ፓይነራት ከኣ በዓል መን ምዃኖም ግለጽ። እቶም ፓይነራት ወለዲ ክህልዎም ዝኽእል ሰናይ ጽልዋ ብምሳሌ ግለጾ። ፓይነር ንምዃን ኣብ ህይወትካ ዘድሊ ምትዕርራያት ምእንቲ ኽትገብር ብዛዕባ እንታይ ርግጸኛ ክትከውን ከም ዘድሊ ኣጕልሕ። ንዅላቶም ነቲ ፓይነራት ንክዀኑ ዘለዎም ኣጋጣሚ ብጸሎት ኣርዚኖም እንደገና ክሓስብሉ ኣተባብዓዮም።

20 ደቒቕ:- “ነቲ መጽሔታት ተንብቦዶ ኢኻ፧” ሕቶን መልስን። ብሕታዊ ንባብ ንምግባር ንምምዳብ ነቲ ኣብ ስኩል ጋይድቡክ (እንግሊዝኛ) ኣብ መጽናዕቲ 4 ቍጽሪ 5-6 ዘሎ ተግባራዊ ሓሳባት ድገሞ።

መዝሙር 107ን መዕጸዊ ጸሎትን

19 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 16

10 ደቒቕ:- ናይታ ጉባኤ ምልክታታት። ኣብ ሓደስቲ መጽሔታት ዝወጸ ኣብ ኣገልግሎት መዛረቢ ክኸውን ዝኽእል ነጥብታት ኣቕርብ። ካብ ናይ 1997 ዓመት መጽሓፍ (እንግሊዝኛ) ገጽ 45 ከምኡውን ካብ ናይ 22 ጥቅምቲ 1996 ንቕሑ! (እንግሊዝኛ) ገጽ 32 ተመክሮታት ንገር። ኣብ መወዳእታ ናይዛ ሰሙን እዚኣ ኵላቶም መጽሔታት ኣብ ምዕዳል ክካፈሉ ኣተባብዓዮም።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ።

20 ደቒቕ:- ንትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ብኸመይ ከም እትዳሎ። እቲ ትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝመርሕ ሓው ምስ ሰማዕቲ ብምምይያጥ የቕርቦ። እቲ ምይይጥ ከኣ ኣብ ናይ 15 ግንቦት 1986 ግምቢ ዘብዐኛ (እንግሊዝኛ) ገጽ 19-20 ቍጽሪ 16-18፣ ስኩል ጋይድቡክ (እንግሊዝኛ) መጽናዕቲ 7 ቍጽሪ 11 ከምኡውን መጽናዕቲ 18 ቍጽሪ 4-6 እተመስረተ ኢዩ። ነዚ ዝስዕብ ሕቶታት ሓሳባት ክህብሉ ዓድም:- (1) ካብ ነፍሲ ወከፍ ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ናይ መጽናዕቲ ዓንቀጽ ዝለዓለ ረብሓ ክንረክብ ኣገዳሲ ዝዀነ ስለምንታይ ኢዩ፧ (2) ሓድሽ ሕታም ምስ እንቕበል እንታይ ኢና ክንገብር ዘሎና፧ (3) ንትምህርቲ ግምቢ ዘብዐኛ ክትዳሎ ከሎኻ እቲ ዝበለጸ መገዲ እንታይ ኢዩ፧ (4) ነቲ ተጻሒፉ ዘሎ ጥቕስታትን ቀንዲ ኣርእስቲ ናይቲ ትምህርትን ከመይ ዝበለ ኣቓልቦ ኢና ክንገብረሉ ዘሎና፧ (5) ነቲ እተማሃርናዮ ብኸመይ ኢና ክንደግሞ እንኽእል፧ (6) ብሕታዊ መጽናዕቲ ናይቲ ትምህርቲ ምስ ወዳእና ኣየኖት ቀንዲ ነጥብታት ኢና ክነስተንትነሎም ዘሎና፧ (7) ሓሳባት ብኸመይ ኢና ከነዳሉ ዝግባእ፧ (8) ኣብ ሓንቲ ሕቶ እተፈላለየ ሓሳባት ክወሃብ ዝከኣል ብኸመይ ኢዩ፧ ካብ መጽናዕቲ ግምቢ ዘብዐኛ ዝለዓለ ጥቕሚ ምእንቲ ክረኽቡ ገሊኣቶም ብብሕቶም እንታይ ከም ዝገብሩ ክነግሩ ንገለ ዓድም።​—⁠ኣገልግሎትና ንምፍጻም እተመሓደርና (እንግሊዝኛ) ገጽ 65-7 እውን ርአ።

መዝሙር 95ን መዕጸዊ ጸሎትን

26 ጥቅምቲ እትጅምር ሰሙን

መዝሙር 98

10 ደቒቕ:- ነቲ “ሓድሽ ናይ ወረዳ ኣሰምብሊ ፕሮግራም” ዝብል ኣርእስቲ ኣቕርቦ።

20 ደቒቕ:- ኣምላኻዊ ምእዛዝ ኣብ ሓንቲ ብሃይማኖት እተኸፋፈለት ስድራቤት። ብመሰረት ናይ 1 ሰነ 1995 ግምቢ ዘብዐኛ ገጽ 28-31 ዝወሃብ ዝርርብ። ነቶም ዘይኣማኒ ናይ መርዓ ብጻይ ዘለዎም ኣወንታዊ ኣረኣእያ ክዕቅቡን ምስታ ጉባኤ ድማ ብንጥፈት ምእንቲ ክሓብሩን ብሕያውነት ምትብባዕን ማዕዳን ሃብ።

15 ደቒቕ:- ነታ ጉባኤ ዘድሊ ነገራት።

መዝሙር 86ን መዕጸዊ ጸሎትን

    ሕታማት ትግርኛ (1982-2025)
    ውጻእ
    እቶ
    • ትግርኛ
    • ስደድ
    • ኣማራጺታት
    • Copyright © 2026 Watch Tower Bible and Tract Society of Pennsylvania
    • ውዕል ኣጠቓቕማ
    • ፖሊሲ ምስጢራውነት
    • ግላዊ መሳርዕ
    • JW.ORG
    • እቶ
    ስደድ