ምልክታታት
◼ ዝዕደል ጽሑፋት ኣብ ጥቅምቲ:- ናይ ግምቢ ዘብዐኛ ከምኡውን ንቕሑ! ንጽል ቅዳሓት። ተመላሊስካ ምብጻሕ ክግበር ከሎ ተገደስቲ እንተድኣ ተረኺቦም: ናይ መጽሔት ምዝገባታት ክግበር ይከኣል ኢዩ። ሕዳር:- ናብ ዘለኣለማዊ ህይወት ዝመርሕ ፍልጠት። ናይ ቤት ጽንዓታት መጽሓፍ ቅዱስ ንምጅማር ዕላማ ብምግባር: ንዅሉ እቲ እተገብረ ምዕዳል ጽሑፋት ንምክትታሉ ፍሉይ ጻዕሪ ክግበር ኢዩ። ታሕሳስ:- ኣብ ናይ ሕዳር ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ምልክታ ክንገር ኢዩ። ጥሪ:- ቅድሚ 1984 እተሓትመ: ኣብ መኽዘን ናይታ ጉባኤ ዝርከብ 192 ገጽ ዘለዎ ዝዀነ መጽሓፍ። ከምዚ ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ዘይብለን ጉባኤታት ከም ድሕነት ናብታ ሓዳስ ምድሪ (እንግሊዝኛ) ዝኣመሰለ መጻሕፍቲ ክዕድላ ይኽእላ ኢየን።
◼ እታው ናይዛ ናይ መንግስትና ኣገልግሎት ሕታም: “ናይ 1997 ቲኦክራሲያዊ ኣገልግሎት ቤት ትምህርቲ መደብ” ኢዩ: ኣብ 1997 ብምሉኡ ድማ ከም መወከሲ ክተሓዝ ኣለዎ።