ናይ 1997 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ
መምርሒ
ኣብ 1997 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክካየድ ከሎ እዚ ዝስዕብ መደባት ክህሉ ኢዩ።
መምሃሪ መጻሕፍቲ:- መጽሓፍ ቅዱስ: ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ [sg] (እንግሊዝኛ): ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ ’ (እንግሊዝኛ 1990 ሕታም) [si]: ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት [kl]: ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር [rs] (እንግሊዝኛ): ከምኡውን “ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ” [td] ነቲ ዝወሃብ ክፍልታት መሰረት ክዀኑ ኢዮም።
እቲ ቤት ትምህርቲ ብመዝሙርን ብጸሎትን ብናይ እንቋዕ ደሓን መጻእኩም መግለጺታትን ኣብ ግዜኡ ክጅምር ኣለዎ: ብድሕሪኡ በዚ ዝስዕብ ይቕጽል:-
ክፍሊ ቍ.1:- 15 ደቒቕ። እዚ ዝርርብ እዚ ብሓደ ሽማግለ ወይ ኣገልጋሊ ጉባኤ ክወሃብ ይግብኦ: ኣብ ናይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ ወይ ከኣ ‘ኵሉ ቅዱስ ጽሑፍ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶን ጠቓምን ኢዩ ’ እተመስረተ ይኸውን። እዚ ክፍሊ እዚ ካብ 10 ክሳዕ 12 ደቒቕ ሃናጺ ዝርርብ ምስ ተዋህበ ካብ 3 ክሳዕ 5 ደቒቕ ድማ ኣብቲ ጽሑፍ ዘሎ ሕቶ ተጠቒምካ ናይ ቃል ድግማ ብምግባር ክቐርብ ይግብኦ። ዕላምኡ ነቲ ጽሑፍ ንምሽፋን ዘይኰነስ ነታ ጉባኤ ብዝበለጸ ዝጠቕማ እንታይ ምዃኑ እናኣጕላሕካ ኣብ ተግባራዊ ኣወዓዕላ ናይቲ ዝዝረበሉ ዘሎ ሓባሬታ ንምትኳር ክኸውን ኣለዎ። እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ኣርእስቲ ክዝውተር ኣለዎ። ኵላቶም ካብዚ ዝርርብ እዚ መሊኦም ምእንቲ ክጥቀሙ ጥንቁቕ ቅድመ-ምድላው ንኽገብሩ ምትብባዕ ይወሃቦም።
እቶም ነዚ ዝርርብ እዚ ክህቡ እተመዘዙ ኣሕዋት ነቲ እተመደበሎም ግዜ ንኽሕልዉ ጥንቃቐ ክገብሩ ይግብኦም። ኣድላዪ እንተድኣ ኰይኑ ወይ ድማ እቲ ተዛራቢ ኣቐዲሙ እንተድኣ ሓቲቱ ናይ ብሕቲ ምኽሪ ክወሃቦ ይከኣል ኢዩ።
ካብ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሑ ሓሳባት:- 6 ደቒቕ። እዚ ብሓደ ሽማግለ ወይ ድማ ነቲ ጽሑፍ ምስቲ ከባቢ ብዝሰማማዕ ስሉጥ መገዲ ገይሩ ከቕርብ ዝኽእል ኣገልጋሊ ጉባኤ ክዋሃብ ይግባእ። እዚ ናይቲ እተመደበ ንባብ ድግማ ጥራይ ክኸውን የብሉን። ናይቲ እተመደበ ምዕራፋት ሓፈሻዊ ድግማ ካብ 30 ክሳዕ 60 ካልኢት ገይሩ ከጠቓልሎ ይኽእል ኢዩ። እቲ ቐንዲ ዕላማ: ሰማዕቲ እቲ ሓበሬታ ስለምንታይን ብኸመይን ከም ዝጠቕመና ምእንቲ ክግንዘብዎ ንምሕጋዞም ኢዩ። ብድሕርዚ እቶም ተማሃሮ በቲ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ናብቲ እተፈላለየ ክፍልታቶም ይፋነዉ።
ክፍሊ ቍ. 2:- 5 ደቒቕ። እዚ ናይቲ እተመደበ ክፍሊ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ ኰይኑ ብሓደ ሓው ክዋሃብ ዘለዎ ኢዩ። እዚ ኣብቲ ቀንዲ ቤት ትምህርትን ኣብተን ተወሰኽቲ ጉጅለታትን ይውዕል ኢዩ። እቲ ተማሃራይ ኣብ መእተውን መደምደምታን ሕጽር ዝበለ መግለጺ ምእንቲ ክህብ እቲ ናይ ንባብ ክፍሊ መብዛሕትኡ ግዜ ሕጽር ዝበለ ኢዩ። ናይ ታሪኽ መረጋገጺ: ትንቢታዊ ወይ ሰረተ-እምነታዊ ትርጕም: ከምኡውን ናይ ስርዓታት ኣወዓዕላ ክውሰኾ ይከኣል ኢዩ። ኵሎም እቶም እተመደቡ ጥቕስታት ኣብ መንጎ ከየቋረጽካ ክንበቡ ኣለዎም። ርግጽ ኢዩ: እቲ ዝንበብ ጥቕስታት ተኸታታሊ ምስ ዘይከውን እቲ ተማሃራይ ነታ ቐጺላ እትመጽእ ቍጽሪ ክጠቕሳ ይኽእል ኢዩ።
ክፍሊ ቍ. 3:- 5 ደቒቕ። እዚ ክፍሊ እዚ ንሓንቲ ሓብቲ ዝዋሃብ ኢዩ። እቲ ናይዚ ዝርርብ እዚ ክፍልታት ኣብታ ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት እተመስረተ ኢዩ። እታ እተመደበት ተማሃሪት ምንባብ እትኽእል ክትከውን ኣለዋ። ዝርርብ ክትህብ ከላ: እታ ተማሃሪት ኮፍ ኢላ ወይ ደው ኢላ ክትህብ ትኽእል ኢያ። እታ ነዚ ክፍሊ እዚ እተመደበት ሓብቲ: ነቲ ኣርእስቲ ክትጥቀም የድልያ: እቲ ክቐርብ ዘለዎ ክፍሊ ድማ ብተግባራዊ ኣቀራርባ ኰይኑ: ምስ ናይ ግራት ኣገልግሎት ወይ ድማ ምስ ናይ እግረ-መገዲ ምስክርነት ተተሓሒዙ ክቐርብ ይምረጽ። በቲ ተዓዛቢ ናይቲ ቤት ትምህርቲ ሓንቲ ሓጋዚት ይምደበላ ኢዩ: ይኹን እምበር ተወሰኽቲ ሓገዝቲውን ክግበር ይከኣል ኢዩ። ብቐዳምነት ክሕሰበሉ ዝግባእ ፍረ ዘለዎ ኣጠቓቕማ ናይቲ ክፍሊ ድኣ እምበር: ኣቀራርባኡ ኣይኰነን።
ክፍሊ ቍ. 4:- 5 ደቒቕ። ንሓደ ሓው ወይ ንሓንቲ ሓብቲ ይዋሃብ። ኣብታ ካብ ቅዱሳት ጽሑፋት ምምርማር ወይ ከኣ “ምዝርራብ ብዛዕባ ኣርእስቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ” እተመስረተ ይኸውን። ንሓደ ሓው ምስ ዝምደብ: እዚ ንዅሎም ሰማዕቲ ዝቐርብ ዝርርብ ክኸውን ይግባእ። እቲ ሓው ነዚ ዝርርብ እዚ ክዳሎ ኸሎ ነቶም ኣብ ኣደራሽ መንግስቲ ዘለዉ ሰማዕቲ ኣብ እእምሮኡ ክሕዞም ዝበለጸ ኢዩ: በዚ ኸምዚ ድማ ዝርርቡ ነቶም ዝሰምዕዎ ዘበሉ ፍረ ዘለዎን ብሓቂ ዝጠቕሞምን ኰይኑ ይርከብ። ንሓንቲ ሓብቲ ምስ ዝዋሃብ ድማ: እቲ ክፍሊ በቲ ኣብ ክፍሊ ቍ. 3 ዘሎ መልክዕ ክቐርብ ኣለዎ።
ምዕዶን ርእይቶታትን:- እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ናይ ተማሃራይ ዝርርብ ፍሉይ ምዕዶ ይህብ ኢዩ: እንተዀነ ግን ነቲ ኣብ ናይ ምዕዶ ቅርጻ ተሰሪዑ ዘሎ ናይ ምዕዶ ቅደም ተኸተል ክስዕብ ግድን ኣይኰነን። ኣብ ክንድኡስ ኣብተን እቲ ተማሃራይ ምምሕያሽ ዘድልያኦ ነጥብታት ከተኵር ኣለዎ። እቲ ተማሃራይ “ጽ” እንተድኣ ተገይርሉ: ካልእ “ተ” ወይ “ዝ” ዝብል ምልክት እንተ ዘይብሉ ነቲ እቲ ተማሃራይ ንዝመጽእ ክዓየሉ ዘድሊ ናይ ዝርርብ ብቕዓት እቲ ምኽሪ ዝህብ ኣብቲ “ጽ” “ተ” ወይ “ዝ” ክግበረሉ ዘለዎ ቦታ ክቢ ብምግባር የመልክተሉ። ብዛዕባ እዚ ነቲ ተማሃራይ ሽዑ ምሸት ይሕብሮ: ከምኡውን ነዚ ናይ ዝርርብ ብቕዓት እዚ: ኣብቲ ዝቕጽል ናይቲ ተማሃራይ ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ ክፍሊ ቅርጻ (S-89) የመልክተሉ። እቶም ክፍሊ ዝህቡ ኣብ ቅድሚት ናይቲ ኣደራሽ ኮፍ ክብሉ ኣለዎም። እዚ ግዜ ይቝጥብ: እቲ ተዓዛቢውን ብቐጥታ ንነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ምዕዶኡ ክልግሰሉ ይኽእል። እቲ ዘድሊ ናይ ቃል ምዕዶ ምስ ተዋህበ: ግዜ እንተድኣ ኣለዎ ኰይኑ: በቲ ተማሃራይ ዘይተጠቕሰ: ኣብ ፍረ ዘለዎን ተግባራውን ነጥብታት ዘተኰረ ሓሳባት በቲ መኻሪ ክወሃብ ይከኣል ኢዩ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ደድሕሪ ነፍሲ ወከፍ ናይ ተማሃራይ ዝርርብ ንዝህቦ ምዕዶን ዝዀነ ይኹን ሕጽር ዝበለ ርእይቶታትን ብጠቕላላ ካብ ክልተ ደቒቕ ከየብዝሖ ክጥንቀቕ ኣለዎ። እቲ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሑ ሓሳባት ዘቕርብ ሓው ምኽሪ ክዋሃቦ ዘድሊ ምስ ዝኸውን ብብሕቲ ክዋሃቦ ይከኣል።
ክፍልታት ምድላው:- እቲ ተማሃራይ ነቲ እተዋህቦ ክፍሊ ቅድሚ ምድላዉ ካብታ ቤት ትምህርቲ መምርሒ መጽሓፍ ምስቲ ክዕየየሉ ዘለዎ ዓይነት ዝርርብ እተተሓሓዘ ሓሳባት ተጠንቂቑ ከንብብ ኣለዎ። እቶም ንኽፍሊ ቍ. 2 ዝወስዱ ተማሃሮ: ምስቲ ክንበብ ዘለዎ ክፍሊ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ እተተሓሓዘ ኣርእስቲ ክመርጹ ኣለዎም። እቲ ካልእ ክፍልታት ግን ምስቲ ኣብዚ መደብ እዚ ተዳልዩ ዘሎ ኣርእስትታት ተተሓሒዙ ክቐርብ ኢዩ።
ግዜ:- ዝዀነ ይኹን ክፍሊ ኰነ ናይቲ መኻሪ ምዕዶን ርእይቶታትን ካብቲ እተመደበ ግዜ ክሓልፍ የብሉን። ክፍሊ ቍ. 2 ክሳዕ ቍ. 4 ግዜ ምስ ዝኣክል ብሜላ ጠጠው ከም ዝብሉ ክግበር ኣለዎ። እቲ ናይ ጠጠው ምልክት ንኽገብር እተመዘዘ ሓው ብትግሃት ክገብሮ ኣለዎ። እቶም ክፍሊ ቁ. 1 ከምኡውን ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ዝጐልሑ ሓሳባት ዘቕርቡ ኣሕዋት: ግዜ ምስ ዘሕልፉ: ብሕታዊ ምዕዶ ክዋሃቦም ይግባእ። ኵሎም ግዜኦም ብጥንቃቐ ክሕልዉ ኣለዎም። ጠቕላላ ፕሮግራም: ብዘይ ጸሎትን መዝሙርን 45 ደቒቕ ኢዩ።
ናይ ጽሑፍ ድግማ:- በብእዋኑ ናይ ጽሑፍ ድግማ ክዋሃብ ኢዩ። ኣብ ምድላው: እቲ እተመደበ ጽሑፍ ድገምዎ: ነቲ እተመደበ ንባብ መጽሐፍ ቅዱስ ድማ ወድእዎ። ኣብዚ ናይ 25 ደቒቕ ድግማ መጽሓፍ ቅዱስ ጥራይ ኢኹም ክትጥቀሙ እትኽእሉ: እቲ ተዋሂቡ ዘሎ ምዱብ ግዜ: ንናይ ሕቶን መልስን ምይይጥ ክውፈ ኢዩ። ነፍሲ ወከፍ ተማሃራይ ናይ ገዛእ ርእሱ ወረቐት ክእርም ኢዩ። እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ነቶም ንናይ ድግማ ሕቶታት ዝወሃቡ መልስታት ምስ ሰማዕቱ ኰይኑ ይግምግሞም: ብዝያዳ ኣቓልቦኡ ኣብቲ ጽንኩር ሕቶታት ይገብር: ኵሎም ነቲ መልሲ ብንጹር ንኽርድእዎ ድማ ይሕግዞም። ብገለ ምኽንያት: ናይቲ ከባቢ ኵነታት ኣድላዪ ምስ ዝገብሮ: እቲ ናይ ጽሑፍ ድግማ ካብቲ ኣብዚ መደብ እዚ ተመልኪቱ ዘሎ ግዜ ሰሙን ጸኒሑ ክዋሃብ ይከኣል ኢዩ።
ዓበይቲ ጉባኤታት:- 50 ወይ ካብኡ ንላዕሊ ኣብቲ ቤት ትምህርቲ እተመዝገቡ ተማሃሮ ዘለዉወን ጉባኤታት: ኣብ ቅድሚ ካልኦት መኸርቲ ኰይኖም ነቲ እተመደበ ክፍልታት ከም ዘቕርቡ ንኽገብራ ተወሰኽቲ ናይ ተማሃሮ ጉጅለታት ይደልያ ይዀና። ርግጽ ኢዩ: ንናብራኦም ምስ ክርስትያናዊ መምርሒታት ኣሰማሚዖም ዝኸዱ ዘይተጠምቁ ሰባት: ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ተመዝጊቦም ክፍልታት ክቕበሉ ይኽእሉ ኢዮም።
ዘብኵሩ:- ኣብታ ጉባኤ ዘለዉ ዅሎም ኣብዚ ሰሙናዊ ኣኼባ እዚ ንምክፋል ጻዕሪ ብምግባርን ንኽፍሎም ጽቡቕ ገይሮም ተዳልዮም ብምምጻእን: ኣብቲ ናይ ሕቶ ክፍለ-ግዜ ተኻፋልነቶም ብምርኣይን ነዚ ቤት ትምህርቲ እዚ ሞሳኦም ከርእዩ ይኽእሉ ኢዮም። ኵሎም ተማሃሮ ንኽፍሎም ነቒሖም ክምልከትዎ ትጽቢት ይግበረሎም ኢዩ። ሓደ እተመደበ ተማሃራይ ምስ ዘብኵር ፍቓደኛ ዝዀነ ኣብዛ ሓጻር ግዜ እዚኣ: እተሰምዖ: ይበቅዕ ኢዩ ዝብሎ ኣቀራርባ ብምጥቃም ነታ ክፍሊ ክወስዳ ይኽእል ኢዩ። ወይ ድማ እቲ ናይ ቤት ትምህርቲ ተዓዛቢ ምስ ሰማዕቲ ብምምይያጥ ነታ ክፍሊ ከቕርባ ይኽእል።
መደብ
6 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘካርያስ 1 ክሳዕ 5
መዝሙር ቍ. 85
ቍ. 1:- መእተዊ ዘካርያስ (si ገጽ. 168-9 ቍ. 1-7)
ቍ. 2:- ዘካርያስ 2:1-13
ቍ. 3:- ሰብ ንኽመውት ኣይኰነን ተፈጢሩ (kl ገጽ. 53 ቍ. 1–3)
ቍ. 4:- መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ እንታይ ኢዩ: ጐዳኢ ዝኸውንከ ስለምንታይ ኢዩ፧ (rs ገጽ 389 ሕጡብ ጽ. 5–ገጽ 391 ሕጡብ ጽ. 1-2)
13 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘካርያስ 6 ክሳዕ 9
መዝሙር ቍ. 215
ቍ. 1:- sg ገጽ 80-84 ቍ. 11-24
ቍ. 2:- ዘካርያስ 7:1-14
ቍ. 3:- እኩይ ውዲት (kl ገጽ 55-6 ቍ. 4-7)
ቍ. 4:- ትዕቢትን ዕልወትን መግለጺታት መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ኢዮም (rs ገጽ 391 ሕጡብ ጽ. 1-2)
20 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዘካርያስ 10 ክሳዕ 14
መዝሙር ቍ. 98
ቍ. 1:- ዘካርያስ—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 171-2 ቍ. 23-7)
ቍ. 2:- ዘካርያስ 12:1-14
ቍ. 3:- ሰይጣን ንውዲቱ ብኸመይ ከም ዝፈጸሞ (kl ገጽ 56-8 ቍ. 8-12)
ቍ. 4:- መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ስጋዊ ትምኒት የተባብዕ (rs ገጽ 391 ሕጡብ ጽ. 3)
27 ጥሪ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሚልክያስ 1 ክሳዕ 4
መዝሙር ቍ. 118
ቍ. 1:- መእተዊ ሚልክያስ ከምኡውን ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 172-3 ቍ. 1-6፣ ገጽ 174-5 ቍ. 13-17)
ቍ. 2:- ሚልክያስ 1:6-14
ቍ. 3:- ሓጢኣትን ሞትን ብኸመይ ከም ዘስፋሕፍሐ (kl ገጽ 58-9 ቍ. 13-15)
ቍ. 4:- መንፈስ እዛ ዓለም እዚኣ ፍቕረ-ንዋይ የተባብዕ (rs ገጽ 392 ሕጡብ ጽ. 1-2)
3 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማቴዎስ 1 ክሳዕ 3
መዝሙር ቍ. 132
ቍ. 1:- መእተዊ ማቴዎስ (si ገጽ 175-7 ቍ. 1-10)
ቍ. 2:- ማቴዎስ 2:1-15
ቍ. 3:- ካብ ብልሓታት ሰይጣን ተጠንቀቑ (kl ገጽ 59-60 ቍ. 16-18)
ቍ. 4:- ኣንጻር ግብሪ ስጋ ኣበርቲዕኩም ተቓለሱ (rs ገጽ 392 ሕጡብ ጽ. 3)
10 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማቴዎስ 4 ከምኡውን 5
መዝሙር ቍ. 36
ቍ. 1:- sg ገጽ 84-87 ቍ. 1-9
ቍ. 2:- ማቴዎስ 4:1-17
ቍ. 3:- እምነት ይሃልኹም: ንዘጋጥም ምጽራር ድማ ተዳለዉሉ (kl ገጽ 60-1 ቍ. 19-21)
ቍ. 4:- ኣብ የሆዋ ድኣ’ምበር ኣብ ሰብኣውያን ገዛእቲ ኣይትወከሉ (rs ገጽ 392 ሕጡብ ጽ. 4–ገጽ 393 ሕጡብ ጽ. 1)
17 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማቴዎስ 6 ከምኡውን 7
መዝሙር ቍ. 222
ቍ. 1:- sg ገጽ 88-90 ቍ. 10-15
ቍ. 2:- ማቴዎስ 7:1-14
ቍ. 3:- ኣምላኽ ንወድሰብ ንምድሓን እተጠቕመሉ መገዲ (kl ገጽ 62-3 ቍ. 1-5)
ቍ. 4:- ነቲ ኣብ ደቅሰብ ዝወረደ ስቓይ ተወቃሲ መን ኢዩ፧ (rs ገጽ 393 ሕጡብ ጽ. 2–ገጽ 394 ሕጡብ ጽ. 1)
24 ለካ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማቴዎስ 8 ከምኡውን 9
መዝሙር ቍ. 162
ቍ. 1:- sg ገጽ. 90-92 ቍ. 1-7
ቍ. 2:- ማቴዎስ 8:1-17
ቍ. 3:- መሲሕ ስለምንታይ ክመውት ከም ዝነበሮ (kl ገጽ 63-5 ቍ. 6-11)
ቍ. 4:- ስቓይ ወድሰብ ብኸመይ ኢዩ ጀሚሩ፧ (rs ገጽ 394 ሕጡብ ጽ. 2–3)
3 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማቴዎስ 10 ከምኡውን 11
መዝሙር ቍ. 172 (92)
ቍ. 1:- sg ገጽ 92-95 ቍ. 8-18
ቍ. 2:- ማቴዎስ 11:1-15
ቍ. 3:- እቲ በጅነት ብኸመይ ከም እተኸፍለ (kl ገጽ 65-8 ቍ. 12-16)
ቍ. 4:- ኣምላኽ ነቶም ዝሳቐዩ ዘለዉ ደቅሰብ ንምሕጋዝ እንታይ ከም ዝገበረ (rs ገጽ 395 ሕጡብ ጽ. 1-2)
10 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማቴዎስ 12 ከምኡውን 13
መዝሙር ቍ. 133
ቍ. 1:- sg ገጽ 96-99 ቍ. 1-10
ቍ. 2:- ማቴዎስ 12:22-37
ቍ. 3:- በጅነት ክርስቶስን ንስኻን (kl ገጽ 68-9 ቍ. 17-20)
ቍ. 4:- ኣምላኽ ስቓይ ክቕጽል ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧ (rs ገጽ 395 ሕጡብ ጽ. 4–ገጽ 397 ሕጡብ ጽ. 1)
17 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማቴዎስ 14 ከምኡውን 15
መዝሙር ቍ. 129
ቍ. 1:- sg ገጽ 100-102 ቍ. 1-12
ቍ. 2:- ማቴዎስ 14:1-22
ቍ. 3:- ኣምላኽ በቲ ኣብ ደቅሰብ ዝወረደ ስቓይ ተሓታቲ ድዩ፧ (kl ገጽ. 70-2 ቍ. 1-5)
ቍ. 4:- ብዛዕባ እቲ ኣብ ግዜ ምውላድ ዘጋጥም ኣካላውን ኣእምሮኣውን ጕድለታት እንታይ ክንመሃር ከም እንኽእል (rs ገጽ 397 ሕጡብ ጽ. 2–5)
24 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማቴዎስ 16 ከምኡውን 17
መዝሙር ቍ. 151
ቍ. 1:- sg ገጽ 103-108 ቍ. 13-19
ቍ. 2:- ማቴዎስ 17:14-27
ቍ. 3:- ፍጹም ኣጀማምራን ተንኰለኛ ብድሆን (kl ገጽ 72-4 ቍ. 6-10)
ቍ. 4:- ኣምላኽ “ናይ ተፈጥሮ ሓደጋታት” ዘፍቅድ ስለምንታይ ኢዩ፧ (rs ገጽ 398 ሕጡብ ጽ. 1-3)
31 መጋ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማቴዎስ 18 ከምኡውን 19
መዝሙር ቍ. 97
ቍ. 1:- sg ገጽ 108-112 ቍ. 1-20
ቍ. 2:- ማቴዎስ 19:16-30
ቍ. 3:- እቲ ናይ ሓቂ ክርክራትን የሆዋ ንኸደቅሶ እተጠቕመሉ መገድታትን (kl ገጽ 74-6 ቍ. 11-15)
ቍ. 4:- እቶም መከራ ዘሕልፉ ዘለዉ ሰባት ብኣምላኽ ድዮም ዝቕጽዑ ዘለዉ፧ (rs ገጽ 398 ሕጡብ ጽ. 4–ገጽ 399 ሕጡብ ጽ. 3)
7 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማቴዎስ 20 ከምኡውን 21
መዝሙር ቍ. 107
ቍ. 1:- sg ገጽ 113-116 ቍ. 1-16
ቍ. 2:- ማቴዎስ 20:1-16
ቍ. 3:- ኣምላኽ እከይ ብምፍቃዱ እንታይ ከም እተረጋገጸ (kl ገጽ 76-8 ቍ. 16-19)
ቍ. 4:- ብቛንቋታት ምዝራብ ሓደ ሰብ መንፈስ ቅዱስ ከም ዘለዎ ዘረጋግጽ ድዩ፧ (rs ገጽ 400 ሕጡብ ጽ. 3–ገጽ. 401 ሕጡብ ጽ. 2)
14 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማቴዎስ 22 ከምኡውን 23
መዝሙር ቍ. 56
ቍ. 1:- sg ገጽ 116-118 ቍ. 1-12
ቍ. 2:- ማቴዎስ 23:1-15
ቍ. 3:- ብወገን መን ኢኻ እትቐውም፧ (kl ገጽ 78-9 ቍ. 20-3)
ቍ. 4:- ኣብቲ ቀዳማይ ክፍለ-ዘበን ዝነበሩ ገለ ክርስትያናት ብቛንቋታት እተዛረቡ ስለምንታይ ኢዮም፧ (rs ገጽ 401 ሕጡብ ጽ. 3–ገጽ 402 ሕጡብ ጽ. 1)
21 ሚያ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማቴዎስ 24 ከምኡውን 25
መዝሙር ቍ. 193
ቍ. 1:- sg ገጽ 118-121 ቍ. 13-28
ቍ. 2:- ማቴዎስ 24:32-44
ቍ. 3:- ሞይቶም ዘለዉ ፍቑራትና እንታይ ኢዮም ዝዀኑ፧ (kl ገጽ 80-2 ቍ. 1-6)
ቍ. 4:- ነቶም መንፈስ ኣምላኽ ዘለዎም ብኸመይ ኢና ከነለልዮም እንኽእል፧ (rs ገጽ 402 ሕጡብ ጽ. 3-6)
28 ሚያ. ናይ ጽሑፍ ድግማ። ካብ ዘካርያስ 1 ክሳዕ ማቴዎስ 25 ዘሎ ወድእዎ
መዝሙር ቍ. 6
5 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማቴዎስ 26
መዝሙር ቍ. 14
ቍ. 1:- sg ገጽ 121-126 ቍ. 1-21
ቍ. 2:- ማቴዎስ 26:31-35, 69-75
ቍ. 3:- ናብ መሬት ምምላስ ብሓቂ እንታይ ማለት ከም ዝዀነ (kl ገጽ 82-3 ቍ. 7-10)
ቍ. 4:- ሓቀኛታት ክርስትያናት ሎሚ ብኸመይ ከም ዝልለዩ፧ (rs ገጽ 403 ሕጡብ ጽ. 1–3)
12 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማቴዎስ 27 ከምኡውን 28
መዝሙር ቍ. 102
ቍ. 1:- ማቴዎስ—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 180-1 ቍ. 29-33)
ቍ. 2:- ማቴዎስ 27:11-26
ቍ. 3:- ናይ ምዉታት ኵነታት ከመይ ኢዩ፧ (kl ገጽ 83-5 ቍ. 11-14)
ቍ. 4:- ብቛንቋታት ምዝራብ ክሳዕ መዓስ ኢዩ ክቕጽል ዝነበሮ፧ (rs ገጽ 403 ሕጡብ ጽ. 4–ገጽ 404 ሕጡብ ጽ. 3)
19 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማርቆስ 1 ከምኡውን 2
መዝሙር ቍ. 180
ቍ. 1:- መእተዊ ማርቆስ (si ገጽ 181-3 ቍ. 1-11)
ቍ. 2:- ማርቆስ 1:12-28
ቍ. 3:- ኣብ ዝኽሪ የሆዋ ዘለዉ ኵሎም ክትንስኡ ኢዮም (kl ገጽ 85-8 ቍ 15-18)
ቍ. 4:- ሰረተ-እምነት ስላሴ እንታይ ኢዩ: መበቈሉኸ ካበይ ኢዩ፧ (rs ገጽ 405 ሕጡብ ጽ. 1–ገጽ 406 ሕጡብ ጽ. 3)
26 ግን. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማርቆስ 3 ከምኡውን 4
መዝሙር ቍ. 46
ቍ. 1:- sg ገጽ 126-130 ቍ. 1-22
ቍ. 2:- ማርቆስ 3:1-15
ቍ. 3:- ትንሳኤ ናበይ፧ (kl ገጽ 88-9 ቍ. 19-22)
ቍ. 4:- መንፈስ ቅዱስ ኣካል ድዩ፧ (rs ገጽ 406 ሕጡብ ጽ. 4–ገጽ 407 ሕጡብ ጽ. 3)
2 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማርቆስ 5 ከምኡውን 6
መዝሙር ቍ. 220
ቍ. 1:- sg ገጽ 130-133 ቍ. 1-20
ቍ. 2:- ማርቆስ 5:21-24, 35-43
ቍ. 3:- መንግስቲ ኣምላኽን ዕላማታታን (kl ገጽ 90-1 ቍ. 1-5)
ቍ. 4:- የሱስን የሆዋን ሓደ ኣካል ድዮም፧ (rs ገጽ 407 ሕጡብ ጽ. 4–ገጽ 409 ሕጡብ ጽ. 2)
9 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማርቆስ 7 ከምኡውን 8
መዝሙር ቍ. 207
ቍ. 1:- sg ገጽ 133-135 ቍ. 1-8
ቍ. 2:- ማርቆስ 7:24-37
ቍ. 3:- መንግስቲ ኣምላኽ ምምሕዳር ዘለዋ መንግስቲ ኢያ (kl ገጽ 91-2 ቍ. 6-7)
ቍ. 4:- መጽሓፍ ቅዱስ የሆዋን የሱስን መንፈስ ቅዱስን ኵሎም ማዕረ ከም ዝዀኑ ይምህር ድዩ፧ (rs ገጽ 409 ሕጡብ ጽ. 3–ገጽ 411 ሕጡብ ጽ. 1)
16 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማርቆስ 9 ከምኡውን 10
መዝሙር ቍ. 11
ቍ. 1:- sg ገጽ 135-138 ቍ. 9-21
ቍ. 2:- ማርቆስ 9:14-29
ቍ. 3:- መንግስቲ ኣምላኽ ናይ ሓቂ ምዃና ብኸመይ ከም እንፈልጥ (kl ገጽ 92-4 ቍ. 8-11)
ቍ. 4:- መጽሓፍ ቅዱስ ነፍሲ ወከፍ እቶም ክፍሊ ናይ ስላሴ ዝበሃሉ ኣምላኽ ከም ዝዀኑ ይምህር ድዩ፧ (rs ገጽ 411 ሕጡብ ጽ. 2–ገጽ 412 ሕጡብ ጽ. 1)
23 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማርቆስ 11 ከምኡውን 12
መዝሙር ቍ. 87
ቍ. 1:- sg ገጽ 138-142 ቍ. 1-19
ቍ. 2:- ማርቆስ 11:12-25
ቍ. 3:- እንኮ ተስፋ ወድሰብ መንግስቲ ኣምላኽ ዝዀነትሉ ምኽንያት (kl ገጽ 94-5 ቍ. 12-13)
ቍ. 4:- ኣመንቲ ስላሴ ንቕዱሳት ጽሑፋት ብኸመይ ብጌጋ ከም ዝትርጕምዎ (rs ገጽ 412 ሕጡብ ጽ. 2–ገጽ 414 ሕጡብ ጽ. 1)
30 ሰነ ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማርቆስ 13 ከምኡውን 14
መዝሙር ቍ. 38
ቍ. 1:- sg ገጽ 142-145 ቍ. 1-15
ቍ. 2:- ማርቆስ 14:12-26
ቍ. 3:- የሱስ ንሰማይ ድሕሪ ምዕራጉ ብኡንብኡ ምግዛእ ዘይጀመረሉ ምኽንያት (kl ገጽ 95-6 ቍ. 14-15)
ቍ. 4:- ንየሆዋ ዘመልክቱ ገለ ጥቕስታት ኣብ ክርስቶስ ከተውዕሎም ዝከኣለሉ ምኽንያት (rs ገጽ 414 ሕጡብ ጽ. 2-3)
7 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ማርቆስ 15 ከምኡውን 16
መዝሙር ቍ. 187
ቍ. 1:- ማርቆስ—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 186 ቍ. 31-3)
ቍ. 2:- ማርቆስ 15:16-32
ቍ. 3:- እቲ ምዱብ ዘበናት ኣህዛብ መዓስ ጀመረ: መዓስከ ኢዩ እተወድአ፧ (kl ገጽ 96-7 ቍ. 16-18)
ቍ. 4:- ኣመንቲ ስላሴ ብጌጋ እተጠቕምሉ ጥቕስታት (rs ገጽ 414 ሕጡብ ጽ. 4–ገጽ 415 ሕጡብ ጽ. 5)
14 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሉቃስ 1
መዝሙር ቍ. 212
ቍ. 1:- መእተዊ ሉቃስ (si ገጽ 187-8 ቍ. 1-9)
ቍ. 2:- ሉቃስ 1:5-17
ቍ. 3:- እዚአን እተን ዳሕሮት መዓልትታት ኢየን (kl ገጽ 98-9 ቍ. 1-4)
ቍ. 4:- ዮሃንስ 1:1 ከምኡውን 8:58 ንስላሴ ዘይድግፋሉ ምኽንያት (rs ገጽ 416 ሕጡብ ጽ. 1–ገጽ 418 ሕጡብ ጽ. 2)
21 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሉቃስ 2 ከምኡውን 3
መዝሙር ቍ. 89
ቍ. 1:- sg ገጽ 145-148 ቍ. 16-34
ቍ. 2:- ሉቃስ 2:1-14
ቍ. 3:- ገለ ካብቶም መለለዪታት ናይ ዳሕሮት መዓልትታት እንታይ ኢዮም፧ (kl ገጽ 99-103 ቍ. 5-7)
ቍ. 4:- ጥቕስታት ከነንብብ ከሎና ነቲ ኣብ ከባቢኦም ዘሎ ሓሳባት ምምርማሩ ኣድላዪ ዝዀነሉ ምኽንያት (rs ገጽ 418 ሕጡብ ጽ. 4–ገጽ 421 ሕጡብ ጽ. 1)
28 ሓም. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሉቃስ 4 ከምኡውን 5
መዝሙር ቍ. 92
ቍ. 1:- sg ገጽ 149-150 ቍ. 1-8
ቍ. 2:- ሉቃስ 4:31-44
ቍ. 3:- ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ባህርያት ወድሰብ ክበላሾ ምዃኑ ኣቐዲሙ ተነጊሩ ኢዩ (kl ገጽ 103-5 ገጽ 8-12)
ቍ. 4:- የሱስ ክርስቶስን የሆዋን እተፈላለዩ ከምኡውን በበይኖም ዝዀኑ ኣካላት ኢዮም (rs ገጽ 421 ሕጡብ ጽ. 2–ገጽ 423 ሕጡብ ጽ. 1)
4 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሉቃስ 6 ከምኡውን 7
መዝሙር ቍ. 213
ቍ. 1:- sg ገጽ 150-153 ገጽ 9-21
ቍ. 2:- ሉቃስ 6:37-49
ቍ. 3:- ክልተ ፍሉያት መለለዪታት ናይተን ዳሕሮት መዓልትታት (kl ገጽ 105-6 ቍ. 13-14)
ቍ. 4:- የሱስ ካብ ምውታት ባዕሉ ኣይተንስአን: ምስ ኣምላኽ ማዕረ ከም ዝዀነ ኸኣ ፈጺሙ ተዛሪቡ ኣይፈልጥን ኢዩ (rs ገጽ 423 ሕጡብ ጽ. 3–ገጽ 424 ሕጡብ ጽ. 2)
11 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሉቃስ 8 ከምኡውን 9
መዝሙር ቍ. 67
ቍ. 1:- sg ገጽ 153-156 ቍ. 1-14
ቍ. 2:- ሉቃስ 9:23-36
ቍ. 3:- እዚአን እተን ዳሕሮት መዓልትታት ምዃነን ነቲ መርትዖ መልሰሉ (kl ገጽ 106-7 ቍ. 15-17)
ቍ. 4:- ኣብ ናይ ስላሴ እምነት ምጥባቕ ሓደገኛ ዝዀነሉ ምኽንያት (rs ገጽ 424 ሕጡብ ጽ. 3–ገጽ 425 ሕጡብ ጽ. 2)
18 ነሓ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሉቃስ 10 ከምኡውን 11
መዝሙር ቍ. 34
ቍ. 1:- sg ገጽ 156-158 ቍ. 15-24
ቍ. 2:- ሉቃስ 11:37-51
ቍ. 3:- እኩያት መናፍስቲ ኣለዉ! (kl ገጽ 108-9 ቍ. 1-3)
ቍ. 4:- እከይ ክሳዕ ክንድዚ በዚሑ ዘሎ ስለምንታይ ኢዩ፧ (rs ገጽ 427 ሕጡብ ጽ. 1–5)
25 ነሓ. ናይ ጽሑፍ ድግማ። ማቴዎስ 26 ክሳዕ ሉቃስ 11 ውድእዎ።
መዝሙር ቍ. 160
1 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሉቃስ 12 ከምኡውን 13
መዝሙር ቍ. 163
ቍ. 1:- sg ገጽ 158-160 ቍ. 1-9
ቍ. 2:- ሉቃስ 13:1-17
ቍ. 3:- እኩያት መላእኽቲ ብወገን ሰይጣን ተሰለፉ (kl ገጽ 109 ቍ. 4-5)
ቍ. 4:- ኣምላኽ እከይ ዘፍቀደ ስለምንታይ ኢዩ፧ (rs ገጽ 428 ሕጡብ ጽ. 1–ገጽ 429 ሕጡብ ጽ. 1)
8 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሉቃስ 14 ክሳዕ 16
መዝሙር ቍ. 124
ቍ. 1:- sg ገጽ 160-163 ቍ. 10-24
ቍ. 2:- ሉቃስ 14:1-14
ቍ. 3:- ንዅሉ ኣገባባት ሓተታ መናፍስቲ ንጸግዎ (kl ገጽ 111-112 ቍ. 6-8)
ቍ. 4:- ኣምላኽ እከይ ብምፍቃዱ ብኸመይ ከም እተጠቐምና (rs ገጽ 429 ሕጡብ ጽ. 2-3)
15 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሉቃስ 17 ከምኡውን 18
መዝሙር ቍ. 200
ቍ. 1:- sg ገጽ 163-165 ቍ. 1-9
ቍ. 2:- ሉቃስ 17:22-37
ቍ. 3:- መጽሓፍ ቅዱስ ንሓተታ መናፍስቲ ዝዀነነሉ ምኽንያት (kl ገጽ 112-13 ቍ. 9-11)
ቍ. 4:- ኣምላኽ ንደቂ ኣንስትዮ ብኸመይ ከም ዝርእየን (rs ገጽ 431 ሕጡብ ጽ. 2–4)
22 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሉቃስ 19 ከምኡውን 20
መዝሙር ቍ. 145
ቍ. 1:- sg ገጽ 165-167 ቍ. 10-21
ቍ. 2:- ሉቃስ 19:11-27
ቍ. 3:- መጽሓፍ ቅዱስ እኩያት መናፍስቲ ብኸመይ ከም ዝዓዩ ይገልጽ ኢዩ (kl ገጽ 113-14 ቍ. 12-13)
ቍ. 4:- ርእስነት ንሰብኡት ምሃብ ንኣንስቲ ዘሕስር ድዩ፧ (rs ገጽ 432 ሕጡብ ጽ. 1-3)
29 መስ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሉቃስ 21 ከምኡውን 22
መዝሙር ቍ. 86
ቍ. 1:- sg ገጽ 168-170 ቍ. 1-14
ቍ. 2:- ሉቃስ 22:24-38
ቍ. 3:- ንእኩያት መናፍስቲ ብኸመይ ከም እትጻረሮም (kl ገጽ 114-15 ቍ. 14-15)
ቍ. 4:- ደቂ ኣንስትዮ ኣገልገልቲ ክዀና ይግብአን ድዩ፧ (rs ገጽ 432 ሕጡብ ጽ. 4–ገጽ 433 ሕጡብ ጽ. 1)
6 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ሉቃስ 23 ከምኡውን 24
መዝሙር ቍ. 88
ቍ. 1:- ሉቃስ—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 192-3 ቍ. 30-5)
ቍ. 2:- ሉቃስ 23:32-49
ቍ. 3:- ንእምነትካ ብኸመይ ከም እተሐይላ (kl ገጽ 115-16 ቍ. 16-17)
ቍ. 4:- ክርስትያን ኣንስቲ ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ርእሰን ዝጕልበባ ስለምንታይ ኢየን፧ (rs ገጽ 433 ሕጡብ ጽ. 2–ገጽ 434 ሕጡብ ጽ. 1)
13 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዮሃንስ 1 ክሳዕ 3
መዝሙር ቍ. 31
ቍ. 1:- መእተዊ ዮሃንስ (si ገጽ 193-5 ቍ. 1-9)
ቍ. 2:- ዮሃንስ 1:19-34
ቍ. 3:- ኣንጻር እኩያት መናፍስቲ ከየቋረጽካ ተቓለስ (kl ገጽ 116-17 ቍ. 18-20)
ቍ. 4:- ደቂ ኣንስትዮ ኵሕለ ምሕሊ ወይ ስልማት ክገብራሲ ግቡእ ድዩ፧ (rs ገጽ 435 ሕጡብ ጽ. 1-3)
20 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዮሃንስ 4 ከምኡውን 5
መዝሙር ቍ. 35
ቍ. 1:- sg ገጽ 170-171 ቍ. 15-22
ቍ. 2:- ዮሃንስ 4:39-54
ቍ. 3:- ብኣምላኻዊ ኣነባብራ ምንባር ሓጐስ የምጽእ (kl ገጽ 118-19 ቍ. 1-4)
ቍ. 4:- እዛ ዓለም እዚኣን መራሒኣን ኣብ ዝመጽእ እንታይ ክዀኑ ኢዮም፧ (rs ገጽ 436 ሕጡብ ጽ. 1–ገጽ 437 ሕጡብ ጽ. 2)
27 ጥቅ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዮሃንስ 6 ከምኡውን 7
መዝሙር ቍ. 150
ቍ. 1:- sg ገጽ 172-175 ቍ. 1-13
ቍ. 2:- ዮሃንስ 6:52-71
ቍ. 3:- ቕንዕና ሓጐስ የፍሪ (kl ገጽ 119-20 ቍ. 5-6)
ቍ. 4:- ሓቀኛታት ክርስትያናት ንዓለም ብኸመይ ኢዮም ክርእይዋ ዘለዎም፧ (rs ገጽ 437 ሕጡብ ጽ. 3–ገጽ 438 ሕጡብ ጽ. 4)
3 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዮሃንስ 8 ከምኡውን 9
መዝሙር ቍ. 48
ቍ. 1:- sg ገጽ 175-178 ቍ. 1-14
ቍ. 2:- ዮሃንስ 9:18-34
ቍ. 3:- ልግሲ ሓጐስ የምጽእ (kl ገጽ 120-21 ቍ. 7-8)
ቍ. 4:- td 23ለ 144, 000 ጥራይ ንሰማይ ይኸዱ
10 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዮሃንስ 10 ከምኡውን 11
መዝሙር ቍ. 117
ቍ. 1:- sg ገጽ 178-181 ቍ. 15-29
ቍ. 2:- ዮሃንስ 10:22-39
ቍ. 3:- ነቲ ናይ ምሕሳብ ክእለትካ ሓልዎ: ንሕማቕ ዘበለ ኸኣ ኣርሕቆ (kl ገጽ 121-22 ቍ. 9-10)
ቍ. 4:- td 24ሐ ሓዊ ምሳሌ ናይ ጥፍኣት ኢዩ
17 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዮሃንስ 12 ከምኡውን 13
መዝሙር ቍ. 158
ቍ. 1:- sg ገጽ 181-184 ቍ. 1-14
ቍ. 2:- ዮሃንስ 12:1-16
ቍ. 3:- ንናይ መርዓ ብጻይካ እሙን ምዃን ኣብ ሓዳር ሓጐስ የምጽእ (kl ገጽ 122-3 ቍ. 11-13)
ቍ. 4:- td 25ሀ ዓመታዊ በዓላትን ሓቀኛታት ኣምለኽቲ የሆዋን
24 ሕዳ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዮሃንስ 14 ክሳዕ 16
መዝሙር ቍ. 63
ቍ. 1:- sg ገጽ 184-187 ቍ. 15-34
ቍ. 2:- ዮሃንስ 16:1-16
ቍ. 3:- ካብ ዓለም ኣይትኹኑ (kl ገጽ 123-6 ቍ. 14-15)
ቍ. 4:- td 26ለ ኣምልኾ ጣኦት ንህዝቢ እስራኤል መፈንጠራ ኢዩ ነይሩ
1 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዮሃንስ 17 ከምኡውን 18
መዝሙር ቍ. 114
ቍ. 1:- sg ገጽ 188-190 ቍ. 1-7
ቍ. 2:- ዮሃንስ 18:1-14
ቍ. 3:- ሓቀኛታት ክርስትያናት ልደትን እተወልድሉ ዕለትን ዘየብዕልሉ ምኽንያት (kl ገጽ 126-7 ቍ. 16-17)
ቍ. 4:- td 27ሀ ሓንቲ ሓቀኛ ሃይማኖት ጥራይ ኢያ ዘላ
8 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ዮሃንስ 19 ክሳዕ 21
መዝሙር ቍ. 138
ቍ. 1:- ዮሃንስ—ስለምንታይ ጠቓሚት (si ገጽ 198-9 ቍ. 30-5)
ቍ. 2:- ዮሃንስ 19:25-37
ቍ. 3:- ንድራር ጐይታ ምብዓል ቀጽሉ (kl ገጽ 127 ቍ. 18)
ቍ. 4:- td 29ለ ስም ኣምላኽ ከም ዝፍለጥ ግበርዎ
15 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ግብሪ ሃዋርያት 1 ክሳዕ 3
መዝሙር ቍ. 41
ቍ. 1:- መእተዊ ግብሪ ሃዋርያት (si ገጽ 199-200 ቍ. 1-8)
ቍ. 2:- ግብሪ ሃዋርያት 1:1-14
ቍ. 3:- ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምርሒ ኣብ ስራሕን ምዝንጋዕን ብኸመይ ከም ዝውዕል (kl ገጽ 127-8 ቍ. 19-20)
ቍ. 4:- td 29መ እቶም ቀንዲ ባህርያት ኣምላኽ ኣየኖት ኢዮም፧
22 ታሕ. ንባብ መጽሓፍ ቅዱስ:- ግብሪ ሃዋርያት 4 ክሳዕ 6
መዝሙር ቍ. 113
ቍ. 1:- sg ገጽ 190-192 ቍ. 8-13
ቍ. 2:- ግብሪ ሃዋርያት 5:27-42
ቍ. 3:- ንህይወትን ደምን ክብሪ ኣርእዩ (kl ገጽ 128-9 ቍ. 21-3)
ቍ. 4:- td 30ሀ ናይ የሆዋ መሰኻኽር ኣጀማምራኦም ከመይ ኢዩ፧
29 ታሕ. ናይ ጽሑፍ ድግማ። ካብ ሉቃስ 12 ክሳዕ ግብሪ ሃዋርያት 6 ወድእዎ
መዝሙር ቍ. 144